ንእግዚአብሔር'ዶ ንስምዓዮ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን
ንእግዚአብሔር'ዶ ንስምዓዮ
ሓደ ሰብ ይመውት'ሞ፡ ገነትን ሲኦልን ዑደት ይገብር። ንሲኦል ተረኣያ ግና ብዙሕ ስለዘይጸልኣ፡ ንዳግማይ ግዜ ክርእያ ይሓትት'ሞ፡ ይፍቀደሉ። ደጊሙ ምስ ረኣያ'ውን ሰይጣን ጽቡቕ ኣቀባብላ ስለዝደገመሉ፡ መሊሱ ፈተዋ። ድሕር'ዚ ናብ ገነት ምስ ተመልሰ፡ ናብ ሲኦል ሳልሳይ ዑደት ክገብር ሓተተ።
ሽዑ "ሕጂ ተኼድካ ግና ናብዚ ምምላስ የለን፥ ወዲእካ ኢኻ!" ይበሃል'ሞ፡ በዚ ተሰማሚዑ ንሓዋሩ ናብ ሲኦል ጠቕሊሉ ይኸይድ። የግዳስ ዘይከም ናይ መጀመርያ ዑደቱ፡ ምቕማጡ ኣብቲ ዝኸፍአ ስፍራ ምስ ዝኸፍአ ስቓይ ኮነ። በዚ ተገሪሙ "ንምንታይ ደኣ ካብ መጀመርታ ከምዚ ጌርካ ዘይተቐበልካኒ?!" ኢሉ ይሓትት'ሞ፡ ሰይጣን "ሽዑ ቱሪስት ኴንካ ንዑደት ኢኻ መጺኻ ኔርካ፥ ሎሚ ግና ዘልኣለም ክትነብር ኢኻ መጺኻ" በሎ። እዚ ፈጠራዊ ዛንታ እቲ እኲይ ዝጸመድለና መፈንጠራ ከመይ ምዃኑ ብመጠኑ የርኢ።
ሰይጣን ሓጢኣት ቅድሚ ምፍጻምካ፡ ነቲ ሓጢኣት ኣቕሊልካ መታን ክትርእዮ ብዙሕ የተባብዓካ። "ኣብዚ እዋን እዚ ኸ ድንግልና ዝበሃል ኣሎ ድዩ? ክስቶ'ኳ ቐሺ/ዲያቆን/ቆራቢ ኽነሱ ዘይተኸልከለስ ንስኻ ክትክልከል?" እናበለ ንሕልናኻ ብብዙሕ ሕቶ የዋጥሮ።ሕሉፍ ሓሊፍዎ "ዘይ መንእሰይ ኴንካ ኢኻ ከምዚ ቃሕ ዝብለካ ዘሎ! ካብ ድሌትካ ኣይትትረፍ! ዘይክትሳሕ ኢኻ! እንታይ ተሪፉካ'ሞ ክሳዕ'ዚ ካብ በጻሕካ ምንሳሕ ምንሳሑ ብምልኣት ውዓሎ!" እናበለ ደጋፊኻ መሲሉ ይመኽረካ።
ኣብ ሓጢኣት ብዝወደቕካሉ ቕጽበት ግና ደፋፊኡ ከምዘየጽደፈካ "ከመይ ንእግዚአብሄር ክንድዚ ትደፋፈሮ? ኣብ ሓጢኣት ሓዲርካስ ናብ ቤቱ? ዘይበዓል ንስኻ መን ንቤቱ ኣርከሶ? ካብዚ ሓጢኣት ከተምልጥ ኣይትሕሰብ! ክንደይ ግዜ ዘይተነሳሕካ! ኦሮማይ ናይዚ ሓጢኣት ውሉፍ ዄንካ ኢኻ!" እናበለ ይኸሰካ። ነዚ ምስ ሰዓርካዮ ጸኒሑ "ምናሳሕካ ዘይተርፈካ ደጋግሞ! ሕጂ ኸ ነበንስሓካ እንታይ ኢልካ ኢኻ ክትነግሮ?" ኢሉ ይወቕሰካ። ሕሉፍ ድፍረቱ ተነሲሕካ ጸሎት ምስ ጀመርካ'ኳ ነቲ ሓጢኣትካ ኣብ ርእስኻ ይመላልሰልካ'ሞ፡ "ኣነስ እናጸለኹ ከምዚ እሓስብ!" ኢልካ ነፍስኻ ኣዚኻ ክትጸልእ ይገብረካ።
ኣብ እግዚኣብሔር ግና እዚ በንጻሩ'ዩ፥ ብሓጢኣት
ቅድሚ ምውዳቕካ "ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ፍጹም ዝኾነ፥ ንስኻ’ውን ፍጹም ኩን!¹ ቅንዕና ንምግባር ተበራበር! ኃጢኣት ኣይትግበር!² እቶም ኃጥኣን ኸምቲ ኺሃድእ ዘይክእል፥ ማያቱ ጭቃን ርስሓትን ዜውፅእ ዚናወጽ ባሕሪ'ዮም! ኃጥኣን ሰላም የብሎምን!³ ሓጥኣን ናብ ናይ ዘለዓለም ቅጽዓት ኪኸዱ'ዮም!⁴" እናበለ ብሕልናኻ ክኸሰካ ይጸንሕ'ሞ፡ ኣብ ሓጢኣት ምስ ወደቕካ ግና "ንዓኻ ናብ ንስሓ እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን!⁵ ኣታ ጾር ዝኸበደካ ኣነ ኸዕርፈካ ናባይ ንዓ!⁶ ንገበንካ ኸም ደመና፥ ንኃጢኣትካውን ከም ግመ ኣጥፊአዮ'የ። ኣነ'የ ዝብጀወካ'ሞ፥ ናባይ ተመለስ!⁷ " እናበለ 'ምጻኒ! ናተይ ኵን!' ብዘስምዕ ቃና ወገንካ ኮይኑ ይምጒተካ።
ፍቑራተይ ድሕሪ ብዙሕ ጒያ ሓጢኣት ክልተ ጎፍ ዝብሉና ኣካላት ኣለዉ፥ ሰይጣን ምስ ክስታቱ፡ እግዚአብሔር ምስ ምሕረቱ። ሰይጣን "እዚ ናተይ'ዩ!" ይብል፥ እግዚአብሔር ድማ "ብደመይ ዝገዛእክዎ ናተይ እባ!" ይብል። ንመኖም ንስማዕ!?
ንእግዚአብሔር'ዶ ንስምዓዮ!
1. ማቴ 5፡48
2. 1 ቆሮ 15፡34
3. ኢሳ 57፡20-21
4. ማቴ 25፡46
5. ሉቃስ 5፡32
6. ማቴ 11፡28
7. ኢሳ 44፡22
ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!
Comments
Post a Comment