ኣቡነ ተክለሃይማኖት

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን!

ኣቡነ ተክለሃይማኖት



"ንጻድቕ ፍረ ግብሩ ክበልዕ ኢዩ 'ሞ ተዓዊትካ በልዎ"። (ትን ኢሳ 3፡10)


ሎሚ 24 የካቲት ወርሓዊ በዓል ናይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ፀሃይ, ቅድስት ክርስቶስ ሳምራ, ሰማዕት ቅዱስ ህፃን ኣባኖብ ኣባ ሙሴ ጸሊምን እዩ፡ በረኸቶምን ኣማላድነቶምን ኣይፈለየና ኣሜን።


ኣቡነ ተክለሃይማኖት ብ24 መጋቢት 1206 ዓ/ም ተፀኒሶም 24 ታሕሳስ 1207 ዓ/ም ድማ ተወሊዶም፡ ተክለ ሃይማኖት ማለት፡ ተክለ ኣብ ተክለ ወልድ ተክለ መንፈስ ቅዱስ ማለት እዩ፡ ናይ ቅድም ስሞም ፍስሃጽዮን እዩ፡ ኣቡኦም ጸጋዘኣብ፡ ኣዲኦም ድማ እግዚእሓረያ ትበሃል፡ ናይ ኣዲኦም ናይ ቅድም ሽማ ሳራ ክኸውን ከሎ፡ ንሳ ምእዝዝትን ትሕትን ስለ ዝነበረት ሓሙኣ "እግዚእሓረያ" ብምባል ስም ኣውጽኡላ።


ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ወዲ 7 ዓመት ምስ ኮኑ መንፈሳዊ ትምህርቲ ክመሃሩ ወሰድዎም፡ ተማሂሮም ከኣ ካብ ኣባ ጌርሎስ መዓርግ ዲቁና ተቐበሉ፡ ዓቕሚ ኣዳም ምስ በጽሑ ከኣ ስድርኦም ኣሕጸይዎም፡እንተኾነ ግን ገዲፎማ ከዱ፡ ብድሕሪኡ ብኣቡነ ጌርሎስ መዓርገ ቅድስና ተቐቢሎም ናይ ኩሉ ምድረ ሽዋ ሊቀ ካህናት ኮኑ።


ኣብ መወዳእታ ከኣ ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ "ፍስሃጽዮን ዘይኮነ ተክለ ሃይማኖት ተባሂልካ ክትጽዋዕ ኢኻ፡ እንስሳ ዝኾነ ነብሳት ክትሃድን ኢኻ" በሎም እሞ ተላዒሎም ከዱ፡ ንጣኦታት ብትምህርቶም እናሰባበሩ ብዙሕ ህዝቢ ናብ እምነት ክርስትና ከም ዝኣቱ ገበሩ፡ ድሕሪ ግዜ ናብ ገዳም ደብረ ዳሞ ተጋዕዙ፡ እንተኾነ ሰይጣን ካብ ፈተነ ስለ ዘይዓርፍ ነታ ዝድይቡላ ዝነበሩ ገመድ ቆረጻ፡ እግዚኣብሔር ግና ንቕዱሳኑ ስለ ዘይሓድግ ጌና ኣብ መሬት ከይዓለቡ ከለዉ ሰለስተ ብየማን ሰለስተ ብጸጋም ብጠቕላላ ሽዱሽተ ክንፊ ገበረሎም።


ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት እምበኣር ብሓይሊ እግዚኣብሔር ብዙሕ ትእምርትን ትኣምራትን ገበሩ፡ ዓቢ ናይ ሃይማኖት ኣቦ ኢዩም፡ ብዙርይኦም በላሕቲ ሓጻውን ተኺሎም ስለ ድሕነት ዓለም ሱባኤ ኣብ ዝኣተውሉ ግዜ ካብ ብዙሕ ጠጠው፡ ካብ ንውሓት ገድሊ ዝተላዕለ ጥሪ 24-(1306) ሓንቲ እግሮም ተቖሪጻ ወደቐት ብሓንቲ እግሮም ድማ ን 7 ዓመት ብዘይ ምቁራጽ ናብ እግዚኣብሔር ብጸሎት ጸኒዖም እናነበሩ ከለዉ ኣብ 99 ዓመቶም ብ 24 ነሓሰ ዓረፉ፡ ዕለት ልደቶም ታሕሳስ 24 ኢዩ፡ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ዓቢ ክርስትያናዊ ገድሊ ዝተጋደሉ ምስ 24 ካህናተ ሰማይ ኮይኖም ኣብ መንበረ ጸባዖት ክዓጥኑ ዝበቕዑ ጻድቕ ኣቦ ኢዮም።

 

ጸሎትን በረከትን ናይ ኣቦና ኣቡነ ተክለ ሃይማኖትን ናይ ቅድስት ክርስቶስ ሳምራ፡ ቅዱስ ሰማዕት ኣባኖብ ኣባ ሙሴ ጸሊምን ምስ ኩላትና ይኹን፡ ዝተቐደሰን ዝተባረኸን ሰንበት ይግበረልና።


ናብዛ page ሓደስቲ ዝኾንኩም ቀጻሊ ዝወርድ ክትሪኡ Follow,Like ግበሩ!

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==



ስብኃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን!

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና