ኒቀዲሞስ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ አሜን!
7ይ_ሰሙን_ናይ ዓብይ_ጾም ኒቆዲሞስ__
_ኒቆዲሞስ_
እግዚኣብሔር አምላኽና ብሰናይ ፍቓዱ ነዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ሰናብቲ ናይ ዓቢይ ጾም ብሰላም ኣሕሊፉ ናብዛ ሻውዓይቲ ሰንበት ብሰላም ዘብጽሓና ሕጂ እውን ስለዘይውዳእ ውህበቱ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ካብዚ ቀጺልና እምበኣር ከምቲ እግዚኣብሔር ዝፈቐዶ ብዛዕባ እዛ ቅድስት ዕለት ክንርኢ ኢና። እዛ ዕለት እዚኣ እውን ከምተን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ሰናብቲ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ ኒቆዲሞስ ብዝብል ስም እዩ ሴይምዋ ዘሎ።
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እምበኣር እዛ ቅድስቲ ዕለት “ኒቆዲሞስ” ተባሂላ ትጽዋዕ። ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ቅዱስ ዮውሃንስ ወንጌላዊ ኣብ ዝጸሓፎ ኣብ (ወንጌል ዮውሃንስ 3÷1 20 )ተገሊጹ አሎ።
ሓደ ካብ ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ሰብኣይ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ።
ሓለቓ ኣይሁድ ዝበሎ ብሃብቲ፡ ብመምህርነት፡ ብሽመት እዩ።
ንሱ ብለይቲ(ካብቶም ብመዓልቲ ዝመጹ ኣቐዲሙ) ናብ ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ መጸ።
እዚ ናይ ኣይሁድ ሓለቓ ዝኾነ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ዝመጻሉ ምኽንያት ነይርዎ እዩ። እዚ ከኣ፥
ቀዳማይ፦ ብለይቲ ምምጽኡ ኣይሁድ ብክርስቶስ ንዝኣመነ ካብ ቤት ጸለቶም ክሰጉዎ ሓጊጎም ነበሩ እሞ እዚ ዝገበረ ከኣ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሐ እዩ(ዮውሃንሰ 9÷22)።
ካልኣይ ፦ ብለይቲ ምምጽኡ ኣብ ክርስቶስ ፍጹም እምነት ስለ ዘይነበሮ እዩ(2ይ ቆሮ 3÷14)።
ሳልሳይ፦ ክሳዕ ሎሚ መምህር እና ተባህለ ነይሩስ ኣብ ክርስቶስ ይመሃር ኣሎ መታን ከይብልዎ፡ ውዳሴ ከንቱ ስለ ዝደለየ እዩ።
በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ምኽንያታት ኒቆዲሞስ ብለይቲ ናብ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። ከምዚ እና በለ ከኣ ናብ ጎይታ ቀሪቡ ተዛረበ፡ “መምህር ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ክገብር ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻኻ ንፈልጥ ኢና በሎ።”
እዚ ማለቱ “መምህር ክትምህር ኢልካ ካብ እግዚኣብሔር አብ ኣካል ዘእም አካል ባህርይ ዘእም ባህርይ ተወሊድካ ከም ዝመጻኻ ንፈልጥ ኢና። ከመይ እግዚኣብሔር ኣብ ኣብ ህልውናኻ ዘሎ፡ ንስኻ እንተ ዘይኮይኑ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ክገብር ዝኽእል ሓዳ እኳ የልቦን” ንኽብል ዝተዛረቦ እዩ።
ኣምላኽናን ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ “ካልኣይ ግዜ ዘይተወልደ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይርእያ ብሓቂ ብሓቂ ይብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ “ሰብ ምስ ዓበየ ከመይ ገይሩ ክውለድ ይኽእል፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ካልኣይ ክውለድ ይክኣል ድዩ፧” በሎ።
ኒቆዲሞስ ምስ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ክዘራረብ ከሎ ነዚ ሕቶ እዚ ዝሓተተ፡ ልደተ ስጋ (ናይ ስጋ ልደት ወይ ምውላድ) ስለ ዝመሰሎ እዩ። ነዚ ርድኢት ናይ ኒቆዲሞስ ምስቲ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ቃል ሓደ ኮይኑ ስለ ዘይተረኽበ፡ ነቲ ዝተዘርበሉን ዝሓተቶን ክምለሰሉን ክፈልጦን ስለዘልዎ፡ ደጊሙ ነቲ ዝበሎ ቃል ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ቅጽል ኣቢሉ ተዛሪቡ ኣሎ” ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዘይተወልደ (ጥምቀት ክርስትና ዘይተጠመቐ) ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይኣቱ ብሓቂ ብሓቂ ይብለካ ኣለኹ። ከመይ እቲ ካብ ስጋ ዝተወልደ ስጋዊ እዩ እቲ ካብ መንፈስ ዝተውልደ ከኣ መንፈስዊ እዩ። እዚ ማለቱ ከኣ፡
ቀዳማይ፥ ካልኣይ ክትውለዱ ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም ።
ካልኣይ፥ በዚ ከይትግረምሲ ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ።
ቅጽል_ኣቢሉ_እውን 👇🏾
ቀዳማይ፦ንኣብነት ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ገረብ ክናውጽ ከሎ ደሃዩ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዝመጽእ ናበይ’ውን ከም ዝኸይድ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ናይ ዓለም 12 መሳኹቲ ንፋስ ኣሎ። እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝውለድ ዝበሎ ድማ ከምኡ እዩ። ማለት ብርቀት እዩ ዝውለድ።
ካልኣይ፦መንፈስ ረድኤት ኣብ ዝደለዮ ይሓድር፡ ትንቢት ከዛርብ፡ ሱባኤ ከቚጽር ከሎ ትሰምዕ። ካበይ ከም ዝመጽእ ናበይ እውን ከም ዝኸይድ ማለት ሃብቲ ሙሴ ንኢያሱ፡ ሃብቲ ኤልያስ ንኤልሳዕ ከመይ ኢሉ ከም ዝወሃብ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ(ዘሁ 27÷33፣1ይ ነገ 19÷19, ፣2ይ ነገ2÷9-14)።
ሳልሳይ፦መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝደለዮ ይሓድር። ቋንቋ ከዛርብ ምስጢር ክትርጉም ከሎ ትሰምዖ፡ ካበይ ከም ዝመጽእ ናበይ ከም ዝኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። ኣቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝውለድ ድማ ከምኡ እዩ ማለት ብርቀት እዩ።
ነዚ ዝሰምዐ ኒቆዲሞስ “እዚ ድኣ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል” ኢሉ ደጊሙ ነቲ ዘይበርሃሉ ንኽበርሃሉ፡ ዘይተገልጸሉ ድማ ጽቡቕ ገይሩ መታን ክርድኦ መሊሱ ሕቶ ሓተተ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ “ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ ነዚ ነገር እዚ’ዶ ኣይትፈልጥን፧(ንስኻ መምህር እስራኤልሲ ነዚ ነገር እዚ ኣይትፈልጥን) በሎ። ብሓቂ ብሓቂ ይብለካ ኣለኹ እንፈልጦ ንዛረብ ዝረኣናዮ እውን ንምስክር ኣሎና ።
ነዚ ምስክራትና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም ዘለኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነጊረኩም ግዳ ከመይ ገይርኩም ክትኣምኑ” በሎ።
ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ከም ዘሎ ፡ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፡ “እንፈልጦን ዝረኣናዮን ማለቱ ንገዛእ ርእሱ ምስ ዮውሃንስ መጥምቅ ቆጺሩ እዩ። ብዛዕባ ናይ ሰማይን ናይ ምድርን ምባሉ ከኣ፡ እዚ ኣብ ምድሪ ዝፍጸም መንፈሳዊ ልደት ምኽንያት ኣለዎ፡ ማይ ቀሪብካ ብጸሎትን ብጥምቀትን ብንፍሓተ እስትንፋስን እዩ ዝፍጸም።ሰማያዊ ልደት ተባሂሉ ዘሎ ግና ምኽንያት ዘይብሉ ፍሉይ ልደተ ሙታን (ትንሳኤ ምዉታን) እዩ።
ቀጺሉ ንኒቆዲሞስ፡ “ብጀካ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይ እውን ዘሎ ወልደ እጓለ እመሕያው(ወዲ ሰብ ) ሓደ እኳ ናብ ሰማይ ዝዓረገ የልቦን” በሎ።እዚ ዝበለ እውን ካብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ ምባሉ ድማ ናይ ሰብ ባህርይ ለቢሱን ተዋሃሂዱን ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ስለዝኾነ (ዮውሃንሰ 6÷62) ናይ ስጋ ባህርይ ንቃል፡ ናይ ቃል ባህርይ ንስጋ ኮነ ከም ዝበለ ቅዱስ ቄርሎስ(ቄርሎስ ክፍሊ9)ከምቲ ሙሴ ንተመን ዝሰቐሎ ወልደ እጓለ እመሕያው (ወዲ ሰብ ) ክርስቶስ ድማ ከምኡ ክስቀል ይግባእ እዩ።
ክርስቶስ ኣምላኽና ስለምንታይ እዩ ዝተሰቕለ እንተበልና ፡ዝተነግረ ትንቢትን ምሳሌን ንምፍጻም እዩ።
ትንቢት፥ “ስቅልተ ተሬእያ ለሕይወትከ” ዝበሎ እዩ(ዘዳ 28÷66)
ታሪኽ
እስራኤላውያን ሓደ ግዜ ብምኽንያት መግቢ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔርን ኣብ ልዕሊ ነቢይ ሙሴን ኣጉረምረሙ፡እግዚኣብሔር ከኣ ዝነዱ ኣትማን ሰደደሎም እሞ ካብ እስራኤል ብዙሕ ህዝቢ ሞተ።ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ነቢይ ሙሴ መጺኦም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና።ነዞም ኣትማን ከርሕቐልና ንእግዚኣብሔር ለምነልና በልዎ።ነቢይ ሙሴ ድማ ምእንቲ ህዝቢ ለመነ። እግዚአብሔር ካኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ሰሪሑ ኣብ ባላ ክሰቕለሎም ብተመን ዝተነኽሰ ዘበለ ድማ ነቲ ተመን ኣስራዚ ጠሚቱ ከም ዝሓዊ ነገሮ እሞ ነቢይ ሙሴ ከምኡ ገበረ፡ ብተመን ዝተነኽሰ ዘበለ ኩሉ ድማ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ጠመተ ይሓዊ ነበረ (ዘሁ 21÷5-9) ።
እዚ ምሳሌ እዩ፡ ንእስራኤላውያን ነኺሱ ዝጎድኦም ተመን ናይ ዲያብሎስ ምሳሌ፡ ተመን ብመርዙ ከም ዝጎድእ፡ዲያብሎስ ድማ ብግብሩ ይጎድእ እዩ(ራእይ12÷9)።
ካብ ኣስራዚ ዝተሰርሐ ተመን ናይ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ፡ተመን ኣስራዚ ብምሳሌ ተመን ከም ዝተሰቕለ፡ክርስቶስ ከኣ ምስ በደለኛታት ተቆጺሩ ተሰቕለ(ኢሳያስ 53÷12)። ካብ ኣስራዚ ዝተሰርሐ ተመን መርዚ ዘይብሉ ጽሩይ ከም ዝኾነ ክርስቶስ ከኣ ጽሩየ ባህርይ እዩ።ተመን ኣስራዚ ኣብ ባላ ከም ዝተሰቕለ እሞ ብተመን ዝተነኽሱ እስራኤላውያን ንዕኡ ርእዮም ከም ዝሓወዩ፡ክርስቶስ ድማ ብእኡ ንዝኣምን ዘበለ ብስቕለቱን ብሞቱን ከድሕን ከም ዝተሰቕለ ዝገልጽ ምሳሌ እዩ።
ብሓፈሻ እምበኣር ኩላትና ብክርስቶስ ክርስቲያን ዝተሰመና፡ ኣምላኽና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ዝዓደገና ፡ኒቆዲሞስ ሓለቓ ከሎ፡ ሃብታምን ብዓል ብዙሕ ጸጋን እኳ እንተኾነ፡ ካብቲ ህይወት ዝህብ ኣምላኽ ህይወት ዘውህብ፡ ንልቢ ዘረስርስ፡ ካብ ሓጢኣት ዝፈ፡ ንጹህ ኣምላኻዊ ቃል ክሰምዕን ክመሃርን ጸልማት ኮይኑኒ ከይበለ፡ ቀትሪ ኣብ ስራሕ ውዒለ እየ ከዕርፍ ከይበለ፡ ኣብ እግሪ ጎይትኡ ኮፍ ኢሉ ዝተመሃረ ልቡ ከፊቱ ስለ ዝተማህረ ናይ ክርስቶስ መስካሪ ኮይኑ እዩ ተረኺቡ። ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንድሕነት ዓለም ኣብ ኣደባብያት ቀራንዮ ምስ ተሰቕለ ድማ፡ እንሆ ንስጋ ናይ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክቐብር ዝበቕዐ ኒቆዲሞስ ምስ ዮሴፍ እዩ ነይሩ። ስለዚ ትሕትና ፍቕሪ ኣምላክ ከም ዝህልወካ ትገብር። እንሆ ኣብ እግሪ ጎይታ ኮፍ ኢሉ ዝተማህረ ኒቆዲሞስ፡ ብዝተማህሮ ኣይከደን እንተኾነ ነቲ ዝተማህሮ ብትብዓት ክምስክረሉ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ጲላጦስ ከኣ ሞጎስ ክረክብ ክኢሉ እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ንስጋ ናይ መድሓኔዓለም ክርስቶስ ብኽብሪ ንኽቀብር ዝኸኣለ(ማቴዎሰ 27÷53-66)።
ሎሚ እውን ንሕና ኩሉ ትዕቢት ኮነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘየብጽሓና፡ ቃል ኣምላኽ ንኸይንሰምዕ ዝዕንቅፉና ነገራት ገዲፍና ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ክንርከብ፡ ኣብ እግሪ ኣቦታትና ካህናት ተረኺብና ክንመሃርን ክንመዓድን ይግባእና። እዚ ክንገብር እግዚኣብሔር ጸጋኡ የብዝሓልና አሜን!
እቲ ዘይፈለጥናዮን ዘየስተማቐርናዮን መወዳድርቲ ዘይርከቦ ቃል ኣምላኽ ክንሰምዕ፡ ሰሚዕና ብምስትውዓልን ብምስትንታን ክነብረሉ ቅዱስ ፍቓድ ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኹን።
ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Comments
Post a Comment