ጾመ ጽጌ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 

ጾመ ጽጌ 

ናይ ጾም ትርጉም

ናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ሥርዓት መድብል ዝኾነ መጽሓፍ ፍትሓ ነገሥት ብዛዕባ ጾም ከምዚ ይብለና። “ ጾመሰ ተከልአተ ብእሲ እመብልዕ በጊዜ ዕውቅ በውስተ ሕግ “ ጾምሲ ብዝተፈልጠ ዕለት፣ ብዝተፈልጠ ሰዓት ንሰብ ካብ መግቢ ትኸልክሎ መኸልከሊት እያ።” ጾም ንሰብ ካብ መግቢ ክሕረም ትገብሮ። እዚ ኸኣ ኃጥያቱ ንምሥትስራይ ፣ ዋጋ ትሩፋቱ ንምብዛሕ፣ ፈትዩ ነቲ ዝተሠርዓሉ ሕጊ እንዳተኣዘዘ፣ ፈቲው ሥጋ ኃይሊ ኣድኪሙ ንነባቢት ነፍሲ ከምትእዘዝ ዝገብሮ እዩ። ፍት.ነግ.ፍት.መን.፣ዓንቀጽ 15፣564። በዚ መሠረት ጾም ማለት ካብ ጥሉላት መባልዕተ ሥጋ ፣ ሥጋ ፣ ጠስሚ፣ ጾባ ፣ እንቓቅሖ ከሙኡ ከኣ ኣልኮላዊ ዘስክር መስተ ምዕቃብ ማለት እዩ።


ጾም ካብ መንፈሳዊ ተጋድሎ ሓደ እዩ። ንፈቃደ ሥጋ መንፈሳዊ ልጓማ እዩ። ሰብ ፈቃደ ሥጋኡ እንዳገትአ ንፍሲ ዘልምልመላ ስንቒ እያ። ጾም ቁስለ ነፍሲ ትፍውስ ፣ ኃይለ ፍትወት ተድክም፣ ናይ ጽቡቅ ምግባራት ኩሉ መጀመርታ፣ ጸጋ እግዚአብሔር ተውህብ፣ ክብሪ ጽሙዳን፣ ንደናግል መልክዕ ንጽሕናኦም፣ ኣደ ጸሎት፣ ምንጪ ንብዓት፣ መምህረ ኣርምሞ፣ ንጽቡቅ ተግባር መነቃቅሒት፣ ንሰውነትና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብትሕትና ከነዋርድ መምህረ ትሕትና መድኃኒተ ነፍሲ እያ። ማር ይስሓቅ ዓንቅጽ 4 ምዕ.6።




ዓይነት ጾም

ካብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከምዝነግሩና ጾም ብዓይነቱ ኣብ ክልተ ይኽፈል። ናይ ኣዋጅን ናይ ውልቒ ጾምን እዩ ።

ጾመ ኣዋጅ፣ ብኣዋጅ ንምእመናን ተነጊሩ ብሓድነት ዝጽውም ናይ ትእዛዝ ናይ ሕጊ ጾም እዩ። “ ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፣ ጾም ቀድሱ ፣ ጉባኤ ጸውዑ ።” ዩኤ.2፣15።

ኣብ ብሉይ ኪዳን ኮነ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ጊዜኡ ወርሓቱ ኮነ መዓልቱ ዝተፈልጡ ናይ ኣዋጅ ወይ ናይ ሕጊ ኣጽዋማት ኔሮም እዩም። ኣለዉ’ውን። ኣብ ብሉይ ኪዳን “ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ከኣ መጻኒ እቲ ጾም ናይ ራብዓይ ወርሕን እቲ ጾም ናይ ሓምሳይን እቲ ጾም ናይ ሳብዓይን፣ እቲ ጾም ናይ ዓስራይን ወርሕንሲ ንቤት ይሁዳ ሓጎስን ደስታን ባህ ዜብል በዓላት ዓመትን ኪኾነሎም እዩ። እምበርሲ ሓቅን ሰላምን ኣፍቅሩ። ይብል እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ። ” ት. ዘካ.8፣18፣19።

ኣብ ሓዲሽ ኪዳን’ውን ፈሪሳውያን ኣብ ሳምንቲ ክልተ መዓልቲ ሰኑይን ሓሙስን ወሲኖም ከምዝጾሙ ፣” አንሰ እጸውም ሰኑየ መዋዕለ በኩሉ ሰናብት፣ እቲ ፍሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ኢ ኣምላኽ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም ።” ሉቃ.18፣12። ዝብል መረድኢጥቕሲ ንረክብ።

 ኣብ ግብረ ሓዋርያት ቅዱስ ሉቃስ ብዛዕባ ቅዱስ ጳውሎስ ጉዕዞ ክጽሕፍ ከሎ ከምዚ “ በዚ ኸምዚ ብዙሕ ወርሓት ምስ ሓለፈ ጊዜ ጾም ድሮ ሓሊፉ ስለዝነበረ …… ” ግ.ሓዋ.27፣9-13፣ 1፣3። ብምባል ኣብ ዘስፈሮ ቃል ኣብ ዘመነ ሓዋርያት ዝተወሰነ ናይ ጾም እዋን ምንባሩ የረጋግጸልና።

ብመሠረት ሥርዓት ሓዋርያዊት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ኩሉ ምእመናን ክጾሞዎ መጀመራኡን መጨረሻኡን ተቀሚሩ፣ ጊዜን ወቅትን ተፈሊሎም ዝተወሰኑ ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ (ሕጊ) ኣጽዋማት ኣለዉ። እሶም ከኣ፣

 1. ዓቢይ ጾም (ጾመ እግዚእነ፣ ጾመ ኣርብዓ) 

 2. ጾመ ሓዋርያት (ጾመ ሰኔ ) 

3. ጾመ ፍልሰታ ( ጾመ ማርያም)

4. ጾመ ነብያት (ጾመ ልደት)

 5. ጾመ ገሃድ ( ጾመ ድራረ ጥምቀት

 6. ጾመ ሰብአ ነነዌ 

7. ጾመ ድኅነት ( ጾመ ረቡዕ ዓርቢ ) እዮም።

ብኸምዚ ብኣዋርሕን ብቁጽሪን ተወሲኖም፣ ብጊዜ ዝተገደቡ ይኹን እምበር፣ ጾም ናይ ዘልዓለም ሕይወት ንምውራስ ዝሕግዘና መሠረት ጽድቂ ፣ በሪ ገነት ብሓፋሽኡ ኩሉ ምእመናን ክንነብሮ ዝግበኣና ክርትያናዊ ናብራ ስለዝኾነ ካብቶም ዝተዘርዘሩ ናይ ሕጊ ኣጽዋማት ንላዕሊ፣ ካብ ዓመት ስጋብ ዓመት ዝጾሙ ኣብ ገዳም፣ ኣብ በረኻ ዘለዎ አበው መንኮሳት ባሕታውን ኣለዉ። “ ስለ ጽድቂ ዝጠምዩ ክጸግቡ እዮም እሞ ብጹኣን እዩም ። ” ማቴ.5-6። ኢሳ.41፣17፣55-1።

አበው “ እንተኺኢልኩም ኣብዚሕኩም ጹሙ፣ ንድኻ መጽውቱ። “ ፍትሓ ነገ. ፍት. መን. 15፣580። ብምባል ከምዚኣዘዙና ጾም ብዘብዝሓና ቁጽሪ ንሥርየተ አበሳ ፣ ንሥጋና ንምግታእ ንነፍሳን ኣለምሊምና ንጽድቂ ነፍስና ትግኃት ንረክብ ። “ ሰብ ጠሚዩኒ ጸሚዩኒ ከይበለ ኣብዚሑ ብምጻም ንኣባ እንጦስን ኣባ መቃርስን ከሙኡ ከኣ ንቅዱሳን መላእኽቲ ይመስል። “ ብምባል አበው ሊቃውንቲ ከምዘምሁሩ።

እዚ ከኣ ናብቲ ካልኣይ ናይ ውል ይወስደና። እዚ ካልኣይ ናይ ውልቂ ጾም እግዚአብሔር ኃይሉን ብርታዐን ዝሃቦም ምእመናን ብውልቂ (ብሕቡእ) ዝጾምዎ እዩ። ሓደ ሰብ ካብ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ብፍሉይ ዝደልዩ ነገር ምስዝህሉ፣ ንገዛእ ርእሱ ምግታእ ምእንቲ ክኽእል ፣ ከሙኡ ከኣ ንስሓ ኣትዩ አበ ንስሓኡ ምስ ኣዘዝሉ ዝጾሙ ናይ ውልቂ ጾም እዩ። እዚ ከኣ ካብ ጥንቲ ዝነበረ ሥርዓት እዩ። ንኣብነት ሊቐ ነብያት ቅዱስ ሙሴ ፣ዘጻ.24፣18። ነብዩ ዳኒኤል .ት.ዳኒ.9፣3። ነህምያ ፣ነህ.9፣1-4። ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ምጥቃስ ይከኣል። ግ.ሓዋ.10፣10። 2ይቆሮ.6፣5፣11-15። ናይ ውልቂን ናይ ኣዋጅ ጾም ኣብ ሓደ እዋን ክኸውን የብሉን።

ናይ ውልቒ ጾም ፣ ናይ ንስሓን ናይ ፍቓድ ጾም ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይኽፈል።

ናይ ንስሓ ጾም ምእመናን ምስ አበ ንስሓኦም ተማኺሮም ንስሓ ኣትዮም ብአንቀጸ ንስሓ መሠረት ቀኖና ክወሃቦም ከሎ ዝጾምዎ ጾም እዩ። ቀኖናኦም ዝፍጽምዎ ዋላሓደ ከይፈለጦም ብሕቡእ ክኸውን ይግባእ። ሓደ ሓደ ብአበ ንስሓኡ ዝተኣዘዘ ምእመን ሕጋዊ መምርሒ ተቀቢሉ ስለዝጸውም ንገዛእ ርእሱ ምሕባእ ኣየድልዮን’ዩ ዋላ እንተበሉ እቲ ጾዋሚ ብጀካ መቅርብ ቤተሰቡ እንተዝይኮይኑ ንኻልእ ክነግር የብሉን። ብሕቡእ ወይ ብስውር ጾሙ ክውድኦ ይግባእ። ብአበ ንስሓኡ ዝተዋህቦ ቀኖና ስጋብ ዝፍጽም ናብ ፈጣሪኡ እግዚአብሔር ዝቀደመ ኃጢያቱ ምእንቲ ክሓድገሉን ሥርየት ኃጥያት ክረክብን ብብዙሕ አንብዓ ክልምን ይግባእ። መዝ.6፣1-10።

ናይ ውልቂ ጾም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንኣብነት ብወሊድ ብሕማም ወዘተርፈ… ምኽንያት ናይ ኣዋጅ ጾም ክጸሙ ዘይከኣሉ ኣብ ክንዳኡ መተካእታ ብትእዛዝ አቦ ንስሓ ዝወሃቦ’ውን እዩ። ስለዚ ናይ ንስሓ ጾም ይበሃል።   

ናይ ፈቃድ ጾም ብኻልእ ኣጸዋውዓ ጾመ ትሩፋት ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ እዩ። ተዓጺኻ ወይ ከኣ ብማኅበር ኮንካ’ውን ይጽወም እዩ። ንእግዚአብሔር ብትግኃት ዘገልግሉ ምእመናን ብውልቂ ወይ ብማኅበር ፣ ኣብ ገዳም ዝነብሩ አበው ብሓድነት በዞም ዝስዕቡን ምኽንያት ናይ ፈቃድ ጾም ይጾሙ እዮም።

ꗺ ብውልቃውን ቤተሰባዊን ሕይወት ኣብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወትና ንዝገጥሙና ጸገማት ንኽእለዩልና ፣ ኣብ እንንውብረሉ ሃገርን ኣብ ዙርያ ቤተ ክርስትያን ጸገማት ምስዝህልዉ ንኽርሕቁልና፣ ንሰላምን።

ꗺ ቅዱስ ዳዊት “ ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕኩዋ “ ከምዝበለ ንገዛእርእስና ንምግዛእ ምእንቲ ኽንክእል ንነፍስና ኣብ ልዕሊ ሥጋና ዕልዕና ንኽትረክብ ።

ꗺ ውሑድ ለሚንካዮ ኣብዚሑ ዝህብ እግዚአብሔር ምሥጢር ክገልጸልና። ዳኒ.10፣14።

ꗺ ናይ ቅዱሳን መከራ እንዳሓሰብካ ካብ በረከቶም ንምስታፍ፣ ተግባራዊ ታሪኽ ገድሎም እንዳዘከርና ፣ ካብ ኃጥያት ንምንጻህ ንጾሞ ጾም እዩ።

ቅድመ ምድላዋት ንፈቃደ ጾም፣

ብሕቡእ ወይ ብስውር ንዝጸውም ሰብ ክገብሮም ዝግባእ ምድላዋት ኣለዉ። ብቁዕ ምድላዋት ከይገበርካ ዝጅመር ግና ኣብ መንጎ ከተቃርጾ ወይ ዝሓሰብካዮ ከይትረክብ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ግቡእ ቅድመ ምድላዋት ምግባር የድሊ። እዚ ብብዙሕ መገዲ ምድላዋት ይግበር፣ ንኣብነት፣

ምስ አበ ንስሓ ምምኻር ይግባእ ። ብፈቃደ እግዚአብሔር ዝምራሕ ብምክረ ካህን ዝጎዓዝ ሰብ ፈተና ብብዙሕ ዋላ እንተገጠሞ ብኸመይ ክሓልፎ ከምዘለዎ ስለዝፈልጥ ኣይርበሽን። ብትዕግስቲ ከምዝሓልፎ ይኣምን። ስለዚ ናይ ውልቂ ጾም ዝሓስብ ሰብ ኣቀዲሙ ምስ አበ ንስሓኡ ምምኻር እቲ ዝበለጸ እዩ። አበ ንስሓኡ ኣብ እዋን ጾሙ ክጽልዩሉን ነቲ ዝመጾ ፈተና ጼይሩ ብሰላም ክውዳኦ የኽእሎ።

እዚ ዝጸውም ሰብ ንአበ ንስሓኣን ግድነት ክፈልጡ ዘለዎም መቅርብ ቤተሰቡ ጥራሕ ተዘይኮይኑ ንኹሉ ሰብ ሱባኤ ክጅምር እየ’ሞ ኣይትርሱዑኒ እንዳበለ ምንጋርን ጾሙ ክእውጅን የብሉን። ውዳሴ ከንቱ ከምጽኣሉ ስለዝኽእል። ንሰብ ክንገር ከሎ ጸላኢ ሠናያት ዲያብሎስ ስለ ዝሰምዕ ዕንቅፋትን ፈተና የብዝሓልና ስለዝኾነ። ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ “ ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር ብሰብ ምእንቲ ከይትርአ ርእስካ ተለኸ፣ ገጽካውን ተሐጸብ፣ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። “ ማቴ. 6፣18።

ስለዚን ውልቂ ዝጸውም ሰብ ንዋላሓደ ከየነግረ (ከይኣወጀ) ንሕቡእ ምጻም ይግባእ። ጥረምረ ወይ ጥሕኒ ከም ዓቅሙ እንዳተመገበ ፣ ኣብዚሑ ብምጽላይን ምስጋድን ንዝጾሞ ንማንም ክነገር የብሉን። እንተተዛረበ ድኻሙ ኩሉ ከንቱ ክገብሮ እዩ። ኣብ ምድሪ ዝረኽቦ ከንቱ ውዳሴ፣ ካብ እግዚአብሔር ዝረኽቦ ጸጋን ረዲኤትን ንኸይንረክብ ስለዝኽልክለና።

ብፈቃዱ ሱባኤ ዝሕዝ (ክጾምን ክጽልእን) ዝደሊ ሰብ ዓቅሙ ክፈልጥ ይግባእ ። እዋን ጾሙ ምውሳን ዘለዎ መንፈሳዊ ልምዱን ጽንዓቱን ድልዳሊኡን ገምጊሙ ክኸውን ይግባእ። ጀማሪ ክርስትያን “ በዓቲ ዓጽየ ጥረምረን እንዳበላዕኩ ሚኢትን ሓምሳን (150) መዝሙረ ዳዊት እንዳደገምኩ ክጸውም እየ። “ እንተበለ ልዕሊ ዓቅሙ እዩ ዝኾኖ። ጎደሎ ጥቡዓትን ትዕግሥቲን ኮይኑ ከቃርጾ ይኽእል እዩ። ስለዚ መጠነ ዓቅሙ ርእዩ ክጽልይን ክጾውም ይግባእ።

ዝጾውም ሰብ ዝተፈለጠ ዕላማ ሒዙ፣ ንዘሕልፎም ናይ ጾም ሰዓታት እግዚአብሔር ኣምላኹ ንኽገብረሉ ዝደሊ ንዝሓቶ ሕቶ፣ ብግቡእ ፈሊጡን ተጠንቒቁ ክዳሉ ይግባእ።q

ብዙሓት መነኮሳት፣ ባሕታውን ፣ምእመና ብፈቃዶም ዝጸምዎ ናይ ፈቃድ ጾም ዝተፈልጡ ጊዜ ኣለዎም። እዚኦም ጾመ ጽጌ ፣ ኣብ ጳጉሜ ዝጽውም ጾመ ዮዲት እዮም።


ጾመ ጽጌ፣

ካብ መስከርም 26 ስጋን ሕዳር 5 ዘሎ ንሓደ ወርሕን ዓሰርተ መዓልቲ ወይ ኣርብዓ መዓልቲ (40) ዝጽወም ወርኃ ጽጌ፣ ዘመነ ጽጌ፣ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ እዋን ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ዝንበቡ ንባባት መዝሙራት፣ ዝስበኹ ስብከታት ፣ ዝቅወም ማኅሌት ብሓፈሻኡ ዝበጽሕ ኩሉ ስብሐታተ እግዚአብሔር፣ ሰማይ ከዋኽብቲ ምድሪ ብጽጌ ማዕሪጋ ትርኣይሉ እዋን ምዃኑ ነዚ ይገልጽ።

ኣብ ወርኃ ጽጌ ዝበጽሕ መንፈሳዊ ኣገልግሎት መበግሲኡ “ መልኣኽ እግዚአብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዩ፣ ሄሮድስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ፣ ተንሥእ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም ክሳብ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኣ ጽናሕ።” ማቴ.213። መልኣኽ እግዚአብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ዝነገሮን ናብ ግብጺ ምስዳዱን ኣብ ከኣ ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ስብ ስደት ድሕሪ ምንባር ናብ ዓዶም ናዝሬት ናይ ምምላሶም እንዝክረሉ እዩ። ራእ. 12፣6። ማቴ.2፣23። ት.ኢሳ.19፣1። እምባ.3.6-7። መዝ.83(84)፣3።

እዚ ከኣ ኣብ 14 ሚእቲክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣቦና አባ ጽጌ ብርሃን ፍረ ካብ ዕምባባ ዕምባብ ካብ ፍረ ከምዝርከብ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ወዳን መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕንባባ ፍረን እንዳመስለ ዝደረሶ ድርሰት ከምዚ እንዳበሉ ገሊጾሞ። “ አፈወ ሮማን ማርያም ጽጌ ቀናንሞ ወአበሜ፣ እስከ ተጸምሐየየ ብጾም ዘመልክዕኪ ጊዜ ድክታሜ ፣ እምተመነይኩ ተሳትፎ ከመ እኅትኪ ሰሎሜ፣ ወፍሥሓኪ ዘአልቦ ፍጻሜ “ ትርጉሙ

“ ሽቶ ሮማን ዕንባባ ቀናንሞ ዝኾንኪ ቅድስት ማርያም ፣ ብጥሜትን ጽምእን እቲ ዕንበባ ዝመስለ መልክዕኺ ስጋብ ዝቅምስል ብስደትን ብመሪር ብኽያትን ዝበጽሓኪ ድኻምን መከራን ከም ሓፍትኺ ሰሎሜ ኣነውን ሓቢሩ ክሳተፎ ድሌተይ ምኾነ ። በዚ ከኣ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍሥሓኺ ደስታኺ ምበጽሓኒ።

አባ አርክ ሥሉስ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ስደታ ዝበጽሓ ሓዘን፣ መከራ ሰቆቃ ኣመልኪቱ ዝደረሶ ድርሰት “ ሰቆቃው ድንግል” ዝብል ኣሎ። ኣብ ድርሰቶም ከኣ ከምዚ ይብሉ



ሰቆቃው ድንግል

‹‹አይቴ ኀለፈት እምዕያማ ማርያም ጣዕዋ ኀሴሥክዋ በቤተልሔም ወኢረከብክዋ እሴእለክሙ ሰብአ ሰገል ገሊላ እመ ርኢክዋም ንገሩኒ ዜናሃ ወአርእዩኒ ፍናዋ ኀበ ሖረት በብካይ እትልዋ”

ትርጉም ፣ እሓተኩም ሰብኣ ገሊላ ፣ ማርያም ጣዕዋ ወዳ ሒዛ ካብ መሕደሪኣ ናበይ ከይዳ ? ኣብ ቤተልሔም ደልየያ ኣይረኸብኩዋን ብብኽያት ክስዕባ ዜናኣ ንገሩኒ መንገዳ ሓብሩኒ እንዳበልኩ እልምነኩም።

ሓተታ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ወዳ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ጣዕዋ ማለት ንምንታይ እዩ እንተ ኢልና ፧ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ቅድሚ ምጽናሳ ኢያቄምን ሃናን ብሕልሚ ጻዕዳ ጣዕዋ ናብ ደንቢኦም ክትኣቱ፣ ክትወጽእውን ጣዕዋ ንጣዕዋ ክትወልድ ርእዪም ኔሮም፣ እዮም እሞ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወዳን ኢየሱስ ክርስቶስ ብጣዕዋ መሲሊዎም።


 ርኢክሙኑ ወለተ ደክታመ

ሐዚላ ሕጻና ትጎይይ ገዳመ      

 አኀሥሠኪ ወእብል እንዘ አዐይል አድያመ

 ማርያም ጸዋሪት ኃይል ዘኢለመድኪ ድካመ     

አንደደኒ ሥራሕኪ ከዊኖ አፍሐመ።


ትርጉም፣ ሕማም ዘይለመድኪ ንኃያል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሸለምኪ ድንግል ማርያም መከራኺ እሳት ኮይኑ ኣንዲዱኒ ፣ ንወዳ ሓቒፋ ካብ ካብ በረኻ ክትሃድም፣ ድኻ ዕባይ ዝኾንነት ድንግል ማርያም ሪኢኹማዶ፣ እንዳበልኩ ኣብ ኩሉ ኣድያማ ክደልየኪ እየ።

ሓተታ ፣ ንኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድኻ ዕባይ ማለቱ ብህጻና ካብ ወለዳ ተፈለያ ኣብ ቤተ መቅደስ ምዕባያ ንኸመልክት እዩ። ሕማም ዘየለመድኪ ማለቱ ከኣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ልዑለ ባሕርይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማኅጸና ጼራ ዋላ ድኻም ኣይተሰመዓን ኔሩ እዚማለት ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ክትወልድ ፣ ድሕሪ ምውላዳ’ውን ልማደ ኣንስቲ ኣይረኸባን ፣ ብኅልዮ ብነቢብ ኮነ ብገቢር ፣ ኃጥያት ዘይለኸፋ ። ብኅልና ንኃጥያት ብምሕሳብ ፣ ሓሲብካ ብምዝራብ ፣ ተዛሪብካ ምፍጻም ካብ እዚ ኹሉ ተግባረ ኃጥያት ንጽሕት ስለዝኾነት ሕማም ዘይለመድኪ ኢልዋ ።


ርኢክሙኑ ነአሰ መርዐተ

ሐዚላ ሕፃና እንዘ ተሐውር ፍኖተ

አኀሥሠኪ ወእብል እስከ እትከደን መሬተ

ማርያም ፈላሲተ ቁስቋም ዘአልብኪ ቤተ 

አውዐየኒ ንግደትኪ ከዊኖ እሳተ።

ትርጉም፣ ንወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዚልኪ መሕደሪ ሲኢንኪ ቁስቋም ኣብ ዝበሃል ሃገር ዝተሰዲድኪ ቅድስት ድንግል ማርያም ንእስቲ መርዓት ሪኢኹማዶ፣ ስደትኪ እሳት ኮይኑ ኣቃጹሊኒ ካብ መሬት ተፈጢረ እየ እሞ ስጋብ ናብ መሬት ዝምለስ። እንዳበልኩ ስደትኪ ይሓስብ ።

ሓተታ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንእሽተይ መርዓት ማለቱ ወላዲት ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ብቁመተ ሥጋ ብስፍሓት ኣካላት ከም ኩሉ ሰብ ክትከውን ከላ ብኽብሪ ግና ካብ መላእኽቲ ካብ ፍጡራን ትበልጽ እያ። አባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴኡ ‹‹እንዘ ንስቲት አባል አንቲ፣ ›› ብሠለስተ እመትን ሥድርን ቁመት ዝተወሰንኪ ክነስኺ በመዓርግ ደኣ’ምበር ብኣካልስ ካብ ሰብ ኣይትበልጽን እያ። ዓሠርተ ኃሙሽተ እመት ቁመት እንተ ዝነብራ’ውን ኣይትውስኖን፣ መዓርጋ ንምግላጽ እዩ። << መንበር ኪሩባዊ ዘያንጸበርቅ ወዘየዓውዶ ነደ እሳት አይቴኑ ተደለወ ወአይቴኑ ተተክለ በውስተ ከርሥኪ እንዘ ንእስት መርዓት አንቲ>> ጓል ዓሰርተ ኃሙሽተ ዓመት ቈንጆ ክንስኺ ነደ እሳት ዝኸበቦ ንዓይኒ ዘንጸባርቕ ኪሩቤል ዝሰከምዎ መንበር ኣብ ከርሥኺ ኣበይ ተዘርግሐ ኣበይከ ቆመ፣ ብዝጸንዐ ምንጋር ማለት እዩ። ጋል ዕሥራ ወይ ሠላሳ ዓመት ኔራ እንተ ትኸውን’ውን እትውስኖ ኣይኮነትን ዕብየታን መዓርጋን ምግላጽ እዩ። ኢሳ.6፣1-2። ቅዳሴ ማርያም ትርጉም ቁ.77-80።

ካብ ብዙሕ ውሕዱ ካብ ሰቆቃው ድንግል ዝረኣናዩ አርኬ እዩ። 

ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱ ረዲኤቱ የብዝሓልና፣ ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና ።


ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑልወ ለወላዲቱ ማርያም ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያልአ ሜንንን






Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና