ሱባኤ
በስመአብ ወወልዱ ወመንደስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜንንን
ሱባኤ (ሱባዔ)
1, ሱባኤ እንታይ ማለት እዩ?
------------------------------------------------
ሱባኤ ብሰዋስዋዊ ትርጉሙ፡ “ሰብዐ፥ ሾብዓተ ገበረ” ካብ ዝብል ግሲ ዝወጽአ እዩ። ብመንፈሳዊ ትርጉሙ ድማ ሓደ ሰብ፡ “ካብ’ዚ መዓልቲ እዚ ክሳብ እዚ መዓልቲ እዚ ብጸሎት ምስ ፈጣርየይ ክራኸብ እየ” ኢሉ ዝውጥኖ መንፈሳዊ ውጥን እዩ። ቁጽሩ ሾብዓተ ኣብ እስራኤላውያን ብቓልን ብግብርን እትግለጽ ፍጽምቲ ቁጽሪ እያ። ንኣብነት፥ ፈጣሪ ዓለማት እግዚኣብሔር ኣብ ሻብዓይ መዓልቲ ስነ ፍጥረት ካብ ምፍጣር ምዕራፉ፡ ንጸሎት ዝተግሁ ምእመናን ኣብ መዓልቲ ሾብዓት ጊዜ ምምስጋኖም፡ ፍጹምነት ቁጽሪ ሾብዓተ የርኢ። (ዘፍጥ 2፡2, መዝ 119፡164)። ብተወሳኺ’ውን ሓደ ሰብ ንሾብዓተ መዓልታት ምስ ዝጸውም፡ “ሓደ ሱባዔ ጾይሙ” ይበሃል። ንዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልታት ምስ ዚጸውም ድማ፡ “ክልተ ሱባዔ ጾይሙ” ይበሃል።
2, ሱባዔ መዓስ ተጀሚሩ፧
ሱባኤ ድሕሪ ውድቀት፡ በቲ ቀዳማይ ሰብ ማለት ኣዳም እዩ ተጀሚሩ። ቅዱሳን መላእኽቲ ንኣዳም ምጽላይ ጸሎት ከምዝመሃርዎ ሊቃውንት መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረቡ። “መላእክቲ ንኣዳም ጊዜያት ምሂሮም ነበሩ” (ትርጉም ቅዳሴ ማርያም)። ኣዳም በደሉ ኣሚኑ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ሱባዔ ብምእታውን ብምጽላዩን፡ እግዚኣብሔር ብዘይሕሶ ቃሉ፡ “ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ” ዝብል ቃል ኪዳን ኣተወሉ (መጽሓፈ ቀሌምንጦስ 3፥13)።
3, ንምንታይ ሱባዔ ንኣቱ፧
ወዲ ሰብ በቲ ሓጢኣት ዚሰማምዖ ስጋዊ ሰብነቱ ኩሉ ጊዜ ንፈጣሪኡ ይብድል። በቲ ዚፈጸሞ በደል ከኣ ሕልናኡ ይወቕሶ፣ ይጠዓስ። ኣቐዲሙ ደፊሩ ብዝሰርሖ ሓጢኣት፡ ድሒሩ ይፈርህ። እዚ ኣብ ሕልና ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ ፍጥረት ዝፈራረቕ ክስተት እዩ። ኣብ’ዚ ጊዜ እዚ ይቕረታ ፈጣሪ ንምርካብ ይሓስብ፣ ይትክዝ። “ብናይ ውሽጢ ሰብሲ፡ በቲ ሕጊ እግዚኣብሔር ባህ እብለኒ እዩ። ግና’ኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፣ ናብ’ቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ካልእ ሕጊ እርኢ ኣሎኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብ’ዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኮን ከድሕነኒ እዩ፧” ከም ዝብል (ሮሜ. 7፥22-24)።
ሰብ ብድፍረቱ ትእዛዝ እቲ ሓያል እግዚኣብሔር ጥሒሱ፡ ትካዜ ዓለም ምስ ዘጨንቖ፡ ሰኸሙ ዘቃልለሉን ዘርሕቐሉን መንፈሳዊ ጥበብ ካብ ፈጣሪ ተዋሂብዎ እዩ። በዚ ኸኣ ንውሑድ ድኻመ ስጋ ብዙሕ ጸጋ እግዚኣብሔር ዚርከበሉ ስርዓት ሱባዔ እዩ። ካብ ቀደም ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ፡ ሓደ ሰብ ብሓሳብ ዓለም መንፈሱ ምስ ዝርበሽ፡ ጸጥታ ስጋኡን መንፈሱን ንምሕላው ይጸውምን ይጽልን። ኣብ’ዚ ጊዜ እዚ ተመክሮ (ሱባዔ) ይኣቱ።ግና ሰብ ንምንታይ ሱባዔ ይኣቱ?
_4, ንእግዚኣብሔር ንምምሕጻን (ንምልማን)_
ሰብ ሱባዔ ካብ ዚኣትወሎም መሰረታውያን ጉዳያት ሓደ ንእግዚኣብሔር ንምምሕጻን (ንምልማን) እዩ። ዝኾነ ሰብ ሱባዔ ክኣቱ ከሎ፡ ንፈጣሪኡ ዘቕርቦ ተማሕጽኖ ክህልዎ ኣለዎ። ዚልምኖ ዘይብሉ ሱባዔ እንተኣተወ ግና ዝረኽቦ መልሲውን የብሉን።
ሓደ ክርስቲያን ብዛዕባ ውልቃዊ መንፈሳዊ ሕይወቱ ወይ ከኣ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሩ ወይውን ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ሱባዔ ኪኣቱ ይኽእል እዩ። ነቲ ዚሓተቶ ሕቶ ከኣ እግዚኣብሔር ቀልጢፉ ኪምልሰሉን ቀልጢፉ ዘይክምልሰሉን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ዝሰርሓሉን ዚምልሰሉን ናቱ ጊዜ ኣለዎ። ንኣብነት፥ ሓደ ብምኽንያት ውድቅት መንፈሳዊ ሓዉ ሱባዔ ዚኣተወ ኣገልጋሊ ሓደ ገዳም ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብኸመይ መልሲ ከምዚረኸበ ንርአ። ኣሓው ንተልእኾ ናብ ከተማ ኣብ ዚወጽኣሉ ጊዜ፡ ንሓደ ናይ ውድቀት ጸገም ኣጋጠሞ። ንጽባሒቱ ምስተራኸቡ፡ “ኣንታ ሓወይ፣ ኣነስ ወዲቐ እየ እሞ፡ ኣብ’ዚ ደኣ ንዓለም መሲለ እነብር እምበር ንገዳም ኣይምለስን እየ” በሎ። እቲ ኻልኣዩ ድማ፡ “ምውዳቕ ደኣ ኣነውን ወዲቐ እንድየ፣ ግን ናብ ገዳምና ተመሊስና፣ ንመምህረ ንስሓና ነጊርና፣ ቀኖናና ወሲድና ናብ ናብራ ቀደምና ንመለስ እምበር” ኢሉ ኣጸናኒዑ ሒዝዎ ከደ። ናብ ገዳምም ተመሊሶም፡ ንኣበ ንስሓኦም ረኺቦም፣ ቀኖናኦም ወሰዱ። ኣብ ሰሙኖም ከኣ እቲ ብዝሙት ዚወድቕ፡ “ሰረይኩ ለከ በእንተ ዘኢገብረ እኅከ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዘይገበረ ኃውኻ ምሒረካ ኣሎኹ” ዝብል ድምጺ እግዚኣብሔር ሰምዐ። (ዜና ኣበው)
_5, በረኸት ቅዱሳን ንምክፋል_
ቅዱሳን ኣቦታትን ቅዱሳን ኣዴታትን ዝተጋደልዎ ተጋድሎ ብምዝካር፡ ቃል ኪዳን ኣብ ዚተዋህቦም ገዳማትን ኣድባራትን ዚእቶ ሱባዔ፡ ተኻፈልቲ በረኸት ቅዱሳን ክንከውን የኽእለና። ቅዱሳን ዝተጋደሉሉ ቦታ “ንኣታቶም ኣብ ቤተይ ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ፣ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዝበልጽ ስም ክህቦም እየ’’ (ኢሳ. 56፥6) ብምባል እግዚኣብሔር ቃል ኪዳን ስለዝኣተወሉ፡ ሱባዔ ብምእታው ካብ በረኸቱ ክንካፈል ጽቡቕ እዩ። ኣብ ጾመ ነቢያት በረኸት ነቢያት ንምክፋል፡ ኣብ ጾመ ሓዋርያት በረኸት ሓዋርያት ንምክፋል፡ ኣብ ጾመ ፍልሰታ በርኸት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንምክፋል ሱባዔ ምእታው ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን ስርዓት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ኣብ ካልኣይ መጽሓፈ ነገሳት ምዕራፍ 2፥9 ተጻሒፉ ከምዘሎ፡ ነቢይ ኤልሳዕ ንመምህሩ ኤልያስ ንምግልጋል ካዕበት በረከት ኤልያስ ሓዲርዎ እዩ። ነዚ ስርዓትን ኣብነትን ብምኽታል ብዙሓን ምእመናንን መናንያንን ዐጽመ ቅዱሳን ኣብ ዝዓረፍሉ ገዳም ብጾም፡ ብጾሎትን ብጉልበትን ብምግልጋል በረከተ ቅዱሳን ይካፈሉ እዮም።
_6, ዚተሰወረ ምስጢር ንኽገልጸልና_
ኣብ ዘመነ ብሉይ፡ እግዚኣብሔር ንሓደ ሓደ ነገስታት ራእይ ኣርእዮም ምስጢሩ ግና ይስውረሎም ነይሩ። ንኣብነት፦ ፈርዖን ንጉሰ ግብጺ፡ ናብከደነጾርን ብልሳሶርን ነገስታት ባቢሎን ኪጥቀሱ ይኽእሉ (ዘፍ 41፥14-36 ዳን 4፥9 ዳን 5፡4)። እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኮነ ኣብ ዓለም ብዛዕባ ዝፍጸም ነገራት ራእይ እኳ እንተረኣዩ፡ ብልክዕ ተረዲኦም፡ “ከምዚ ኪኸውን እዩ” ንምባል ብቕዓት ኣይነበሮምን። ስለ’ዚ ኣብ ዘመኖም ዚነበሩ ነቢያት ሱባዔ ኣትዮም፡ ትርጉም ሕልሞም ኪነግሩዎም ይምሕጸኑ ነበሩ። እቶም ነቢያት ድማ ሱባዔ ኣትዮም፡ እቶም ነገስታት ንዝረኣይዎ ምስጢራት ገሊጾም ይነግርዎም ነበሩ (ዳን 5፡28)።
ቅዱሳን ነቢያት ካብ ኣዳም ጀሚሮም ብዓል ሄኖክ፡ ዳዊት፡ ዳንኤልን ካልኦትን ኩሎም ኣካይድኦም ምስ እግዚኣብሔር ብምግባር፡ ሱባዔ ኣትዮም ብትሕርምቲ ብምንባር፡ ብዛዕባ’ቲ ዘደንቕ ልደት ዳግም ምጽኣትን ክርስቶስ ክንበዩ ክኢሎም እዮም።
ኣብ ዘመነ ሓድሽውን ቅዱሳን ሓዋርያት ካብ ባሕቲ ነሓሴ ጀሚሮም ንኽልተ ሱባዔ፡ ሱባዔ ኣትዮም ተሰዊርዎም ዝነበረ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሬሳን ትንሳኤን ዕርገትን ረኺቦምን ተረዲኦምን በረኸታ ክካፈሉ በቒዕም እዮም (ተኣምረ ማርያም፡ ስንክሳር ነሓሰ 12)።
ሰለ’ዚ ሱባኤ ምእታው ዚረሓቐ ንምቕራብ፡ ዚረቐቐ ንምጉላሕ ዘኽእል ብቕዓት ካብ እግዚኣብሔር ዘውህብ መንፈሳዊ ጥበብ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ።
_7, ዓይነታት ሱባኤ__
7,1 ናይ ውልቂ ሱባኤ ፥
ሓደ ሰብ በይኑ ኣብ ቤትን ኣብ ካልእ ዚጥዕም ቦታን ኮይኑ፡ ዝኾነ ሰብ ከይረኣዮ ብውልቑ በዓቲ ጸሎቱ ዓጽዩ ብሰቂለ ሕሊና በይኑ ፈጣሪኡ ጥራይ ኪርእዮን ኪሰምዖን ብሕቡእ ዚገብሮ ሱባዔ እዩ (ማቴ 6፡5-13)። ዕጽው ሱባዔ ዚሓዘ ሰብ ኣቐዲሙ፡ ኩሉ ዘድልዮ ነገር ሒዙ ናብ በዓቱ ድሕሪ ምእታው፡ ሱባዔኡ ክሳዕ ዚውዳእ ምስ ሰብ ኣይራኸብን እዩ (መዝ. 102፥6-7)።
_7,2 ናይ ማሕበር ሱባዔ_
ሱባዔ ማሕበር ዝብሃል፡ ካህናት፡ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ካልእ ዚጥዕም ቦታን ብሓደ ተኣኪቦም ዚኣትውዎ ሱባዔ እዩ። ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ዚነበሩ ሰባት፡ ናብ እግዚኣብሔር (ድንኳን ምርኻብ፡ ቤተ መቕደስ) እናኸዱ ይጸልዩ ነበሩ(1 ሳሙ. 1፥9 መዝ.122፥1 ሉቃ 18፥10-11)።
ኣብ ሓድሽ ኪዳን’ውን ተኸተልቲ ሓዋርያት ዚኾኑ፡ መነኮሳት፡ ካህናትን ምእመናንን ኣብ ገዳማት፡ ኣድባራት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ካልእን ምእንቲ ዕቤት ማሕበሮምን ካልእ ዚተፈላለየ ጉዳያትን ሱባዔ ይኣትዉ እዮም።
_7,3 ናይ ኣዋጅ ሱባዔ_
ናይ ኣዋጅ ሱባዔ ኣብ ሃገር ሃንደበታዊ ሓደጋ፡ ዓባርን ዓጸቦን፡ ውግእ ወይ ከኣ ንማሕበረ ምእመናን ኣስጋኢ ዚኾነ መቕስፍት ከጋጥም ከሎ፡ እግዚኣብሔር መዓቱ ብምሕረት፡ ቁጠዓኡ ብትዕግስቲ ንኺመልስ ዚተሓዝ ዓይነት ሱባዔ ብትዕግስቲ ንኺመልስ ዚተሓዝ ዓይነት ሱባዔ እዩ። ሰብ ነነዌ ሰብከት ዮናስ ሰሚዖም፡ እም ልኂቅ እስከ ደቂቅ ( ካብ ዓቢይ ክሳብ ንእሽቶ) ንሰለስተ መዓልታት ካብ ብልዕን መስተን ተኸልኪሎም ብምጽዋምን ብምጽላይን እግዚኣብሔር መዓቱ ብምሕረት ለወጠሎም (መጽሐፈ ትንቢተ ዮናስ)። ኣብ ፋርስ ብምርኮ ዚነብሩ ዚነበሩ ኣይሁድውን፡ ኣብ ዘመነ ኣርጤክስስ ንጉስ ኣኣብ ዘለውዎ ኪቕተሉ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ብምንባሩ፡ ካብ’ዚ ጃምላዊ ህልቂት ንምድሓን ብትእዛዝ ንግስቲ ኣስቴር ሱባዔ ኣትዮም እዮም፣ ድሒኖም ከኣ (ኣስ. 4፥16-28)።
_8, ቅድመ ምድላዋት ሱባዔ_
ሱባዔ ኪኣቱ ዚደሊ ምእመን ምድላዋት ኪገብር ኣለዎ። ብዘይዝኾነ ይኹን ምድላዋት ኪገብር ኣለዎ። ብዘይዝኾነ ይኹን ምድላዋት ዚእቶ ሱባዔ፡ ንፈተና ዚተቓልዐ እዩ። ስለዚ ቅድመ ሱባዔ (ቅድመ ሱባዔ ምእታውካ)፡ ጊዜ ሱባዔ (ኣብ ሱባዔ ከሎኻ)ን ድሕረ ሱባዔ (ድሕሪ ሱባዔ)ን ምድላው ኣገዳሲ እዩ።
_9, ቅድመ ሱባዔ (ቅድሚ ሱባዔ ምእታውካ)_
1, መጀመርታ ሱባዔ ትኣትወሉ ዘሎኻ ምኽንያት ፈሊኻ ምፍላጥ የድሊ። እዚ እንተዘይኮይኑ ግና፡ ዝደለኻዮ ነገር ረኺብካን ኣይረኸብካን ፈሊኻ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን፣ ሱባዔኻ ትርጉም ትስእነሉ።
2, ቀጺልካ፡ ምኽንያት ሱባዔ መእተዊኻ ሒዝካ ንኣበ ንስሓኻ ምምኻር የድሊ። ምኽንያቱ ብምክረ ካህን ምጉዓዝ ክርስቲያናዊ ግዴታ እዩ። ብተወሳኺውን ኣበ ነፍስኻ ብኣቦነቱን ተመኩሮ ሕይወቱን ብዙሕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እዚ ምኽርታት እዚ ከኣ ጊዜ ሱባዔ ንዘጋጥሙኻ ፈተናታት ክትስዕረሉ ትኽእል ኢኻ። ብዘይካ’ዚ ኣበ ነፍስኻ ኣብ ጊዜ ሱባዔኻ ብጸሎት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
3, ሱባዔ ክትኣቱ ክትሓስብ ከሎኻ፡ ንኽንደይ መዓልታት ከትጸንሕ ከምዚኾንካ ምውሳንውን ኣገዳሲ እዩ። ሱባዔ ከም ዓቕምናን ክእለትናን፡ “ክሳዕ ክንድዚ መዓልታት ክጸንሕ እየ፣” ኢልካ ውጥን ትሕዘሉ ስርዓት እዩ። ንኣብነት፥ ዋላ ሓደ ተመኩሮ ዘይብሉ ሰብ፡ “በዓቲ ክዓጹ እየ” እንተበለ፡ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይበዝሕ። ምኽንያቱ ኣብ ጊዜ ሱባዔ ፈተናታት ስለዝበዝሕ፡ ፈተናታትካ ክትብድህ ብዘይምኽኣልካ፡ ሱባዔኻ ከተቋርጽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ ግቡእ ኣይኮነን። ስለዚ ቅድሚ ሱባዔ ዓቕምኻን ተመኩሮኻን ኣወሃሂድካ ምውሳን ኣድላዪ እዩ።
4, ንሱባዔ ዚሰማማዕ ወቕትን ቦታን ምምራጽውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ዝበዝሕ ጊዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዚተሓዝ ሱባዔ ኣብ ጊዜያት ጾም እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መዋዕለ ጾም ብዙሓት ኣቦታትን ብዙሓት ኣዴታትን ሱባዔ ስለዝኣትዉ፡ ጸሎትናን ልማኖናን ምስ ጸሎቶም ኪዓርግ ይኽእል እዩ። ንጸዋሚ፡ ንተሓራሚ ከኣ ወርሓት ጾም ዚዓበየ ጥቕሚ ኣለዎ። እዚ ማለት ግና ካብ ወርሓተ ጾም ወጻኢ ሱባዔ ኣይእቶን እዩ ንምባል ኣይኮነን። ሱባዔ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ዚፍጸም መንፈሳዊ ግብሪ እዩ። ብተወሳኺውን ንሱባዔ እንመርጾም ቦታታት ንፈተና ዘየቃልዑ ኪኾኑ ኣለዎም። ጫውጫውታ ዘለዎ ቦታ ብሰቂለ ሕሊና ክትጽሊ ስለዘየኽእለካን ሓሳባትካ ንምእካብ ስለዘይሕግዘካን ብዚተኻእለ መጠን ሱባዔ እንኣትውሎም ቦታታት ካብ ከተማ ርሕቕ ዚበሉ ገዳማትን ኣድባራትን እንተኾኑ ተመራጺ እዩ።
10, ጊዜ ሱባዔ (ኣብ ሱባዔ ከሎኻ)
1, ኣብ ጊዜ ጸሎት፡ ዓንድን መንደቕን ከምኡውን መቆምያ ከይተደገፍካ፡ ብኽልተ ኣእጋርካ ሰጥ ኢልካ ክትቀውም፣ ገጽካ ናብ ምብራቕ ኣጠሚትካ፡ የማንን ጸጋምን፡ ቅድሚትን ድሕሪትን ግልጽ ምልጽ ከይበልካ፡ ብሰፊሐ እድ (ኢድካ ብምዝርጋሕ)፡ ብሰቂለ ሕሊና ምጽላይ ግቡእ እዩ (መዝ 5፡3, 134፡2 , ዮሓ 11፡41)።
2, ኣብ ጊዜ ሱባዔ ብቐደም ተኸተል ክንጽሊ ኣሎና። መጀመርታ፡ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣዐትብ ገጽየ ወኩልንታየ በትእምርተ መስቀል. . . . ብስም ኣብ ወልድን መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ፣ ገጸይን መላእ ሰብነተይን ብትእምርተ (ብምልክት) መስቀል ኣማዕትብ . . . ኢልካ ብምጅማር፡ ስግደት ኣብ ዝጠቅስ እናሰገድካ፡ መስቀል ኣብ ዚጠቅስ ድማ እናኣማዕተብካ ምጽላይ ስሩዕ እዩ። ብምቕጻል ኣቡነ ዘበሰማያት፡ በሰላም ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ፡ መዝሙረ ዳዊት፡ ውዳሴ ማርያምን ካልኦት ኣብ መዝገበ ጸሎት ተጠቃሊሎም ዘለዉ ጸሎታትን ትጽሊ። ቀጺልካ፡ ኣቡነ ዘበሰማያት፡ በስላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ፡ ጸሎተ እግዚእትነ ማርያምን ጸሎተ ሃይማኖትን ምስ ጸለኻ፡ ኣቡነ ዘበሰማያትን በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክን ደጊምካ፡ 41 ኪርያላይሶን ትብል።
3, ካልእ ኣብ ጊዜ ሱባኤ ዚድለ ነገር፡ ሓጢኣትካ እናዘከርካ ምብካይ፡ ምንባዕ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጥኣት ምብካይ፡ ምንባዕ የድሊ።
4, ኣብ መወዳእታ፡ ሱባዔ ዚኣተወ ሰብ ሱባዔኡ ከይወድአ ወይ ከኣ ሱባዔ ኣቋሪጹ ምስ ዝኾነ ሰብ ኪራኸብ የብሉን።
11, ድሕረ ሱባዔ (ድሕሪ ሱባዔ)
ድሕሪ ሱባዔ፡ ናብ እግዚኣብሔር ንዘቕረብካዮ ምሕጽንታ (ጸሎት) ዚግበረልካ ነገር ብትዕግስቲ ምጽባይ እዩ። ኩሉ ሱባዔ ዚኣተወ ሰብ፡ ራእይ ይርኢ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣወሃህባ መልሲ እግዚኣብሔር ዚኾነ ፍጡር ምሉእ ብምሉእ ኣይፈልጦን እዩ። ድሕሪ ሱባዔ እንረኽቦ ግና ናይ ሕልና ሰላም እዩ። እዚ ድማ እቲ ዚዓበየ ህያብ እግዚኣብሔር እዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ሱባዔ ኣቲና፡ ዚሓሰብናዮ እንተዘይረኺብና፡ ደጊምና ተዳሊና ብጸሎት (ብተማሕጽኖ) ክንጸንዕ ይግባእ።
ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኣእምሮና ኣነቓቒሑ ስለ ኩሉ ነገር ሱባዔ ኣቲና ምሕረቱ ክልእከልና ናቱ ሰናይ ፍቓድ ይኩን ኣሜንንን።
"12,ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ስብሃት ለእግዚኣብሔር ለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን አሜን አሜን

Comments
Post a Comment