ተኣምር ቅዱስ ሚካኤል ናይ ወርሒ ግንቦት

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን። 

  ተኣምር ቅዱስ ሚካኤል ናይ ወርሒ ግንቦት 

 ኣብዚ ወርሒ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ዝገቦሮ ተኣምር ሓደ ክርስቲያን ካብ ዓበይቲን ሃብታማትን ሰብ ሮማ በዓል ብዙሕ ሃብትን ጸጋን ነበረ። ሰበይቱ’ውን ውላድ ዘይብላ መኻን ነበረት ፡እዛ ሰበቲ ውላድ ብዘይ ምንባራ ኩሉ ግዜ ትበክን ትሓዝን ነበረት። ክልቲኦም ብጽኑዕ ልቢ ውላድ ምእንቲ ክህቦም ናብ እግዚኣብሔር ኣምላከ ቅዱስ ሚካኤል ብኑጹህ ልቢ ቀሪቦም ይልሙኑ ነበሩ። እዞም ክልተ ሰብ ሓዳር ውላድ ብዘይ ምንባሮም ብብዙሕ ምህለላን ብፉጹም ልመናን ይነብሩ ነበሩ። ከምዚ አሎም ከሎው ድማ ወርሓዊ ክብረ ባዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽት ወርሒ(12) ሕዳር ኮነ። ናብዚ ክብረ በዓል መግቦምን ስንቆምን ሒዞም መንገዲ ናብ ንግደት ተጓዓዙ። ክብረ በዓል ንኽሕሉፉ ኣብ ሓሳቦም’ውን ብዛዕባ ኣበዓዕላ ዝኽሮም ከመይ ከም ዝውዕል ይሓስቡ ነበሩ።

 እቲ ሰብኣይ ከኣ ምስ ሰበይቱን ምስ ኣዝማዱን ኣገልገልቱን ናብ ቤተ ክርስቲያን ከደ። ኣብ መንገዲ ክኸዱ ከለው ድማ እታ ሰበይቲ ካልኦት ህዝበ ክርስቲያን ረኣየት ንሳቶም ድማ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል በዓል ከብዕሉ ይኸዱ ነበሩ። ብዙሓት ኣንስቲ ድማ ምስ ደቀን ረኣየት ገልኤን ኣብ ዝባነን ዝሓዘላኦም ገልኤን ዝሓቖፋኦም ገልኤን ድማ ዝጥብዋኦም ምስ ረኣየት ብብርቱዕ ድምጺ ብዙሕ ብኽያትን መሪር ሓዘንን ከምዚ’በለት “ኦ እግዚእየ፡ወኣምላኪየ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ እግዚኣቢሔር ሕያው ነጽር ኅበ ትሕትናየ ወጽሉ እዝነከ ኅበ ስእለትየ ”። “ኦ! ኣምላኸይን ጐይታይን ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ እግዚኣብሔር ጸሎቶይ ስማዕ ኣእዛንካ’ውን ናብ ምህለላይ ጽን ኣብል ንዓይ ንድኽምትን፡ ሕዝንትን፡ ሕስርትን፡ ፍንፍትን፡ ዝኾንኩ ባርያኻ ንድምጺ ልመናይ ተቀበል ኦ! ጎታየ ዓይ ንድኽምቲ ኣጻናንዓኒ ኣበርተዓኒ ሸለል ኣይትበለኒ ፡ ካብ ውሽጢ ልበይ ናባኻ ይልምን የእውን ኣለኩ፡ተስፋ ዝኾነኒ ውላድ ንልበይ ዝሕጉስ ውሉድ ፍረ ሰናይ ካብ ከርሰይ ዝወጸ ክርኢ ሃበኒ። ኦ! ቅዱስ ሚካኤል ሓለቓ መላእኽት ምእንታይ ናብ እግዚኣብሔር ጸልየለይ ንጸሎተይ ተቀቢልካ ናብ እግዚኣብሔር ኣዕርግ ፡ ንዓይ ንጓልካ ውልድ ክህበኒ ብጸሎትካ ሓግዘኒ፡ ርድኣኒ፡ ወዲ ይኹን ጓል ውሉድ እንተዳኣ ሂብካኒ ኣነ’ውን ንዓካ ኣብ ቤትካ ከገልግል ክህበካ ፡ከወፍዮ ምሉእ ሂወቱ ናትካ ኣገልጋሊ ክከውን ክህበካ እየ።” ኢላ ትጽሊ ነበረት። 

ከምዚ ኢላ ምስ ተመባጸዕት ናብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ትከይድ ነበረት ምስ ባዓል ቤታ’ውን ኣብ ኣፍ ቤት መቅደስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ኣትያም ፊት ንፊት ኮይኖም ይጹልዪ ኣኒቃዕሪሮም ድማ ይሉምኑ ኣብ ቅድሚ ስእሉ ኮይኖም ናብ ሰማይ ዓንቃዕሪሮም ብብዙሕ ብክያትን ብጽኑዕ ንብዓትን ብመንፈስዊ ሕብረት ብሓደ ልቢ ውላድ ክህቦም ይልሙኑ ነበሩ። በዚ ዕለት ቅዳሴ ተቀዲሱ ከም’ቲ ሕጊ ድማ ካብ ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን ተቀቢሉ። ብድሕር’ዚ ድማ እቲ ካህን ባረኾም ብሰላም እተዉ ምስ ተባሃለ ኩሉ ህዝቢ ነናብ ቤቱ ተመልሰ ።እታ ሰበይቲ ግና ድሕሪ ቅዳሴ ካብ ቤተ ክርስትያን ኣይወጸትን ነበረት። ኣብቲ ጉንዲ ጸግዒ ደቀሰት ብብዙሕ ሓዘን ትበኪ ነበረት። ብርሃናዊ መልኣክ ድማ ተራኣያ ከምዚ ድማ በላ “ኣንቲ ሰበይቲ ኣይትብከዪ ሓዘን ልብክን ድምጺ ልመናክን እግዚኣብሔር ተቀቢሉልኪ ወዲ ክትወልዲ እኺ ስሙ ድማ ተስፋ ሚካኤል ኢልኪ ስመይዮ በላ። ከምዚ ምስ በላ ድማ ካብኣ ተሰወረ። እዚ ምስ ሰምዕት ድማ ካብ ድቃሳ ተባራበረት ብዓቢይ ሓጎስ’ ዉን ተሓጎሰት ልባ’ዉን ሓጎስ መልአ ንእግዚኣብሔር ድማ ኣመስገነቶ ብሓጎስ’ዉን ናብ ቤታ ተመልሰት። እግዚኣብሔር ድማ ብድምጺ መልኣክ ጌሩ ዝተዛረቦ ፈጸመላ ጠነሰትን ጽቡቅ ህጻን‘ዉን ወለዱ መልኩዑ ‘ዉን ሰናይ ባህ ዘብልን ዉላድ ረከቡ ፡ኣቡኡን ኣዱኡን ድማ ተሓጎሱ ደስ’ዉን በሎም ስሙ ድማ ተስፋ ሚካኤል አሎም ኣዉጽሉ። ውላድ ስለዝረኸቡ ንዓበይቲ ዓድን ንኹሉ ህዝብን ጸውዑ። ንእግዚኣብሔር እንዳመስገኑ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ናይ ጸሎት ሓይሊ እንዳመስከሩ ዓቢይ ድግስ(ምሳሕ) ገበሩ።

 እዞም ስድራ ግና ውላድ ምስ ረኸቡ ነቲ ዝተመባጽዕዎ ቃል ረስዑ’ሞ ነቲ ህጻን ናብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ሚካኤል ኣይሃብዎን ። ብድሕርዚ እቲ ህጻን ወዲ ሐደ ዓመት ምስ ኮነ ጽኑዕ ደውየ ሓመመ። ሓኻይም ደኸሙ ግና ክፍውስዎ(ከድሕንዎ) ኣይከኣሉን። 

ኣዲኡ ግና ድሕሪ ግዜ ጻዕሪ ፈወስቲ፡ እቲ ዝኣተወቶ ቃል ዝተመባጸዐቶ ዘከረት። እቲ ንቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ኣገልጋሊ ክከውን ክህቦ እየ ኢላ ዝኣተወቶ ቃል ዘከረት ሕማሙ’ውን እንታይ ከም ዝኾነ ድማ ፈልጠዮ ኣሎኩ ንሱ’ወን እቲ ውላድ ንዓካ ዘገልግል ኢለ ዝኣተክዎ ቃል እዩ። ንቅዱስ ሚካኤል ክህበካ እየ ዝበሉኩዋ ዝኣተክዎ መብጻዓ ኣይፈጸምኩን ሓጥያት ጌረ እየ በለት። ብድሕርዚ ብቅሉጡፍ ካብ ቤታ ወጸት ንወዳ ሒዛ’ውን ናብ ቤተ ክርስቲያን ናብ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላኣኽት ኣብጸሖቶ ካብቲ ማይ ጾሎት ቤተ ክርስትያን ጌራ ድማ ነጸገትሉ ሓጸበቶ ካብቲ ቁዱስ ቅብኢ ቄንደል ጌራ ድማ ቀብኣቶ ኣቡኡ ኾይና ድማ ከምዚ በለት ‘ኦ እግዚእየ ሊቀ መለኣኽት ሚካኤል ኣህይዎ ወፈውሶ ለወልድየ እምዝንቱ ደውዩ ዕጹብ ወድሩክ’’ “ኦ! ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ነዚ ህጻን ካብ ዘሎዎ ሕማም ፈውሶ ኣሕውዮን ካብዚ ዘለዎ ሕማም እንድሕር ኣሕዊካዮ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ንቤትካ ከገልግል ክህቦ እየ። በታ ሰዓት ድማ እቲ ህጻን ሓወየ። ብድሕርዚ እቲ ህጻን ኣብ ቤቱ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ብኣጎልግሎት መንፈሳዊ ስራሕ ዓበየ ኣብ ኣገልግሎት’ውን ክሳብ ዕለቱ ዘመኑ ተጸምደ። 


ብድሕሪ’ዚ ኣዲኡ ብሓጐስ ናብ ቤታ ተመልሰት። ኩሉ ግዜ ንልዑል እግዚኣብሔር ድማ ተመስግን ነበረት። ተኣምር ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽት እንዳ ኣመስገነት ትነግርን ተዘንቱን ነበረት። ከምኡ’ውን ንኩልና ውሉደ ጥምቀት ካብ ሓጥያት ነፍስን ስጋን የድሕነናን ይፈውሰናን ፡ካብ ናይ ዓለም ክፉእ ድማ ይሰውረና ፡ስራሕ ሓጥያት ኩሉ ካባና የርሕቕ ፡ናይ ሓጥያት ማእሰርቲ ካባና የርሕቕ ፡ንእግዚኣብሔር ካብ ዘየሕጉስ ተፈሊና ከይንተርፍ ይርድኣና ንዘለኣለም ኣሜን።!! 

 (ተወሳኪ ተኣምር) ብዕለት 12 ግንቦት ቅዱስ ሚካኤል 

 ወርሓዊ በዓሉ በዚ ዕለት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ካብ እግዚኣብሔር ተለኢኹ ናብ እንባቆም ነብይ ዝመጻሉ ዕለት ኢዩ። ነብይ እንባቆም ኣብ ኢየሩሳኤም ነቶም ኣብ ግራት ዝዓጽዱ ዝነበሩ መግቢ ዓደስ(ብርስን) ሒዙ ኣብ ርእሱ ተሸኪሙ እና ኸደ ከሎ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ድማ ንነብይ እንባቆም ብርእሱ ሒዙ ብእኽናፉ ጸይሩ ናብ ባቢሎን ናብ ነቢይ ዳኒኤል ኣብጾሖ ነበይ ዳኒኤል ድማ ካብ ቲ መግቢ በልዐ ። ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ድማ በዚ ዕለት ንነብይ ዳኒኤል ካብ ኣፍ ኣናብስት ኣድሓኖን ኣውጸኦን ።(ት.ዳን.6፡21-22)ንነብይ እንባቆም ድማ ናብ ይሁዳ ናብቶም እኽሎም ዝዓጽዱ ዝነበሩ ኣምጺኡ ኣቆሞ ።


 ናይ ቤተ ክርስቲያንና መምህራን (ሊቃውንትን) በብ ወርሑ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ዝኽሪ ክንገብር ይእዙዙናን ይሙህሩናን ። (ት.እን. 2፡1-4 ) 
(ተጸሕፈ) 
ሰላም ለህላውከ ፡ ዘምሥዋግ ቤቤተመቅደስ ።
 ከም ፡ ታዕርግ ህየ ጸሎት ቅዱሳን ጢስ።
 ሓፍረተ ፡ መስቀል ወልድ ፡ ጊዜ ተዓገሰ ።
 ኢትራኣይ ፡ ብድንጋጼ ፡ እንዘ ታንቃዓዱ ፡ ንፍሰ ።
 ሚካኤል ፡ ኣትሓትካ ፡ ወኣድህነከ ርእሰ ።

ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


Share ብምግባር ንኻልኦት ነካፍል 

 ስብሃት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!

 

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና