ህጻን ቂርቆስ ምስ ኣዲኡ ቅድስት ኢየሉጣ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን
ህጻን ቂርቆስ ምስ ኣዲኡ ቅድስት ኢየሉጣ
ድዮቅልጢያኖስ ምስ ነገሰ ኣብ 20 ዓመቱ“ከባቢ 304ዓ.ም። ኣብያተ ክርስቲያናት ይተዓጸዋ
ኣብያተ ጣኦታት ይከፈታ”ዝብል ሰይጣናዊ ኣዋጅ ዝተኣወጀሉ ዘመን ዘመነ ሰማዕታት ዝንበረሉ ግዜ ኢዩ። ቅዱስ ቂርቆስ ኣቦኡ ቆዝሞስ
ኣዲኡ ከኣ ቅድስት ኢየሉጣ ይበሃሉ። ቅድስት ኢየሉጣ ሓረገ ትውልዳ ካብ ነግስታት እዩ።ቅዱስ ቂርቆስ ሃገሩ ኣብ ታሕታይ እስያ
ብፍላይ ከኣ ኣንጌቤን ትብሃል። ኣንጌቤን ማለት ናይ ወይዘራዝር ሃገረ ማለት ኢዩ።
ዕለት15 ሕዳር ደማ ተወልደ አቲ ዘመን ዘመነ
ሰማእታት ነበረ።ቅድስቲ ኢየሉጣ ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ንእድቲ ሰበይቲ ነበረት።ስደት ምስ ኮነ ሕጻና ሒዛ ናብ ናይ ሮም ከተማ
ዞባ ኣዉራጃ ኪልቂያ ብፍላይ ከኣ ናብ ጠርሴስ ተሰደት።ኣብዚ እዋን ዚ እለእስክንድሮስ ዝተባህለ ከሓዲ ንጉሥ ክርስትያን ዝኮነ
ሒዝኩም ናባይ ኣምጽ ኡለይ ኢሉ ኣዚዙ ነበረ።ቅድስት ኢየሉጣ ተታሒዛ ቀረበት።ዓዳ ምስ ሓተታ ጓል ኣንጌቤን ዝኮንኩ ቤተሰበይ
ንናይ ኢቆንዮን ሰባት ሓልፍቶም ዝኮኑ ኤሳዉሮሳዉያን እዮም።
ኣነ እዉን ብናትካ ትእዛዝ ምክንያት ሃዲመ ነይረ፡እንሆ ሎሚ ብኢድካ
ተታሒዘ በለቶ።ንሱ ኣብ ኢደይ ከም ዝኣቶኪ ዶ ፈሊጥኪ ሕጂ እዉን እቲ ዝሕሸኺ ምረጺ፡ ሽምኪ ዉን ንገርኒ ኣነ ከኣ ጥራይ ሕራይ
ኢልኪ ንኣማልክተይ ስገዲ እምበር ከክብረኺ እየ በላ ንሳ ካኣ ኣነ ነዞም ርኩሳት ኣማልክትካ ኣይስዉዕን በልቶ።ስምኪ ምስ በላ
ስመይ ክርስትያን እዩ ዝብሃል በለቶ።እለእስክስድሮስ እዝስ ጌጋ እዩ፡ዝጠቕመኪ ኣይኮነን ባላ።ከይትሞቲ ቀልጢፍኪ ሽምኪ ሃቢ በላ።
ቅድስት ኢየሉጣ ካኣ ናተይ ስም ክርስትያን ከምዝኮነ ነጊረካ እንድየ በልቶ እቲ ሞት ዝስዕሮ ስመይ እንተኮይኑ ኢየሉጣ እዩ
በልቶ።ንሱ ብርቱዕ ስቓይ ከይወረደኪ እንከሎ ተንሢእኪ ንኣማልክቲ መስዋዕቲ ኣቕርቢ በላ።
ንሳ ሓቂ ትፈቱ እንተኴንካ ዕድሚኡ ወዲ
3 ዓመት ዝኮነ ሕፃን ደልዮም ከምጽኡልካ ለአኽ ናባኻ ከኣ ይምጻእ እሞ እነምልኾን እነገልግሎን ኣምላክ ክነግረካ እዩ
በለቶ።ሽዕኡ ነዚ ወዲ 3 ዓመት ሕፃን ክደልይዎ ወተሃደራት ለኣኸ።እቶም ደቂ እቲ ሃገር ኩሎም ድቆም ስለ ዝሓብኡ
ኣይረከብዎን።ሽዑ ናብ ወገን ምብራቅ ፀሐይ እንተከዱ ንቅዱስ ቂርቆስ ረከብዎ።እዚ ሕፀን ወዲ ክንደይ ዓመት ኢዩ ኢሎም ስሊኡ
ሓተቱ።ወዱ ሠለስተ ዓመት ኮይኑ ወዲ ሓንቲ ክርስትያናዊት መበለት እዩ በልዎም።ነቲ ሕፃን ሒዞም ናብቲ ንጉሠ ኣምጽእዎ እቲ ንጉሥ
ኣንታ ሕጉስ ቆልዓ ሰላምታ ይግባኣካ እዩ በሎ።
እቲ ንዓይ ሕጉስ ምባልካ ጽቡቕ ተዛረብካ ንስካ ግን ሐጐስ የብልካን እግዚአብሔር
ንዝንጉዓት ሓጐስ የብሎምን ኢልዎም እዪ ኢሉ መለሰሉ።እቲ ንጉሥ ነቲ ሕፃን ከይሓተትኩካ ክንድዚ ዝኣክል ትምልሰለይ በሎ።እቲ
ሕፃን ጌና ካብዚ ዝበዝሕ ነገር ክምልሰልካ እየ በሎ።እቲ መኰንን ስምካ መን እዩ ንገረኒ በሎ ካብ ንጹሕ ኣዝቕቲ ካብቲ
ዘይልወጥን ዘይጠፍእን ዝተረክበ ሽመይ ክርስትያን እዩ ዝብሃል ኢሉ መለሰሉ።እቲ ንጉሥ ካልኣይ ከይትመዉት ስምካ ብቕልጡፍ ንገረኒ
በሎ።
ቅዱስ ቂርቆስ ስመይ ክርስቲያን ከም ዝበሃል ነጊረካ ካልኣይ ሞክሰይ ስም ክነግረካ እንተኮይነ ቂርቆስ ኢዩ በሎ።ኢቲ
ሞኰንን ሕራይ ኢልካ ንኣማልክቲ መስዋዕቲ ኣቕርብ ምስ ዓበካ ከኣ ክሸመካ እየ።ብብዙሕ ወርቅን ብሩርን ከኣ ከክብረካ እየ
በሎ።እቲ ሕፃን ኣንታ ናይ ሰይጣን ልኡኽ ጸላኢ ሓቂ ዝኮንካ ካባይ ርሓቕ በሎ።እቲ ንጉስ ነዚ ዘረባ ሰሚዑ ተቘጥዐ ሐረቐ ደሙ
ከም ማይ ክሳብ ዝፈስስ 100 ክርማጅ ክቕጽዕዎ ኣዘዘ።ቅድስት ኢየሉጣ ከኣ ጽንዓት ናይ ወዳ ርእያ ንፈጣሪኣ ኣመስገነቶ። ድሕሪኡ
እቲ ሞኰንን ጨዉን ሰናፍጭን ኣምጺኦም ብኣፍንጫኦም ክእትዉሎም ኣዘዘ።
ኣብዚ ግዜዚ እቲ ሕፃን ጥዑም ለጕሪዒየ ነቢብከ እመዓር
ወሶከር ጥእመኒ ለአፍየ ማለት ትእዛዝካ ንጐሮረይ ጥዑም ኮነ ካብ መዓርን ሽኮርን ንኣፈይ መቀረኒ ጠዓመኒ ኢሉ ጨደረ።እንደገና
እቲ ሞኰንን ነዋሕቲ ዝተሳሕሉ ከም ጓህሪ ብሓዊ ዝረሰኑ14ናይ ሓጺን ሽንካራት ኣብ ናይ ኢየሉጣ ኣካላት7 ኣብቲ ሕፃን7 ክዉግኡ
ኣዘዘ።በዚ ምሥረት ዚ ከክልተ ኣብ ኣፎም ከክልተ ኣብ ኣፍንጫኦም ከክልተ ኣብ ኣዕይንቶም ሓደ ሓደ ኣብ ኣፍ ልቦም ክ ወግእዎም
ኣዘዘ። ይኹን እምበር ጐይታ ነቲ ዉዑይ ሓጺን ናብ በረድ ቀየረሎም።ጥዑያት ከኣ ኮኑ ንቂርቆስ ሰይጣዉንቲ እዉን ከስሕትዎ ኢሎም
መጽኡ ብትዕምርተ መስቀል ምስ ኣማዕተበሎም በኒኖም ጠፈኡ።
እቲ መኰንን ሓሪቑ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዎም።እንደገና ናይ ስቓይ
መሳርሒታት ዝሰርሕ ሰብ ኣምጽአ።ሰይጣን ከምኡ ጌሩ እንተ ቐቲልዋም ሰማያዊ ኣክሊል ከምዝደፍኡ ስለዝፈለጠ፡ሰይጣን ነቲ መኰንን
ኣፉ ኣጸዎ።ናይ ሰይጣን ተንኰል ክፍኣት ዝትረድአ ቅዱስ ቂርቆስ ነቲ ሰራሒ ሓጺን ባዕሉ ኣጸዊዑ ክልተ በላሕቲ መላጸ ስፍሓቱ 4
እመት ዝኮኑ ንዓይን ነደይን ስራሕ።ካልኣይ ኣጨናቕን ርእሲ ዝሰብርን ክሳድ ዝኣስርን ዝባላዕ ፋርኬታ ዓይኒ ዘዉጽእ ኣካል
ዝመታትር ኣፍንጫ ዝጥምዝዝን እዝኒ ዝልሕጽ ህዋሳት ዝፈላሊ ከም ልጓም ኮይኑ መልሓስ ዝቖራርጽ ኣብ ዉሽጢ ኣካላት ኣትዩ
ዝንቀሳቀስ ቆላፍ ጉጤት ንጐንታት ዝከፋፍል ዝጠዋዊ ኣጨናቒ ዝኮነ ጅማዉቲ ዝቖራርጽ ሰራዉር መዚዙ ዘዉጽእ ስራሕ በሎ።
እንደገና
ብናይ ላም ምሳሌ ዓቢ መንበር ካብ ናሕሲ ስራሕ 3ነኳላት ኣብቲ መቐመጢኡ ኣዉጽእ።ልክዕ ብናተይ ቁመት ሥለስተ ሽንካራት
ስራሕ።ናይቲ ሽንካራት ርእሲ ከኣ ካብ ናሕሲ ግበር ኣብ ማእከሉ ካብቶም ዝጽዉዕዎ ዘይፍለ ፉሉይ ሥለስተ ስላሴ ኢልካ ጸሓፍ።ካልእ
ጠምዚዙን ንላዕሊ ስሒቡን ዘዉጽእ መሳርሒ 2መጋዛት ካብ ሓጺን ሞቕሎ ስራሕ። ሕጂ ዉን ሓደ ዓቢ ገንኢ ሰሪሕካ ኣብ ዉሽጡ ክሳድ
ዝጠማዝዝን ዝስንጥቕን ተሽከርካሪ መሳርሒ ግበር።ኣብ ማእከሉ ዝተከወለ ናዉቲ ከብዲ ዝምርምር ኢድ ብሓጺን ስራሕ ኣነ ናይ ጻዕሪ
ስቓይ ዝሳቐየሉ እዚ እዩ በሎ።እቲ ሰራሒ ሰሚዑ ብጣዕሚ ተደነቐ።100 ሥራሕተኛታት ዝተሓጋገዝዎ ጌሩ ኣብ 30መዓልቲ ሰሪሑ
ፈጸመ። ድሕሪኡ እለእስክንድሮስ ኣፋ ተከፊቱ ንቅዱስ ቂርቆስ ቅድስት ኢየሉጣን ናብ ኣዳባባይ ከምጽኡሉ ኣዚዙ ንክልቲኦም ርእሶም
ምስ ቆርበቱ ላጽዮም ጓህሪ ክንስንስሎም 4 ሽንካራት ከኣ ኻብ ሞንኩቦም ክሳብ ዓካር ዓካሪቶም ክተክሉሎም ኣዘዘ።
እዚ ኵሉ ተፈጸመ
ግን ብእግዚኣብሔር ዝተላእከ መላኣክ ቅዱስ ገብርኤል መጹ ነዚ ኩሉ ስቃይ ኣርሓቐሎም። እንደገና ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት ኣብቲ
ናይ ስቓይ መሳርሒ ክሳቕይዎም ወዓሉ። ሓሙክሽቲ ክሳብ ዝኮኑ ብጨዉን ብቕባኣዊ ፈሳስን ኣብ ሞቕሎ ቀለዉዎም።ሽዑ ዉን ጐይታ ካብ
ሞት ኣተንሥኦም። ናብቲ መኰንን ከኣ ከዱ።እቲ መኰንን ደማ ብሓቂ ካብ ሞት ተንሢእኩም እንተ ኴንኩም ነዚ ካብ ቆርበት ዝተሰርሐ
ሳእነይ ናብ ብዕራይ እስኪ ቀይርዎ በሎም።ቅዱስ ቂርቆስ ጸልዩ እቲ ዓቢ ብዕራይ ኣብ ክሳዱ ከኣ ጤል ወጽኡ።ድሕሪ እቲ መኰንን
1000ሰባት ኣኪቡ እቲ ዓቢ ብዕራይ ክሳዱ ጤል ዝኮነ ተሓሪዱ ነዞም ኩሎም ኣኺልዎም በሊዖም ምስ ጸገቡ ነገራቶም ኲሉ ሓቂ
ከምዝኮነ ኣሚነ ኣሎኩ በለ።ንግዚኡ ከምቲ ትእዛዝ ንጉሥ ተገይሩ ኲላቶም በሊዖም ጸጊቦም ካብቲ ናይ ጤል ስጋ 6 መኣዲ ካብቲ
ብዕራይ 4 መኣዲ ተረፈ ተላዕለ። እለእስክንድሮስ ነቲ ዝተረፈ ሥጋ ርእዩ ናብ ባሕሪ ክስንድዉዎ ኣዘዘ።
እለእስክንድሮስ በቲ
ሕፃን ዝገበሮ ሓፊሩ መልሓሱ እኳ እንተ ቖረጸ ጐይታ ከምታ ቀዳመይቲ ጽብቕቲ መልሓስ ተክኣሉ።ሓደ ዓቢ 40 ገንኢ ዝሕዝ ዓቢ
ገንኢ ንክልቲኦም ኣብኡ ክእትዉዎም ኣዘዘ። ቅንጭብ ዘይቲ ዘለዎ ማይ40 መዓልቲ ኣፍሊሖም ካብ ብዝሒ ፍልሓቱ 150 ሜትሮ ንላዕሊ
ከም መብርቕ ሸኽሸኽ ዝብል ኮነ።ቅድስት ኢየሉጣ ንግዝኡ ብናይ ወዳ ጸሎት ኣምላካዊ ኃይሊ ተዋሂብዋ ናብቲ ገንኢ ኣተዉ።ምስኣቶም
እቲ ከም ናይ ክረምቲ ነጐዳ እናኣንጐድጐደ ን 40ማዓልቲ ዝፈልሐ ማይ ከም ናይ ንግሆ ኣሳሒታ ዝሑል ኮነሎም።ንቅዱስ ቂርቆስ
እንደገና ኣብቲ ዉሽጡ ብዘሎ መንኰራኵር ናይ ሓጺን ሞቕሎ ምስ ቀለዉዎም መልኣክ እግዚኣብሔር ቅዱስ ገብርኤል በሪሩ መጺኡ
ኣውጽኦም። ቃል ኪዳን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ወሪዱ ዝደለካዮ ዝበለ ኩሉ ለምነኒ ክህበካ በሎ።
ቅዱስ ቂርቆስ ሥጋይ
ኣብ ምድሪ ኣይቀበር ስመይ ንዝጽዉዕ መዘከርታይ ንዝገብር ቤተክርስትያን ንዝሰርሕ ናይ ገድለይ መጽሐፈ ዝጸሕፈን ንዘንብብ መባእ
ኣብ ዉሽጢ ቤተክርስትያነይ ዝጸለየ ኃጢኣቱ ሕደገሉ ግደፈሉ ስመይ ኣብ ዝጽዉዓሉ ቦታ ሕማም ከብቲ ጉልሓይ ኣይምጻእ ኣብ ሰባት
ዉን ዓባር ደርቂ ሕማም ኣብ እክሊ ዋሕዲ ማይ ነቕጺ ኣይኩን በለ። ጐይታ ከኣ ዝለመንካኒ ኩሉ ሂበካ ኣሎኩ። ብየማነይ ክትነብር
ኢካ ሥጋካ ከኣ ኣብቲ ነቢይ ኤልያስ ዝዓረገሉ ሠረገላ ከቐምጦ እየ በሎ። ቅዱስ ቂርቆስ ብጣዕሚ ተሐጕሱ ፈጣሪኡ ኣመስገነ።
ድሕሪኡ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ፍርቂ ለይቲ ክሳዱ ብሴፍ ተሰይፉ ብሰማዕትነት ዓረፈ።
ብዕለት 15 ጥሪ ሰንበት ሰዓት 6 ኣብ 3
ዓመቱ 1 ወርሕን 3 ( መዓልትን 3 ኣክሊላት ወረደሉ ተዋህቦ። ከም ብዝሒ ዕድሚኡ 3 ኣክሊላት ተዋህቦ። 1ይ፡ ናይ ሕጻንነቱ
2ይ፡ ናይ ገድሉ 3ይ፣ናይ ሃይማኖቱ ጽንዓት ኣብነታት እዮም።ካብ ክሳዱ ደም ማይ ጸባ ወጽአ።ንጽባሒቱ ንግሆ ዕለት 16 ከኣ
ኣዲኡ ቅድስት ኢየሉጣ ክሳዳ ተሰይፋ ሞተት።ንዕኣ እዉን ጐይታ ምሉእ ቃልኪዳን ሃባ። ናይ ሰማዕት ቅዱስ ቂርቆስን ኣዲኡን ቅድስት
ኢየሉጣን በረከቶም ይሕደረና ኣሜን ኣሜን ኣሜን።
እግዚኣብሔር ሤመ ራዲኤቶ ለናእስናከ ዓቃቤ፤
ወስምዖ መጥበቤ፤
ፍትወ ምግባር
ቂርቆስ ወምዑዘ ገድል እምነ ከርቤ፤
ዘተጽዕረ በምንዳቤ ወዘሐመ በጥብጥቤ፤
ለአባልከ ሰላም እቤ።
ምንጪ፣ ገድለ ቅዱስ ቂርቆስ
ስንክሳር 15 ጥሪ
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
Share ብምግባር ንኻልኦት ነካፍል
ስብሃት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!

Comments
Post a Comment