ጰራቕሊጦስ

 

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ ኣሜንንን

ጰራቕሊጦስ


ጰራቕሊጦስ


 ጰራቕሊጦስ ማለት ብናይ ጽራኢ ቛንቛ ኮይኑ ናብ ትግርኛ ክቱሩጎም ኮሎ  ኣጸናናዒ ዝብል ትርጉም ይወስድ፡፡ ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ብዝመረሖም ብዛዕባ ጰራቅሊጦስ ክትንትኑ ከለዉ ከምዚ እንዳበሉ ይገልጽዎ። መንፈስ ቅዱስ! "መንጽሒ፡ መጽንዒ፡ መስተፈስሒ (መሐጎሲ)፡ መስትሥርይ (ኃጢኣት ገዳፊ) ናዛዚ፣ከሣቲ (ምስጢር ዝገልጽ) ዝብል ትርጉም ይህብዎ። ጰራቕሊጦስ (መንፈስ ቅዱስ) ደቂ ሰባት ካብ ናይ ኃጢኣት ጭቃ ኣልዒሉ ዘንጽሕ፡ ኣብ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዘለዉ ንኹሎም ዘበርትዕ፡ ዝናወጹ ዘረጋግእ፡ ንዝሓዘኑ ዘጸናንዕ፡ ንዝደከሙ ዘበርትዕ፡ ንዝጉሃዩ ዘሐጉስ፡ ንሰማእታት ብድፍረት ክሳዶም ንሴፍ ንመነኮሳት ውን ንዓለም ጠንጢኖም ናብ ገዳም፡ ማሕበረ ምእመናን ድማ ንልቦም ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣቅኒዑ ዝመርሕ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ዮሐ ፲፮ ፥፲፫(16፡13)


መንፈስ ቅዱስ ኣብ ብሉይ ኪዳን


እስራኤላውያን ኣብ ምድረ ግብጽ ን፬፻፴(430) ዓመታት ብኢድ ፎርዖን ኣብ ትሕቲ ባርነት ከምዝነብሩ ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና፡፡ ግና ግዚኡን ሰዓቱን ምስ ኣኸለ እግዚአብሔር ብዘደንቅ ተኣምራትን ብናይ ቅዱስ ሙሴ መሪሕነትን ብናይ ቅዱስ ሚካኤልን ተረዳእነት ነጻ ኣውጺእዎም ኢዩ። ነገር ግና ወድሰብ ብባሕሪኡ ዝተገብረሉ ውዕለታ ንምርሳዕ ቅልጡፍ ኢዩ። እግዚአብሔር ግና ኩሉ ዝገበረሎም ምእንቲ ከይርስዕዎ ንደቆም ውን ከዘንትውሎም ንግብጻውያን ቦክሪ ዉሉዶም ቀተለሎም ንእስራኤላውያን ግና ፋስካ ከምዘኽብሩ ስርዓት ጌይሩሎም እዩ። ዘጸ ፲፪፡፲፱-፳ (12፡19-20) 


 ነገር ግና እስራኤላዉያን ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ቦታ  ምድረ ከንኣን  ምስ በጽሑ ኣብታ ምድረ ርስቲ ብሰላም ክነብሩ ስለ ዘይከኣሉ ብዝተፈላለየ ግዜ ፄዋ (ምርኮ) ስደትን ኣጋጢምውዎም ኢዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ናብ ርሑቕ ምብራቅ ማለት ኢስያ፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ ካልኦት ቦታታትን ተበቲኖም ይነብሩ ነይሮም ኢዮም። ወላ ኣብ ስደት ይበተኑ እምበር ናይ እግዚአብሔር ትእዛዝ ከየፍርሱ ኢሎም ናብ ኢየሩሳሌም መጺኦም ይሰግዱን መበኦም የቅሩቡ ነይሮም እዮም። ነዚ ከመልክት መጽሓፍ ቅዱስ "ንሕና ሰብ ጰርቴን ሰብ ሜድን ሰብ ኢላምን ኣብ ግብጽን ኣብ ከባቢ ቀሬኔ ዘለዋ ዓድታት ሊብያ" ዝመጻና ዶ ኣይኮናን እንዳበሉ ዝተዛረብዎ ቃል ነንብብ ።ግሐ ፪፡፱-፲፩ (2፡9-11)

ካብ'ዚ ቀጺሉ ዝበዓል በዓል ድማ በዓል ቅጫ፡ በዓለ ኃምሳ፡ ጰራቅሊጦስ ዝበሃል በዓል ኢዩ። እስራኤላውያን (ዘሥጋ) ንበዓለ ኃምሳ ዘክብርሉ ብዙሕ ምክንያት ኣለዎም።


 ፩(1).ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ወጹ ኣብ በረካ ቃዴስ እንከለዉ እግዚአብሔር ካብ ሰማያት ሕብስተ መና ኣውሪዱ ከምዝመገቦም ዝዝክርሉ ዕለት ኢዩ።


፪ (2).እግዚአብሔር ካብ ምድረ ግብጺ ምስ ኣውጾኦም ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቲ ብኢድ ቅዱስ ሙሴ ሕገ ኦሪት ስለ ዝተቀበሉ የክብርዎ።


፫(3).እግዚአብሔር ብብዝሒ ተኣምራት ካብቲ ጨቛኒ ፎርኦን ስለ ዘውጸኦም የኽብርዎ።


ከኽብርዎ ከለዉ ናይ መጀመርታ እቶቶም እኽሊ ንእግዚአብሔር መስዋእቲ ጌይሮም ከቅርብሉ ተኣዚዞም እዮም። ዘጸ ፳፫-፲፮ (23፡16)

በዓል ፋሲካ ንውሓቱ ን ፯ (7) ሰሙናት ክኸውን ከሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ሓደ መዓልቲ ሓደ መስፈር እኽሊ ንእግዚአብሔር መስዋዕቲ ከቅርብ ኣለዎ። ፯*፯ = ፵፱ 7x7=49 ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቲ ድማ ሊቀ ካህናት መስዋእቲ የቅርብ። ዘሌ ፳፫፡፩-፲፯ (23፡1-17)


ኣማናዊ ትርጉም

ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ንዓለም ድሕነት ኣብ ዝፈጸመሉ ዓመት፡ እስራኤላውያን ዘሥጋ ከም'ቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ካብ ርሑቅ ተኣኪቦም በዓሉ ኣብ እየሩሳሌም እንዳኣኽበሩ ከአዉ፡ ንእስራኤል ዘሥጋን ዘነፍስን ብርሃን ክኾኑ ዝጸውዖም ሐዋርያት ኣብ ደብረ ጽዮን ኣብ ናይ ኣደ ቅዱስ ማርቆስ ገዛ ተኣኪቦም ነበሩ። ሉቃ ፳፬-፵፰ (24፡48)


 በዓል ኃምሳ ዝተባህለ ዕለት ምስ በጸሐ ብሃንደበት ካብ ሰማይ ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስን ሓውን ወረዶም እሞ! በታ ዕለት እቲኣ ብሉይን ሓዲስን ተተኻኽኡ። ናይ ነብያት ትንቢት ናይ ሐዋርያት ስብከት ዝኾነ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቀዲሙ ነብያትን ሐዋርያትን ኣብ ደብረ ታቦር ከም ዘራኸቦም ክብሩ ውን ከምዝገለጸሎም ዝዝከር ኢዩ። ማቴ ፲፮፡፩-፯(16፡1-7)

 ብበዓለ ኃምሳ ዝኾና ድማ ልክዕ ከም ደብረ ታቦር ኢዩ ነይሩ ግሓ ፪፡፩-፲፩ (2፡1-11) እምበኣር እዚ ኩሉ ዝተፈጸመሉ ቦታ ኣብ እየሩሳሌም ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን እንዳ ማርያም ኣደ ቅዱስ ማርቆስ ኢዩ ዝተፈጸመ።


ኣብዚ ዕለት እዚ ሐዋርያት ንቤተ ክርስቲያን ኣዲኦም ምዃና ተቀበልዋ። ቅዱሳን ሐዋርያት ኣብ ዲድስቅልያ ዝብል መጽሓፎም ምዕራፍ ፴፪(32) ድሕሪ ዕርገት ዝመጽእ በዓል በዓለ ሓምሳ ብድምቀት ክበዓል ከምዘለዎ ገሊጾም ይርከቡ። "በዛ ዕለት እዚኣ ብ ፫(3)ይ ሰዓት ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጰራቅሊጦስ ሊኢኹልና ንሕና ውን ብናቱ ውህበት ተመሊእና ሓደስቲ ቛንቛታት ውን ተዛሪብና ኢና" ብምባል ስርዓቱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኮይና ከነኽብሮ ከምዘለና ሐዋርያት ኣዚዞምና ኢዮም።


 እምበኣር ናይ እስራኤል ዘሥጋ በዓል ኣማናዊ ኮይኑ ዝተረኽበ በዛ ዕለት አዚኣ እዩ። ሊቅ ቅዱስ የሐንስ አፈወርቅ ንወንጌል ማቴዎስ ኣብ ዝቶርጎሞ ኣብ መበል ፲፫(13) ድርሳኑ ከምዚ ይብል "ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኢደ የውሐንስ ክጥመቅ ኮሎ መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ርግቢ ወሪዱ ነበረ። ምውራድ ናይ መንፈስ ቅዱስ ግና ንጎይታና ወይ ንቅዱስ የውሐንስ ጥቅሚ ቅይኮነን ነይሩ፡ ንኣይሁድ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ሃልወተ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝረኣዩ። እምብኣር ኣብ በዓለ ኃምሳ ብዝርአ ሓዊ ብዝስማዕ ድማ ኣውሎ ንፋስ ዝተፈጸመ ፍጻሜ ጥቅሙ ን ፻፳(120) ቤተ ሰብ ኣይኮነን ኔይሩ። ንዘይ ኣመንቲ እዩ እዚ ድማ ምስ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ዝተዛረቦ ቃል ዝሰማማዕ እዩ። 

፩ (1)ይ ቆሮ ፲፬፡፳፪ (14፡22)


በዓለ ኃምሳ ኣብ ብሉይን ሓዲሽን ዘሎ ሓድነት


እስራኤላውያን ዘሥጋ በዓል ናይ ፋሲካ ምስ ኣብዓሉ ካብ ግብጺ ወጺኦም ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቲ ሕጊ ከምዝተቀበሉ ዝፍለጥ ኢዩ። ንሕና ድማ ናይ እግዚአብሔር በጊዕ ፋስካና ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለተ ዓርብ ብሉጽ መስዋቲ ኮይኑ ምስ ቀረበ፡ ኣብ ኃምሳ መዓልቲ ሓድሽ ሕጊ ተቀቢልና ኢና። ሕጊ ኦሪት ኣብ ደብረ ሲና ኪወርድ እንከሎ "ትክን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኮነ"።  ዘጸ ፲፱፥፲፰ (19፡18) ሕጊ ወንጌል ኣብ ደብረ ጽዮን ክንወሃብ ከለና ድማ ብህቦብላን ሓውን ተቀቢልና። ግሐ ፪፡፩-፫ (2፡1-3) እስራኤላውያን ዘሥጋ ኣብ በዓለ ኃምሳ ካብ ዘርኦም ቦኩሪ ንእግዚአብሔር ከቅርብሉ ከምዝተኣዘዙ፡ ነዓና ድማ መንፈስ ቅዱስ ኩላ ዓለም ንእግዚአብሔር ቦክሪ ጌይሩ ከቅርብ ወሪዱ ኣሎ። ነዚ ከረድኣና እዩ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘርኢ መሲሉ ዝመሃረና። ማቴ ፲፫፡፩-፰ (13፡1-8)

እስራኤላውያን ዘሥጋ ካብ ተምሳል ናይ ሲዖል ዝኾነት ግብጺ ምስ ወጹ ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቲ እግዚአብሔር ብኢድ ቅዱስ ሙሴ ጌይሩ ጽላት ሂብዎም እዩ። ንሕና ድማ ብናይ ጎይታና ሞትን ትንሳኤን ንሲዖል ምስ ገፈፋ ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቲ ኣብ ልቢ ምእመናን ዝጸሓፍ ሓቀኛ ጽላት ብእግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ተቀቢልና ኣሜን።



ብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና  ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==



ስብሐት ለእግዚአብሔር



 

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና