ጾም ኣርብዓ
በሰመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን
ብመጀመርያ ፍጹም ሰላም እግዝኣብሔር ኣምላክና ኣብዘለኩሞ ንዓኩም፡ ከመይ ኣለኩም ከመይ ትኮኑ ሰላም ክትህልዉ በዓል ምሉእ ተስፋ እየ።
ተዳሊካ'ዶ /ኪ'ዶ?
ሎሚ ካብ በረቱ ክንካካፈል ዝፈቀደ ልዑል እግዝኣብሔር ኣምላክና ጾም ሰሪዕልና ጽባሕ ሶኑይ ክጅምር እዩ። ግን ነዚ ናይ በረከት ዝኮነ ክትካፈል ተዳሊካ'ዶ /ኪ'ዶ?
ከም'ቲ ንስራሕ ጽድቂ ብምክንያት ትካፈልዎ ሎሚ'ከ ተዳሊኩም 'ዶ? ንነገራት ብምስትውዓል እንተጌርካዮም ኣዝዮም'ዮም ዘሕጉስካ በረከት ዘውህቡናን ሞ'ተረዲእና ከነተግብሮ ተዳሊና ዘለና እንታይ እዩም? ብልምዲ ጾም ጀሚሩ ኢልና ክንጸውም'ዶ ወይሲ ጥቅሙን በረከቱን ተረዲእና ኢና ንጾ'ሞ? ወይ'ሲ ኣብዚ ዓዲ ናይ ጾም የለን እንታይ ክንበልዕ እንዳበልና ብምክንያት ከነሕልፎ ኢና ተዳሊና ዝድለና?
ስለዚ ድስትና ጥራይ ዘይኮነስ ስጋዊ ሰብነትና ብሳምና ከም እንሕጸቦ፡ ንነፍስና ብንስኃ ሓጺብና ጾምና ንጀምር።
ጾም
ጾም እንታይ ማለት እዩ?
ጾም ማለት ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ዝኾነ ዓይነት መግቢ ምኽልካል፣ ከምኡ'ውን ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ናይ እንስሳ ተወጽኦ ከም ስጋ፣ ጸባ፣ ጠስሚ ከምኡ ዝኣመሰለ ዘይምብላዕን ፡ዊንታ ስጋኻ ገቲእካ ፍቃድ ስጋኻ ንፍቃድ ነፍስኻ ምእዛዝ ማለት ኢዩ (ዳን.10፣2-3)።
ሓቀኛ ጾም
ሓቀኛ ጾም ዝብሃል ከመይ ዝበለ ኢዩ?
ጾም ካብ መግቢ ተፈሊኻ ምውዓል ጥራሕ ዘይኮነ ብጸሎትን፣ ምጽዋትን ካልእ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ዝተሰነየ ክኸዉን ኣለዎ /ማቴ.17፣21/ ማቴ.6/ ኣብ ግዜ ጾም ልሳና ካብ ክፉእ ምዝራብ፣ ኣእጋርና ናብ ናይ ሓጢኣት ቦታ ካብ ምኻድ ምኽልካል ... ኮታስ ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ነገር ክንእለ ይግብኣና።
ኣብ ግዜ ጾምና ናብ ቤት መቕደስ ምኻድን፣ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ምንባብን፣ ምምሃርን፣ ምስትምሃርን መንፈሳዊ ግዴታና ኢዩ /ነህ.9፣14/, /ኤር.36፣9-10 ጾም ብነብስን ብስጋን ክንጥቀመሉ እንተዄና ምስ ሓድሽ ሰብነት ማለት ብንስሓ ክንሕጸብ ኣለና፣ ነዚ ኪገልጽ ጎይታ ዓለም ክርስቶስ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ.9፣15-18/ ነህ.9፣2/ ንቅዱስ መንፈስ ኣብ ቅዱስ ሰብነት ክንዓቕሮ ይእዝዘና ኢዩ፣ ስለዚ ጾም ኣብ ዚኣትወሉ ግዜ ብንስሓ ሰብነትና ኣንጺህና ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ነገር ርሒቕና፣ ኩሉ ነገር እግዚኣብሔር ንዓና ዝገበሮ እንዳዘከርናን፣ እንዳስተንተናን ቅዱስ እዋን ከነሕልፍ ይግባእ።
ክንጸዉም ከለና ብሙግሩምራም ዘይኮነ ብደስታ እንዳተሓጎስና ክንጸዉም፣ ነብስና ንጾም ድልውቲ ጌርና ከነቕርባ ይግባእ /ዘካ.8፣18/ ኢሳ 58፥3-12 ገላ 5፥22-25፣ መናፍቃን ኣብ ልዕሊ ጾም ዘለዎም ተቃውሞ ሕቶ፡- “ንሰብ ዘርክሶ ካብ ኣፍ ዝወጽእ ደኣ እምበር ናብ ኣፍ ዝኣቱ ኣየርክሶን እዩ፡፡”
(ማቴ 15፡11) መልሲ፦ እዚ ዝበሎ ብዛዕባ ኢድካ ከይተሓጸብካ ምብላዕ ዝምልከት ደኣ እምበር ብዛዕባ ጾም ኣይኮነን። ሽዑ ዝሓተትዎ እውን ብዛዕባ ጾም ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ተሓጺብካ ምብላዕን ከይተሓጸብካ ምብላዕን እዩ፡፡
ከም ስርዓት ኣይሁድ ‹ከይተሓጸብካ ምብላዕ የርክስ እዩ› ኢሎም ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፡ ሽዑ ነቲ ጐይታ ዝሃቦም መልሲ ከምዚ ሎሚ ንጾም ዝቃወሙ ሰባት ብዝተረድኡሉ መንገዲ ስለ ዝተረድእዎ ተዓንቂፎምሉ እዮም፡፡ እዚ ግና ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ‹ፊደል ይቐትል መንፈስ ህያው ይገብር› ዝበሎ እዩ እምበር፡ ኣስተውዒልና ብምሉእ ልብና ነቲ ሓሳብ እንተ ኣንቢብናዮ ባዕሉ ጐይታ’ውን ክምልስ ከሎ “ብዘይተሓጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን እዩ” ብምባል እቲ ዝተላዕለ ሕቶ ብዛዕባ ጾም ከምዘይኮነ ብንጹር ገሊጽዎ እዩ፡፡ (ማቴ 15፡16-20)
ጾም ኣርብዓ
ጾም ኣርብዓ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ከይዱ ብዮሓንስ ምጥማቑ ከይወዓለ ከይሓደረ ኣብ ገዳመ ቆሮንጦስ ብምኻድ ዝጸሞ ጾም እዩ (ማቴ 4፣2)። ዓቢይ ጾም መበሊኡ፡ካብ ኩሎም ኣጽዋማት እቲ ዝዓበየ፡ ባዕሉ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸሞ ጾም ብምዃኑ፡ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾመን መዓልታት ኣርብዓ ብምዃነን ድማ ካብዚ ተበጊሳ ቅድስት ቤተክርስቲያን ነዚ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየስሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ጸሞ “ዓቢይ ጾም ወይ ድማ ኣርብዓ ጾም” እንዳ በለት ትጽውዖ።
ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጾምን ፈተንኡን(ማቴ 4፣1-12 )
ብድሕርዚ መንፈስ ቅዱስ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዲያብሎስ ክፍተን ናብ በረኻ ወሰዶ።
መንፈስ ናብ በረኻ ወሰዶ ክብል ከሎ ቅዱስ ወንጌላዊ ማቴዎስ ብግዴታ ከይዱ ንምባል ዘይኮነስ እንተኾነ ግን ሓሳቡ ፍቓዱ እዩ። ንኣብነት ጸሙን ፈተንኡን ምስ ፈጸመ “ጎይታ ኢየሱስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብ ገሊላ ተመልሰ” ከም ዝበለ ሉቃስ ወንጌላዊ (ሉቃ 4፣14)። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክፍተን ኢሉ ናብ ገዳመ ቆሮንጦስ ኣይከደን እንተኾነ ኣብቲ ቦታ ከይዱ ምስ ጾመ ምፍታኑ ስለዘይተረፎን ስለ ዝተፈተነን ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ክጽሕፍ ከሎ፦ “ብዲያብሎስ ክፍተን” ኢሉ ጸሓፈ። ናብ ገዳም ምኻዱ’ኸ ስለምንታይ እዩ እንተበልና ድማ ኣብ ገዳም ጾም ንወጣንያን ዝቐለለ እዩ። ንፍጹማን ግና ዝበርትዐ እዩ። ስለዚ ንኹሉ ኣብነት ክኸውን ኢሉ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ገዳም ከይዱ ጾመ፡ ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጸሓፎ ድማ ንዓና ኣርኣያ ኮነና፡ በቲ ዝኸዶን ዝሓለፎን ክንሓልፍ ከኣ ናትና ግዴታ እዩ(1ጴጥ 2፡21)።
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ፈተና ደልይዎ ኣይከደን፡ “ነቲ ፈታኒ ሓይሉ ከጥፍእ ደልዩ እምበር ክፈተን ደልዩ ኣይኮነን’’ ከም ዝበለ ቅዱስ ሳዊሮስ ዘኣንጾኪያ ኣብ (ሃይማኖት ኣበው 85፡25)።
ብፍቓዱ እውን ነቲ ፈተና ኣለዓዒሉ ኣየምጽኦን፡ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፈተነታት ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸሙ ብፍቓዱ ኣየለዓዓሎምን፡ ብታህዋኾም ድኣ ብሓይሊ እቲ ምስ ስጋ ዝተወሃሃደ ቃል ጠፍኡ ከም ዝበለ ቅድስ ሳዊሮስ ዘኣንጾኪያ ኣብ (ሃይ.ኣብው 85፡14)።
ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከኣ ጾመ፦ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዝጾመሉ፡ ትሕት ኢሉ ናብ ሰላሳ ልዕል ኢሉ ካኣ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዘይጾመን እንተተባህለ በዚ ቀጺልና እንርእዮ መረዳእታ እዩ።
1) ኣቦና ኣዳም ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ ዝተዋህበቶ ክብሪ ስለዘጥፍአ ክብሪ ኣዳም ንምምላስ እዩ። እዚ ከኣ መለኮታዊ ቃል ሰብ ዝኾነሉ ቀንዲ ምስጢር እምበኣር እቲ ብምኽሪ ዲያብሎስ ካብ’ቲ ዝነበሮ ክብሪ ናብ ምድሪ ብስደት ዝመጸ ኣብ እግሪ ኣጋንንቲ ዝርገጽ ዝነበረ ኣዳም ካብ ዝወደቖ ንኸተንስእ፡ ንሞቱ ብሞቱ ንኽስዕር ስለ ዝኾነ፡ በዚ ዕለት እዚ ከኣ እታ ብኣርባዓ መዓልቲ ዝረኸብካያ ውልድነት ክመልሰልካ መጺአ ኣለኹ ንኽብል ብዘይምርመር ጥበቡ ዝገበሮ እዩ።
2) ሊቀ ነቢያት ዝተሰምየ ቅዱስ ሙሴ ንእስራኤላውያን መሪሑ ካብቲ መሪር ባርነት ናይ ንጉስ ፎርኦን ባሕሪ ኤርትራ ኣሳጊሩ ኣብ ሲና ምስ በጽሐ ቅዱስ እግዚኣብሔር ንነቢይ ሙሴ ዓሰርተ ትእዛዛት ክቕበል ናብቲ ጎቦ ክወጽእ ኣብ ዝኣዘዞ ግዜ ነቢይ ሙሴ ኣብቲ ጎቦ ናይ ሲና ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን መግቢ ከይበልዐ ማይ ክሰተየ ተቐመጠ። ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾይሙ ሕጊ
ኦሪት ማለት ዓሰርተ ትእዛዛት ኦሪት ተቐበለ (ዘጸ 24፡12-18, 31፡18, ዘዳ 10፡9)። ክርስቶስ ኣምላኻና ከኣ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾይሙ ሕጊ ወንጌል ሰርዓልና።
3. ነቢይ ሙሴ ዝለኣኾም 12 ሰለይቲ ምድረ ርስቲ ሰልዮም ኣብ ኣርብዓ መዓልቶም ተመልሱ (ዘሁ 13፡25)። ክርስቶስ ድማ ናይ መንግስተ ሰማያት መራሒ ስለ ዝኾነ፣ ኣርባዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ጾመ። ስርሑ ብጾም ጀመረ፡ ከመይ ብልዒ ናይ ተግባር ሓጢኣት መሰረት ከምዝኾነ፡ ጾም ድማ ናይ ሰናይ ተግባር መሰረት ኢዩ። “እስመ ጾም እማ ለጸሎት ወእሕታ ለኣርምሞ ወነቅዐ ለኣንብዕ ወጥንተ ኩሉ ገድል ሰናይት” ይብል መጽሓፈ መነኮሳት።
ብድሕሪዚ ጠመየ ጠመየ ማለቱ ፍጹም ሰብ ከምዝኾነ፡ ባህሪ ሰብ ከም ዝተወሃሃደ ንምግላጽ እዩ፡ ከምኡ ከኣ እቲ ፈታኒ (ዲያብሎስ) መገዲ ንምሃብ እዩ። ብድሕርዚ እምበኣር እቲ ፈታኒ ናብ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቀሪቡ ነዘን ቀጺልና እንርእየን ሰለስተ ዓበይቲ ሓጢኣት (ኣርእስተ ሓጣውእ) ፈተኖ። ዝፈተኖ ፈተናን ዝተዋህቦ ኣምላኻዊ ምላሽን እዚ ዝስዕብ ኢዩ፦
1) ወዲ እግዚኣብሔር እንተኾንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል በሎ (ማቴ 4፣፡3, ሉቃ 4፡3)። ኣብ ግዜ ጥምቀት ናይ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህሪ ኣብኡ (እግዚኣብሔር ኣቦ) ንሱ ብተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ምዃኑ መስኪርሉ እዩ። ከመይ ብህልውንኡ ምስ ናይ ባህርይ ኣብኡ ኣብ ምስ ባህርይ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ ህሉው ኮይኑ ዝነብር ወልደ እግዚኣብሔር፡ ንሱ እቲ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ፣ ስጉው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ድኣ እምበር ካልእ ኣይኮነን። እቲ ኣቐዲሙ
ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቂሳርያ “ንስኻ ወዲ ህያው እግዚኣብሔር ኢኻ”(ማቴ 16፡15) ኢሉ ዝመስከረሉ፡ ደጊሙ ባዕሉ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ክብል ዝሰምዐ ሰይጣን እምበኣር “ወዲ ኣምላኽ እንተ ኴንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል”። ከምቲ ንኣዳም ብብልዒ ምኽንያት ዘስሓቶ፡ ጠምዩ ኣሎ እሞ ሕብስ ርእዩ እንተሰሓተ ብምባል እዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ቃል ኩሉ ድኣ እምበር ብእንጌራ ጥራሕ ኣይነብርን እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ኢሉ” መለሰሉ(ማቴ 4፡4, ዘዳ 8፣3) ንሰብ እንስሳዊ ባህርን፡ መንፈሳዊ ባህርን ኣለዎ። እንስሳዊ ባህርኡ፡ ካብ መግቢ እንተ ተኸልከለ ኣብ ሞት ይበጽሕ። መንፈሳዊ ባህርኡ ድማ ካብ ቃል እግዚኣብሔር እንተ ተኸልከለ ናብ ሞተ ነፍሲ ይበጽሕ፣ ከመይ ቃል እግዚኣብሔር መንፈሳዊ መግቢ እዩ።
2)ድሕርዚ ዲያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ከተማ ወሰዶ እሞ ኣብ ገምገም ቤተ መቅደስ ደው ኣበሎ “ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ኾንካስ ካብዚ ዘሊልካ ንታሕቲ ተወርወር (ጽደፍ)” በሎ። ዲያብሎስ ዘሊልካ ጽደፍ ዝበሎ ሓይሉ ንምግምጋም እዩ። ድኹም ሰብ እንተኾይኑ ክስበር እዩ፡ ሓያል ሰብ እንተኾይኑ ካኣ ኣይስበርን እዩ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሱ እዩ ከምኡ ክብል ዝተራእየ። መሊሱ ዲያብሎስ ንዘረብኡ መራብሒ ወይ ድማ መራጎዲ ዝኾኖ “ምኽንያቱ ኣብ ኩሉ መገድኻ ክሕልዉኻ እግርኻ ብእምኒ ከይትዕንቀፍ’ውን በእዳዎም ከልዕሉኻ ንመላእኽቱ ክእዝዘልካ እዩ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ክብል እዩ ተዛሪቡ (ማቴ 4፡5-6, ሉቃ 4፡9-11, መዝ 90፡11-12)። ብድሕርዚ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ በሎ (ማቴ 4፡7, ሉቃ 4፡12, ዘዳ 6፡16)።
3. ዲያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ እምባ ወሰዶ፡ መንግስታት ኩሉ ዓለምን ኩሉ ንብረቱን ድማ ኣርኣዮ። ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና ሓደ ነገር ኣሎ ንሱ ከኣ ዲያብሎስ ድኣ ንባዕሉ መሰሎ እምበር ጎይታስ ኩሉ ተለዊጡ መሲሉ ኣይረኣዮን።
ሰይጣን ደፋር ስለ ዝኾነ “ተደፊእካ እንተ ሰገድካለይ ኢድ እውን እንተ ነሲእካለይ እዚ ኩሉ ክህበካ እየ” በሎ። ድሕር’ዚ እቲ ሓያል ኣምላኽ ከምዚ እንዳ በለ ተዛረቦ፣ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገድ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣምልኽ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ’ሞ ኪድ ሰይጣን ካባይ ርሓቕ” በሎ።
ሰይጣን “እንተ ሰገድካለይ” ስለ ዝበሎ “ኪድ ካባይ ርሓቕ” በሎ፣ “ደድሕረይ ካብ ዝስዕቡ ምእመናን ርሓቕ ንምባል እውን እዩ “ኪድ ሰይጣን ካባይ ርሓቕ” ዝበለ።
ኣብዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና፣ ወንጌላወያን ድማ ዝጸሓፍዎ፣ “ናብ ኣዝዩ ነዊሕእምባ ወሰዶ” ዝብል ቃል፡ ሓሳብ ሰይጣን ንምርኣይ እዩ እምበር እቲ ንኹሉ ዘቕውም ሓያል ኣምላኽ ተገዲዱ ኣይኮነን።
ሰለስተ ኣርእስተ ሓጣውእ ዝበሃሉ እምበኣር፦
1. ስስዐ፣ ዘይተዋህበካ ምድላይ እዩ።
2. ትዕቢት፣ኣምላኽነት ምድላይ እዩ።
3. ፍቕሪ ገንዘብ፣ ይኣኽለኒ ዘይምባል እዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ሰለስተ ኣርስተ ሓጣውእ ተፈቲኑ ንጸላኢና ዲያብሎስ ስዒሩልና እዩ።
ሀ. መነኮሳት ዝደለይዎ ስለ ዘይረኸቡ፡ ጸሮም(ስምዒት) ስስዐ እዩ። ኣብ ገዳም (በረኻ )፡ ዲያብሎስ ብስስዕቲ እንተመጸ ብትዕግስቲ ስዒርሎም እዩ።
ለ. ካህናት ኣእምሮና ዓሚቊ ረቂቕ፣ ማዕርግና ልዑል ምጡቕ’ዩ ብምባል ስለ ዝዕበዩ ጸሮም ትዕቢት እዩ። ኣብ ቤተ መቅደስ ብትዕቢት እንተፈተኖ ብሕትና ስዒርሎም እዩ።
ሐ. ነገስታት ጸሮም ፍቕሪ ገንዘብን ስልጣንን እዩ። ስለ ዝኾነ ኣብ እምባ ብፍቕሪ ገንዘብ እንተ ፈተኖ፣ ገንዘብ ብምጽላእ ስዒርሎም እዩ። “እዛ ምትላል እዚ’ኣ ንኣዳም ናብ መሬት ከም ዝምለስ ዝገበረቶ እያ፡ ናብ ኣምላኽ ናብቲ ንኹሉ ወሃቢ ሲሳይ ምስ በጽሐ ግና ሰይጣን ሓፊሩን ተሳዒሩን ተመልሰ ይብል ሳዊሮስ ዘኣንጾኪያ (ሃይ.ኣበው 85፡35)።
4. ድሕሪዚ ዲያብሎስ ሓደጎ
ሉቃስ ወንጌላዊ ግና “ሽዑ ዲያብሎስ ፈተንኡ ዘበለ ምስ ወድአ ንጊዚኡ ሓደጎ” (ሉቃ 4፡13) ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። እዚ ማለቱ ዳሕራይ ኣብ ልቢ ይሁዳን ኣይሁድን ሓዲሩ ክሳዕ ዘስቅሎ ንጊዜኡ ሓደጎ በለ።
5.እንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ ነዚ ቃል እዚ ዝረኣየን ዘንበበን ሰብ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ’ዶ ኣይኮነን፡ ቅድሚኡ’ኸ መላእኽቲ ኣየገልግልዎን ድዮም ነይሮም ክብል ይኽእል ይኸውን። እዚ ግን እቶም ፍጡራቱ ዝኾኑ ቅዱሳን መላእኽቱ ቅድሚኡ ዘይገልግልዎ ነይሮም ዘይኮነስ፡ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ ምባሉ፦
1. “ሓይሊ ምስጋና ይግባኣካ እዩ” ክብሉ እዮም እምበር ኣይገልግልዎን ነሮም ዘስምዕ ኣይኮነን።
2. በቲ ሓደ ወገን ከኣ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ ማለቱ ዲያብሎስ ምስ መላእኽቱ ኮይኑ ስዒሩኒ እምበር ኣይምሰዓረንን ንኸይብል እዩ።
ምሳሌ ሓደ ዓቢይ ንጉስን ንእሽቶ ንጉስን ሓደ ዓቢይን ንእሽቶን ንጉስ ንዂናት ተሰለፉ። እቲ ዓቢይ ንጉስ ነቲ ካብኡ ዝትሕት ንጉስ “ህዝቢ ካብ ዝሓልቕ ንሓድሕድና ንግጠም” በሎ እሞ ገጠሙ። ዓቢይ ንጉስ ነቲ ንእሽተይ ንጉስ ሰዓሮ። ኩሉ ንብረቱ እውን ማረኾ። ድሕሪ’ዚ ዓቢይ ንጉስ ስዒሩ ክምለስ ከሎ፣ ሰራዊቱ ብሓጎስን ብዕልልታን ተቐበልዎ ይብል ቅዱስ ኤጲፋንዮስ (ሃይ.ኣበው 55፡13) ስለዚ ክርስቶስ በይኑ ንዲያብሎስ ስለ ዝሰዓሮ እንሆ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ በለ።
3. ንስኻትኩም’ውን ብትዕግስቲ እንተ ሰዓርኩም መላእኽቲ ክግለጽልኩም እዮም ንምባል ንኣብነት እዩ።
ታሪኽ፥ ሓደ ባሕታዊ ካብ በዓቱ ከይወጽእ መብጽዓ ነበሮ። ኣብ በዓቱ ክነብር ከሎ ሰይጣን መጺኡ ንጉስ ይጽውዓካ ኣሎ በሎ “ንሱ ድማ ብዘይካ ጎይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉስ የብለይን” በሎ እሞ እቲ ሰይጣን ኣብ ዓለም ተቐሚጥካስ ንጉስ የብለይን ትብል ኢሉ ብዝሓዞ በትሪ ቀጥቂጥዎ ከደ። ብድሕር’ዚ መልኣከ ዑቃቤ/ሓላዊ መልኣኽ ተገልጸሉ እሞ መን ኢኻ በሎ። ንሱ ድማ ኣነ ሓላዊኻ መልኣኽ እየ፣ ክሳዕ ሕጂ ድኣ ኣበይ ኔርካ እንተበሎ፡ ሕጂ እውን ስለ ዝተዓገስካ’የ ዝተገለጽኩልካ በሎ።
ጾመ ሕርቃል
ጾም ግዚኡን ንውሓቱን ይፈላለ እምበር እግዚኣብሔር ዝሰርዓልና ቅዱሳን ኣቦታት እንዳ ፈጸምዎን እንዳ ኣርኣዩናን ዝሓለፉን ዘለዉን፡ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ መግለጺ፡ ንሓጢኣትና መደምሲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መጻርርትና ዝኾነ ዲያብሎስ ድማ ዓወት እንረኽበሉ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ኣጽዋር ኣምላኽ እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ቅድስት ቤተክርስቲያና፣ ኩሉ ግዜ ብዘይ ምቁራጽ ክንጸሞሎም ዘሎና ግዝያት ብፍላይ ከኣ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እትሕብረና። ሓደ ካብቲ ብኣዋጅ ዝንገረና ቀዳማይ ሰሙን ናይ ጾም ኣርብዓ ዝኾነ ከኣ ጾመሕርቃል ኢልና እንጾሞ ጾም እዩ። ናይ ውልቂ ኮነ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረናን፡ ቤተክርስቲያን እትምህረናን ንኽንጸድቕ ኢልና ኢና እንጸሞም። እዚ ጾመ ሕርቃል ድማ ክንዮ መንፈሳዊ ጸጋን ጽድቅን፣ ከምቲ ሰባት ካብ ዘይምስትውዓል ዝብልዎ ፡“ንጉስ ዝጾሞ እዩ” እና ተባህለ ብሸለልትነት ዝሕለፍ ዘይኮነስ ብስጋን ብነፍስን ዘርብሓናን ቤተክርስቲያና እትእዝዞን ምዃኑ ፈሊጥና ብፍጹም ትሕትና ክንጸውም፣ ብጾም ዝርከብ ጸጋ ተኻፈልቲ መታን ክንከውን ሃረር ክንብል ይግባኣና። ታሪኽ ቤተክርስቲያን ከምዝሕብረና፡ ቅዱስ መስቀል ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ብጸረ መስቀል ዝኾኑ ኣይሁድ ንልዕሊ 200 ዓመታት ዝኸውን ተቀቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር። እንተኾነ “ቤተክርስቲያን ይተዓጾ ቤት ጣዖታት ይከፈቱ” ዝብል ዝነበረ ናይ ዓላውያን ነገስታት ኣዋጅ ሓሊፉ፡ ብኣንጻሩ “ቤት ጣዖታት ይተዓጸዉ፡ ቤተክርስቲያን ይከፈቱ” ዝብል ኣዋጅ ዝሓዘ ሰላማዊ ንጉስ ቆስጠንጢኖስ መጸ። በዚ ግዜ እዚ እዩ ከኣ እቲ ንብዙሕ ግዜ ተቐቢሩ ዝነበረ ቅዱስ መስቀል ብመሪሕነት ንግስቲ ኢሌኒ ካብቲ ተቐቢርዎ ዝነበረ ተዃዒቱ ዝወጸ ብድሕሪዚ ግን መቐጸልታ ናይቲ ብዙሕ ግዜ ንኢዮሩሳሌም እና ወረሩ ዘዕንውዋ ዝነበሩ ነገስታት ፋርስ፡ ከም ልማዶም፡ ከስሮኤስ ዝተባህለ ንጉስ ፋርስ ንግብጺ ወሪሩ ክምለስ ከሎ ናብ ኢዮሩሳሌም ኣትዮ ብዙሕ ሃብትን ንብረትን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባትን ማሪኹ ናብ ዓዱ ናብ ፋርስ ከደ። ምስቲ ማሪኽዎ ዝኸደ ብሩርን ወርቅን ከኣ ነቲ ቅዱስ መስቀል ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፣ ዝፈርስ ኣፍሪሱ ዝስበር ሰቢሩ፡ ሒዝዎ ከደ። ብናጽነት ክነብሩ ዝጸንሑ ህዝቢ ኢዮሩሳሌምን ከባቢኣን፡ ቅዱስ መስቀል፡ ኣቐዲሙ ካብ ዝተቐበሮ ብምውጽኡ ክሕጎሱ እኳ እንተጸንሑ መጠን እቲ ዝተሓጎስዎ ድማ ኣዝዮም ጓሃዩ። ቅዱስ መስቀል ኣብ ፋርሳውያን ብምውዳቑ ድማ ልቦም ብጓሂ መልአ፡ ኣምሪሮም ከኣ ናብቲ ልዑል ኣምላኽ ጸለዩ። ኣብዚ ሰዓት እዚ እዩ ከኣ ንንጉስ ሕርቃል ዘነቓቅሖ ንጉስ ሕርቃል መስቀል ከም ዝተማረኸ ምስ ሰምዐ ንኹሎም ክርስቲያን መልእኽቲ ልኢኹ ብጸሎት ክሕግዝዎ፡ ጾም ኣወጀ። ነቲ ቅዱስ መስቀል ካብ ምርኮ ንምምላስ ከኣ ሱባኤ ኣተወ። ንእግዚኣብሔር ብጾምን ጸሎትን ተማዕቊቡ ድማ መገዱ ናብ ፋርስ ጀመረ። ከምቲ እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ተዋጊኡ ካብ ጸላእቶም ዘናገፎምን ዓወት ዝሃቦምን ንንጉስ ሕርቃል’ውን ኣብ ልዕሊ ፋርሳውያን ዓወት ሃቦ፡ ብሰላም ካብ ኲናት ተመለሰ ነቲ ቅዱስ መስቀል ከኣ ካብቲ ተማሪኽሉ ዝነበረ ሃገር መለሶ።
ሎሚ ኣብ ቅድስት ቤተርክርስቲያን ዝጽወም ጾም እምበኣር ንንጉስ ሕርቃል ዓወት ዝሃበ፡ ንጸረ መስቀል ዝኾኑ ሰባት ዝሰዓረሉ፣ ሎሚ’ውን እቶም ኩሉ ግዜ ጸረ መስቀል ኮይኖም ንጥፍኣትና ዝጽዕቱ ዘለዉ ኣጋንንቲ ካብ ዙርያና ከርሕቐልና፡ ሓይሊ ክህበና ኢልና ንእግዚኣብሔር እና ለመና እንጾሞ ጾም ኢዩ። ብኻልእ መገዲ ድማ እዘን ምስ ኣርብዓ ጾም ሓቢረን ዝጽወማ 15 መዓልታት ድምር ናይዘን ኣብ ኣርብዓ ጾም ዘለዋ ቀዳምን ሰንበትን እየን። ኣብ ውሽጢ እዚ ዓቢይ ጾም ሸሞንተ ቀዳምን ሸውዓተ ሰንበትን ኣለዋ። ቤተክርስቲያና ቅዳሴ ሰሪዓ ክሳዕ ናይ ምሸት(ሰርክ) እትጾመን 40መዓልታት እየን። እዚ ስለዝኾነ ከኣ ነዘን ኣርብዓ መዓልታት ንኽመልኣ ነተን 15 መዓልታት ናይ ቀዳምን ሰንበት ክውሰኻ ዝገበረት።
ሰናብቲ ዕቢይ ጾም
ኣብ ውሽጢ እዘን 55 ናይ ጾም መዓልታት ብጠቕላላ 8 ሰናብቲ ኣለዋ። ንሳተን ከኣ ነናተን ኣስማት ዝሓዛ ኮይነን እዘን ዝስዕባ እየን፥
1. ቀዳመይቲ ሰንበት-ዘወረደ
2. ካልኣይቲ ሰንበት – ቅድስት
3. ሣልሰይቲ ሰንበት – ምኵራብ
4. ራብዓይቲ ሰንበት – መጻጉዕ
5. ሓሙሸይቲ ሰንበት – ደብረዘይቲ (ፍርቂ ጾም)
6. ሻድሸይቲ ሰንበት – ገብርኄር
7. ሻብዓይቲ ሰንበት – ኒቆዲሞስ
8. ሻሙነይቲ ሰንበት – ሆሳዕና ይበሃሉ።
ናይ ዘን8 ሰናብቲ ከኣ ኣብዝቅጽል ክስደደና እዩ።
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ስብኃት ለእግዚኣብሔር ልዑል ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን

Comments
Post a Comment