ትንሣኤ ክርስቶስ

ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን ፣ በዐቢይ ኃይል ወስልጣን፣ ኣሠሮ ለሰይጣን ፣ አግዐዞ ለአዳም፣ ሠላም፤  እምይዕዜሰ፣ ኮነ፣ ፍሥሐ ወሰላም ።


 ትንሣኤ ክርስቶስ



“ዮም ፍሥሐ ኮነ በሰንበተ ክርስቲያን” - ትንሣኤ ክርስቶስ

 

“ዮም ፍሥሐ ኮነ በሰንበተ ክርስቲያን እስመ ተንሥአ ክርስቶስ እሙታን/ ክርስቶስ ካብ ምውታን ስለ ዝተንሥአ ሎሚ ኣብ ሰንበተ ክርስቲያን ሓጐስ ኮነ” ነዚ ቃል ዝደረሶ ቅዱስ ያሬድ  እዩ። ሎሚ ዝተባህለት እታ ኣብ ዘመነ ኦሪት ብእሑድ እትፍለጥ ናይ ሥራሕ መዓልቲ ዝነበረት እግዚአብሔር ምፍጣር ዝጀመረላ ዕለት እያ። እንተኾነ ግና ጐይታ ዓበይቲ ፍጻሜታት ስለ ዝፈጸመላ ሰንበተ ክርስቲያን ቅድስት ተባህለት። ሓደ ካብኡ ድማ በዛ ዕለት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝተንሥአ እዩ።



 በዚ መሠረት ቅዱሳን ሐዋርያት ንእሑድ (ሰንበተ ክርስቲያን) ምስ ቀዳሚት ሰንበት (ሰንበተ አይሁድ) ሓደ ጌርና ንኸነኽብረን “አግብርትኒ ይትቀነዩ ኃምሰ መዋዕለ ወበዕለተ ሰንበትሰ ወእሑድ ይፀመዱ ለቤተ ክርስቲያን ከመ ይትመሀሩ መልእክተ እግዚአብሔር፡ እስመ በዕለተ ሰንበት አዕረፈ እግዚአብሔር አመ ፈጸመ ፈጢረ ፍጥረታት፡ ወበዕለተ እሑድኒ ተንሥአ እምነ ምዉታን/ ኣገልገልቲ ኃሙሽተ መዓልቲ ይሥርሑ፡ ሰንበትን (ቀዳም) እሑድን (ሰንበት) ግና መልእኽቲ እግዚአብሔር ምእንቲ ክመሃሩ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጽሙዳን ይኹኑ፤



 ምኽንያቱ  እግዚአብሔር ፍጥረታት ፈጢሩ ብሰንበት ስለ ዘዕረፈ፡ ከምኡውን ብዕለተ እሑድ ካብ ምዉታን ተፈልዩ ስለ ዝተንሥአ” ብምባል ሥርዓት ሠርዑልና። (ፍት.ነገ. 19፥721)  እዘን ክልተ ዕለታት ቃል ኪዳን ዝተዋህበንን በዚ ቃል ኪዳን ከኣ ነፍሳት ካብ ገሃነመ እሳት ዘዕርፋለን ዕለታት እየን። (ትርጓሜ ውዳሴ ማርያም ዘሰንበተ ክርስቲያን መቅድም) “ዮም ፍሥሐ ኮነ/ ሎሚ ሓጐስ ኮነ” በለ ናይ ጐይታ ትንሣኤ ንዓና ድኅሪ ሞት ሕይወት ከም ዘሎና ዘረድእ ሞት ዝተሳዕረሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ዓቢይ ሓጐስ ኮነ በለ።  

 


ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለተ ዓርብ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ገኒዞም ኣብ ሓድሽ መቓብር ቀበርዎ። ኣይሁድ ግና “ድኅሪ ሠለስተ መዓልትን ለይትን ክትንሥእ እየ፡” ይብል ስለዝነበረ፤ ኣርድእቱ ብለይቲ መጺኦም ሰሪቖም ወሲዶም “ተንሢኡ” ኢሎም ከይህውኹና” ኢሎም ሓለውቲ ገበሩሉ። እንተኾነ ግና ጐይታ ከምቲ ትንቢት ነቢያት ዝተነበይዎ ባዕሉ’ውን ንሐዋርያት ዘስተምሃሮም “ብሣልሰይቲ መዓልቲ ክትንሥእ እየ” ዝበሎ ኣብ ሣልሰይቲ መዓልቲ ነፍሱ ምስ ሥጋኡ ብምውሐድ ካብ ምዉታን ተፈልዩ ተንሥአ። (ማቴ 20፥19)



 በዚ ድማ “ሞተ ዘኢይመውት፡ ሞተ ከመ ይስዓሮ ለሞት፡ ሞተ ከመ ያሕይዎሙ ለሙታን/ ንሞት ክስዕሮን ንሙታን ከሕውዮምን እቲ ዘይመውት ሞተ” (ቅዳሴ ዮሐንስ አፈወርቅ ቍ. 58) ከም ዝብል ሞት ተሳዕረ ሕይወት ድማ ተረኽበ ። ጐይታ ኣብ ዝተንሥኣሉ ጊዜ ኵሉ ዓለም ብርሃን ኮነ፤ ብዘይካ ንአይሁድ ንዅሉ ብርሃን ተራእዮ። ጲላጦስ ሕማምን ሞትን ጐይታ ርእዩ “እዚ ኵሉ ኣነ አሕሊፈ ስለ ዝሃብኩ ኣነ ብዝገበርክዎ እዩ” ኢሉ ኣዝዩ ኃዚኑ ነበረ። 



ጐይታ ብግርማ ተንሢኡ ንጲላጦስ ተራእዮ ከምዚ ድማ በሎ “ጲላጦስ ብፍቓደይ ዝገበርክዎ እንታይ የኅዝነካ ኣሎ፧ እዚ እትርእዮ ዘለኻ ብርሃን ናይ ትንሣኤይ ክብሪ እዩ። ሕጂ ኣይሁድ ኣይተንሥአን ክብሉኻ እዮም ንስኻ ግና ተንሢኡ እዩ ኢልካ ጽናዕ” በሎ። ድኅር’ዚ ኣይሁድ “ንጲላጦስ ካልእ ሰብ ቀዲሞም መጺኦም ተንሢኡ ኢሎም ከይነግርዎ ቀዲምና ንኺድ” ኢሎም ንጲላጦስ “ደቀ መዛሙርቱ ለይቲ ሰሪቖም ወሲዶምዎ” በልዎ። ኣይሁድ ነቶም ሓለውቲ መቓብር “እወ ሰሪቖምዎ እዮም ኢልኩም መስክሩ” ኢሎም 200 ወቄት ወርቅ ሃብዎም።



 ጲላጦስ ግና “ከም ዝተንሥአ ፈሊጠ ኣለኹ ንዓይ ነጊሩኒ እዩ” በሎም። ንሳቶም ድማ “ትሓልም ኢኻ ዘሎኻ ሕልምኻ ከንቱ እዩ፡ ካብዚ ዝበልጽ ኣርባዕተ ሓለውቲ ኣምጺእኻ መርምሮም” በልዎ። ንሱ ድማ ነቲ ሓደ እንተሓተቶ “ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ሰሪቖምዎ” በለ። እቲ ካልኣይ “ጴጥሮስ፡ ዮሐንስ፡ ያዕቆብን ወሲዶምዎ” በለ። እቲ ሣልሳይ “ዓሠርተው ክልተ ሐዋርያት ወሲዶምዎ” በለ። ራብዓይ ብፍርሒ ዝኣክል “ሰሪቖም ወሲዶምዋ ይኾኑ እምበር ኣነ ደቂሰ እየ ነይረ” በሎ። ጲላጦስ ነዚ ምስ ረኣየ “ከመዝኑ ኮነ ነገርክሙ ዝርወ ወዝርዙረ/ ዘረባኹም ዝርዉን ብትኑን ኮነ” ብምባል ብሓሶት ከምዝመስከሩ ነገሮም።


 ድኅርዚ ናብ መቓብር ጐይታ ኸዱ’ሞ መግነዙ ጥራይ ጸንሖም፡ ምዑዝ ሽቱ ስለ ዝነበሮ ኣልዒሉ ኂዙ ብመዓዛኡ እናተገረመ “እዚ ናይ ዕሩቅ ብእሲ ከምዚ ጌሩ ክምዕዝ ኣይክእልን እዩ” በሎም። ኣይሁድ “ናይ ተኽሊ መዓዛ እዩ” ስለዝበልዎ “ንስኻትኩም ካብ ክፍኣት ኣይተዕርፉን ኢኹም” ብምባል፤ ሓንቲ ዓይኑ ብምኽንያት ኲናት ዝጠፍአት ሓደ ሓለቓ ሚእቲ (ሀቤ ምእት) ነበረ እሞ፡ ጲላጦስ ነቲ መግነዝ ናይ ጐይታ “እንካ እዚ ገባሬ ተአምር እዩ” በሎ ንሱ ድማ ተቐቢሉ ኣብ ዓይኑ ምስ ኣልገቦ ዓይኑ በርሃሉ “ትንሣኤከ ለእለ አመነ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ/ ትንሣኤኻ ንዝኣመንና፣ ብርሃንካ ኣብ ልዕሌና ፈኑ” ከም ዝብል። 




በዚ ጲላጦስ እናተደነቐ ክዘውር ከሎ ናይ ፈያታይ ዘየማን ሬሳ ወዲቑ ነበረ እሞ ኣይሁድ ንጲላጦስ “ጲላጦስ ተንሢኡ ዝበልካዮ እነሆ” በልዎ። ጲላጦስ ድማ ንዮሴፍን ኒቆዲሞስን ጸዊዑ እቲ “ዝቐበርክምዎ እዚ ድዩ፧” በሎም፤ ንሳቶም ከኣ “ኣይኮነን እዚ ናይቲ ብየማን ጐይታ ዝተሰቅለ ሽፍታ እዩ፡ እዚ ሃቤ ምእት (ሓለቓ ሚእቲ) ኂዝዎ ዘሎ መግነዝ ግና ናይ ጐይታ እዩ” በልዎ። ሕጂ’ውን ኣይሁድ “ናይ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ምስክር ኣይንኣምንን ኢና” በሉ፡፡ ብድኅር’ዚ ጲላጦስ “በሉ በዚ ናይ ጐይታ መግነዝ  ገኒዝኩም ቀቢርኩም ነቲ መቓብር ድማ ዕፀውዎ” በሎም እሞ ንሳቶም ድማ ከምኡ ገበሩ።



 ሽዑ ጲላጦስ “ጐይታ ንስኻ ዝተቐበርካዮ ኣነ ተጠራጢረ ኮይነ ዘይኮንኩ እኩያን ኣይሁድ እንተኣመኑ ኢለ እየ፤ ሕጂ ነዚ ኣተንሥኣለይ” ኢሉ ተምበርኪኹ ክጽሊ ጀመረ፤ ፈያታይ ዘየማን ካብቲ ውሽጢ “ጲላጦስ ክፈተኒ” ዝብል ቃል ኣስምዐ ጲላጦስ “መን ኢኻ፧ ኣበይ’ከ ኔርካ፧” በሎ፤ ንሱ ድማ “ብየማናይ ወገን ተሳቕየ ተሰቒለ ዝነበርኩ ሽፍታ እየ፡ ኣብ ገነት፡ እዚ ሕጂ ንስኻ እትሽትቶ ዘሎኻ መዓዛ እምገብ ነይረ። ኢየሱስ ናዝራዊ ንስኻ ክትጽሊ ከሎኻ ብየማናይ ጐኒ ኣተንሢኡ ‘ንጲላጦስ ኣይሁድ ይከራኸርዎ ኣለዉ እሞ ኬድካ ኣጆካ ተንሢኡ እዩ ኢልካ ጽናዕ በሎ’ ኢሉኒ” በሎ።



ብድኅር’ዚ ጲላጦስ “ኵሉ ዝተገብረ ንሄሮድስ ክልእኸሉ” በለ። ኣይሁድ ቀዲሞም ናብ ሄሮድስ ብምኻድ “ሓድሽ ሹመኛ ሹመልና፣  ንሱ ግና ሃገርና ኣጥፊኡ ንዓና ደብደበና፡ ናይ ሊቀ ካህናት ቤት ኣዝረፈ፡ ገንዘብ ቤተ መቅደስ ሰሪቑ ናብ ገዝኡ አእተዎ፤ ስለዚ ትሠርሕ እንተኾንካ ሥራሕ እንተ ዘይኮይኑ ናብ ልዕሌኻ ቄሣር ክንጠርዕ ኢና” በልዎ። ሄሮድስ ልቡ ምስኦም ስለዝኾነ “ኪዱ ኣብ መንገዲ ረኺብኩም ሓኒቕኩም ቅተልዎም” በሎም። ንጲላጦስ ድማ ብተንኮል “ሓወይ ንስኻ ርኢኻ ከምዝኣመንካ ኣነ ድማ ርእየ ክኣምን ምእንቲ፣ ዓይኑ ዝበርሃሉ ሀቤ ምእት (ሓለቓ ሚእቲ)፡ ሞይቱ ዝተንሥአ ፈያታይ ዘየማን (የማናይ ሽፍታ)፡ ዕውር ዘብርሀ መግነዙን ጌርካ ስደደለይ” ኢሉ ለኣኸሉ። ጲላጦስ ከምቲ ዝበሎ ጌሩ ንሀቤ ምእትን ንፈያታዊ ዘየማንን መግነዝ ኣትኂዙ ለኣኸሉ፤ ኣይሁድ ገና ኣብ ሄሮድስ ከይበጽሑ እንከለዉ ኣብ መንገዲ ረኺቦም ሓኒቖም ቀተልዎም።



 ጲላጦስ ኣብ ገዛ ከሎ ክልተ ነፍሳት ንሰማይ ክድይባ ረኣየ፡ መልአከ እግዚአብሔር ድማ ንጲላጦስ እዘን ነፍሳት ፈሊጥካዮን’ዶ፧  ኢሉ ሓተቶ፤ ኣይፈለጥክወንን በሎ፡ ሓለቓ ሚእትን ፈያታይ ዘየማንን እዮም በሎ፡ ኣይሁድ ኣብ ሄሮድስ ቅድሚ ምብጽሖም ሓኒቖም ቀተልዎም፤ ንስኻውን ብሰማዕትነት ክትመውት ኢኻ፡ ኢሉ ነታ መግነዝ ካብ ፈያታይ ዘየማን ተቐቢሉ ንጴጥሮስ ሃቦ፡ ጴጥሮስ ድማ ካብ ማርቆስን ቀሌምንጦስን ንሓደ ሃበ። (ትርጓሜ ሥርዓተ ቅዳሴ ምዕ. 4፥15)።   

    

ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ እንተ ዘይትንሥእ ነይሩ ሞት ንዘለዓለም ገዚእና ምነበረ ነይሩ። ስለዚ ከምቲ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ወእመሰኬ ክርስቶስ ኢተንሥአ እምውታን ከንቱ ውእቱ ትምህርትነ. . . ወእመሰ ኢይትነሥኡ ምዉታን ክርስቶስኒ ኢተንሥአ እሙታን/  ክርስቶስ ካብ ምዉታን እንተ ዘይትንሢኡ፣ ትምህርትና ከንቱ ኢዩ. . . ምዉታን እንተ ዘይተንሢኦም’ውን ክርስቶስ ካብ ምዉታን ኣይተሥአን” ከም ዝብል። (1ይ ቆሮ. 15፥14-16) ስለዚ ተስፋ ድኅነትና ዝረኸብናሉ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዝተሳገርናሉ እዩ።



ብዛዕባ ትንሣኤ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሃንደበት ዝመጽአ ዘይኮነ ኣቐዲሙ ትንቢትን ምሳሌን እናተነግረ ዝመጽአ እዩ። “ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ/ እግዚአብሔር ከም ካብ ድቃሱ ዝነቕሐን ናይ ወይኒ ስኽራን ከም ዝኃደጎ ኃያል ኮይኑ ተንሥአ ድኅሪኡ ዘለዉ ጸላእቱ ኣጥፍአ” ከም ዝብል። (መዝ.ዳዊ. 77፥65) ባዕሉ ጐይታ’ውን ብዛዕባ ትንሣኤኡ ብምሳሌ ጌሩ ተዛሪቡ እዩ፡ “ከምቲ ነቢይ ዮናስ ኣብ ከርሢ ዓሣ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ዝገበረ ከምኡ’ውን ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኪገብር እዩ። (ማቴ. 12፥40) ዮናስ ናይ ጐይታ ከርሠ ዓሣ ናይ መቓብር፡ ዕለቱ ናይ ዕለት ምሳሌ። 



ትንቢቱን ምሳሌኡን ብጥበቡ ኣዳለዎ ምሥጢሩ ድማ ንአዳም፡ ንሔዋንን ንሕፃናትን፤ ንሥጋ፡ ንነፍስ ንደመ ነፍስ ከም ዝኸሓሰ ከረድእ እዩ። ከምኡ’ውን “ሠለስቱ ዕድዋኒሁ ለሰብእ” ከም ዝብል ኃጢአት፡ ሞት፡ ፍዳ ከም ዘጥፍአ ከረድእ። ስለዚ ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን እዚ ዕለት ካብ መግዛእቲ ናብ ሓርነት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝተሳገርናሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ቅዱስ ያሬድ “ሎሚ ሓጐስ ኮነ” በለ። 




እምበኣር ሓጐስና ምሉእ ክኸውን ንእግዚአብሔር ዘሐጕስ ሥራሕ ክንገብር ይግብኣና፤ እዚ ማለት ንዝተጸገሙ ወገናትና ብምርዳእ ካብ ማእሰርቲ ንዴት (ስእነት) ሓራ ከነውፅኦም ይግብኣና እዩ፤ ነዚ ክንገብር እግዚአብሔር ይኃግዘና ኣሜን። 




ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==




ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!



Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና