ኣርባዕቱ እንስሳ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜንንን

 ኣርባዕቱ እንስሳ


ኣርባዕቱ እንስሳ

ዓመታዊ ክብረ በዓል 8 ሕዳር ኣርባዕቱ እንስሳ እዮ 

ኣርባዕቱ እንስሳ፡ ቍጽሮም ካብ ተስዓን ትሽዓተን ነገደ መላእኽቲ ኮይኑ፡ መንበረ እግዚአብሔር ዝሽከሙ ረቂቃን መላእኽቲ እዮም። ብኻልእ ኣጸዋውዓ’ውን ካብ ነገደ ኪሩቤል (ገጸ ሰብን ገጸ ላምን) ከምኡ’ውን ካብ ነገደ ሱራፌል (ገጸ ኣንበሳን ገጸ ንስርን) ስለዝኾኑ ኪሩቤል ወይ ሱራፌል ይበሃሉ እዮም።


ነቢይ ኢሳይያስ ነቲ ዝረኣዮ ክዛረብ ከሎ፦”በአመ ሞተ ዖዝያን ንጉሥ ርኢክዎ ለእግዚአብሔር ፀባዖት እንዘ ይነብር ዲበ መንበሩ ነዋኅ ወብሩህ ወምሉእ ቤተ ስብሐቲሁ ወሱራፌል ይቀውሙ ዓውዶ፡ ወለለአሐዱ በበስድስቱ ክነፊሆሙ፡ በክልኤ ክነፊሆሙ ይከድኑ ገጾሙ፡ ወበክልኤ ክነፊሆሙ ይከድኑ እግሮሙ፡ ወበክልኤ ክነፊሆሙ ይሠሩ አንጻረ ኅቡረ፡ ወይብሉ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ፀባዖት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወምድረ ቅድሳተ ስብሐቲከ . . . /


ትርጉም በታ ንጉሥ ዖዝያን ዝሞተላ ዓመት፡ ኣነ ንእግዚአብሔር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ ረኣኽዎ፡ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ። ነፍስ ወከፎም ሽዱሽተ ኽንፊ ኣለዎም። ነፍስ ወከፍ ኸኣ ብኽልተ ኽንፊ ገጹ ይኸድን፡ ብኽልተ ኽንፊ ድማ ኣእጋሩ ይኸድን፡ ብኽልተ ኽንፊ’ውን ይነፍር ነበረ። ንሳቶም ኸኣ ንሓድሕዶም “እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እዩ። ኵላ ምድሪ ኸኣ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” እናበሉ ይቀባበሉ ነበሩ። ካብ ድምፂ ደሃዮም ዝተላዕለ ድማ መሠረት ልዳውቲ ቤት መቕደስ ኣንቀጥቀጠ፡ እታ ቤት መቕደስ’ውን ትኪ መልአት።” በለ። ኢሳ=6፥1-4


ትርጉም እዚ ብሊቃውንቲ ክትርጐም ኸሎ፡ ንኽልተ ኽንፎም ንላዕሊ ዘርጊሖም ገጾም ምሽፋኖም፡ ናብ ላዕሊ እንተ ደየብና ብደኃራውነትካ ዘይትምርመር ኣምላኽ ኢኻ፡ ገጽካ’ውን ምርኣይ ኣይከኣለናን’ዩ ንኽብሉ እዩ። ብኽልተ ኽንፎም ንታሕቲ ጌሮም እግሮም ምኽዳኖም ድማ ንታሕቲ እንተ ወረድና ብቀዳማውነትካ ዘይትምርመር ኣምላኽ ኢኻ፡ ኣብ ቅድሜኻ’ውን ክንቀውም ኣይከኣለናን’ዩ ንኽብሉ እዩ። ንኽልተ ኽንፎም ዘርጊሖም ክነፍሩ ምርኣዮም ኸኣ ምልክት ተልእኾኦም ኮይኑ፡ ናብዝን ናብትን እንተ በልና ብምልኣትን ስፍሓትን ዘይትምርመር ምሉእ በኵለሄ ኢኻ ንክብሉ እዮም። 


ነቢይ ሕዝቅኤል ከምዝረኣዮ ኣርባዕቱ እንስሳ፡ መልክዖም እቲ ሓደ ገጽ ሰብ፡ እቲ ኻልኣይ ገጽ ኣንበሳ፡ እቲ ሣልሳይ ገጽ ላም፡ እቲ ራብዓይ ድማ ገጽ ንስሪ እመስሉ። “ትርኢት እቶም እንስሳ ኸም ጉሁር ሓውን ከም ዚነድድ ሽግን ነበረ። እቲ ሓዊ ኸኣ ኣብ ማእከል እቶም እንስሳ ይንቀሳቐስን የንጸባርቕን ነበረ፡ ካብቲ ሓዊ’ውን መብረቕ ይወፅእ ነበረ። እቶም እንስሳ ኸኣ ከም በርቂ ንየው ነጀው እናበሉ ይውንጨፉ ነበሩ።” ይብል። ሕዝ=11፥23//


ገጸ ሰብ ዘለዎ ኪሩብ ንደቂ ሰባት ምሕረት ክልምን፡ ኬማልድን ከጸናንዕን ይነብር። 

ገጸ ኣንበሳ ዘለዎ ሱራፊ ንኣራዊተ ዘገዳም ካብ ዝበጽሖም ሕልቂት ንኪድኅኑ ይጽልይ።

ገጸ ላም ዘለዎ ኪሩብ ንእንስሳ ዘቤት ካብ ደርቂን ካልእ ሕማማትን ኪድኅኑ እናጸለየ ክነብር ኣሎ።

ገጸ ንስሪ ዘለዎ ሱራፊ ኸኣ ንዅሎም ኣዕዋፍ እናጸለየ ክሕልዎም ይነብር።


ኣቡቀለምሲስ ቅዱስ ዮሓንስ’ውን ኣብ ራእዩ፡ ካብቲ ነቢይ ኢሳይያስን ነቢይ ሕዝቅኤልን ዝረኣይዎ ዘይፍለ ብዛዕባ’ቲ ዝረኣዮ ክዛረብ ከሎ፦ “ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ድማ ጽሩይ ባሕሪ መረጼን ኣሎ። ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ኣብ ነፍስ ወከፍ መኣዝኑ ብቕድሚኦምን ድኅሪኦምን ኣዕይንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ እንስሳ ኣለዉ። እቲ ቐዳማይ እንስሳ ኣንበሳ ይመስል፡ እቲ ኻልኣይ እንስሳ ብዕራይ ይመስል፡ እቲ ሣልሳይ እንስሳ ኸኣ ገጽ ሰብ ዚመስል ገጽ ኣለዎ፡ እቲ ራብዓይ እንስሳ ድማ ዚነፍር ንስሪ ይመስል። እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍስ ወከፎም ሸሽዱሽተ ኽንፊ ኣለዎም። ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ኸኣ ኣዕይንቲ ዝመልኦም እዮም፡ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፡ “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ፡ ኵሉ ዚኽእል እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን” ይብሉ ነበሩ። እቶም እንስሳ ነቲ ኣብ ዝፋን ዝተቐመጠ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው ኮይኑ ዚነብር ክብርን ስብሓትን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ እቶም ዕሥራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም ነቲ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው ኮይኑ ዚነብር ሰገዱሉ። ኣኽሊሎም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣንቢሮም ኸኣ፦ ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን! ንስኻ ክብርን ስብሓትን ሥልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ። ከመይ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፡ ፍቓድካ ስለ ዝኾነ ድማ ህላዌ ረኺቡን ተፈጢሩን ኣሎ” በሉ።” ይብል። ራእይ/ዮሓ=4፥6-11


ኣርባዕቱ እንስሳ ብኣርባዕቱ ወንጌላውያን ይምሰሉ እዮም።

ወንጌላዊ ማቴዎስ፡ ናይ ጐይታ ምድራዊ ልደቱ ኣስፊሑ ስለዝጸሓፈ ብገጽ ሰብ ይምሰል። 

ወንጌላዊ ማርቆስ፡ ብትምህርተ ወንጌል ካብ ግብጺ ኣምልኮተ ላሕሚ ኣጥፊኡ አንበሳ እጓለ አንበሳ ንዝተባህለ ክርስቶስ ስለዝሰበኸ እዩ። 

ወንጌላዊ ሉቃስ ከኣ ጐይታ ኣብ መብልዕ ማል ከምዝተወልደን ነቲ መሥዋዕቱ ብሥብሕቲ ላም መሲሉ ስለዝጸሓፈን ብገጽ ላም ይምሰል። 

ወንጌላዊ ዮሓንስ ድማ ረቂቅ ሰማያዊ ምሥጢር ‘ቀዳሚሁ ቃል’ እናበለ ዘንስር ዮሓንስ ብምባል ይጽዋዕ።


ኣርባዕቱ እንስሳ፦ ከም ሰብ ድኻምን ድቃስን’ውን ስለዘይብሎም ነንሕድሕዶም ገጾም ናብ ኣርባዕተ ማዕዘናት ጌሮም ንእግዚአብሔር ንዘለዓለም ብዘይ ምቝራጽ እናመስገኑ ይነብሩ። ጸወርተ መንበረ እግዚአብሔር ደኣ ይበሃሉ እምበር እቲ ዝስከሞም ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። ብጸጋኡ ኃዲርዎም፡ ብፍቓዱ ተገሊጽሎም፡ መንበሩ ከም ዝተሸከሙ ኮይኖም ይርኣዩ። ህልውናን ግርማን እግዚአብሔር’ውን ኣብዚ ኣርባዕቱ እንስሳ ዝተሸከምዎ መንበር ጥራይ ተወሲኑ ዝነብር ኣይኮነን። ንኪሩቤልን ሱራፌልን ዝሽከም፡ ንዓለማት ብኢዱ ዝኃዘ፡ ኣብ ኵሉ ዘሎ፡ ኵሉ ምግባር ዝኸኣሎ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ። እግዚአብሔር፡ ንምስጋና መላእኽቲ ጥራይ ኣይፈጠረን። ሰብኣዊ ፍጡር’ውን ብሕጉ ጸኒዑ ክነብርን ከመስግንን ደኃር’ውን ንክብሩ ክወርስ ኣኽቢሩ ብመልክዑ ዝተፈጥረ እዩ። ስለዚ ዋላ ከም ምስጋና መላእኽቲ እንተ ዘየቕረብና፡ ነግህ ኮነ ሠርክ ‘አቡነ ዘበሰማያት/ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና’ እናበልና ብምስጋና ክንጽውዖ ይግብኣና እዩ። 


ቅዱሳን መላእክት፡ ቅሩባነ እግዚአብሔር ብምዃኖም በቲ ዝተዋህቦም ቃል ኪዳን ምሕረትን ሰላምን፡ ፍቕርን ሓድነትን ክልምኑልና ንምሕጸን፡ ተራዳእነቶም ኣይፈለየና!


ብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና  ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑልወ ለወላዲቱ ማርያም ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያልአ ሜንንን



Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና