ጾመ ሓዋርያት
ጾመ ሓዋርያት
ጾመ ሓዋርያት
‘አሥርቆት ዘወርኅ ግንቦት፡ ዮም ሠረቀ ለነ ወርኅ ብሩክ ሰኔ ያብጽሐነ እስከ ወርኅ ሐምሌ በሰላመ'
ጾም ብቃላዊ ትርጕሙ ጾመ ኃደገ፡ ተከልከለ፡ ተሓረመ ካብ ዝብል ግዕዝ ግሢ ዝተረኽበ ቃል ኮይኑ ትርጕሙ ‘ንዝተወሰነ ጊዜ ካብ መብልዕን መስተን ብምኽልካል፡ ከምኡ'ውን ካብ ናይ እንስሳታት ውፅኢትን ዊንታ ሥጋኻን ብምሕራም፤ ፍቃድ ሥጋ ንፍቃድ ነፍሲ ምግዛእ ማለት እዩ። ናይዚ መሥራቲ ድማ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ። ማር ይስሓቅ ኣንቀጽ 4፡ ‘ጾም ካብ መንፈሳዊ ተጋድሎታት ሓደ ኮይኑ ንሥጋ መንፈሳዊ ልጓምን ጸዋሚ ሰብ ፍቓድ ሥግኡ እናገትአ ንነፍሱ ዘለምልመሉ ስንቂ እዩ’ ይብል። ማኅቶት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ያሬድ ‘ጾም ቍስሊ ነፍሲ ትፍውስ፡ ኃይሊ ፍትወት ተድክም፡ ናይ ሠናይ ግብሪ መጀመርታ ካብ እግዚአብሔር ጸጋ እተውህብ ናይ ሥራሕ ወንጌል መጀመርታ፡ ንዝፍጽምዋ ክብሮም ናይ ደናግል ስልማት ንጽሕና፡ መግለጺ ንጽሕና፡ ኣደ ጸሎት ምንጪ ንብዓት፡ ኣርምሞ እትምህር ናይ ዅሉ ሠናይ ነገር መጀመርታ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሰብነትካ ብምውራድ ንትሕትና ገንዘብካ ንምግባር እትረድእ መድኃኒት ነፍሲ እያ’ ክብል ኣብ ናይ መዝሙር ድርሰቱ ገሊጽዎ ይርከብ።
እቲ ዘፈትወ ጾም ኣየን እዩ፤ ‘እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝፈትዎ ጾምሲ ‘ንመእሰር እከይ ንምፍታሕ፡ ነርዑት ባርነት ምዝላቅ፤ ንጥቁዓት ሓራ ምውፃእ፡ ኣርዑት ባርነት ዘበለ ኵሉ ምስባር፤ እንጌራኩም ንጥሙይ ምምቃል፡ ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት ኣብ ቤትኩም ምቕባል እዩ’ ይብል እቲ ቅዱስ ቃል (ኢሳ 58፡3-12)። ዓወት ሓቀኛ ጾም ምስ እንርኢ፤
ሕዝቢ ነነዌ ብምጻሞም ካብ መከራ ከምዝደኃኑ (ዮና 3፡5-10)
ሕዝቢ ኣይሁድ ጾም ብምጻሞም ካብ ሞት ከምዝደኃኑ ርኢና ኢና (ኣስ 4፡6-17)፡ ክንምልከት ንኽእል ኢና።
ጾመ ሓዋርያት
ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ዓበይቲ ኣጽዋማት ዝኾነ ጾመ ሓዋርያት ወይ ጾመ ሰነ እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቀበሉ ቅድሚ ናብ ስብከተ ወንጌል ምውፋሮም ዝጾምዎ ጾም እዩ። ምእመናን ሕዝበ ክርስትያን ድማ ነዚ ናይ ሓዋርያት ጾም ኣብነት ጌሮም ጽባሕ ጰራቅሊጦስ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ቅድስት ቤተክርስትያን ክጽወም ትእዝዝ። ጾመ ሓዋርያት ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዕለት ሰኑይ ጀሚሩ ሓምለ 5 ይውድእ። ጥቅሚ ጾም ዝተረድኡ ቅዱሳን ኣበው ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ርእስና ከነዋርድ፡ ካብ ኣምላኽ ነታ ቅንዕቲ መንገዲ ንዓናን ንደቅናን ንጥሪትናን ንክልምንሲ ኣብ ሩባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ’ ኢሎም እዮም። (ዕዝ 8፡21)
ኣበው ቅዱሳን ሓዋርያት ሃብተ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ፡ ንሕዝቢ ቅድሚ ወንጌል ምምሃሮም ጸይሞም እዮም። ምእመናን ድማ ኣስር ሓዋርያት ብምስዓብ ካብ ጽባሕ ጰራቅሊጦስ ጀሚሮም ነዚ ጾም ይጾምዎ። እዚ ጾምውን ‘ናይ ወተሃደር ጾም' ይበሃል እዩ። ቀደም ዘመን ወተሃደራት ቅድሚ ምውፋሮምን ካብ ወፍሪ ድኅሪ ምምላሶምን ብዝተጋገናዮን ዝኣበስናዮን ኵሉ ኅደገልና ብምባል ብቀኖና ይጾምዎ ኔሮም እዮም። ጾመ ሓዋርያት ኣብ ወርኂ ሰነ ስለዝጽወም ‘ጾመ ሰነ’ እናተባህለ ድማ ይጽዋዕ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ጾም ዋዛ ዝፈጥሩ ሰባት ‘ጾም ሰነ ናይ ዝሰኣነ’ ብምባል ሃብቲ ጾም ከነኣእሱ ይረኣዩ እዮም። ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ ብዛዕባ ጾም ኣብ ዝደሬሰሉ ኸምዚ ይብል "ጾም ካብ ጥንቲ ዝተዋበኣ ህያብ እዩ። ብጊዜ ኣይኣርግ፡ ብዘመንውን ዘይቕየር እዩ። እዃ ደኣ ነናሻዕ ብትግሃት ዝሕደስን መመሊሱ ዝድምቕን እዩ።’ ኽብል ይገልጽ። ‘ጥንታውነት ናይ ጾም ኣኽቢርካ ኃዝ።’ ብምባል መልእኽቱ ይዓጹ። ብዝኂ መዓልታት ናይዚ ጾም ክብ ለጠቅ ስለዝብል ውሱን ኣይኮነን፡ ካብ ኣርብዓ መዓልቲ ዝበዝኃሉ እዋን ኣሎ ካብ ሠላሳ መዓልቲ ዝውሕደሉ እዋን ድማ ኣሎ፡ ምኽንያት እዚ ድማ ብ’ኢየዐርዓን ኢየወርድን’ ስለዝመላለስ እዩ።
ቅዱሳን ሓዋርያት ሃብተ መንፈስ ቅዱስ ብምቕባሎም ንምስጋና ዘቕረብዎ ስለዝኾነ ንሕና'ውን ካብ ኣምላኽ ሃብትን በረኸትን ረድኤትን ከምንረክብ ንሓዋርያት ኣብነት ጌርና ክንጾሞ ተኣዚዝና ኢና። ከምኡ ድማ ቅዱሳን ሓዋርያት ቅድሚ ናብ ስብከቶም ወንጌል ምስፍሕፋሖም ስለዝጾምዎ ንሕና ድማ ቅድሚ ተግባራት ሥጋናን ነፍስናን ምብጋስና ብጾም ክንጅምሮ ኣብነትና ቅዱሳን ሓዋርያት እዮም።
ስለዚ እግዚአብሔር በዚ ጾምና ክምሕረናን ክልመነናን፡ መታን ይቕረ ኢሉ ኣካኽቦ ክፈጥረልና ብሓቂ ብምሉእ ልብና ንስሓ ኣቲና ብፍቕርን ትሕትናን ይቕረ ብምብህሃልን፤ ዘለና ንዘይብልና ብምምቅቃል፤ መግቢ ኮነ ክዳን እናሃብና ክንጾሞ እግዚአብሔር ምሕረቱ ክሰደልና ድማ ናቱ ቅዱስን ሠናይን ፍቓድ ይኹነልና ኣሜን።
ሎሚ ሕዝቢ ዓለም ዅሉ ተጨኒቕሉ ዘሎ ብሕማም፡ ብኩናት ፡ ካብዚ ዕግርግር እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዓለም ምሉእ ምሕረቱ ክሰደልና መታን በቲ ኣምላኽ ዝፈትዎ ጾምን ጸሎትን ንስሓን ንብዓትን ክንቀርብ ይግብኣና እዩ።
"እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓይነት ግና ብዘይ ጾምን ጸሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ!’ ከምዝበለ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ማቴ 17፡21) ፡ ኣምላኽና ክምሕረና ብምሉእ ልብና ክንጸውምን ክንጽሊን ክንሳሕን እዩ ዘለና፡ ነዚ ክንገብር እግዚአብሔር ኣምላክ መንፈስ ቅዱሱ ይስደደልና ኣሜን።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ንቤተክርስትያና ሰላም ፍቕርን ንምሉእ ዓለም ሰላምን ፍቕርን፡ ንዝሓመሙ ምሕረት፡ ንዝሞቱ መንግሥተ ሰማያት፡ ንዝተኣስሩ ፍትሒ፡ ኣብ ስደትን በረኻን ዘለው ብሰላም ናብ ዝደለይዎ ከእትዎም በታ ርኅርኅተ ሕሊና ዝኾነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ይለመነና ኣሜን።
ጾምና ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም የፈጽመና ኣሜን።
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑልወ ለወላዲቱ ማርያም ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያልአ ሜንንን

Comments
Post a Comment