ደብረዘይት

 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ አሜን!


5ይ_ሰሙን_ናይ ዓብይ_ጾም ደብረዘይቲ_

ደብረዘይቲ



 ደብረዘይቲ እንታይ ማለት'ዩ ምስጢሩኸ?


ደብረ ዘይቲ ኣብ እስራኤል ከባቢ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ኮይኑ ካብ ቤተ መቅደስ ናይ ኢየሩሳሌም ኣስታት 16 ኪሎ ሜተር ርሒቁ ዝርከብ ጎቦ ኢዩ፡ ብተወሳኺ፡ ቢታንያን ቤተፋጌን ምስ ደብረዘይቲ ለጊቦም እዮም ዝርከቡ፡ ደብረ ምባሉ ብራኼኡ ንምግላጽ ክኸውን ከሎ ፣ ዘይቲ ምባሉ ድማ እቲ ከባቢ ብዘይቲ ኣውሊዕ ዝተሸፈነ ስለ ዝነበረ እዩ፣ ካብዚ ዝተበገሰ ከኣ ደብረ ዘይቲ ዝብል መጸውዒ ሒዙ ንረኽቦ፡፡


ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ንቅዱሳን ሓዋሪያት ብዕምቆት ስለ ዳግም ምጽኣቱን ምልክት መወዳእታ ዓለምን ከም ዘስተማሮም፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ደብረ ዘይቲ ንሰማይ ከምዝዓረገ 

ቅዱስ ወንጌል ይምህረና፡፡ ማቴ 24፡3


ደብረ ዘይቲ ዝብል ትርጉም ስያሚኡ ካብቲ ሊቅ ናይ ቤተክርስቲያን ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር መዝሙር ጐይታ ኣብ ደብረ ዘይት ምሥጢረ ምጽኣቱን፥ ነገረ ሕልፈተ ዓለም ከም ዝመሃረን ንዝስዕብዎ ኵሎም ድማ ካብ ሓሰውቲ ነቢያት ክጥንቀቑ ዘዘኻኽርን ስለዝኾነ 5ይ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾም

ደብረ ዘይቲ ተባህለ፡፡ 

 


                ሕቶ ቅዱሳን ሃዋርያት

ጎይታ ናይ ምምጻእካን ናይ ህልቀት ዓለምን ምልክቱ እንታይ እዩ፡ እስከ ንገረና እናበሉ ናቡኡ ቀረቡ።


መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ከምዚ በሎም 


 ሓደ እኳ ከየስሕተኩም ተጠንቀቁ፡

ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመጹ እዮም፡

     ንብዙሓት ከስሕቱ እዮም፡

ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፡

ኣስተውዕሉ ኣይትሰንብዱ፡

ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክልዓል እዩ፡

መንግስቲ ውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክልዓል'ዩ

ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን'ዩ፡

ንመከራ ኣሕሊፎም ክህብኩም እዮም፡

ስለ ስመይ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም፡

ሽዑ ብዙሓት ክኽሕዱ እዮም፡

ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ክወሃሃቡ እዮም፡

ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት ኪትንስኡ እዮም፡

ብሰንኪ ብዝሒ ኽፍኣት ፍቅሪ ብዙሓት ክትዝሕትል እያ፡

 ንኩሎም ኣሕዛብ ምስክርነት ምእንቲ ክኸውን ቃል 

      ወንጌል ኣብ ኩሉ ዓለም ክስበኽ'ዩ፡

እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ንሱ ኺድኅን እዩ፡

እዚ ብግዲ ሽዑ ክከውን እዩ እንተኮን መወዳእታ ሽዑ

      ኣይኮነን፡፡


እዚ ቃል ትንቢት እዚ እንሆ ኩሉ ሎሚ ይፍጸም ኣሎ፡ እንተኮን ንሕና ኣመንቲ ሕዝበ ክርስቲያ ኣቐዲሙ ስለዝተነግረናን ስለዝተማሃርናዮን እቲ ክንገብሮ ዝግባኣና ኣብ እምነት ብምጽናዕ ክንጥንቀቅ ብጸሎትን ብጾምን ብቅዱስ ቁርባን ተወሲንና ገዛእ ርእስና ምስ እግዚኣብሔር ከነማዕቁብ ይግባኣና፡ ከምቲ ዓለም እትህወኾ ዘላ ክንህወኽ ዘይኮነ ከምቲ ብተስፋ ቃሉ ክሳብ መወዳእታ ትዕግስቲ ክህልወና ክንጽዕርን ክንደክምን ክንነቅሕን ይግባእና፡፡


ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ውን ከምዚ ብምባል ቃል ተግሳጽ ይምህረና እዩ፡ " ብትንቢት ኮነ ብወረ ወይ ካባና ከም ዝተጻሕፈት መልእክቲ ብምምሳል ማዓልቲ ጎይታ መጺኣ እያ ብምባል ብቀሊል ኣይትረበጹን ኣይትተሃወኹን ክሕደት ቅድሚ ምምጽኡ እቲ ሕጊ ዘይብሉ ሰብ፡ እቲ ንጥፍኣት ዝተመደበ ከይተገልጸ መዓልቲ ጎይታ ኣይትመጽእን እያ'ሞ ሓደ እኳ ብገለ ነገር ከየስሕተኩም ጠጠንቀቁ" ይብለና። 2 ተስ, 2፡1-3


እቲ ሕጊ ዘይብሉ ሰብ ዝተባህለ መን እዩ ?

ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ሓዋሪያ ዮሓንስ ኣብ ንእሽቶ ኤስያ ደሴት ፍጹሞ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጸሉ ራእይ ብዛዕባ ምግላጽ እቲ ሕጊ ዘይብሉ ሰብ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡- ራእይ 13፡-1-18



"ብድሕርዚ ሓደ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ክወጽእ እንከሎ

 ረኣኹ፡ ዓሰርተ ኣቅርንትን ሸውዓተ ኣራእስን ነበሮ፡ 

ኣብ ኣራእሱ ውን ንእግዚኣብሔር ዝጸርፍ ስም ነበሮ፡ እቲ ዝረኣክዎ ኣራዊት ነብሪ ይመስል ነበረ፡ እእጋሩ ከም ኣእጋር ድቢ ይመስል ነበረ፡ ኣፉ ድማ ከም ኣፍ ኣንበሳ ይመስል እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ዓቢይ ስልጣን ሃቦ፡ 


ትዕቢትን ንእግዚኣብሔር ዝጸርፍ ቃላትን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፡ በርብዓን ክልተን ወርሒ ግብሩ ክገብርውን ሥልጣን ተዋህቦ፡ ሽዑ ንኣምላኽ ኪጸርፍ ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ከፈተ፡ ነቶም ቅዱሳን ኪዋግኦምን ኪስዕሮምን ፍቓድ ረኸበ፡ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኹላቶም ኪሰግድሉ እዮም፡፡


እቲ ኣራዊት ንኩላቶም እቶም ንኣሽቱ፡ ዓበይትን፡ ሃብታማትን፡ ድኻታትን፡ ጭዋታትን፡ ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶምን ወይ ኣብ ግንባሮም ማህተም ከምዝግበረሎም ገበረ ናይቲ ኣራዊት ስም ማህተም ዘይብሉ፡ ሓደ እዃ ኪዕድግን ክሸይጥን ከም ዘይክእል ይገብር ነበረ፡ እምበኣርከስ ጥበብ ኣብዚ እዩ ዘድሊ ቁጽሪ እቲ ኣራዊት ቁጽሪ ሰብ እዩ ዜመልክት እሞ፡ እእምሮ ዘሎዎ ይጸብጽቦ፡፡



እቲ ቁጽሪ ኸኣ ሽዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን (666) እዩ፡፡

ትርጓሜ እዚ ራእይ ቅዱስ ዮሓንስ ብቤተክርስቲያን ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡-

ሓደ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ክወጽእ እንከሎ ረኣኹ ማለት ባሕሪ ናይ ዓለም ምሳሌ እዩ፡ ባሕሪ ርጉእ ኣይኮነን፡ ብማዕበል ዝተናወጸ ከም ዝኮነ፡ ኣብ ግዜ ሓሳዊ መሲሕ ድማ ዓለም ርግኣት ክትስእን እያ፡ ባሕሪ ክትረግጾ ጽኑዕ ኣይኮነን ምምጻእ ሓሳዊ መሲሕ ውን መሰረት የብሉን ኣራዊት ምባሉ ኩሉ ስርሑ ክፋእ ስለ ዝኮነ ኣራዊት ኢልዎ ናይ ቤተክርስቲያን መተርጉማን መንግስቱ ቀጻሊ ስለ ዘይጸንዓሉን ስፍሪ ዘይብሉ ክፋእ ስራሕ ስለ ዝሰርሕ ካብ ባሕሪ ወጸ ከም ዝበሎ ይምህሩ፡፡


ዓሰርተ ኣቅርንትን ሸውዓተ ኣራእስን ነበሮ፡- ዓሰርተ ኣቅርንቲ ማለት ኣቅርንቲ ዝበሎ ቀርኒ ስለዘሎዎ ዘይኮነ ቀርኒ ንጸላኢ መውግኢ ከም ዝኮነ ሰብ ዝወግኣሉ ዘስሕተሉ ትምህርቲ ስለዘለዎ ንብዙሓት ከእምን እዩ፡ ብካልኣይ ድማ ነቲ ኣራዊት ተኸቲሎም ዝላዓሉ ዓሰርተ መንግስታት እዮም፡ ቀርኒ ናይ ሓይልን ስልጣንን ምሳሌ እዩ፡፡


ሸውዓተ ኣራእስ፡- ዝበሎ ኣብ ሽውዓት ክፍሊ ዓለም ምምጽኡ ዓለም ስለእትናወጽ ከሙኡ ድማ ቅድሚ ሕጂ ሓይሊ ኣምላኽ ብዝተፈላለይ ኣብአን ዝሰርሐ ሸውዓት ሃገራት እየን ንሳተን ድማ

1, ፋርስ …..( ኢራን)

2, ባቢሎን….( ኢራቅ)

3, ግሪኽ

4, ሜዶን

5, ግብጺ

6, ሮም

7, ኢየሩሳሌምን እየን፡፡


ብሳልሳይ ደረጃን ቀንድን ድማ ኣብ ግዜ ሓሳዊ መሲሕ ዝፍጸሙ ሸውዓት ኣርእስት ሓጣውእ እዮም፡፡

1, ሓጢኣት ኣዳም

2, ቅትለት ኣቤል

3, ጥቅመ ሰናኦር

4, ሓጢኣት ሰዶም

5, ሓጢኣት እስራኤል

6, ቅትለት ካህን ዘካሪያስ

7, ሞተ ወልደእግዚኣብሔር


 1, ሓጢኣት ኣዳም፡

ኣቦና ኣዳም ብምኽሪ ዲያብሎስ ማዕረ ኣምላኽ ንሙዃን ተመንዩ፡ ዝተዋህቦ ሕጊ ጥሒሱ ካብቲ ኣይትብላዕ ዝተባህሎ ከምዝበልዐ፡ እቲ ሓሳዊ መሲሕ ድማ ብስም ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ቦታ ንምሓዝ ስለዝመጽእ ንዓይ ስገዱ ንዓይውን ተገዝኡ ስለዝብል ብሓጢኣት ኣዳም ይምሰል፡፡ ከሙኡ ድማ ኸምቲ ኣዳም ኣይትብላዕ ተባሂሉ ስለዘይሰምዐ ሞት ክመውት ዝተፈርደ ኩሉ እቲ ካብ ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ዘይበልዕ ድማ ንውድቀት ስሕተትን ዝተቃልዐ እዩ፡፡ በቲ ግዜ ሓስዊ መሲሕ ግን ሰብ ቃል ይሰምዕ እምበር ኣየተግብርን እዩ፡፡ እቲ ዘንብብ የስተውዕል፡፡


 2, ቅትለት ኣቤል፥-

ከምቲ ቃኤል ብቅንኢ ንሓው ኣቤል ዝቀተለ ኣብ ግዜ ሃሳዊ መሲሕ ድማ ቅትለት ክበዝሕ እዩ፡ ሓው ንሓው ክቃተል ክጫኻኸን እዩ፡፡ ኣሕዋተይ እንሆ ሎሚ እቲ መንገዲ ሓሳዊ መሲሕ ይጽረግ፡ እስከ ነዚ ዘመን ንምዘኖ ጎይታ ክርስቶስ ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ከልዓል እዩ ኢሉና እዚ ማለት ኣሕዋት ዝነበሩ ሕዝቢ፡ ብሓደ ሃዲኦም ከይነብሩ ዓለም፡ ብሰንኪ ክፍኣት ደቂ ሰብ ብውግእን ምፍልላይን ዓሌታውነትን ትናወጽ እላ፡፡


ኣብ ኩሉ ስፍራ ስምምዕ የሎን ሰብ ንሰብ ኣሕሊፉ ዝህበሉ ሰዓትስ ድሮ ንሪኦ ኣሎና ኣቦ ንወዱ ኣደ ንጓላ ዘይትድንግጸሉ ግዜ፡ ናይ ሃይማኖት ኣቦ ንናይ ሃይማኖት ወዱ ዝሸጠሉ ዘመን ውሉድ ውን ንስድሩኡ ዘይእዘዘሉ ዘመን'ዶ ንሪኦ የለናን፡፡ 


ሰብ ንረብሓ ገንዘብ፡ ቃል ኣምላኽ ጥሒሱ ነቲ ኣይትቅተል ዝብል ትእዛዝ ብድፍረት ንብጾቱ ብግፍዒ ከምዛ ካብ ሰብ ዘይተወልደ ዘልኣለም ከም ዝነብር ገንዘብን ስልጣንን ካብ ሞት ከም ዘድሕኖ፡ ኣብ ጸልማት ንብጻዩ ኣሲሩ ንሞት ዝፈርደሉ ዘሎ ግዜ ዶ ኣይኮነን፡ቀጺሉ ውን መድሓኒና ክርስቶስ በቲ ግዜ ሓሳዊ መሲሕ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክልዓል እዩ፡ ይብለና፡ እወ ሎሚ ሰባት ምድራዊ መንግስትን ሰማያዊ መንግስቲን ምፍላይ ዝኣበይና ንመስል፡ ብሰንኩ ድማ ቤተክርስቲያን ኣክንዲ ቤተ ጸሎት፡ ቤት ድህነት ቤተ ሰላም፡ ናይ ዝተፈላለይ ፖሎቲካ መሳርሒ ትኸውን ኣላ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ እንሆ ኣብ መንጎ ህዝቢ እግዚኣብሔር ምፍልላይን ባእስን ንርኢ፡ ሓደ ነቲ ሓደ ከውድቅ ከይደቀሰ ዝሓድረሉ ዘመን በጺሕና፡ ስለዚ ንክልተ ጎይቶት ክግዛእ ዝክእል የልቦን፡ እሞ ኣብ ቤት ኣምላኽ ንኣምላኽ ጥራይ ነገልግል፡ ንሕና ሎሚ ኣሕዋት እንከለና ተፈላሊና እዚ ድማ ብስንኪ ትሪ ልብና እዩ፡፡


ስለዚ ከምቲ ጽሑፍ "ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል፡ ከመይ ኣምላኽስ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እዃ ኣይፍትንን፡ " ዝበሎ፡ ያዕ, 1-13፡- 

ኩሉ ብሰሪ ኣበሳና እዩ እሞ ልቢ ንበል ስምና ኣብ መጽሓፍ ሕይወት ክጽሓፍ ንሕሰብ፡ ካብዚ ሓሊፉ ግን ልቢ ዝምርምር ኣምላኽ ዓስብና ኣብ ኢዱ እዩ ስለዚ ንመለስ፡፡ ( ወ.ማቴዎስ 24 :15 “ እቲ ዜንብብ የስተውዕል) ካብ ዘንበብናዮ ከኣ እንታይ ኣስተውዕልና ሕቶ ንኩልና እዩ። ከነስተውዕል እግዝኣብሔር ይርደኣና ኣሜንንን።



ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==



ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና