ቀዳም ስዑር

 ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን


ቀዳም ስዑር ማለት



ቀዳም ስዑር ማለት

ቀዳም ስዑር ማለት ሰይጣን ዝተሳዕረሉ ክርስቶስ ዝነገሰሉ ዕለት። ብተወሳኺ ቀዳም ስዑር ዝተባህለሉ ምኽንያት ብጾም ስለ'ትሳዓር ኢዩ። ኩሉ ግዜ ቀዳም ኣይጽወሙን ኢዩ ኣንጊህካ ኢኻ መግቢ ዝብላዕ። እዛ ቀዳም እዚኣ ግና ስለ #እትጽወም ስለ ዘይንበልዕ ዝተሳዕረት ቀዳም ዝተባህለት።




 ሰቲ ዝዕደለሉ ምኽንያት

ኣብ ቀዳም ስዑር  ሰቲ ዝዕደለሉ ዕለት እዩ። ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ስቕለት፣ ኣብ ስግደትን ጾምን ዝቀነዩ ምእመናን፡ ብዕለተ ቀዳም ናይ ንግሆ ጸሎት ምስ ተፈጸመ ካህናት “ገብረ ሰላም ብመስቀሉ” (ብመስቀሉ ሰላም ገበረ) እናበሉ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተኣከቡ ምእመናን ሰቲ ይዕድሉ። ሰቲ ናይ ብስራት ምልክት እዩ።




  ምሳሌ ሰቲ ምዕዳል ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ኣብ  ግዜ ኖህ ዝነበረ ሕዝቢ ካብ ሕገ እግዚአብሔር ወጺኡ ትእዛዝ ኣፍሪሱ ምድሪ ብዓመጻ መሊእዋ ነበረ። ምድሪ ድማ ብኃጢኣት ወዲ ሰብ ተጸይቃ ነበረት። እግዚአብሔር ከኣ ንምድሪ ብማይ ኣይሂ ከጥፍኣ ንጻድቕ ኖኅን ስድርኡን ዝድኅነሉ መርከብ ክሰርሕ ኣዘዞ። ኖኅ ድማ ከምቲ ዝተባህሎ ገበረ። እቶም ሕዝቢ ትምህርተ ንስሓ ኖኅ ክሰምዑን ክቕበሉን ስለዘይደለዩ፡ እቲ ግዜ ምስ ኣኸለ ኖህ ሸሞንተ ነፍሳት ሒዙ ናብ መርከብ ኣተወ። ብድኅሪ’ዚ ከኣ ምድሪ ብማየ ኣይኅ የዕለቕለቐት።






 ጻድቕ ኖህ ግዚኡ ምስ ኣኸለ ካብቶም ሒዝዎም ዝኣተወ ኣንስሳ ናይቲ ማይ ምጉዳል ክትርኢ ንርግቢት ሰደዳ፡ ንሳ’ውን እቲ ማይ ከም ዝጎደለ ምልክት ልሙዕ ቖጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ተመልሰቶ። ኖህ’ውን በቲ ቖጽሊ ኣውሊዕ እቲ ማይ ከም ዝጐደለ ተረዲኡ ተሓጐሰ(ዘፍ 8፡1-29) ከምቲ ሰቲ፡ ምንቓጽ ጥፍኣት ማይ መበሰሪ ዝኾነ ሕጂ’ውን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብሞት ክርስቶስ፡ ሞተ ነፍስ ካብ ደቂ ኣዳም ከም ዝረሓቐ ክተበስር ብካህናት ኣቦታትና ኣቢላ ሰቲ ትዕድል፡ ምእመናን ከኣ ነቲ ናይ ድሕነት ምልክት ዝኾነ ሰቲ ኸኣ ኣብ ግንባሮም ይኣስርዎ።




እዛ ቀዳም እዚኣ ቅድስት መዓልቲ እያ። ቅዱስ ዝኾነ እግዚአብሔር ንፍጥረታት ኵሉ ምስ ፈጠረ በዚኣ ዕለት እዚኣ ካብ ኵሉ ስርሑ ዝዓረፈሉ ክኸውን ከሎ፡ ብሓዲስ ኪዳን ከኣ ንኵሉ ናይ ምድሓን ስርሑ ፈጺሙ ብስግኡ ኣብ መቓብር ከዕርፍ ከሎ፡ ብነፍሲ ከኣ ንሲዖል ዘሚቱ ጥርሓ ዘትረፈሉ ዕለት ዝዝከረሉ እዩ። ኣብ ሲዖል ዝነበሩ ነፍሳት ናይ ዘለዓለም ዕረፍቲ ዘውረሰላ ዕለት ስለዝኾነት ካብ ካልኦት መዓልትታት ብዝተፈልየ ቅዱስ ቀዳም ተባሂላ ትጽዋዕ።



ብሂወት ንኽነብር ሂወቱ ዝኸፈለልና ጎይታና ይኽበር ይመስገን! "እንበለ ደዌ ወሕማም እንበለ ፃማ ወድካም አመ ከመ ዮም ያብጽሐነ ያብጽሕክሙ ለብርሃነ ትንሣኤሁ እግዚአብሔር በፍስሓ ወበሰላም አሜን !!



ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==




ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና