መጻጉእ

 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን 


4ይ_ሰሙን_ናይ_ዓቢይ_ፆም


መፃጉዕ


መፃጉዕ ማለት፥ ናይ ሰብ ስም ዘይኮነ'ስ እንታይ ደኣ ነቲ ሕማሙ ዝገልጽ ስያሜ እዩ፡ ንኣብነት፥ሕሙም፡ድውይ፡መጻጉእ ዝኣመሰሉ እዮም፡ እዚ ሰብ ከኣ ነዊሕ ዓመታት ስለ ዝሓመመ መጻጉዕ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

 መወከሲ ክኾነና ሓጻር ታሪኽ መጻጉዕ ኣብ፥

(ዮሃ 5፥1-25)ዘሎ ኃይለ ቃል ነንብብ።

ቤተ ሳይዳ ማለት ብእብራይስጥ ክኸውን ከሎ ሓሙሽት ኣንቀጽ ዘለዋ ናይ ምሕረት ቦታ ብዙሓት ሕሙማት ዝፍወሱላ ቦታ እያ።

እዛ ቦታ ከኣ ከም ማይ ጸሎት ኮይና ተገልግል ዝነበረት ብመልኣኽ ዝተባረኸት ነበረት። (ዮሃ 5፥2-4)መልኣክ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ነቲ ቀላይ ምስ ኣናወጾ፡ እቲ ቅድም ወሪዱ ናብቲ ዝተናወጸ ማይ ዝኣተወ ካብ ሕማሙ ይፍወስ ነበረ ይብል።


ቅድስቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ "ማይ ጸሎት" ትጥቀመሉ "መጽሓፍ ቅዱሳዊ" ምኻኑ። ቅዱሳን መላእክቲ፣ ጻድቃን፣ ካህናት በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦም "ጸጋ" ዝባረኽዎን ዝጸለይሉን "ማይ ጸሎት"ደዌ ስጋን ነፍስን ከም ዝፍውስ ትኣምን።


ቅዱሳን መላእክቲ ካብ እግዚኣብሄር ምሕረት ናባና፥ናትና መስዋዕትን ልማኖን ናብ እግዚኣብሄር ከም ዘዕርጉን ዘማልዱን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኻኑ ርኢና።


ስድራ እግዚኣብሄር ከምቶም ድልዋት ጸኒሖም ቀዲሞም ዝኣተዉ ካብ ስጋዊ ሕማም ዝተፈወሱ፥ንሕና ከኣ ካብ ሓጢኣትና ክንፍወስ ብንስሓ ድልዋት ኴና ክነብር ይዘኻኽረና (ንበሩ ድልዋኒክሙ)።


እቲ ሠላሳን ሸሞንተን ዓመት ዝሓመመ ሰብኣይ ግን እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ዘውርዶ ስለ ዘይብሉ ን38ደቀሰ። የሕዋተይ ተስፋ ካብዚ መፃጉዕ ክንመሃር ኣለና ን38ዓመት ብተስፋ ክጽበ ኢና ንርኢ፣ ንሕና'ከ ናይ ሳልስቲ ሕማም ሒዝና ማዕረ ክንደይ ንኣምላኽ ከም ነማርር።


ጎይታ ከኣ ነዊሕ ዓመት ከም ዝደቀሰ ፈሊጡ፥ ነዊሕ ዓመተ ቤተ ክርስትያን ተመላሊስና ብዘይለውጢ ኣብ ሕማም ሓጢኣት ተጠቢስና ዘለና ክርስቶስ መጹ ብዓይኒ ምሕረቱ ይጠምተና።!ግን ከምዚ ክብል ሓተቶ!

"ክትሓዊ ትደሊ ዲኻ?  ይገርም እዩ እዚ ሑቶ ድሕሪ 38ዓመት ረከቦ።ተስፋ ማለት ን38 ዓመት፣ 38 ደቂቅ ጌሩ ዘቅርብ ምድራዊ ሓይሊ እዩ።ግን ክርስቶስ ን38ዓመት ደቂሲ እና ፈለጠ ከምዚ ኢሉ ክሓቶ ኣይገርምን? 


ምስጢሩ'ኸ እንታይ እዩ፥

1ይ ኣምላኽ ናጻ ፍቃድ ስለ ዝሃበና ዋላ ነቲ ድሕነት ብፍቃድና ክትከውን ስለ ዘለዋ ፍቃድ መጻጉዕ ሓተተ።

2ይ ምስጢረ ተዋህዶ ክገልጽ፥ ዘይፈልጥ ልቢ ሰብ ዘይምርም ስጋ ("ስጋዊ ባህሪ") ከም ዝተወሃሃደ ክምህር እዩ። ከምቲ ንኣልኣዛር ምስ ሞተ፥ኣበይ ኣንቢርክሞ ኢሉ ሓቲቱ፣መሊሱ ካብ ሞት ከኣ ዘተንስኦ። ዮሃ 11፥37-44።


ነዚ መጻጉእ ከኣ "ፍጹም ሰብ" ከም ዝኾነ ከረድእ"ክትሓዊ ትደሊ" ዲኻ በሎ። "ፍጹም ኣምላክ ከም ዝኾነ ክምህር ከኣ "ተንስእ ዓራትካ ኣልዕል " ኢሉ የሕወዮ። ስለዚ ክርስቶስ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላክ ሙኻኑ ከረድእ እንበር"እወ ክድሕን ይደሊ"ከም ዝብሎ ይፈልጥ ነበረ።


መልሲ ናይ መጻጉዕ ሰብ የብለይን ነበረ፥ ሎሚ ብዙሓት ኢና ሰብ ስኢና ተስፋ ዝቆረጽና ወይ ዝኣመናዮ ሰብ ዝጠለሙና ብዙሓት ኢና ግን ሓደ ክንፈልጦ ዘለና "ነቲ ሰብ ዘይብሉ ኣምላኽ ኣለዎ" ከም ዝብል ክርስቶስ ምሳና እዩ።ምኽንያቱ እቲ መጻጉእ ሰብ የብለይን ምባሉ ኣብ ቅድሚኡ ኮይኑ ዝሓቶ ዘሎ "ፈጣሪኡ" ከም ዝኮነ ኣይፈለጠን፥እንታይ ደኣ ኣብ "ሰብ" እዩ ተወኪሉ፥ንሕና ውን ብዙሓት ኣለና ኣብ ሰባት ትውክልትና፥ ንዝኮነ መከራ ኮነ ሽግር ጭንቀት ሕማም ብሰባት ክንፈትሖ ንሓስብ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ፡ ስለዚ ትውክልትና ኣብ እግዚኣብሄር ይኹን።


ኢየሱስ ከኣ "ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ" በሎ። እግዚኣብሔር ካብ ናይ ሓጢኣት መስቀልካ ሑዝካ ተንስእ ይበለና።ንሕና'ውን ከምቲ ንመፃጉዕ ዘውርዶ ስኢኑ ምስ ሕማሙ ዝደቀሰ፥ንሕና ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ከኣ "ህዝቢ" ብሓጢኣት ተኣሲሩ ከይድቅስ፡ ንንስሓ ኣውሪድና ዘልኣለማዊ ክቡር ስጋኡን ደሙን ክቅበሉ ንሑሙማት ህዝብና ንብጽሓዮም።


ናይ መወዳእታ ቃል ለበዋ ካብዚ ዝኸፍእ ከይመጸካ ደጊምካ ኣይትኣብስ በሎ። እቲ ቀዳማይ ስጋዊ ሕማም እዩ እቲ ዝመጽእ ግን ንነፍሲ ዝቀትል መንፈሳዊ ሕማም ስለ ዝኾነ።ካብ ቀታሊ ነፍሲ ሕማም ሓጢኣት ክንዕቀብ ይግባእ። !ስለ ቃላቱ ክርስቶስ ይመስገን።

ኦ እግዚኣብሔር ንሕሙማት ህዝብኻ ብጽሓዮም እሞ ምእንቲ ቅዱስ ስምካ ኢልካ ፈውሶም ክኡልና ካብ ሕማም ሓጥያትና ንፈወስ ኣሜን።



   ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==



ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና