ሓሙስ ኣዳም

 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!


ሓሙስ ኣዳም



"እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ኣርባዕተ ባህርያት ስጋ(ካብ ምድሪ) ምስ ገብሮ፡፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ሕይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ሕያው ነፍሲ ዀነ።"(ዘፍ 2፡7) ኣምላኽና ንኣዳም ካብ መሬት(መዋቲ ባህርይ) እኳ እንተገበሮ፡ እስትንፋስ ሕይወት ኡፍ ምስ በለሉ ግና ሕያው ወይ'ውን ዘይመውት፡ ዘለኣለማዊ ኮነ።


ሞት ናብ ባህርይ ኣዳም ዝኣተወ ግና ብዘይ ምእዛዙ እዩ። "ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ ኣምላኽ ንኣዳም ኣዘዞ።"(ዘፍ 2፡17) ኣዳም ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣጽኒዑ ሓሊዎ ክነብር ኣይከኣለን፡ ሕጊ ጠሓሰ ሞት ድማ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ኩሎም ዘርኡን ነገሰ። ኣዳም በቲ ዝገበሮ ብልቢ ተጣዕሰ ናብ ኣምላኽ' ውን ተመልሰ፡፡


ንኣዳምን ዘርኡን ካብዚ ሞት እዚ ከድሕኖም ዝኽእል ግና፡ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ነይሩ፡፡ ኣምላኽና ከኣ እቲ ተግባር ኢዱ ዝኾነ ኣዳም ካብኡ ተፈልዩ(ሞይቱ) ክነብር ኣይፈተወን፡፡ ልቡ ክድብስ ከድሕኖ ምዃኑ ግድን መብጽዓ ክኣትወሉ ነበሮ፡፡


ኣምላኽና ከኣ "ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ፡ በሎ።"(ዘፍ 3፡15) እዚ ቃል ብዕለተ ዓርቢ ኣብ ቀራንዮ ተፈጺሙ እዩ፡፡ ሰይጣን ንጐይታ ብኣይሁድ ኣእጋር(ሸዀና) ጐይታ ብመሳምር ክወግእ እንከሎ ጐይታና ድማ፡ "ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከልና ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።"(ቈላ 2፡14-15) ናይ ዘልኣለም እስራት ከኣ ኣሰሮ፡፡ በቃ ሰይጣን ኣብቶም ናይ ክርስቶስ ስልጣን ዘይብሉ ኾይኑ ተረፈ።


እወ! ከምቲ ጐይታና ዝበሎ፡ "ወይስ ቅድም ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ኣቓሑኡ ኺብዝብዝ ዚኽእል መን አሎ፧ ድሕርዚ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ።"(ማቴ 12፡29) ብተበጃውነት መድኃኒና ክርስቶስ ሲኦል ተበዝበዘት ነፍሳት ድሓኑ፡፡


ብተወስኺ'ውን ከምቲ ቅዱስ ቀለሜንጦስ ዝበሎ፥ "ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ።"(መ,ቀለ 3፡18) ዝበሎ፡ ኣምላኽና ንኣዳም ዘመን ቘጺሩ ድሕሪ 5500 ዓመታት ከድሕኖ ፈተወ። ነዚ ክገልጽ ከኣ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ዝበለ፡፡


"ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ።"(ገላ 4፡ 4-5)


ኣምላኽና ነቲ ዝወደቀ ኣዳም ንምድሓን ብቃላት ዘይግለጽ ብኣዝዩ ከቢድን ኣሰቃቒ ግፍዕን፡ ኣብ መስቀል ብምውዓል ብሞቱ ተበጀዎ፡፡ "ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ።"(ሮማ 5፡8) ተባህለ ስለዚ ክርስቶስ ስሌና ሞተ፡፡ "ሕጂ ግና ክርስቶስ ካብ ምዉታት ተንስኣ፡ በዚ ኸኣ ናይቶም ዝሞቱ በዂሪ ትንሣኤ ኾነ፡፡ ኸምቲ ሞት ብሓደ ሰብ(ብኣዳም) ዝመጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሣኤ ሙታን ብሓደ ሰብ(ብክርስቶስ) እዩ ዝመጸ።"


ኣዳም ምስ በደለ ኣብ ትሕቲ ሞት ተገዚኡ ይነብር ነበረ፡፡ ሞት ኣዳም ኸኣ ብሞት ክርስርቶስ ተሳዕረ። ኣዳም ኣብ ናይ ቀደም ክብሩ ተመልሰ፡ ሕያው ከኣ ኮነ፡፡


እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓሙስ ካብ ትንሣኤ ሓሙሸይቲ መዓልቲ ቤተ-ክርስቲያና ምስቲ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቃን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ ዝብል ቃል ተስፋ፡ ንመዘከርታ ብፍሉይ ስያሜ ሓሙስ ኣዳም እንዳበለት ብኣስተንትኖ ትጽውዓን ትዝክራን።


ንሕናኸ ኣባላት ቤተ-ክርስቲያን ዲና፧ እዛ መዓልቲ ንዓና እንታይ እያ፧ ንኣዳም እዛ መዓልቲ ፍልይቲ መዓልቲ እያ፡ ከመይ ካብቲ ዝነበሮ ሞት፡ ብሞት ክርስቶስ ምስ ክርስቶስ ዝተንሰኣላ ሕያው'ውን ዝኾነላ መዓልቲ ስለ ዝኾነ፡፡ …ንዓና'ኸ፧………....


"ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢእኹም ኢኹም እሞ ቀልብኹም ኣብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፥ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ፡፡ ኣእምሮኹም ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፥ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። ከመይ ምስ ክርስቶስ ሞይትኩም ተንሲእኹምን ኢኹም፡ ሕይወትኩም'ውን ኣብ ክርስቶስ ተሰዊራ ኣላ።"(ቄላ 3፡1-3) ስለዚ ሎሚ ንሕና ኣብ ግብሪ ሓጢኣት ንነብር ከይንህሉ ምስትውዓል የድሌና ኣሎ፡፡ ከምኡ እንተኾይኑ ገና ኣይተንሳእናን ዘለና ማለት እዩ።





እምበኣርሲ ኣሕዋተይ ሞይቶም ከም ዝተንሥኡ ገዛእ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ኣካላትኩም መሳርሒ ክፍኣት ኪኸውን ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ፡ ኣካላትኩምሲ መሳርሒ ጽድቂ ክኸውን ንኣምላኽ ደኣ ወፍይዎ። ከመይ "ብክርስቶስ ትሕቲ ጸጋ እምበር ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡፡ ኣብዚ ሓሳብ እንተሊኹም፧ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ።" (ሮማ 6፡13-14)


ስለዚ ሎሚ እዛ መዓልቲ ንዓና ኣደናቒትን ፍልይትን እያ፡፡ ከመይ እቲ ንዘመናት ተዋሂቡ ዝነበረ ቃል ተስፋ፡ ዝተፈጸመላ መዓልቲ ንዝክረላን፡ ካብ ሞት ብንስሓ ተሓጺብና፡ ብቊርባን ተሓቲምና ምስ ክርስቶስ ተንሲእና ሕያዋን ብምዃን፡ ንኣምላኽና በቲ ዝገበረልና ውዕለት እነመስግነላ መዓልቲ ስለ ዝኾነት፡፡ ክብርን ምስጋናን ንኣምላኽና ይኹን።




ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y


https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==







ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!






Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና