ዕርገት ጎይታና ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ

 በስመ ኣብ ወወልድ  ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

  "ዕርገት ጎይታና"




''ዕርገት ጎይታ''


ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብ ዕለት ናብ ዕለት እና ሓለወ ናብዛ ቅድስት ዕለት ስለ ዘብጽሓና ዝኸብረን ዝተመስገነን  ይኹን ኣሜንንን።


በዛ ቅድስት ዕለት ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ንቕዱሳን ሃዋርያት ክሳዕ ቢታንያ ውሲዱ ኢዱ ኣልዒሉ ባረኾም፡በዚ ሰዓት እዚ ካብ ማእከሎም ተፈልዩ ናብ ሰማይ ዓረገ። ግ፣ሃዋ ፩፡፱-፲፩ / 1፡9-11, ቃ ፳፬፡፶-፶፩ /24፡50-51 


ናይ ጎይታና ዕርገት ከም ናይ በዓል ነቢይ ኤልያስ ዕርገት ኣይነበረን። ንሳቶም ብሓይልን ስልጣንን ናይ እግዚኣብሔር እዩም፡ ንሱ ግና ብናቱ ፡ብገዛእ ስልጣኑ እዩ ዝነበረ። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ልቢ ኣምላኽ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ


“ዐርገ እግዚኣብሔር በይባቤ ወእግዚእነ 

በቃለ ቀርነ ዘምሩ ለኣምላክነ ዘምሩ”


“ኣምላኽ ብዕልልታ እግዚኣብሔር ብደሃይ፣መለኸት ዓረገ ዘምሩ ምስጋና ንኣምላኽ ዘምሩ”


መዝሙር ፵፮/፵፯፡፭ (46/47፡5)



ብምባል ስለ ዕርገት ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተነብዩ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣምላኻና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ እቲ ዝዓረገ እግዚኣብሔር ከም ዝኾነ፡ ናይ ባህሪ ኣምላኽ ከም  ዝኾነ ብናይ ትንቢት መነጽር ገሊጹ እዩ።


ቅዱስ ጴጥሮስ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ ” ክብል ዝመስከሮ  እውን ነዚ እዩ።

ማቴ ፲፮፡፲፭ (16፡15) 


እንሆ ከምቲ ጸረ ተዋህዶ ዝኾኑ ዝብልዎ፡ ክርስቶስ  ፈጣሪ ፍጡራን እምበር ፍጡር ኣይኮነን። ቅዱስ ዳዊት ከም ዝገለጾ፡ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት  ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን እትኣምኖ እውን  ንሱ እዩ። እምበርከስ  ንድሕነት ዓለም ክብል ስጋና ዝለበሰ፡ ባህርና ገንዘቡ ዝገበረ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣምላኽነቱ ዝጎደሎ ነገር የለን ብተዋህዶ ድኣ ምስ ስጋ ሓደ ባህርይ ሓደ ኣካል ኮነ። በዚኻ ኣብ ኣደባባያት ቀረናዮ ተሰቒሉ ፍጹም ድሕነት ሃበና።


ብዝተወሃሃዶ ስጋ ከኣ ናብ ሰማይ ዓረገ።  ቅዱሳን መላእኽቲ  ከም ዝገለጽዎ፡ ነብያት ከም ዝተነበይዎ፡ ባዕሉ ክርስቶስ እውን ከም ዝተዛረቦ ካኣ፡ ከምቲ ክዓርግ ከሎ ብተዋህዶ ዝዓረገ፡ ኣብ መጨረሽታ እውን ክፈርደና ብግርማ መለኮቱ ብክበበ ትስብእቱ ክመጽእ እዩ።


(ግ፣ሃዋ ፩፡፱-፲፩ /1፡9-11,  መዝ ፻፲፡፩ /110፡1,

ማቴ ፳፬፡፴ /24፡30, ማቴ ፳፮፡፷፬/26፡64


ዕርገት

ድኅሪ ምትንሥኡ ንዕለቱ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን። ብሥዕላዊ ኣገላልጽኡን ኣጸሓሕፋ ታሪኹን ዝልለ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ጐይታ ዝዓረገሉ ዕለት ቦታን ፍጻሜኡን ብንጹር ኣቐሚጡልና ኣሎ። ዕርገት ካብ ትንሣኤ ኣብ ፵ መዓልቲ፤ ደብረ ዕርገቱ ድማ ቢታንያ ምዃኑን ብዛዕባ ፍጻሜኡ ድማ መላእኽትን ሰባትን እናረኣይዎ፤ ክብል ገሊጽዎ እዩ። ከምቲ ኣብ ጽሑፋት’ውን ብንጹር ዝተገልጸ ኣርብዓ መዓልቲ ንሓዋርያት ብሥጋ እናተገልጸን እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግሥተ እግዚአብሔር እናመሃሮም ጸንሐ። ኣብዘን መዓልትታት ድማ ንሓዋርያት ኣኪቡ ብዙኅ ምሥጢርን ሥርዓትን ሓዲሳዊት ቤተ ክርስቲያን መሃሮም፤ ብኣምሳል ብሉያዊ ሕጊ ድማ ፵ መዓልቲ ነቲ ሕገ ሓዲስ ኪዳን ኣጽንዐ፤ ዝተመሃርዎ ኵሉ ክሕልዉን፡ ንዓለም ድማ ክምህሩን ወንጌሉ ክሰብኩን ትእዛዝን መምርሒን ሃቦም። ይኹን ደኣ እምበር ኃይሊ ዝኾኖም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝልኸሎምን ዝለብሱን ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑን ካብኣውን ከይወጹን ኣዚዝዎም ብምስጋና ዓረገ። ዕርገቱ ድማ ኵሉ ዝመጸሉ ግብሪ ፈጺሙ ናይ ዓወት እዩ ነይሩ። (ሉቃ ፳፬ ፤ ግብ ሓዋ ፩) ጓሂን ሓጐስን ሓዋርያት ሓዋርያት ብጐይታ ካብ ዝተፈላለየ ቦታን ነገደ እስራኤልን ከምኡ'ውን ዓይነት ናብራን ዝተመርጹ ኮይኖም፤ ቤቶምን ቤተ ሰቦምን፡ ንብረቶምን ጥሪቶምን፡ ንድኅሪት ገዲፎም ንክርስቶስ ብምሉእ ልቦምን ሓሳቦምን እናሰዓብዎ ከይተፈለይዎ ንሠለስተ ዓመት ጸኒሖም እዮም። ኣብቲ ዝወዓለሉ እናወዓሉ፤ ኣብቲ ዝሓደሮ ድማ እናሓደሩ ትምህርቱን ተኣምራቱን ዝረኣዩን እዮም። ኣብቲ መወዳእታ ድማ ከምቲ ቃሉ፡ ጸዋተወ መከራ ተቐቢሉ ብኢድ ኣይሁድ ስለዝተሰቕለን ስለዝሞተን ድማ ብዙኅ ጓሂን ሓዘንን እኳ እንተነበሮም ንሞት ሥዒሩ ብምትንሥኡ ድማ ሓጐሶም ደረት ኣይነበሮን። ን፵ መዓልቲ ድማ እናተገልጸን ኣብ ሞንጎኦም እናተረኽበ ድኅሪ ምምሃርን፡ ብዛዕባ ዘተስፈዎም ሰማያዊት መንግሥቲ ድማ እናነገሮም ድኅሪ ምጽናሕን፡ ብሥጋ ተፈልይዎም ኣብ ዝዓረገሉ እዋን ቀው ኢሎም ኣንቃዕሪሮም ይጥምትዎ ነበሩ። ዕርገት ጐይታ ኣብ ሓዋርያት ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ኣንጻር ዝመስሉ ነገራት እዩ ኣስዒብሎም። ሓዘንን ሓጐስን! ብፍቕሪ ዝነበረ ሰብ እቲ ዘፍቅሮ ክፈለዮ ከሎ ክንደይ ዝኣክል ውሳጣዊ ሓዘን ከምዝስምዖ ድማ ርዱእ እዩ። ኣሽንኳይ ዶ ተኣምራት ዝገብርን ካብ ሞት ዝተንሥአን መድኅን ዓለም ጐይታ ይትረፍሲ፡ ዝፈትውዎ መዘና እኳ ክፍለይ ከሎ ክንደይ ዝኣክል ሓዘን ክስማዕ ከምዝኽእል ዘማትእ ኣይኮነን። ሓዋርያት’ውን እቲ ዘፍቕርዎ ጐይታ ክፍለዮም ከሎ እዚ ክስምዖም ናይ ግድን ስለዝነበረ እዩ ካብኦም ንሰማይ ልዕል እናበለ እናረሓቐን ብእልፍ ኣእላፍ ቅዱሳን መላእኽቲ ተዓጂቡ እናተመስገነ ክዓርግ ከሎ ዝጥምትዎ ዝነበሩ። ይኹን ደኣ እምበር ሓዘኖም ጊዜያዊን ናይ ፍቕርን እዩ ነይሩ እምበር ካብ ቀቢጸ ተስፋ ዝነቐለ ኣይኮነን። ነዚ ሓዘን ኣመልኪቱ ወንጌላዊ ዮሓንስ ቃል ጐይታ ኣቐዲሙ ንዝተዛረቦ ክጠቕስ ከሎ ከምዚ ይብል “ጊዜኦም ምስ በጽሔት፡ ኣነ ኸም ዝበልኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ ግና፡ እዚ ነገርኩኹም። ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ ኻብ መጀመርታ እዚ ዘይነገርኩኹም። ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣሎኹ። ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ፡ ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧ ኢሉ ኣይሐተንን። እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ጓሂ መልኤ።” (ዮሓ ፲፮፥፮) በቲ ካልእ ድማ ስለዝባረኾምን ስለዘጸናንዖምን፡ ብኣዕይንቶም እናረኣይዎ ድማ ብምስጋና ስለዝዓረገን ተሓጒሶም እዮም። ከመይ እንተበልና፡ ጻዕዳ ዝልባሶም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ሞንጎኦም ተረኺቦም ከምቲ ክዓርግ ዝረኣይዎ፡ ጐይታ ብሥጋ ማርያም ብክበበ ትስብእት ዳግማይ ከምዝመጽእ ነገርዎም። በዚ ኸኣ ጐይታ ፈጺሙ ካብኦም ከምዘይፍለ “ክሳብ ሕልቀተ ዓለም ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ኣተስፊዎም ዝነበረ፤ ድሮ ንቅዱሳን መላእኽቱ ሰዲዱ ብኣፍ መላእኽቱ ቃሉ ብምስዳድ ኣጸናኒዕዎም። እወ ጐይታ ስቕ ኢሉ ገዲፍዎም ዝኸደ ዘይኮነስ ትምህርትን ምሉእ ተስፋን ኣስኒቑ፤ ባሪኽዎምን፤ ብመላእኽቱ ኣቢሉ ቃል ተስፋ ነጊሩን እዩ። ከምቲ ዝበሎም ድማ፡ ንሳቶም’ውን ነቲ እሙን ቃል ከይተጠራጠሩ ብታሕጓስን ምልኣት ተስፋን ካብቲ ዝዓረገሉ ደብረዘይት ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ምውራድ መንፈስ ቅዱስ እናተጸበዩ ብጸሎት ጸኒሖም እዮም። “እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም። ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉ'ውን ባረኾም። ኰነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዐረገ። ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ፡ ብብዙኅ ሓጐስ'ውን ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ንኣምላኽ እናወደሱ እናኣመስገኑን ከኣ ኲሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ።” ሉቃ ፳፬፥፶-፶፫ ሓጐስ ሓዋርያት ግና ንጊዚኡ ስለዝባረኾምን በረኸቱ ስለዝሃቦምን ጥራይ ኣይኮነን። ብዝተዋህቦም ሥልጣነ ክህነትን ብዝረኸብዎ በረኸትን፡ ንሳቶም’ውን እናባረኹ ኣብ ልዕሊ ካልኦት በረኸት እናሕደሩ ክነብሩ ስለዝፈቐደሎም እዩ። ከምኡውን ሞይቱ ተንሢኡ፤ ንዓለም ብደሙ ቐደሳ ኣንጽሓ እናበሉ ዝምስክሩሉ ቅዱስ ኣምላኽ፡ ሰባትን መላእኽትን እናረኣይዎ ብግሉጽን ብዓቢይ ምስጋናን ስለዝዓረገን ብግልጺ ስለዝተረጋገጸን ባህ ኢልዎም እዩ። ንሱ’ውን ጥራይ ግና ኣይኮነን፤ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅነት ዓለም ክውን ኮይኑ፡ ሓዋርያት ድማ ነዚ ምስክር ክኾኑ ስለዝተኃርዩን ነዚ ዝተዋህቦም ዓቢ ተልእኾ እናዘከሩ ይሕጐሱ ነበሩ። ነዚ’ውን ዘረጋግጸልና ዘውትር ንእግዚአብሔር እናመስገኑ ኣብ ቤተ መቕደስ ምንባሮም እዩ። ፄዊወከ ፄዋ ዕርገት፡ ጐይታ ንዝመጸሉ ዕላማ ብዓወት ፈጺሙ፤ ምርኮኡ ማሪኹ፡ ናብ ዝቐደመ ክብሩ ዝተመልሰሉ እዩ። እቶም ምርኮ ዝተባህልና ከኣ ንሕና ኢና። ከመይሲ ዝፈጠረናን ጸግኡ ዘብዝኃልናን ጐይታ ገዲፍና፡ ብሰንኪ ኃጢኣት ብእግረ ኣጋንንት እናተቀጥቐጥና ምሩኻት ዲያብሎስ ኮይንና ን፭ሽሕ ፭፻ ዓመታት ዝጸናሕና ንሕና ደቂ ኣዳም ነበርና። ይኹን እምበር ጐይታ ብክቡር ደሙ ቤዛ ኮይኑ፡ ካብ መግዛእቲ ጥንተ ጸላኢና ዲያብሎስ ማሪኹ ናብ ዝቐደመ ውልድነት መለሰና፤ ካብ ኃጢኣትና'ውን ሓራ ገበረና። ዳግማይ ድማ ደቁ ክንበሃል ጸግኡ ዓደለና። እቲ ዝሃበና ጸጋ ውልድነት ጥራይ ዘይኮነስ ሥልጣን’ውን ከምዝኾነ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ከረድእ ከሎ “ስለዚ ኸኣ፡ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማረኸ ንሰብ'ውን ውህበት ሀበ፡ ይብል። እዚ ደየበ ዚብል ግና፡ ናብቲ መዓሙቚ ክፍሊ ምድሪ'ውን ምውራዱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝደየበ'ውን ንሱ እዩ…..ንሱ ገሊኦም ሓዋርያት ገሊኦም ድማ ነቢያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦም'ውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።” (ኤፌ ፬፥፰-፲፪) ምርኾ ዝብል ቃል’ውን ቅዱስ ጐርጐርዮስ ብወገኑ ክትርጕሞ ከሎ “ካብ መስቀሉ ናብ ሲዖል ብምውራዱ ኣድኃነና። ብምኽንያት በደል አቦኦም ኣዳም ኣብ ሲዖል ተኣሲሮም ንዝነበሩ ጻድቃን ፈትሖም። ካብ ሙታን ተፈልዩ ብተንሥኡ ኣማናዊ ትንሣኤኡ ድማ ኣተንሥኣና። በሪ ንስሓ ድማ ኣርኃወልና” (ሃይ ኣበው ም. ፴፮ ቍ. ፴-፴፯ ም. ፵፬ ቍ. ፰) ይብል። እዚ ቃል ድማ ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ዝሰማማዕ ኣበሃህላ እዩ። ድኅሪ እዚ ዓወትን ምርኮን ድማ እዩ ጐይታና ናብ ሰማያት ዝዓረገ። ስለዚ ንሕና'ውን በዚ ቃል ጸኒዕና እንተነበርና፡ ዳግማይ ብፍቓድና ናብ ምርኾ ዲያብሎስ እንተዘይተመሊስና ፡ናይ ሓዋርያነትን ካልኦትን ጸጋ ከምዘይፍለየና ኣረጋጊጹልና እዩ። ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ፡ ጥምቀቱ፡ ሕማሙ፡ ሞቱ፡ ትንሣኤኡ፡ ወዘተ ከም ጋሻ ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ ኣቐዲሙ ብነቢያት ዘዛረቦን ዝተመስከረሉን እዩ። ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ ዕርገቱ ክንበ ከሎ ብጥሙሩ “ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን” (ኣምላኽ ብእልልታ፡ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ።) (መዝ ፵፮(፵፯)፥፫) ኢሉ ነበረ። በዚ ድማ ከምቲ ብነቢያት ዘዛረቦ ንሱ ወልደ እግዚአብሔር ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኵሉ ዝመጸሉ ነገር ፈጺሙ ድኅሪ ትንሣኤኡ ኣብ መበል ፵ መዓልቱ ናብ ሰማይ ብዓቢይ ክብርን ምስጋናን እዩ ዓሪጉ። እንተደኣ ብምስትውዓል ኣንቢብናዮ ብቅዱስ ዳዊት ዝተጠቕሰ ትንቢት ናይ ተዋሕዶ ምሥጢር ዘለዎ ቃል እዩ። እቲ ብባህርይኡ ብምልኣት ዝርከብ እግዚአብሔር ዓሪጉ ምባል፤ ዳኅራይ ብፍሉይ ኣካሉ ወልደ እግዚአብሔር ሥጋና ለቢሱ ንዝፍጽሞ ግብሪ ዘመልክት እዩ። ዳኅራይ ብፍጹም ናይ መለኮትን ሥጋን ተዋሕዶ ንዝፍጸም ግብሪ ድማ እዩ እግዚአብሔር ዓሪጉ ብምባል ዝገለጾ። ንናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ናይ ባህርይ ኣምላኽነቱን፡ እግዚአብሔር ምዃኑን ዝጠራጠሩ ድማ ዓቢ ትምህርቲ ገዲፍሎም እዩ። ሓዋርያት ድማ ነዚ መሰኻኽር ክኾኑ ዝተኃርዩ ስለዝኾኑ ድማ ከምቲ ዝበሎም ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሖም ነዛ ጸልሚታ ዝነበረት ዓለም ብርሃን ኮንዋን፡ ጨው ኮይኖም ድማ ኣመቀርዋን። ዕርገት ጐይታ ብኸምኡ ዝተፈጸመ ዘይኮነስ፡ ክንገር ብዘይከኣል ኣዝዩ ዕጹብ ብዝኾነ ምስጋናን ሰልፍን ከምኡ'ውን ዘድንቕ ሰማያዊ ትርኢት መላእኽቲ ዝተሰነየ እዩ። ነቲ ብዓወት ዝዓርግ ዝነበረ ኣምላኾም፡ እልፍ ኣእላፍ መላእኽቲ በብነገዱ ዓቢ ሰልፊ ገይሮም፤ ሰማያዊ ውዳሴን ድምፂ መለኸትን እናቕረቡ እዮም ኣጂቦሞ። ቅድስት ድንግል ኣዲኡን ኵሎም ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ደብረ ዘይት ብብርሃናዊ ደመና ከምዝተጐለበበትን ሰማያት ከምዝተኸፍቱን መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ኣስፊሖም ዝገልጽዎ እዩ። እቲ ዝነበረ ዘደንቕ ትርኢትን ምስጋናን ብውሑዱ ከምዚ ይመስል ነበረ። ካብ ሰማይ ናብታ ጐይታና ዝነበረላ ስፍራ ድማ ብርሃናዊ ሰዋስው ተዘርገሐ። ጐይታ ድማ ኣእዳዊ ዘርጊሑ ንሓዋርያቱ ባረኾም። ብንፍሓት ድማ ጸግኡን ሥልጣንን ሃቦም። ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እተጻዕነ ብርሃናዊ ሠረገላ ድማ ካብ ሰማይ ወረደ። ምስኡ ድማ ኣእላፋት ወትእልፊተ ኣእላፋት መላእኽቲ ኸኣ ነበሩ። ፮ ኣኽናፎም ዝኾኑ ሱራፌል’ውን ምስኦም ነበሩ። ኣዝዩ ብዝምስጥ ጥዑም ዜማን ብርሃናዊ ቃላት ድማ ኵሎም በብሥርዓቱ የመስግንዎ፤ ይውድስዎን፤ ይቕድስዎን ነበሩ። ምስቲ ዓይነት ምስጋንኡን ቃና ዜምኡን ዝሳነ ጥዑም ዝኾነ ብብዓይነቱ ድምፂ መለኸት ድማ በብሥርዓቱ ይስማዕ ነበረ። ገሊኦም መላእኽቲ “ብሩክ ውእቱ እግዚአብሔር እምቀዳሚ ወእስከ ለዓለም አሜን” እናበሉ ስብሓት የቕርቡ ነይሮም። ካብኣቶም ድማ ገሊኣቶም “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባኦት ፍጹም ሰማያት ወምድር ምሉእ እምስብሐቲሁ፡ ሆሳዕና በአርያም ዘውእቱ ቡሩክ ዘመጽአ ወውእቱ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር” እናበሉ የመስግንዎ ነይሮም። ገሊኣቶም ድማ “ቡሩክ ስሙ ለእግዚአብሔር እምይእዜ ወእስከ ለዓለመ ዓለም አሜን” ይብሉ ነበሩ። ገሊኣቶም ድማ “ቅዱስ አንተ እግዚአብሔር ቅዱስ አንተ ኦ ኃያል፡ ቅዱስ አንተ ኦ ሕያው፡ ዘኢይመውት መሐረነ” ኢሎም ይቕድስዎ ነበሩ። ገሊኣቶም ድማ “ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለመ ዓለም አሜን” ኢሎም የመስግኑ ነበሩ። ካብ ላዕሊ ድማ ኣዝዩ ግሩምን ዓቢይን ብዝኾነ ነጐድጓዳዊ ድምፂ “አርኅዉ ኆኃተ መኳንንት፡ ወይትረኃዋ ኆኃት እለ እመፍጥረት ወይባእ ንጉሥ ክብር ወስብሐት” ክብሉ ጀመሩ። ካልኦት ኣብቲ ብርሃናዊ መንጦላዕት ዝነበሩ ማኅበረ ልዑላት ድማ “መን ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ክብር ወስብሐት” ኢሎም ሓተቱ። እቶም ዝቐደሙ ድማ “ዝንቱ ውእቱ እግዚአብሔር ኃያል ውጽኑዕ” ክብሉ መለሱሎም። ድኅሪ እዚ፡ ቃላተ መኳንንት ወሥልጣናት ኃይላት ተሰምዐ፤ ከምዚ ድማ በሉ “አርኀዉ ኆኃተ መኳንንት ወይትረኃዋ ኆኀት እለ እምፍጥረት ወይባእ ንጉሠ ክብር ስብሐት”። እንደገና ድማ ካብ መናብርትን አጋእዝትን ካልእ ድምፂ ተሰምዐ። ከምዚ ድማ በሉ “መን ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ክብር ወስብሐት”። እቶም ካልእ ወገን ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱሎም “ዝንቱ ውእቱ ንጉሠ ክብር ዐቢየ እስከ ለዓለመ ዓለመ”። ካልኦት’ውን ኣዝዩ ንልቢ ብዝሰልብን ብዝምስጥን ዜማ የመስግኑዎ ነበሩ። ብርሃናዊ ትርኢትን ጥዑም ጨና ዕጣን ካብ ዝሓዝዎ ሙዳያት ይወጽእ ነበረ። ገሊኦም ድማ ብኣኽናፎም ገለ ደስ ዘብል ሰልፍን ድምፂ ምስጋና የስምዑ ነበሩ። ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ድማ ኣብቲ ንኣኣ ተባሂሉ ኣብ ዝተተኽለ ብርሃናዊ ደብተራ (ድንኳን) ነበረት። ንሓዋርያቱ ድኅሪ ምዝርራቡ ድማ ናብኣ ከይዱ ድኅሪ ኣዘራረባ፤ ምድሪ ድማ ኣንቀጥቀጠት። ኵሎም ድማ ሰገዱሉ። ጐይታ ኣብ ዝተዳለወሉ ሰማያዊ ሠረገላ ኪሩቤል ደየበ። ብሊቃነ መላእክት ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ዝምርሑ እልፍ ኣእላፍ ሠራዊተ ሰማይ ብኵሉ ማእዝናት በብመልክዖምን ነገዳቶምን ብሥርዓት ለቢሶም ቆይሞም ብቃለ ቀርን የመስግንዎ ነይሮም። ኣብዚ ዕለት ዝተራእየ ሰልፊ ሰማያውያን ሠራዊትን ምስጋንኦምን ሰብ ክገልጾ ዘይከኣል፡ ንኽብሪ እቲ ፍቕሪ ሰባት ኣገዲድዎ ሰብ ዝኾነን፤ ስለ ድኅነት ዓለም ድማ ዝሞተን ዝተንሠአን ዝዓረገን ፈጣሬ ፍጥረታት ጐይታና ዝቐረበ እዩ። እግዚአብሔር ዝገለጸሉ ቅዱስ ዳዊት፡ ስለዚ እዩ ድማ “ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚአነ በቃለ ቀርን” ዝበለ። ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ጐይታ ካብ ዕርገት ቅዱሳን ዝተፈለየ እዩ! (ካልኣይ ክፋል) ቅድሚ ዕርገት ጐይታ ይኹን ድኅሪኡ ናብ ሰማይ ዝዓረጉ፡ ዝተነጥቑ ወይውን ዝተሰወሩ ብዙኃን ቅዱሳን ከምዘለዉ ዝተፈልጠ እዩ። ይኹን ደኣ ከነስተውዕሎ ዝግባእና ዕርገት ጐይታ ካብ ዕርገት ቅዱሳን ሰባት ፈጺሙ ዝተፈልየ ምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ ዕርገት ጐይታ ብዕላማ፡ ብሥልጣን፡ ብመብጽሒ መካነ ዕርገት፡ ኣፈጻጽምኡ ወዘተ ምስ ዕርገት ቅዱሳን ዘይራኸብ ብምዃኑ እዩ። ዕርገት ፈጣርን ፍጡርን ሓደ እዩ ክብል ዝደፍር’ውን ኅሊና ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ብምዃኑ’ውን ዕርገት ጐይታ ከም ሄኖክ ብምስዋር (ሰረገላ ሓዊ) ወይውን ከም ኤልያስ ብሰረገላ ሓዊ ዝተፈጸመ ዕርገት ኣይኮነን። (ካልኣይ ነገ ፪፥፲፩ ሄኖ ፭፥፳፬) ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ክሳብ ሣልሳይ ሰማይ ተነጢቑ ድንቂ ሰማያዊ ነገራት ርእዩ ነበረ (ካልኣይ ቆሮ ፲፪፥፬)። ነዚኦም ከም ኣብነት ጠቐስና እምበር ዝተሰወሩ፡ ዝተነጥቁ፡ ዝዓረጉ ከም ዕዝራ ሱቱኤል ዝኣመሰሉ ካልኦት ብዙኃን ኣቦታት ከምዘለዉ ዝሰሓት ኣይኮነን። ይኹን ደኣ እምበር ዕርገት ጐይታ ብሥልጣኑን ብገዛእ ርእሱን ዝተገብረ ክኸውን ከሎ፡ ዘዕርጎ ካልእ ኃይሊ(ሓጋዚ) ዘድልዮ ኣይኮነን። ቅዱሳን ግና ናብ ሰማይ ዓረጉ ክንብል ከሎና ንሱ እግዚአብሔር ብዝሃቦም ጸጋን፡ ብኃይሉን ትእዛዙን ኮይኑ፡ ብዘይብኡ ድማ ገለ ክገብሩ ዘይከኣሎም ምዃኑን እዩ። ንኣብነት ነቢየ እግዚአብሔር ኤልያስ ብሰረገላ ሓዊ ናብ ሰማይ ከምዝዓረገ ተጠቒሱ ኣሎ። (ካልኣይ ነገ ፪፥፲፩) ነቢይ ኤልያስ ካብታ ዝተፈጥረላ መሬት ሞት ከይጠዓመ ዝዓረገሉ ዕርገት ካብ ጐይታ ከምዝፍለ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል። “ነቢይ ኤልያስ በቲ መገዲ ከም ክርስቶስ ከምኡ ክዓርግ ኣይከኣለን። ባህርየ ኤልያስ ብኸምኡ መገዲ’ውን ክዓርግ ኣይከኣሎን እዩ። መላእኽቲ ናብቲ ዝተኣዘዝዎ ስፍራ ወሰድዎ እምበር። ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ዝኸውን ናይ እግዚአብሔር ቃል ግና መላእኽቲ ዝፈጠረ እዩ እሞ ብሥልጣኑ ዓረገ።” (ሃይማኖተ አበው ም. ፷፯ ክፍሊ ፲፫ ቍ. ፲፪-፲፬) እቲ ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ከምዘረድኣና ኤልያስ ቅድሚ ምዕራጉን ዮርዳኖስ ምስጋሩን ዝስዕቦ ንዝነበረ ኤልሳእ “ከይተወሰድኩ” ምባሉ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣበሃህላ ንጹር ይገብሮ። “ኰነ ኸኣ፡ ምስ ተሳገሩ፡ ኤልያስ ንኤልሳእ፡ ገና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን፡ በሎ። ኤልሳእ ድማ፡ ብጃኻ፡ እቲ መንፈስካ ኣብ ልዕለይ ዕጽፊ ይኹን፡ በሎ።” (ካልኣይ ነገ ፪፥፱) ኣብ ሄኖክ’ውን ብተመሳሳሊ ክንመጽእ ከሎና “ኣምላኽ ስለዘግዐዞ” ብምባል እዩ ገሊጽዎ።(ዕብ ፲፩፥፭) ኣብ ካልኦት’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። ዕርገት ጐይታ ብዝተፈልየ ክብርን ጐይትነትን ዝተመልአ፤ ምልክት ምርኮን ዓወትን ስለዝኾነ ካብ ፍጡራን ዝተፈልየ እዩ። ፍጡራን እንተዓረጉ ናብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ብሓገዝን መሪሕነትን መላእኽቲ እዮም ዝዓርጉ፤ ጐይታ ግና ፈጣሪ ፍጡራን ስለዝኾነ ኣብ ዕርገቱ ብፍቓዱ ናብ ዝቐደመ ልኡላዊ መንበሩን ክብሩን እዩ ዓሪጉ። “ደቀ መዛሙርቱ ቅድስት ንጽሕት ትንሣኤኡ፡ ምልክት ብሽንካር ዝተሸንከረ ኣእዳዉን ኣእጋሩን (እትራት) ድኅሪ ምርኣዮምን ብኲናት ዝተወገአ ጐኑ ድኅሪ ምርምሳሶምን ድኅሪ ትንሣኤኡ ናብ ሰማይ ዓረገ። ኣብ መበል ፵ መዓልቲ ድማ ደቀ መዛሙርቱ እናረኣይዎ ብዝተንሥኣሉ ሥጋ ናብ ሰማይ ዓረገ። ዳግማይ’ውን ንጻድቃን ክፈርደሎም፤ ንኃጥኣን ድማ ክፈርዶም ብዝዓረገሉ ሥጋ ክምጽእ እዩ። ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ሥጋ ናብ ሰማይ ዓረገ። ኣብ ዕሪና ኣቡኡ ድማ ተቐመጠ።” (ሃይ አበ ም. ፴፮ ቍ፴-፴፮ ም. ፵፯ ቍ. ፴፫) ስለዚ ዕርገት ጐይታ ካብ ፍጡራን ዝተፈልየን መጸናንዒ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ክሰድድን ናብ ዝቐደመ ክብሩን ድኅሪ ዓወቱ ንምምላስን ምዃኑ ምስትውዓል ይግብኣና። ዕርገቱ ብምርቃቕ ዶ ብምርሓቕ፧ ጐይታ ካብቶም ዝባረኾም ሓዋርያት በብቝሩብ እናረሓቐን፡ ልዕል ልዕል እናበለን እዩ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፤ ኣዝዩ ብዝረሓቐ ድማ ናይ ክብሪ ደመና ጎልበቦን ሰወሮን። ንሳቶም ድማ ኣዕንቶም ክሳብ ዝፈዛ ኣርሒቖም ይጥምትዎ ነበሩ። መጽሓፍ’ውን ከምኡ እዩ ዝብል። ኣብዚ ክስተውዓል ዘለዎ ነገር፡ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ብርሕቀት (ብምርሓቕ) እምበር ብርቀት (ብምርቃቕ) ከምዘይኮነ እዩ። እዚ ማለት ኸኣ ኣቐዲሙ ንዝተዋሓዶ ሥጋ ኣርቂቑ፤ ግዝፉነቱ ኣጥፊኡ ዘይኮነሲ፡ ምስ መለኮት ብተዋሓዶ ሓደ ዝኾነ ግዙፍ ሥጋ፡ ግዙፍነቱ ከይገደፈ ካብ ዓይኒ እናረሓቐ ልዕል ልዕል እናበለ ናብ ሰማይ ብምድያብ እዩ። ሓዋርያት'ውን ነቲ ካብኦም በብቝሩብ ዝርሕቕ ዝነበረ ጐይታ እዮም ኣንቃዕድዮም ዝጥምቱ ዝነበሩ። መለኮት ሓንሳብ ሥጋን ነፍስን ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ተዋሓደ፡ ፈጺሙ ኣብ መለኮትን ሥጋን ምፍልላይ ኣይተራእየን። ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብፍቓዱ ኽብርቲ ነፍሱ ካብ ክቡር ሥጋኡ ኣብ ዝፈለየሉ እዋን፡ መለኮት ዝተዋሓዶ ሥጋ ናብ መቓብር ከምዝወረደን ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ድማ ኣብ ከርሰ መቓብር ከም ዝሓደረን፤ መለኮት ዝተዋሓዳ ነፍስ ድማ ናብ ሲዖል ወሪዳ ነቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ነፍሳት ናጽነት ከምዝሰበኸተሎም ዝተፈልጠ እዩ። ድኅሪ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ድማ ሰንበት ለይቲ፤ ኣብ ከርሰ መቓብር ዝጸንሐ መለኮት ዝተዋሓዶ ሥጋን፡ ተፈልያ ዝነበረት መለኮት ዝተዋሓዳ ነፍስን ሓደ ኮይኖም እዮም ተንሢኦም። ድኅሪ እዚ ፈጺሙ ምፍልላይ ስለዘይልቦ እዩ ድማ እተን ቅዱሳት ኣንስቲ ይኹኑ ኣእማድ ሓዋርያት ናብቲ መቓብሩ ከይደን ሥግኡ ዝሰኣናን፤ ድንቂ ምስክርነት ትንሣኤ ድማ ካብ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝተቐበላን። ነዚ ተዋሕዶ ዳግም ከረጋግጸሎም ድማ እዩ ጐይታ ኣብ ዕጽው ቤት ኣትዩ ናብ ሓዋርያት ዝተራእየን፡ መንፈስ ከይመስሎም ድማ ሥግኡ ክርእዩን ክትንክዩን ዝፈቐደሎም። ከምኡ'ውን ኣብ ሞንጎኦም ተረኺቡ ክብልዕ ዝተራእየን። ስለዚ ብፍጹም ሓድነት ንዘሎ ተዋሕዶ ድማ ኣብ ዕርገቱ ርእይና ኢና። ስለዚ ዕርገቱ ካብ ኣዕይንቲ ሓዋርያት ናብ ሰማይ ብምርሓቕ ዝፈጸሞ እምበር ብምርቃቕ ሥጋ ዝተፈጸመ ከምዘይኮነ ነስተውል። ወአንትሙሰ ንበሩ ውስተ ኢየሩሳሌም እስከ ትለብሱ ኃይለ እምአርያም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምዕራጉ ንሓዋርያት ካብቲ ዝኣዘዞም ሓደ፡ ኃይሊ ካብ ሰማይ ክሳብ ዝቕበሉን መጸናንዒን መጽንዒን ከምኡ'ውን ከሣቴ ምሥጢር ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝወሃቦም ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑ እዩ። (ሉቃ ፳፬፥፴፱) ምኽንያቱ ሓዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ቅድሚ ምልባሶም ጌና በአእምሮ ዘይበሰሉ፡ካብ ብልየት ዘይተሓደሱ፡ ፍርሃት ካብ ልቦናኦም ዘይርሓቐሎም እዮም ነይሮም። ስለዚ ከምቲ ጐይታ ኣቐዲሙ “ሑሩ ወመሐሩ ውስተ ኵላ ዓለም” ኢሉ ዝኣዘዞም ከስተምህሩ ጌና ብመንፈስ ብዘይጸንዐ ሰብነቶም እንተዝወፍሩ ነይሮም ኣይሁድን ኣላውያንን መከራ ምስ ኣጽንዑሎም ናብ ክህደት ገጾም ምኸዱ ነይሮም። ግና እዚ ምእንቲ ከይከውን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክለብሱን ብርተዐ ክረኽቡን ምእንቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑ ተነግሮም። ከምቲ ዝተባህሎም ድማ ስለዝገበሩ እቲ ዘተስፈዎም ጸጋ ለበሱን ኃይሊ ድማ ረኸቡን። ነቢረ በየማነ አብ ከምቲ ኣቐዲሙ ብቅዱስ ዳዊት’ውን ትንቢት ዝተነግረሉ ጐይታ ብምስጋናን ድምጺ መለከትን ናብ ሰማያት ዓሪጉ እዩ። (መዝ ፵፭(፮)፥፭)። ብተወሳኺ'ውን ጐይታ ድኅሪ ዕርገቱ ኣብ የማን አቡኡ ከምዝቕመጥ ቅዱስ ዳዊት ተነቢዩ ነይሩ እዩ። “ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ።” (መዝ ፻፰(፱)፥፩) እቲ ትንቢት’ውን ብጐይታ ከምዝተፈጸመ ቅዱስ ጳውሎስ ብሉያዊ ሥርዓት ብኸመይ ኣገባብ ኣማናዊ ፍጻመ ከምዝረኸበ ኣብ ዝተርጕመሉ ዓንቀጽ ዕብራውያ ነዚ ብሰፊሑ ገሊጽዎ ኣሎ። “ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ።” (ዕብ ፲፥፲፪) ጐይታ ነቲ ዝመጸሉ ግብሪ ፈጺሙ ናብ ዝቐደመ ክብሩን ቀዳማይ መንበሩ ኣብ ዝተመልሰሉ ካብ አብ ክብርን ምስጋና ተቐቢሉ እዩ። እዚ ማለት ድማ እቲ ኣብ ምድሪ ፍጹም ሰብ ኣብ ዝኾነሉ ንዘለዓለም ዝተወሓዶ ሥጋን ነፍስን መለኮታዊ ኽብሪ ምርካቡ ዘመልክት እዩ እምበር ብመለኮቱስ ካብ አብ ዝተፈለየሉ እዋን የልቦን። ባዕሉ ጐይታ ብቃሉ ከምዚ ይብለና “ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ኦ ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።” (ዮሐ ፲፯፥፫) ብመሠረት ርቱዕ ኣገባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብየማን ምቕማጥ ዕሪና (ናይ ሥልጣን ማዕርነት) ዘመልክት እዩ። እዚ ድማ ወልደ አብ በመለኮቱ ወልደ ማርያም በትስብእቱ ዝኾነ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ዕርገቱ ኣብ የማነ አብ ምቕማጡ ብሥልጣን ምስ አብን መንፈስ ቅዱስን ማዕረ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። እዚ ማለት ድማ ንመለኮት ዝተነግረ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብመለኮቱ ካብ አብ ትሕት ዝበለሉ ጊዜ ፈጺሙ ስለዘይልቦ፤ እንታይ ደኣ ቅድመ ተዋሕዶ ድኻምን ሞትን ዝሰማምዖ ትሑትን ውሱንን ዝነበረ ሥጋ ብተዋሕዶ ፍጹም ናይ መለኮት ባህርይ(ምሉእ ረቂቕ ስፉሕ) ባህርዩ ስለዝገበረ ምስ አብን መንፈስ ቅዱስን ብማዕርነት ዘሎ ኣምላኽ ምዃኑ ንምርዳእ ዝተንገረ እዩ። “ጐይታና ኢየሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዐረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ።” (ማር ፲፮፥፲፱) “ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኲሉ'ውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ኃጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ።” (ዕብ ፩፥፫) “ሕጂ ድማ ነዚ እንብሎ ዘሎና ኣውራ ነገሩ እዚ እዩ፡ ንሕናስ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ፡ ናይቲ፡ ጐይታ ደኣ እምበር፡ ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ፡ ከምዚ ዚመሰል ሊቀ ኻህናት ኣሎና።” (ዕብ ፰፥፩) ተባሂሉ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተጻሒፉ ከምዝርከብ፤ ንሕና’ውን ደጋጊምና ጐይታ ብዕርገቱ ናብ ዝቐደመ ክብሩ ተመልሰ ክንብል ከሎና፤ ንሱ ሥጋ ብምልባሱን ኣብዚ ምድሪ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ብምምልላሱን ካብ መለኮትነቱን ክብሩን ብአፍኣ (ወጻኢ) ኮይኑ ነይሩ ማለት ከምዘይኮነ ምስትውዓል ይግብኣና። ናብ ክብሩ ተመልሰ ክንብል ከሎና’ውን ነቲ ስኢንዎ ወይ ተፈልይዎ ዝነበረ መንበረ ክብር ረኸቦ ማለት ከምዘይኮነ ክንርድኦ ዘሎና ሓቂ እዩ። ከመይሲ ወልደ እግዚአብሔር ካብ ባህርይ ኣቡኡ አብ ካብ ባህርይ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ ብህልውና ዝተፈልየሉ ጊዜ ፈጺሙ ስለዘየልቦ። ንሱ ብባህርዩ ምሉእ ስፉሕ ረቂቕ ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ኣሎ ኣብቲ የሎን ዝበሃለሉ ኣምላኽ’ውን ኣይኮነን። ስለዚ ንመለኮት ብባህርይኡ ምውራድ ምድያብን (ምዕራግን) ዘለዎ ኣይኮነን። ንዕርገት ምውራድ ይቕድሞ እዩ። ወረደ ማለት ድማ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ምውራድ ዘመልክት ክኸውን ከሎ ዕርገት ድማ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ምድያብ ዘመልክት ቃል እዩ። ኣምላኽ ወረደ ክበሃል ከሎ ምሉእነቱ ከይገደፈ ወልድ ብዝተፈልየ ኣካሉ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋን ነፍስን ተዋሓሒዱ ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ተወሲኑ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ስለድኅነትና ዝመጸ ምዃኑ ዘረድእ ከም ምዃኑ፡ ደየበ ክበሃል ከሎ’ውን ነቲ ዝመጸሉ ዕላማ ፈጺሙ፡ ዝተወሓሓዶ ሥጋን ነፍስን ከይገደፈ ስሌና ኽብሪ ምርካብ ዝዓረገን ሥጋና ኣብ መንበረ ክብር ብዛዕባ ምቕማጡ ዝተነግረ ምዃኑ ከነስተውዕሎ ይግብኣና። እዚ ድማ ስለቲ ዝተዋሓዶ ሥጋ ሓድሽ ግብሪ ስለዝኾነ ዝተነግረ እምበር ንሱስ ዘለዓለም ኣብ መንበረ ኽብሩ እዩ ዝነብር። (ኢሳ ፮፥፩-፭ ሕዝ ፬፥፩) እቲ ዝዓረገ ድማ እቲ ቀዲሙ ካብ ሰማያት ዝወረደን ሥጋና ዝተዋሓደ ምዃኑን፡ ንሱ ድማ ንዘለዓለም ኣብ ሰማያት ዝነብር ጐይታ ምዃኑ ባዕሉ ኣቐዲሙ ኣመሥጢሩ ነጊሩና እዩ። “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን።” (ዮሐ ፫፥፲፫) ንሱ ድማ ስለ ድኅነትና ኣብ ሞንጎና ተረኺቡ ሰማያዊ ምሥጢር ዘግሃደልና እዩ። (ዮሓ ፩፡፲፰) ተቐመጠ ክብል ከሎ’ውን ኣብ መለኮት ምትንሣእን ምቕማጥን ዘሎ ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ኽብሪ ዘይነበሮ ሥጋ ብተዋሕዶ ምስ መለኮት ተዋሓሒዱ ክብሪ መለኮት ክብሩ፡ ገንዘብ መለኮት ገንዘቡ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ እምበር ወልድስ ብመለኮቱ ነቲ መንበረ ክብሪ ሓዲሽ ኣይኮነን። ብየማነ አብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምቕማጡ ንሕና ኽብሪ ከምዝረኸብና’ውን ቅዱስ ጳውሎስ ከረድእ ከሎ ከምዚ ይብል። “ምስኡውን ኣተንሥኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ ኢየሱስ ምስኡ ኣቐመጠና።” (ኤፌ ፪ ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግም ምጽአት (ሣልሳይ ክፋል) ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙኅ ጊዜ ኣብ ዝተመላለሰላን ዘዕረፈላን ቢታንያ፤ ካብ እምባ ደብረ ዘይት ከምዝዓረገ ዳግማይ ምምጽኡ ድማ ናብኣ ክኸውን እዩ። ኣብ እዋን ዕርገት ጐይታ፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዝነገርዎም ጐይታ ዳግም ከምዝመጽእ እዩ። “ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም።” (ሓዋ ፩፡፲፩) ኮይኑ ግና ዳግማይ ክመጽእ ከሎ ከም ዝሓዘነ ወይውን ከምቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዝተወልዶ ብትሕትና ዝግለጽ ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ብኽብሩ ብቅዱሳን መላእኽቲ ተዓጂቡ እናተመስገነ ክፈርድ እዩ ዝመጽእ። ሽዑ መዝሙር ምስጋና ዝኾነ ሃሌ ሉያ ምስ መዝሙር ሆሳዕና ክዝምረሉ እዩ። ቅዱሳን’ውን ብልዑል ድምጺ ምስ ነገደ መላእኽቲ ስብሓት ውዳሴ ከቕርቡሉ እዮም። ሽዑ ብዙኅ ከንቱ ዝኾነ ዋይ ዋይታ ክስማዕ እዩ። ከምቲ ዮሓንስ ኣብ ራእዩ ዝገለጸልና’ውን “ኣዕይንቲ እቶም ዝወግእዎ እናረኣይዎ ድማ ክመጽእ እዩ።” (ራእ ፩፥፯ ቀዳማይ ተሰ ፬፥፲፮ ማቴ ፳፭፥፴፩)። ጐይታና ብክበበ ትስብእት ብግርማ መለኮት ብሥጋ ማርያም ክግለጽ እዩ። ሽዑ ኵሉ ከከም ግብሩ ክፍደ እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ብምሕረቱ ምስቶም ብየማኑ ዝቖሙ ይግበረና። ዕርገት ጐይታ ንዓና ክርስቶስ ኣምላኽና ንሞትና ብሞቱ ሥዒሩ፡ ተንሢዑ ብምዕራጉ ዝረኸብናዮ ጸጋ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ብዕርገቱ ተስፋና ጽኑዕ ኮነ። ክብሪ’ውን ረኸብና። ጸጋ መንፈስ ቅዱስ’ውን ክንለብስን ክዕደለና ዝኸኣለ ጐይታና ስለ ዝዓረገ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ፈሪሆም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዘጸናንዓሉ እዋን ንሱ ካብኦም ከምዝፍለይ፡ ምፍላዩ ግና “ስፍራ ኸዳልወሎም” ምዃኑን ነቲ ዘተስፈዎም ኵሉ ከምዝፍጽመሎም ነጊርዎም እዩ። “ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙኅ ማሕደር ኣሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ፡” ዮሐ ፲፬፥፩ እዚ ማለት ድማ ማዕርገ ሃብታት ፡ ትሩፋት ሥጋ ወነፍስ፡ ኣብ ምድሪ ስለዘሎን ብወንጌል ዝፍጸም’ውን ገድሊ ብዙኅ ስለዝኾነ ከምቲ ዝበሎም ውልድነቶም ከጽንዓሎም ነቲ ዘተስፈዎም ድማ ከምዘውርሶም “ኣይትሸበሩ” ብምባል ኣጽኒዑ ነገሮም። መጽሓፈ ቤተ ክርስቲያን “ዐረገ እግዚአብሔር ከመ ያለቡ ዕርገተ ጻድቃን” (እግዚአብሔር ዕርገት ጻድቃን ከረድእ ምእንቲ ዓረገ)ይብል። እዚ’ውን ነቶም ናይ እግዚአብሔር ጻድቃን ዓቢ ተስፋን ብስራትን እዩ። ሠለስቱ ምእት’ውን “ዐረገ ብስብሐት ውስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ አቡሁ” ይብሉ። ብናቱ ዕርገት ድማ ንሕና ካብ ምድሪ ዝተረኸብናን ምስ ምድሪውን ብሞት ዝተሓዋወስናን ደቂ ሰባት ምስኡ ልዕል ልዕል በልና። ብሞቱ ሞትና ከምዝተሣዕረ፡ ብትንሣኤኡ ትንሣኤ ከምዝረኸብና ብዕርገቱ ድማ ልዕልና ረኸብና፤ ሰማያውያን ከም እንኸውን ተስፋና ጽኑዕ ኮነ፤ ሕይወትና’ውን ምስኡ ተሰወረ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነዚ ምሥጢር ዘለዎ ቃል ንምዝክኻር ንሕና ምእመናን ነቲ ኣረጊት ሰብነት ምስ ግብሩ(ኃጢኣት) ቀንጢጥና ክንድርብይን ሓዲስ ሰብነት ክንለብስን፤ ካብ ኃጢኣት ዘበለ ኵሉ ርሒቕና ክንነብር እናመኸረ “ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሢእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ሕይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን። ክርስቶስ ሕይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።” (ቈሎ ፫፥፩-፫) ይብል። እዚ ቃል ድማ እዩ ብናይ ክርስቶስ ዕርገት ናይ ጻድቃን ዕርገት እሙን ምዃኑ ዘረጋገጸ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያናውን “ላዕለ ይኩን ኅሊናክሙ በሰማይ የሀሉ ልብክሙ አእምሩ ኀበ ዘትቀውሙ መስማዑ ቃለ ጽድቅ ወአስምዑ ዜና ሰናይ” (ኅሊናኹም ኣብ ላዕሊ ክርስቶስ ኣብ ዘለዎ ይኹን። ልብኹም’ውን ኣብ ሰማይ ይኹን። ደው ዝበልኩሙሉ’ውን ፍለጡ። ቃለ ጽድቅ ስምዑ። ነቲ ጥዑም ዜና ወንጌል’ውን ጽን በልዎ) ብማለት ክትቕድስ ትነብር ኣላ። ዕርገት ክርስቶስ ድማ እዩ ከምቲ ጐይታ ስፍራ ከዳለወልኹም እኸይድ ኣሎኹ ዝበሎም፤ ንቅዱስ ጳውሎስን ንእኡ ብግብሪ ዝኣመሰሉ ቅዱሳንን ዓዶም ሰማያዊ እምበር ምድራዊ ከምዘይኮነ ኣርጊጾም ክዛረቡን ክምዕዱን ዝገበሮም። “ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድኃኒ፡ ንሱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ ኣሎና።” (ፊል ፫፥፳) ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ብዕርገት ጐይታ ዝረኸብናዮ ካልእ ዝዓበየ ጸጋ ድማ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ብትእግስቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ነቲ ኣብ ዕርገቱ ዝበሎም ቃል ኣኽቢሮም ክጽበዩ ጸኒሖም እዮም። ብዛዕባ ህያባት መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣቐዲሙ’ውን ተዛሪቡ ነይሩ። በዚ መሠረት ድማ ክሰደሎም እንተደኣ ኮይኑ ንሱ ካብኦም ከም ዝፍለን ክዓርግ ዘለዎ ምዃኑን ብግልጺ ነጊርዎም እዩ “እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ።” (ዮሓ ፲፭፥፳፮) “ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣሎኹ። ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ፡ ናበይ ኢኻ እትኸይድ? ኢሉ ኣይሐተንን። እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ጓሂ መልኤ። ግናኸ እንተ ኸድኩ ኸም ዚሔሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም ኣሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞዕ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።” (ዮሓ ፲፮፥፭-፯)። ከምቲ ዝበሎም ድማ ሰዲድሎምን ተቐቢሎምን እዮም። በዓለ ዕርገት ዕርገት ወትሩ ካብ በዓለ ትንሣኤ ኣብ መበል ፵ መዓልቲ ስለዝውዕል ዕለት ዕርገት ካብ ሓሙስ ኣይለቅቕን እዩ። ዕርገት ካብ ተሽዓት ዓበይቲ በዓላት ጐይታ ሓደ ኮይኑ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ብቅዳሴ ይኽበር። ብስሙ ኣብ ዝተሰየማ ኣብያተ ክርስቲያናት ግና ታቦት ብምዕዳው ብዓቢ ድምቐት ዝብዕለሉ ቦታታት ኣሎ። ገለ ቡሩኻት ምእመናን ድማ ንኽብሪ ዕርገት ጸበል ጸዲቕ ዝገብሩን ዘኽብርዎን ኣለዉ። ይኹን ደኣ እምበር፤ ብዙኅ ሰብ ከምቲ ንካልኦት በዓላት ጐይታ ኽብሪ ዝህቦ፡ ንዕርገት ምስኡ ዝዳረግ ክብሪ ክህቦ ኣይርከብን እዩ። እዚ ግና እናሃስሰን እናህሰሰን ዝመጽእ ዘሎ ሕማቕ ልማድ እዩ እምበር ካብ ጥንቲስ ከምኡ ኣይነበረን። ጥንቲ ኣቦታትና ብዓቢ ክብሪ እዮም ዘብዕልዎ ነይሮም። ሕጂ’ውን ክብሪ ዕርገት ኣስተውዒልና ከምቲ ዝግባእ ከነኽብሮ መልእኽቲ እዩ።


ከምኡው'ን  ከመይ ዝዓይነቶም ሰባት ኮይና ኢና ክንጸንሕ ዝግብኣና፧ እምበኣር ዘመኑ ናይ ፈተና ዘመን፡ ፍትወት ስጋ ዝብርትዓሉ፡ ብዙሓት ሰባት ንኽብሪ ርእሶም  ዝቖምሉ፡ ሰይጣን ብረቂቕ ሜላ ኣሲሩ ሰባት ካብ ሃይማኖትን ምግባረ ሰናይን ዘወጽሉ ዘለዉ ሰዓትን ግዜን ስለ ዝኾነ ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግባኣና እዩ። ሃዋርያት ክዓርግ ከሎ ዝረኣይዎ ወልደ ኣብ ወልደ ማርያም— ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ መጨረሽታ ሰዓት ክመጽእ እዩ። እንተ ኾነ ከምቲ ክውለድ ከሎ ብትሕትና ዝመጾ ኣይኮነን። ንሓጥኣንን ንጻድቃን ዝፈላልየሉ፡ ስርናይ ናብ ቆፍኡ ሓሰር ናብ ሓዊ ዘእትወሉ ግዜ እዩ።


መዝ ፶፡፪-፮ /50፡2-6,

ማቴ ፲፫፡፳፬-፵፫ /13፡24-43, 

ማቴ ፳፭፡፴፩-፵፮/25፡31-46


 እምበኣርከስ ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ከይንሓፍር ፡ኣብቲ ናይ ዘልኣለማዊ ሞት እውን ከይንሽመም ካብ ሕጂ መገድና ነዕሪ፡ ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ብክርስቶስ ኣምላክና እሙናት ኮይና ንረኸብ፡ እዚ ክንገብር እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብጸግኡ ይርደኣና ኣሜንንን።


ብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና  ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ ወኣምላከ ቅዱሳን።


Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና