ርክበ ካህናት
በስምኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን
ርክበ ካህናት
ትርጉም ርክበ ካህናት ካህናት ጉባኤ ሰሪዖምን ተጋቢኦምን ብዛዕባ ኣገልግሎቶም ምኽሪ ዝገበሩሉ ናይ ካህናት መራኸቢ ኣኼባ፡ ጉባኤ ማለት እዩ። ብቀንዱ ንካህናት ዝሓቝፍ ብምዃኑ ከኣ ርክበ ካህናት ተባህለ። ካህን ዝብል ቃል መበቖሉ ዕብራይስጢ ኮይኑ፡ ኣብ ግእዝን ትግርኛን ከምኡውን ካልኦት ቋንቋታት ከምዘለዎ ዝረዓመ እዩ። ሊቃውንቲ ግና ምስቲ ቋንቋ ግእዝ ክሕውስዎ ከለዉ ተክህነ ዝብል ግሢ ፈጢሮሙሉን፤ ካህን ዝብል ዘርኢ ኣፍርዩን፡ መበቖላዊ መሲሉን ኮይኑን ከኣ ምስ ግእዛዊ ስድራ ተወሓሒዱ ይርከብ።
ካህናት ክልተ ዓይነት ዓበይቲ ዕዮታት ጕስነት ኣብ ዝባኖም ይርከብ። እቲ ሓደ ናይቲ ዝጓስይዎ ሕዝቢ ሽግር ተሸኪሞም ምስ እግዚአብሔር ብምርኻብ ረድኤት፡ ጸጋ፡ መፍትሔ ምምጻእ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልእ ከኣ ንርእሶም ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ኣብነታውያንን መስዋአትን ብምዃን ዝምህሩን፡ ነቲ ምእመን ብኵሉ ዓይነት ክህነታዊ ኣገልግሎት ዘገልግልዎ እዮም። እዚ ማለት ከኣ ንእግዚአብሔር ወኪሎም ኣብ ቅድሚ ምእመናን ዝርከቡ፤ ንምእመናን ወኪሎም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቖሙን ዝዓዩን እዮም። ስለዚ ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ብዛዕባ ዝምልከት ንምምኽኻር ዝራኸቡሉ ሓፈሻዊ ጉባኤ ርክበ ካህናት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓሓንሳብ’ውን ረክበ ካህናት ወይ ርክብ ተባሂሉ ዝጽውዓሉ ጊዜ’ውን ኣሎ።
ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ርክበ ካህናት ከም ጉባኤ ካህናት ጥራይ ዘይኮነስ ከም በዓል’ውን ዓመት መጸ ዝኽበር ውሱን መዓልቲ ዘለዎ እዩ።
ትንሣኤ ኣብ ዝወዓለ ኣብ መበል ፳፬ መዓልቲ ከኣ ይዝከር። ዳርጋ ኣብ ፍርቂ በዓለ ኃምሳ (ጰራቅሊጦስ) ከኣ ይውዕል። እዚ ጉባኤ’ዚ ከም ካልኦት በዓላት ተውሳክ ዘለዎን ኣብ ዓመት ሓደ መዓልቲ፤ ንረቡዕ ከይገደፈ ዝኽበር መንፈሳዊ በዓል ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ናይ ምሉእ ዓመት ኣጽዋማትን በዓላትን ኣብ ሓዲሽ ዓመት ባሕረ ሓሳብ ንሕዝቢ ክፈስስ ከሎ ርክበ ካህናት’ውን ዕለቱ መዓስ ከምዝውዕል ድኅሪ በዓለ ትንሣኤ፡ ቅድሚ በዓለ ዕርገት ተሰሪዑ ብወግዒ ይእወጀሉ።
ኣጀማምራ ርክበ ካህናት
ኣጀማምራ ርክበ ካህናት ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ደቂ ሰባት ብሰንኪ ከከምቲ ቀጸላን ክፋልን ኅብረተሰብ ኣብ ውሽጦም ይኹን ካብ ደገ ብዝመጾም ሽግር ጉባኤታት ይሰርዑ ነበሩ። ሓደ ሰብ ንዘጓንፎ ሽግር በይኑ ክፈትሖን ክሰግሮን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ በጸሐ ግድነት ነቲ መቕርቡን መዘንኡን ኣማኺሩ ሓባራዊ መፍትሒን ውሳነን ክህቡሉ ንቡር ነገር እዩ። ሓረስታይ ብዛዕባ ሕርሽኡ፤ ነጋዳይ ብዛዕባ ሸቐጡ፤ ሠራሕተኛ ብዛዕባ ሥርሑ፤ ሓኪም ብዛዕባ ሕማማትን ሕሙማንን ወቦ ዘተርፈ ክዝትይን ክማኸርን ሓሳብ ንሓሳብ ተዋሃሂቡ ከኣ በብሞያኡ ብዛዕባ ዘልዕሎ ርእሰ ነገር ሓባራዊ ውሳነ ክህብሉ ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ኣገባብ እዩ። ካህናት ከኣ ከም ኣዕይንተ እግዚአብሔር፤ ከም ጓሶት ሕዝቢ፤ ከም መንፈሳዊ ኣገልገልቲ ስለ ጸገማትን ምምሕያሽ ዝተመርጹሉን ዝተሾሙሉን ኣገልግሎቶም ወቦዘተርፈ ብሓፈሻ መንፈሳዊ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ዝዛረቡሉ ጉባኤ ክህልዎም ንቡር ነገር እዩ። ስለዝኮነ ከኣ ካህናት ብዛዕባ ዝተቐደሰ ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ክዝትዩ ዝግባእ ርክበ ካህናት (ኣኼባ) ተሠርዓሎም።
ምርኻቦምን ምምኽኻሮምን ኣዝዩ ብዙኅ መንፈሳዊ ረብሓታትን ተዛማዲ ጒዳያትን ዝረኣየሉን ዝምርመረሉን እኳ እንተነበረ፤ ብመሠረቱ ግና ሥነ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ቀኖናን ዝድልድለሉ፤ ንምእመናን ብዛዕባ ዝወሃብ ትምህርትን ዘቕርብዎ ኣገልግሎትን ዝመኽሩሉ፤ ዝጐደለ ዝምልኡሉ፤ ዝቀነነ ዘስተኻኽሉሉ፤ ዝተበላሸወ ዘመሓይሹሉ፤ ንዝጸበቐ ዘበርትዑሉ፤ ብዛዕባ ዘጓንፎም ሽግራት፤ ብዛዕባ ሕዝቦም፤ ብዛዕባ ናብራኦም ሽግሮምን መኺሮም መፍትሒ ዘናድዩሉ፤ መምርሒታትን ውሳኔታትን ንዝህቡሉን ዘመኃላለፉሉን እዩ ።
ስለዚ እዚ ከምዚ ዓይነት ጉባኤ’ዚ ኣብዚ ዕለት’ዚ ተጀሚሩ ዝብል ውሱን ዕለትን ዓመትን ምጥቓስ ዝከብድ እኳ እንተኾነ፡ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝተባህሉ እስራኤላውያን ብሊቀ ነቢያት ሙሴ እናተመርሑ ካብ ምድሪ ግብጺ ወጺኦም ናብታ ናይ ተስፋ ዝተዋህበቶም ምድሪ ኣብ ዘመርሑሉ እዋን ከምዝተጀመረ ግና ይፍለጥ።
ርክበ ካህናት ኣብ ብሉይ ኪዳን
ኣብ ብሉይ ኪዳን ደቂ ሰባት ብሕገ ልቦና ኣብ ዝምርሑሉ ዝነበሩ ዘመን፦ ከም በዓል አበ ብዙኃን አብርሃም ዝኣመሰሉ ኣርእስተ ኣበውን፡ ከም በዓል መልከ ጼዴቅ ዝኣመሰሉ ካህናትን፡ ከም በዓል ሳሙኤል ነቢይ ዝኣመሰሉ ነቢያት ኣብ ዝነበሩሉ ዘመን፡ ጉባኤ ካህናትን ነቢያትን ተጀሚሩ ከምዝነበረ ብንጹር ዝተገልጸ ነገር የልቦን።
ሊቀ ነቢያት ሙሴ ነቲ ሕዝቢ መሪሑ ኣብ ዝወጸሉ እዋን ግና ርክበ ካህናት ብርግጽ ከምዝተጀመረ መጽሓፍ ቅዱስ የረድኣና።
ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ኣምላኽ ጸሎትን ብኽያትን ሕዝቡ ሰሚዑ፤ ንኣቦታት ንዝኣተዎ ቃል ኪዳን ዘኪሩ ብዘደንቑ ተኣምራት፤ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብስጥመተ ባሕረ ፈርዖን ጸላእቲ እስራኤል ደምሲሱ ናብታ ዘተስፍዎም ምድሪ መሪሑ ንኸውጽኦም ዝመረጾ፡ ንሙሴን ኣፍ ኮይኑ ክራድኦ ከኣ ንኣሮን ሓዉን ነበረ። ሊቀ ነቢያት ሙሴ፡ ምስቲ ኵሉ ዘሽግር ጠባያት ሕዝብን ምዕዝምዛማትን ከኣ ንሕዝቡ በይኑ ብትዕግሥቲ ይመርሕ ነበረ። ሕዝቢ ምምራሕን ምምሕዳርን ቀሊል ነገር ኣይኮነን፤ ገዛእ ነፍስኻን ቤትካን እኳ ምስራዕን ምምሕዳርን ዓቢይ ሓላፍነት ዘሰክም፡ ጥበብ’ውን ዘድልዮ እዩ።
ኣብ ዘመነ ሙሴ ከኣ እቲ ምሉእ ሕዝቢ ንዝደቐቐ ይኹን ንዝዓበየ ጒዳያት፤ ጒዳያቱን ከመልክት ጥርዓኑ ከቕርብ ናብ ሙሴ ይውሕዝ ነበረ። እቲ ሕዝቢ ይኹን ነቢይ ሙሴ ከኣ ይሽገር ነበረ። ነዚ ዘስተውዓለ ሓምኡ የትሮ ከኣ፡ ምስቲ ኵሉ እግዚአብሔር ንሙሴ ሂብዎ ዝነበረ ጸጋን ኃይልን፤ ንሕዝቢ ናይ ምእላይን ምጕሳይን (ምምሕዳርን) ምሉእ ሓላፍነት ንበይኑ ብሒትዎ ስለ ዝነበረ ኣቕሪቡ ክገብሮ ብዛዕባ ዘለዎ ነገራት ብጥበብ ከምዝመኸሮ ቅዱስ መጽሓፍ የረድኣና። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ጽፈት ምሕደራ እዩ። ኣብ ክንዲ ንኵሉ ባዕሉ ክገብሮ ዝፍትን ኣብ ትሕቲኡ ዝተሓጋገዝዎ ከም ብርኩ ሰባት ክሸይም ዘመልክትን፤ እቲ ደደቂቕ ጒዳያት እቶም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ዝተሾሙ ክፈትሕዎ፤ ንሱ ከኣ ብዛዕባ ዝተገብረ ነገር በብደረጅኡ ጽማቝ ጸብጻብ ክቕበል ምኽሪ ዝልግስ ነበረ።
ናይ እግዚአብሔር ሰብ ዝነበረ ሙሴ ግና መስተውዓልን፡ ክብርን ሥልጣንን ዘየዕሽዎ ትሑት ኣገልጋሊ እግዚአብሔርን ሕዝቡን ብምንባሩ፤ ንምኽሪ የትሮ ተቐቢሉ፤ ነቲ ማኅበር ናብቲ ናይ ምርኻብ ድንኳን ብምእካብ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕዮ ምስ አሮንን ሰብዓ ሊቃውንትን (እቶም ዝተመርጹ) እናኣከበ ምዝርራብ ጀመረ ዘጸ ፲፰፥፱(18፥9) ፤ እዚ ጉባኤ’ዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ናይ መራኸቢ ድንኳን ብሓድነት ደው ብምባል ብመንፈስ እግዚአብሔር ናይ ዝተሾሙ ናይ ካህናት ጉባኤ ምንባሩ ስዒቡ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። እቶም ኣባላት ናይዚ ጉባኤ’ውን ናይቲ ሕዝቢ ጾር ዝጾሩ ምንባሮም ተገሊጹ ኣሎ ዘኁ ፲፩፥፲፮-፲፯(11፥16-17)። እምበኣር እዚ ጉባኤ እዩ ርክበ ካህናት ብወግዒ ምጅማሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘረድኣና።
እዚ ጉባኤ ሌዋውያን’ዚ ብዘይካ’ቲ ካብ እግዚአብሔር ዝዋሃቦም ሥርዓት፤ ነቲ ዝተረፈ ብዛዕባ ክህልዎም ዝግባእ ሥርዓት ኣገልግሎት፦ ኣለባብሳ፤ ኣነባብራ፤ ኣቀራርባ መሥዋዕቲ፤ ኣከፋፍላ ኣሥራት በኵራት ተኣኪቦም ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ይውስኑ ነበሩ።
እዚ ጉባኤ’ውን ነቲ ድኂሩ ዝመጸ ጉባኤ ኣይሁድ (ሳንሄድሬን) መሠረት ዘንጸፈ ምዃኑ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ኣብሪሁ ይገልጾ። ኣብ ዘመነ ብሉይ’ውን እዚ ጉባኤ’ዚ ከምቲ ኣጀማምርኡ ብዙኅ ነገራት የሳልጥን እወታዊ ሥራሕ ይዓምምን እኳ እንተነበረ፤ ብኣንጻሩ ኮይኑ ዝርከበሉ እዋን’ውን ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ መጻሕፍተ ብሉያት ብሰፊሑ ከም እንረኽቦ፤ እቶም ንእግዚአብሔርን ሕዝቡን ከገልግሉ ዝተመርጹ ካህናት፤ ሓንሳብ ንእግዚአብሔር ዝብድሉሉን ትእዛዙ ብምጥሓስን ካብ ሕጉ ብምውጻእን ፍቓዶምን ሓሳቦምን ክፍጽሙን፡ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ዘይኮነስ ፍቓድ ነግሥነቶምን ክምልኡ፡ በቲ ዝብድል ሕዝብ’ውን ተመሊኾም ክኽዱ ይርከቡ ስለዝነበሩ እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ነቢያቱ እናተንሠአ ይወቕሶምን ይግስጾምን፡ ንሓንሳብ’ውን ይቐጽዖም ነበረ። እዞም ነቲ ዝተቐደሰ ጉባኤ’ቲ ናብ ካልእ ክፉእ ሓሳባት ዝጠወዩ ካህናተ ኣይሁድ፡ ካብ ቅድም ኣትሒዞም ነቶም ዝቃወምዎም ዝነበሩ ነቢያት የጋፍዕዎምን ይቐትልዎምን፤ ነቲ ይቃወመና ንዝበልዎ ክፋል ቅዱሳት መጻሕፍቶም’ውን ይቐዱን ካብ ከብሕታቶም የጥፍእዎም ከምዝነበሩ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣርጊጹን ኣስፊሑን ዝገልጾ እዩ። ግዳይ ዝኾኑ ከም በዓል ተረፈ ኤርሚያስ፤ ተረፈ ዳንኤል፤ ዕርገተ ኢሳይያስ፤ ራእየ ኤልያስ ወቦ ዘተርፈ ዝኣመሰሉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ’ውን ናይዚ እንብሎ ዘሎና ሕማቕ ታሪኽ ተጠቐስቲ ኣብነታት እዮም።
ሥርዓተ ጽዮን ብዝምልከት ሕዝቅኤል ኣብ ትንቢቱ ንዝጸሓፎ ክፋል መጽሓፉ’ውን ንምትራፍ ኣብ ከባቢ ፸ ዓ.ም. ዝገበርዎ ዘይሰለጠ ጉባኤ’ውን ውጽኢት ናይቲ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ጉባኤ ኣይሁድ ነበረ። (መቅድመ ሕዝቅኤ መልከት)
ድሒሩ’ውን እዚ ዓቢይ ጉባኤ’ዚ፡ ኣብ ክንዲ ብፍቕሪ እግዚአብሔር ሕዝቢ ዝኣልይ፤ ኣመንቲ ዘይክእልዎ ናቱ ሕጊ እናብዝኀ፤ ነቲ ሕዝቢ ጾር የሸክም ምንባሩ ኣብ ወንጌል’ውን ዝተገልጸ እዩ። ንውሱናት ኣርቢሑን ልዕሊ ሕጊ ኣቐሚጡን፡ ንዝበዝኁ ከኣ ኣብ ድኽነት ይሸመም ነይሩ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣግሂዱ ዝወቐሰሉ ምኽንያት’ውን ንሱ ነበረ።
ማቴ ፳፫፥፬-፳፫ (23፥4-23) ማቴ ፲፭፥፭ (15፥5)
እዚ ጉባኤ’ዚ፡ ኣብ መዋዕለ ስብከት ጐይታ ኣዝዩ ፍሉጥን ዝፍራህን ጉባኤ ኮይኑ ነበረ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሮማውያን ክነሱ፡ ብዘይካ ናይ ሞት ፍርዲ፡ ኣብ ኵሉ ጒዳያት ብዓል ምሉእ ሥልጣን ኮይኑ ይዓዪ ነበረ።
ንመድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ክሳብ ምስቃል ዘብጽሐ ክፍኣት ኣይሁድ ኣብ ቦትኡ ስለዝነበረ፤ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ዓብሊሉ ብዝወጸ ጉባኤ ኣይሁድ ኣሉታዊ ነገራት ኣብ ዘመነ ብሉይ ይፍጸም እንተነበረ’ውን፤ ብሓፈሻ ግና ርክበ ካህናት ኣጀማምርኡን ፍሬኡን ኣብ ኣገልገሎት ካህናት ዘበርክቶ ኣዝዩ ብዙኅ እወታዊ ነገር ከምዝነበረ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ።
ከም'ቲ ካህናትን ልክዕ ከምናይ ሓዋርያት ስልጣን ዘለዎም ቀዳሞት ሓዋርያት ንዓለም ተኻፋፊሎም ድኅሪ ምምሃሮምን: በብሃገረ ስብከቶም ኤጲስ ቆጶሳት ገይሮም ንሓዋርያነ አበው ድኅሪ ምሻሞምን፤ ከምኡውን ኣብ ዘመነ ሊቃውንት ኵሉ ግቡእ ቅርጺ ምሕደርኡ ምስ ሓዘ: ርክበ ካህናት ብደረጃ ብቅዱስ ፓትርያርክ (ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ኤጴስ ቆጶሳትን) ብዝያዳ ክካይድ ዝጀመረሉ ኣገባብ ከነስተውዕል ንኽእል ኢና።
ብደረጃ ካህናት ዝግበር ጉባኤ ብቅዱስ ፓትርያርክ እናተፈጸመ ኣሎ ደኣ እምበር ተሪፉ ማለት ኣይኮነን። ካህናት’ውን በብደረጅኦም በብሃገረ ስብከቶም ብኤጲስ ቆጶሳት እናተመርሑ ጉባኤታት የካይዱን ስለ ዕብየት ቤተ ክርስቲያን ይዛተዩን ይማኸሩን ከምዝነበሩ ዝተፈልጠ እዩ። እዚ ኸምዚ ዚኣመሰለ ርክበ ካህናት ከኣ ነቲ ላዕለዋይ ቅዱስ ፓትርያርክ: መሠረትን መጋቢ ሓሳባትን እዩ። ቅዱስ ፓትርያርክ ካብቲ ታሕተዋይ ኣካላቱ ብቀዳምነት ከኣ ብኤጲስ ቆጶሳት ወይውን ጳጳሳት ካብ ዝምራሕ ጉባኤ ካህናት ሓሳባትን ሓበሬታን እንተዘይረኺቡ: ርእሲ ብዘይ ኢድን እግርን ተሪፉ ማለት እዩ።
ሲኖዶስ ማለት ጉባኤ ማለት እዩ። ብቅዱስ ፓትርያርክ (ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት) ዝምራሕ ጉባኤ ጳጳሳት ማለት ኸኣ እዩ።
እቲ ጉባኤውን ብወገን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝመሓላለፍ ሕግን ሥርዓትን ዘወጽእን ዝውሰንን : ንኣገልገልቲ ካህናትን ምእመናን ዘመሓላልፍ ላዕለዋይ ሓጋጌ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ፓትርያርክ እዩ። ዋላ እኳ ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ብማዕረገ ክህነት ዘለዉ እኳ እንተኾኑ: እቲ ንሳቶም በይኖም ዝገብርዎ ጉባኤ ብቅዱስ ፓትርያርክ ከኣ ይምራሕ ሲኖዶስ ውን ይብሃል። ናይ ትሕቲኦም ዘለዉ ካህናት ጉባኤ’ውን: ብሥልጣንን ብመዝነትን ዝተሓተ ይኹን ደኣ እምበር ካብ ቅዱስ ፓትርያርክ ዝተፈልየ ዕላማ የብሉን። ካህናት ብሓድነት ተጋቢኦም ብምክኻርን ብምምይያጥን ንጸገማቶም መፍትሒ ንምርካብ ሓሳብ መምርሒታት ኣውጺኦም: ድኅሪ ውሳነ ምሃቦም ንቅዱስ ፓትርያርክ ከቕርቡሉ ዝኽእሉሉ ኣኼባ ማለት እዩ። ናይ ክልቲኦም ጉባኤያት ውሕደትን ሓባራዊ ሥራሕን ከኣ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ጉባኤ ካህናት ክበሃል ከሎ’ውን (ንሓንሳብ’ውን በቲ ናይ ቀደም ስሙ ርክበ ካህናት ዝብሃል) በይኑ ዝተነጸለ ጉባኤ ዘይኮነስ፤ ካህናት ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ብምዃን ካብቶም ዝጓስዮም ሕዝቢ ብቐረባ ብዝረኽብዎን፤ ሓቢሮም ካብ ዝነበርዎን ዝኻፈልዎን ዕለታዊ ሕይወትን መንፈሳዊ ጒዕዞን ተበጊሶም ዝገብርዎ ጉባኤ ብምዃኑ: ንኵሉ ሓሳብ ተገልጋላይ ምእመንን ኣባላት ቤተ ክርስቲያንን ዝውክሉሉ ጉባኤ ማለት እዩ። ስለዚ ብቅዱስ ፓትርያርክ ዝምራሕ ጌጋ ዘይርከቦ ላዕለዋይ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ዘብልዎ እቲ ሓደ፤ መንፈስ እግዚአብሔር ኣብቶም ቅኑዓት ኣቦታት ሓዲሩ ምኽሩን ጥበቡን ዝገልጽን ዘይጋደፍን ብዘይካ ምዃኑ: ቅዱ ፓትርያርክ ንኵሎም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን በብደረጅኡ ንዘሳትፉ ጉባኤያት ከም ሓደ ዝጠመረን ሓሳባቶምን ሓበሬትኦምን ብዝግባእ ዝሰምዕን ዝቕበልን ኣካል ብምዃኑ እዩ።
ካብዚ ወጻኢ ምስ ዝኸውን ግና ገለ ሽግር ኣሎ ማለት እዩ።
ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉዕዞኣ ንዝመጻን ንዘጋጥማን ኵሉ ነገራት ዘትያን መኺራና ኣጽኒዓን ትውስን። ቅዱስ ፓትርያርክ ብዝውስኖ ውሳኔታት ቤተ ክርስቲያን ክትጥቐም፤ ክትጉዳእ ትኽእል እያ። ክትብርትዕ ክትደክም ትኽእል እያ። ቅዱስ ፓትርያርክ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓይን እዩ። ዓይኒ እንተሓሚሙ ኵሉ ኣካላት ሕሙም ይኸውን። ዓይኒ ከም ምዃኑ ከኣ ምስቲ ብርሃን ዝኾነ ቃለ ክርስቶስ እናዛመደ፤ ብርሃናውያን ዝኾኑ መምርሒታት ምስ ዝፍኑ ኣብ ኵሉ ብርሃን ክበርህ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ ዝካየድ ጉባኤ ከኣ ቅኑዕን ርቱዕን ይብሃል። ከምቲ ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ዝተራእየ ግና ከም ልዮን ዝኣምሰሉ ገለ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ሰዓብቶም መለካውያንን: ምስ ኣኅዋቶም ዘይኮነስ ንኽብሮምን ረብሓኦም ከምኡውን ፍቓድ ቄሣር ክምልኡ ዝሰርሑ እንተኾይኖም እግዚአብሔር ኣምላኽ ክሠምሮ ዝኽእል ጉባኤ ክስራዕ ኣይክእልን እዩ።
እግዚአብሔር ኣብ ሓደ ዝኾነ ልቢ ደኣ እምበር ኣብ ዝተኸፋፈለ ልቢ ክሓድር ፍቓዱ ኣይኮነን። “ብዘይ ብኣይ ገለ እኳ ክተገብሩ ኣይከኣለኩምን” ዝበለ ጐይታ ነቲ ንሕና ደቂ ሰባት ብሓሳብና ዘጸባብቕናዮን: ምስ ሥጋን ደምን ጥራይ ዝመኸርናዮ ድሌታትናን ከምዘይሠምሮ ርዱእ ነገር እዩ፤ እቲ ዝወሃብ ውሳነ’ውን ከም ሽንቲ ገመል ንድኅሪት እምበር ንቕድሚት ክሰጒመና ኣይከኣሎን እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣፍ ቅዱስ ጳውሎስ “ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓሰዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሓልዉ።” ብምባል መጠንቀቕታ ዝሃበ ግ.ሓዋ ፳፥፳፰ (20፥28)።
ስለዚ ብሓጺሩ ርክበ ካህናት ሎሚ ብደረጃ ቅዱስ ፓትርያርክ ዝካየድ ጉባኤ ዝብል ትርጉም ዘለዎ እኳ እንተኾነ፤ እቲ ቀደም ዝነበረ ናይ ካህናት ጉባኤ ተሪፉ ወይውን ኣድላዪ ኣይኮነን ዘስምዕ ክኸውን የብሉን። እኳ ደኣ ብደረጃ ሃገረ ስብከትን ልዕሊኡን ጉባኤን ርክብን ክስራዓሉ ዝግባእ እዩ። ስለዚ ሓንሳብ’ውን ነቲ ብካህናት ዝግበር ጉባኤ እንኮላይ ርክበ ካህናት እንተበልናዮ ምድንጋር ከይፈጥረልና ነዘኻኽር።
ዕላማ ርከበ ካህናት
ዛጊት ብዛዕባ ታሪኽን ኣገዳሲ ታራን ርክበ ካህናት ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መሠረታዊ ንዝኾኑ ነጥብታት በብቝሩብ ክንጠቕስ ጸኒሕና ኢና። ዋላ ስሕት ኢላ ክንጠቕሶ ንጽናሕ እምበር: እቶም ወሰንቲ ዕላማታት ርክበ ካህናት ግና እንታይ እዮም ኢልና ምዝርዛር ድማ ማዕረ እቲ ታሪኽ ምፍላጡ ከገድሰና እዩ።
በብደረጅኡ ዝግበር ርክበ ካህናት ንዕብየትን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ኣዝዩ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ጉባኤ እዩ።
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ: ርእሲ በይኑ ክዓዪ ከምዘይክእል፤ ጉባኤ ካህናት’ውን ኣእዳውን ኣእጋርን ጉባኤ ቅዱስ ፓትርያርክ እዩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ሞንጎ መራሒ ዝኾነ ላዕለዋይ ኣካልን ቅዱስ ቅዱስ ፓትርያርክን: ተመራሒ ዝኾነ ታሕተዋይ ኣካል ዝብሃሉ ምእመናንን ኮይኑ ንክልቲኡ ኣካል ዘራኽብን ዘወሃሃድን ዘሥምርን ወሳኒ ኣካል ከኣ እቲ ማእከላይ ኣካል እዩ። ብዘይ ከምዚ ዚኣመሰለ ጉባኤ ካህናት፤ ጒዳይ እቶም መራሕትን ተመራሕትን ርእስን እግርን ጥራይ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።
ብመሠረት ትምህርቲ ቅዱሳን ሓዋርያትን ኣብ ኒቂያ ብዝተጋብኡ ሠለስቱ ምእት ሊቃውንትን፤ ርክበ ካህናት (ጉባኤ ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ምስ ሊቀ ጳጳሳት) ካብ ዝተሓንጸጸሉ ጥንተ ዕላማታቱ እዞም ዚስዕቡ ይርከብዎ፦
ኣብ ምእመናንን ቤተ ክርስቲያንንን ብዛዕባ ክግበር ዘለዎ ሥራሕ ምዝርራብ (ወይትናገሩ ዘየከውን በእንተ ግብረ አብያተ ክርስቲያናቲሆሙ)
ኣብ ገሊኦም ዝተሠወረ ትርጓሜን ምሥጢርን እቶም ዝተረፉ ክገልጽሎምን ክዛረራቡን ምእንቲ (ወኵሉ ዘዓጸበ ላዕለ መንፈቆሙ ፍካሬሁ)
ኣብ ገሊኦም ንዝቀነነን ዝተጠውየን ሥርዓት: እቶም ዝተረፉ ምእንቲ ከቕንዕዎ (…ወሥርዓቱ)
ኣብ ምእመናን ንዝህሉ ጥርጥርን ክሕደትን ካብ ልቦናታቶም ክርሕቑሎም ምእንቲ ክዘራረቡ (ወያሰስሉ ዕቅፍታተ እለ ይከውና ውስተ ቤተ ክርስቲያን)
ኣብ ሞንጎኦም ባእስን ክርክርን እንተሎውን ብዕርቅን ስምምዕን ከዕርፍዎ ምእንቲ (ወለእመ ኮነት ጽልዕ ይፈጽምዋ በሠናይ)
ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ብዝተገብረ በደል፤ ቂምታን በቐልን ከይቋጽሩን፤ ይቕረ ብምብህሃል ከኣ ብሰላምን ክነብሩን: ነቲ ብድኅሪኦም ዘሎ ጾምን ከምኡውን ሃንደበታዊ መከራን ሞትን ብፍቕሪን ንጽሕናን ተዳልዮም ምእንቲ ክጸንሑን: ኣገልግሎቶም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዝኣብሔር ኣምላኽ ውኩፍ ክኸውን (ቀዳመይቲ ጉባኤ፦ ቀዳሚ እምቅድመ ጾመ ፵ (ትርጉም ጾመ ሓዋርያት) በዘያሰስሉ እከየ ወቍጥዓ፤ወትኩን ቍርባኖሙ በጾም ቅድስት ንጽሕት ወክብርት ለእግዚአብሔር)
( ካልኣይቲ ጉባኤ፦ እስመ ይበዝኅ ሕማመ ብድብድ ወሞተ ግብት በዘመነ ሐጋይ ወተወን)
በብሃገረ ስብከቱ ብኤጲስ ቆጶሳት ኣብ ልዕሊ ካህናት ይኹን ምእመናን ንዝተወሰኑ ፍርድታት (ውግዘት) ምምርማርን ጸብጻባት ንምቕራብን: ዝኾነ ዝጽግሞም ነገር ምስ ዝህሉ ንምምኽኻርን ወቦ ዘተርፈ ዝብሉ ይርከብዎም (ወከማሁ ጳጳሳትኒ ወኤጲስ ቆጶሳት ይትጋብኡ ኀበ ሊቀ ጳጳሶሙ ምዕረ በበዓመት በአምሳለ ውእቱ በከመ ኮኑ ሰብዓ መሳፍንተ ደቂቀ እስራኤል ያዓርጉ ኀበ ሙሴ ኵሎ ዘዐጸቦሙ። (እቶም ሰብዓ መሳፍንቲ ደቂቀ እስራኤል ዝጸገሞም ዘበለ ናብ ሙሴ የቕርብዎም ከምዝነበሩ፤ ብኸምኡ ተምሳል ኸኣ በብዓመቱ ሓደ ጊዜ ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ኣብ ቅድሚ ሊቀ ጳጳሳቶም ይተኣከቡ።)
(ፍት ነገ ኣንቀጽ ፬)
ብሓፈሻ’ውን ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተነግረ ዕላማ ርክበ ካህናት: ኣቦታት ንጒዳይ ቤተ ክርስቲያን ሓቢሮምን መኺሮምን ክውስኑ ዝተገብረ እዩ። ወኢይግበሩ ምንተኒ ግብረ ዐቢየ ወንኡሰ ዘእንበለ በምክሩ ወውእቱኒ ካዕበ ኢይግበር ግብረ ዐቢየ ዘእንበለ በምክረ ኤጲስ ቆጶሳት ኵሎሙ ከመዝ ይኩኑ በአሐዱ ኅብረት (እቶም ኤጲስ ቆጶሳት ዓቢይ ይኹን ንእሽቶይ ሥራሕ ነቲ ጳጳስ ከየማኸሩ ኣይግበሩ። ንሱ’ውን ድማ ብዘይ ምኽሪ ኤጲስ ቆጶሳት ዓቢይ ሥራሕ ኣይሥራሕ። ኵሎም ብሓደ ስምምዕን ሕብረትን ይንበሩ።
((ፍት ነገ ኣንቀጽ ፬፥፷፭) ስለዚ ብሓጺሩ እዞም ጥንተ ዕላማታት ርክበ ካህናት ብመሠረት ሕጂ ዘለዎም ትርጓሜታትን ኣገባባትን ክረኣዩ ከለዉ ብኸምዚ ዚስዕቡ ነጥብታት ክጠቓለሉ ይኽእሉ እዮም፦
ሃይማኖት ዝሰፍሓሉን ዝጸንዓሉን መገዲ ምምኽኻር፤ ተሞክሮ ምልውዋጥ፤ ዘይኣመኑ ዝኣምኑሉን: ዝኣመኑ ከኣ ሃይማኖቶም ዝጸንዓሉን ኣገባብ ዝምከረሉ:
ብሓፈሻ ፍቕሪ ዝማእከላ መንግሥተ እግዚአብሔር ኣብ ምድሪ ዝሰፍሓሉን ዝጸንዓሉን መገዲ ምኽሪን ሓሳብን ዝወሃበሉ።
ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ተዓቂቡ ዝቕጸሉሉ መገዲ ዝምከረሉ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት (ወይውን ምዱብ እዋን ጸብጻብ) ንዝነበረ እወታዊ ይኹን ኣሉታዊ ገምጋም ሓዋርያዊ ሥራሕ ምግባር፤ ንዝመጽእ ኸኣ ውጥን ምሕንጻጽ:
ኣብ ኣካይዳን ምሕደራን ምትግባር ውጥናትን ዘሎ ጸገማት ምልላይን መፍትሒ ምንዳይን
ስለ ስብከተ ወንጌል፤ ምቛምን ምስፍሕፋሕን ሰባካ ጉባኤያትን ንጥፈታቶምን፤ ብዛዕባ ሰባክያን፤ ምምሕያሽ ናብራ ካህናት፤ ህልዊ ኵነታት ሕይወት ኣባጊዕ ምእመናን ምዝታይ፤ ሓሳባት ምንዳፍን..:
መምስ ጊዜን ዘመን ዝመጹ ጒዳያት ብመንጽር ሃይማኖትን ጽልዋ ምእመናንን ምግምጋምን ምምርማርን:
ኣጽራርን ዕንቅፋትን ቤተ ክርስቲያን ንዝኾኑ ጒዳያት ምምርማርን ምዝታይን:
ወቦ ዘተርፈ ዝብሉ እዮም።
እምበኣር ከምዚኦምን ካልኦት ኣብዚ ዘይተጠቕሱ ዕላማታትን ንምስላጥ: ርክበ ካህናት ይኹን ጉባኤ ካህናት ከንቱ ዝኾነ ሥጋዊ ረብሓን ቄሣራዊ ኣእዳውን ከየዐሸዎን ከምኡውን ካልእ ከንቱ ነገራት ከይወጠጦን: ብመሠረት ሓዋርያዊ ተልእኾን ብቅንዒ ሃይማኖትን ተበጊሱ ምስ ዝዝትይ ንቤተ ክርስቲያን ክንደይ ዝኣክል ረብሓ ዘለዎ ነገራት ከበርክት ከምዝኽእል ብቀሊሉ ክንርድኦ ንኽእል።
ኣብዚ ሎሚ እዋን ስሙ እምበር ከምቲ ዝግባእ ግብሩ ዘይንርእዮ ጉባኤ (ርክበ ካህናት)፤ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከም በዓል መዓልቲ ፈልያ ከተኽብሮ ክትእዝዝና ከላ መኣስ ከምዝውዕልን ብኸመይ ክንረኽቦ ከምዝኽእልን ክረአ ዝከኣል እዩ። እዚ ኪብሃል ከሎ ግና ነቲ በዓልነቱ ንምዝካር፤ ኣገዳስነቱ ፈሊጥና ከኣ ንምስዓቡን ንምትግባሩን ደኣ እምበር ርክበ ካህናት ከምቲ ሕጊ ሓዋርያትን ሠለስቱ ምእትን ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ጥራይ እምበር: ካብዚ እዋን እዚ ወጻኢ ክግበር ኣይከኣልን ማለት ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ዕላምኡ እቲ ወሳኒ። በብደረጅኡ ኣብ ዝርከቡ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን በብእዋኑ ብስሩዕን ብዘይስሩዕን ቅዱስ ሲኖዶስ ብዘውጽኦ መምርሒ ክካየድ ዘለዎ ጉባኤ ምዃኑ’ውን ምስትውዓል የድሊ።
ኮይኑ ግና ንርክበ ካህናት ብላዕለዋይ ደረጃ ዝተከአ ቅዱስ ፓትርያርክ : እንተወሓደ ኣብዞም ክልተ ዕለታት’ዚኦም ተጋቢኡ ክውዕልን ስለ ቤተ ክርስቲያን ክዝትይን ሓዋርያዊ ትእዛዝን ትውፊትን እዩ።
እዚ ስለዝኮነ ድማ ብርድኢትን ብምስትውዓልን ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ብግቡእ ክንፍጽም እግዝኣብሔር ኣምላክ ንኩልና ይርደኣና ኣሜን።
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሐት ለእግዚአብሔር አሜንን

Comments
Post a Comment