ልደታ ለቅድስት
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ አምላኽ አሜንንን
፩ ጉንበት ልደታ ለቅድስት ድንግል ማርያም
"አመ ፩(አሚሩ) ለግንቦት ልደታ ወቦ ይብሉ አመ ፲(አስሩ) ለመስከረም ልደታ ንሕነሰ ንብል ጥዩቀ በከመ መሀሩነ
አበዊነ ሊቃውንት አመ ፩(አሚሩ) ለግንበት ልደታ"
"ካብ ሊባኖስ ንዒ ምስወድኺ ንዒ ኣዶ ኣዶናይ"
መፅሓፍ ቅዱስ እስትንፋሰ
እግዚኣብሄር ተባሂሉ ይፍለጥ። ክኸውን ዘለዎ ነገር ቀዲሙ ዝትልምን ምስ ኮነ ድማ ነቲ ትንቢት መሰረት ብምግባር ተባሂሉ ዝነበረ
ኮይኑ እናበለ ልቢ ዘፅናዕንዕን መፅሓፍ እዩ። ብኢድ ዝተፈላለዩ ቅዱሳን ሰባት ዋላኳ ዝተፅሓፈ እንተኾነ ኢዶም ሒዙ ዝመርሖምን
እዚ ፀሓፉ ዝበሎምን ባዕሉ ቅዱስ እግዝኣብሔር ኣምላኽ እዩ ("ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ
ኣምላኽ ዝተዛረብዎ እምበር ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመፀን
ጴጥ ፪ይ ፩-፳፩ 2ይ (1፡21) ተባሂሉ ከምዝተፅሓፈ።
ብምዃኑ ድማ
ብምስጢር ስለ ድንግል ማርያም ተነጊሮም (ተነብየሞ) ዝነበሩ ኩሎም ኣብ ልደታ ተግሂዶም። ልደታ ለቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ
ድሕነት ኣዳም ሱባኤን ግዜን ዝቑጸረሉ ዝነበረ እምበር ከም ሓደ ሓዱሽ ውሕጅ ሱቕ ኢሉ ሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን። ኢየሱስ
ክርስቶስ ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም ተባሂሉ ኣብ መጸሓፍ ቅዱስ ተፃሒፉ ኣሎ።(ማቴ1፡1)፤ ዘርኢ ኣዳም እምበር ዘርኢ መላእክቲ
ከም ዘይለበሰ ቅዱስ ጳውሎስ እውን ብርግፅ የረድእ እዩ። ዕብ ፩:፲፮ (1፡16)
ልቢ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ንኣደ መድሓኒና
ኢየሱስ ክርስቶስ ንድንግል ማርያም ብትንቢት መልክዕ ርኢይዋ ከምዚ ይብላ ‘‘ ..ስምዒ ወለትየ ወርእዪ: ጓለይ ስምዒ ረአዩ
እውን " ።
መዝ ፵፬:፱ 44:9
ወዲ ቅዱስ ዳዊት ድማ ኣብቲ ካብ ኩሉ ዝጠዓመን ተፈታውን ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ መዝሙሩ ‘‘
መርዓት ሓፍተይ ካብ ሊባኖስ ንዒ ይብላ ። መኃ ፬:፰ 4:8’’
ኣቦኡ ጓለይ ከመዝበላ ንሱ ድማ ሓፍተይ ኢሉ ፀዊዕዋ። እዚ
ትንቢት እ'ዚ በጺሑ ድንግል ማርያም ካብቶም ቡሩኻን ወለዳ (ኢያቄም ወ ሃና) ፩ ሓደ ግንቦት ኣብ ደብረ ሊባኖስ ተወሊዳ (ኣብ
መቅድም ተኣምረ ማርያም)። ልደት ድንግል ማርያም መንገዲ ድሕነት ምፅራግ ዝተጀመረሉ እንኽከውን ገና ኣብ ማሕፀን ወላዲታ እንከላ
ተኣምራት ምግባር ሰለዝጀመረት ተወሊዳ ኣይተቕምጠናን እያ ብምባል እቶም ኣይሁዳውያን ከሳድድዋ ጀሚሮም። ስለ ዘፈራርሕዎም ድማ
ናብ እምባ ሊባኖስ ወጺኦም ኣብኡ ወሊዶምዋ።
ዝተወልደትሉ በረኻ ስለዝነበረ ዝብላዕ ኣይነብሮምን።
እንተኾነ ግን ጥጥቖ ወይድማ
ሙጎ ሒዞም ስለዝነበሩ ነተን ኣብቲ ኸባቢ ዝነበራ ኣዕዋፍ በቲኖም ሂበሞን። እዚ እውን ንሕና ውላድ ጠሚና ነይሩ ፤ሕጂ ጸጊብና
ኢና እሞ ንስኻትክን ውን ፅገባ ዝብል እዩ ቁምነገሩ። ኢያቄምን ሃናን ውላድ ስኢኖም ድሕሪ ብዙሕ ልመና ብመፅበዓ ዝረኸብዋ ውላድ
እያ።
እዚ መሰረት ብምግባር ሎሚ ልደት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኸነክብር ካብ ገዛና ወጺእና ኣብ ደገ ዳስ ሰሪሕና
ንዝክሮ። ከምኡ ድማ ጥጥቖ ኣብ መረባና ብምብታን ነቲ ኣብ ደብረ ሊባኖስ ዝነበረ ኩነታት ንዝክሮ።
ምስ ኢያቄምን ሃናን ኮይንና
ኣብ ደብረ ሊባኖስ ንድንግል ማርያም ሓቁፍና፡ ድንግል ማርያም ድማ ጽላላ ኣንቢራትልና ኣብ ሕቑፊኣ ኮይና ነኽብሮ። እቲ ኣብ
ነገረ ልደታ ተዘርዚሩ ንረኽቦ እቲ ፈታሒ ሕልሚ ዝተርጎሞ "ወርሒ ኣብ ደብረ ሊባኖስ ተወሊዳ"
በጥሪቃን ቴክታን ዝበሃሉ ውላድ
ዘይነበሮም፣ ቅዱሳን ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ኢየሩሳሌም ነበሩ፡፡
ጰጥሪቃ ንሰበይቱ (ቴክታ) “ነዚ ኩሉ ሃፍትና ዝወርስ ውላድ
የብልናን ንስኺ መኻን ኣነ ከኣ ካልእ ሰበይቲ ኣይፈልጥን" ኢሉ ሓዘኑ ነግራ ንሳድማ «ትማሊ ብሕልመይ ጻዕዳ ምራክ (ብተይ) ካብ
ማህጸነይ ክትወጽእ፡ እታ ጻዕዳ ምራኽ’ውን ጻዕዳ ምራኽ ክትወልድ ከምኡ እናበላ ክሳብ 7 ትውልዲ እንዳ ተዋለዳ፣ እታ 7ይቲ ድማ
ንወርሒ ክትወልድ፡ እታ ወርሒ ድማ ንጸሓይ ክትወልድ ረኣኹ” በለቶ።
ናብ ፈታሒ ሕልሚ ምስከዱ ድማ «እግዚኣብሔር ብዓይኒ ምሕረቱ
ርእይኩም ኢዩ 7 ምራኻት ምውላድኩም 7 ኣዋልድ ክትወልዱ ኢኹም! ካባኻትኩም እታ 7ይቲ ንወርሒ ምውላዳ ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ
መላእኽቲ ዝኸበረት ብርኽቲ ፍጥረት ክትወልዱ ኢኹም፤ ናይቲ ጸሓይ ነገር ግና ኣይፈለጥክዋን» በሎም። ብድሕሪ እዚ ድማ ፍቃድ
ኣምላኽ ኮይኑ ቴክታ ጠኒሳ ንሄኤሜን->ዴርዴ -> ቶና-> ሲካር-> ሴትና-> ሄርሜላ-> ሃና ወለደት። ቅድስቲ ሐና ድማ ካብ
ኢያቄም 7 ነሓሰ ብዕለት ሰንበት ካብ ሰብ ንዝበለጸት ካብ መላእኽቲ ንዝኸበረት ፍጥረት ቅድስቲ ድንግል ማርያም
ብዘይ_ጥንተ_ኣብሶ ጸነሰታ።
ጠቢቡ ሰሎሞን ንዒ ካብ ሊባኖስ ዝብላ ዝንበረ ካብ ሊባኖስ ተረኺባ። ደብረ ሊባኖስ ካብቶም
ንእስራኤል ዝኸበብዋ እምባታት ሓደ እዩ። ንሕና ድማ ንዒ ካብ ሊባኖስ ንብላለና። ሊባኖስ ናይ ቤተክርስቲያን ምሳሌ እዩ ውን።
"እቶም ድሒሮም ዝመጹ ሊቃውንቲ ድማ ነገረ ልደታ ሓሲቦም ንዓኣ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶሞ ቅዱሳን ወለዳ እውን የመስግንዎም።
ካብኣቶም ሓደ ኣባ ጽጌ ድንግል ከምዚ ይብል፦
ሚ ቡርክት ወቅድስት ይእቲ።
ሰዓተ ትፍሥሕት ኃና ዘጸገየተኪ ባቲ።
ወፈረየኪ
ለሕይወት ኢያቄም መዋቲ።
እሴብሕ ተአምረኪ ርግብየ አሐቲ።
መድኃኒተ ኩሉ ዓለም እስመ ኮንኪ አንቲ።
ቤዛዊተ ዓለም ኣይትበሃልን
ዝብሉ ሓድሓደ እቲ ሊቅ ኣብ'ዚ መድሓኒተ ዓለም እናበለ ይሙግቶም ኣሎ።
ተወሳኺ እውን ኣባ ጽጌ ድንግል ከም'ዚ ኢሎም ይዝም፡-
ተፈሥሐት ምድር ወሰማይ አንፈርዓፀ።
በዕለተ ጸገዩኪ አብላስ ወአውፅኡ ሠርፀ።
ተአምረ ሕይወት ማርያም ዘአልብኪ ቢጸ።
እስከ
ፈርሐ መልአከ ሞት ወሰይጣን ደንገፀ።
ዜና ልደትኪ ነጐድጓድ ውስተ ሲኦል ደምፀ።
#ብሓጺር ዜና ልድትኪ ምስ ሰምዐ መልኣከ ሞት
ሰይጣን ደንጊጹ ። ልደት ድንግል ማርያም ኣፈደገ ድሕነት ዝኸፈተ እዩ እሞ ፍቓዱ ኾይኑ ነዚ ዝገበረልና ልዑል እግዝኣብሔር
ኣምላኽ ይመስገን። ሎሚ እውን ካብ ሊባኖስ ንዒ ንበላ ምሳና ክትነብር ኣዴና ኣሜንንን።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለም ዓለም አሜንንን
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==

Comments
Post a Comment