ምኩራብ

 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን 

 3ይቲ ሰንበት ዓቢይ ጾም ምኵራብ


ምኵራብ



ምኩራብ ማለት፡ "ቤት ጸሎት" ቅዱስ ስፍራ "ሰብን እግዚኣብሔርን ዝራኸብሉ ቦታ፥ ክኸውን ከሎ ቅድሚ እታ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ቤተ ክርስትያን ምምስራታ ህዝቢ እግዚኣብሔር ስርዓተ ኣምልኾ ዝፍጽመሉ፡ ንእግዚኣብሔር ዘመስግንሉ ጸሎት ዘብጽሕሉ ቅዱስ ስፍራ እዩ ዝነበረ።      

      

ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ቀደም ዘመን ኦሪት “ኣብ ማእከልኩም መታን ክነብር መቕደስ ግበሩለይ” ኢሉ ዝኣዘዘ ኣምላኽ፡ ንሱ ባዕሉ እቲ ሰራዒ ሕጊ ምኻኑ ከፍልጥ፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ እንዳ ኣተወ፡ ይምህርን ሕሙማት ይፍውስን ነበረ። ዘፀ, 25-8።


ቅዱስ ያሬድ ነዛ ሰሙን ምኩራብ ኢሉ ዝሰመያ ቀንዲ ዕላማ፡ ጎይታናን ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ምኩራብ ኣይሁድ ከይዱ ከም ዝመሃረ ክነግር ስለዝደለየ እዩ። 


ጎይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ምኩራብ ኣይሁድ ኣትዩ፡ ቃለ ሃይማኖት፡ ቃለ ጽድቂ ማለት "ድሕነት ወዲ ሰብ" እዩ ዝምሃረ። “ምኩራብ” ማለት ቤተ መቅደስ እዩ። ኣብ ቤተ መቅደስ ከኣ፡ "ድሕነተ ሥጋን፡ ድሕነተ ነፍስን" ዝርከበላ ናይ እግዚኣብሔር ቤት እያ። 


ድሕነተ ሥጋ ኪብሃል እንከሎ፡ "ኣብ ቤተ መቕደስ ዕውራት፡ ሓንካሳት፡ ለምጻማት፡ ናብኡ መጹ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም" ይብለና። 


ድሕነተ ነፍስ፡ ድማ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ናይ ሥጋ ድሕነት ዝሃበ፡ ንሰይጣን ኣብ መስቀል ኣሲሩ፡ ንሲኦል፡ ብምዝማት፡ ብትንሣኤ ድሕነት ነፍሲ ሂቡና እዩ፡፡


ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ፡ ዅሎም ሰጎጎም፡ ጠረጴዛታት (ሰደቓ) መሸረፍትን፡ መናብር ሸየጥቲ ርግብን'ውን ገልበጠ።


 "ወይቤሎሙ ቤትየሰ፥ ቤተ ጸሎት ትሰመይ፡ ወኣንትሙሰ

     ረሰይክምዎ በዓተ ፈያት ወሰረቅት" 


 "ቤተይ ቤተ ጸሎት ኪብሃል እዩ፡ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ሽቀጥትን፡ ገበርኩምዎ" በሎም። 


መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ንሱ እቲ ቅድም ብኣፍ ነብያት፡ ዝተዛረበ፡ ምስ ኣብን፡ መንፈስ ቅዱስን፡ ብምፍጣር ዓለም ህልው ዝኮነ፡ ክብሪ ናይ'ታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን (ቤተ ጸሎት) ንኪምህረና ስለዝደለየ፡ከምቲ ብኣፍ ነቢይ ኢሳይያስ፥


“ቤተይሲ ንኹሎም ኣሕዛብ ቤት ጸሎት ተባሂሉ ኪስመ እዩ" ዝበለ፡ ኣብ ምኩራበ ኣይሁድ (ቤተ ጸሎት) ተረኪቡ፡ ውን ልክዕ ቤተይ ቤተ ጸሎት እዩ፡ ንስኻትኩም ግና ኣሕሰርክምዎ፡ ቤት ሓጢኣት፡ ቤት ሸቀጥ፡ በዓቲ ጉሓሉ ገበርክምዎ፡ ብምባል ንቤቱ ዘለዎ ክብሪ እዩ ዝገለጸልና፡፡ ኢሳ, 57-7።


ስለዚ ንክርስቶስ ከም ጎይታ እትቅበል፡ ብስም ክርስቶስ መድኃኒና ውን እትእከብ ማሕበር፡ ግና ነታ ክርስቶስ ዝቀደሳ፡ ጸላእታ ዘርሓቀላ ቤተ ክርስቲያን ግና ዘይትቅበል እምነት፡ ብሓቂ ቅንዕቲ መንገዲ ዶ ንብላ፧


ደጊሙውን ብኣፍ ነብይ ኤርምያስ፡ “እዛ ብስመይ ዝተሰምየት ቤተይዶ በዓቲ ጎሓሉት መሲላትኩም እያ፡ 

እንሆ እቲ እትገብርዎ ዘሎኹም ኩሉ ባዕለይ ርእየዮ እየ ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኩ" በለ። ኤር, 7-10።


ንሱ እቲ ኣብ እምባ ሲና ሕጊ ዝሃበና ኣምላኽ፡ ንቤቱ ዘለና ሓሳብ፡ ኪዓቢን፡ ቤቱ ምኳና ብፍርሃትን፡ ብንጽሕናን ንበረክት ሥጋን፡ ንበረከት ነፍስን ኣዚና ኪነኽብራ ከም ዘለና፡ ንክምህረና፡ እዩ፡ እምበኣር "ቤተይ ቤት ጸሎት እዩ” ዝበለና፡ ስለዚ እያ ድማ እታ ንሕጊ ኦሪትን ነቢያትን፡ ዝተቀበለት ቤተ ክርስቲያን፡ ንቤተ መቅደስ ሰሎሞን፡ ድማ እትቅበላ፡ ንዘልዓለም ናይ ድሕነትና መርከብ ስለዝኮነት ድማ ቤተ ክርስቲያን ኢላ ብስም ክርስቶስ ትጽውዓ፡፡


"ቤተይሲ ንኹሎም ኣሕዛብ ቤተ ጸሎት ተባሂሉ ኪስመ እዩ" ኢሳ, 57-7።


 ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት መቅደስ ዝነግድዎ ካብ ዝነበሩ ዘርሓቆ፡ ሰለስተ ነገራት ኣሎው፡ ንሳቶም ድማ፡

           • እንሳሳታት፡

           • ገንዘብ፡ ወርቂ፡

           • መንበር ዓመጽትን እዮም።

እዚኣቶም ምስ ሕይወትና ከመይ እዮም ዝተኣሳሰሩ ወይ እንታይ ኢና ነስተንትንን ንርዳእን፧ 


መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ልዕሊ ኩሉ ዝምህረና፡ ኪንእከብን ብስሙ ኪንጽልን፡ ኣብዚ ቤት ክንህሉ ከም ዘለና፡ ቤት ኣቦና፡ ቤት ኣምላኽና፡ ምኳኑ እዩ ዘረደኣና፡ ስለዚ ኣብ ትሕቲ ዝኮነ ኩነታት፡ ሰባት ምኽንያት ጌርና፡ ካብዚ ቤት እዚ ኪንወጽእን፡ እዚ ቤት እዚ ከምቲ ፈሪሳውያን፡ ቤት ሸቀጥ ዝገበርዎ፡ ንሕና ድማ ንሥጋዊ ረብሓን፡ፕ ንተድላ ገዛእ ርእስናን፡ ምንጪ እቶት ውልቅናን ኪንገብሮ ብፍጹም ኣይግባእን፡፡ ንከምኡ ዓላማ ንዝቐርቡ ውን ኪነለልዮምን፡ ከምቲ ጎይታና ዝገሰጾም፡ ኪንግስጾምን ንቤቱ ዘለና ቅንኢ ክነርኢ ይግባእ።


ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት መቅደስ ዝነግድዎ ካብ ዝነበሩ ዘርሓቆ፡ ሰለስተ ነገራት ኣሎው፡ ንሳቶም ድማ፡

                 • እንሳሳታት፡

                 • ገንዘብ፡(ወርቂ)

                 • መንበር ዓመጽቲ እዮም። 

ካብዚ ብዙሕ እንርድኦ ነገር ኣሎ፡ ከም ኣብነት ምስ እንርኢ


1, እንስሳታት

ጎይታና ንእንስሳታት ካብቲ ቤት መቅደስ ጨርጊፉ ኣርሓቆም እዚኣቶም ብእንስሳ ዝተመሰሉ ግብሪ ሰብ ዘይብሎም ተማላለስቲ እዮም፡ ንሳቶም ናብ ቤት ኣምላኽ፡ ዓሌታውነት፥ ወገንነት፡ ሻራ፡ ሽርሕን ጉርሕን፡ ፖሎቲካን፡ ምፍልላይን፡ ምጽብጻብ ወሎዶን ዘምጽኡ፡ ድኹማት ንቤት ኣምላኽ ገና ብግቡእ ዘይተረዱኡ፡ ድንቁርና ውን ዘየጥፉኡ ዓይሹ እዮም።


2, ገንዘብ (ወርቂ) 

ገንዘብ ሱር ኩሉ ክፍኣት እዩ፡ ከም ዝተባህለ ብሰንኪ ረብሓ ምድላይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሽግር ወዲቓ ከም ዘላ ነዚ ጠንቂ ንምርሓቅ፡ ጎይታና ካብ ቤት መቅደስ ኣርሒቁ፡ ብገንዘብ ዘይትመን ጸጋታት መንፈስ ቅዱስ ሃባ። ስለዚ ነፍስ ወከፍ ምእመን፡ ንቤተ ክርስቲያን ጉቡኡ ኪህብን፡ ንዘለዋ ገንዘብን ሃብትን ድማ፡ ምንጪ ምፍልላይን ዕግርግርን ከይከውን ብዝግባእ ኪካየድ ከም ዘለዎ ምግባር ሓላፍነት ኣሎዎ፡ ምክንያቱ ብገንዘብ ምክንያት ቤተ ክርስትያን ሰላም ሲኢና ኣላ።


3, መንበር, (ሰደቓ)

መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ቤት መቅደስ፡ መንበር ዓመጽቲ ገልበጠ ይብለና፡ እዚ መንፈሳዊ መልእኽቱ እንታይ እዩ፧ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ስልጣን ወይ ሓላፍነት ብግቡእ ምስ ዘይትጥቀመሉ፡ ዕንወትን ምፍልላይን ስለዘኸትል፡ 

ሰብ ንስልጣን ዘይኮነ ንኣገልግሎት ክነብር ከም ዝግባእ ንምምሃር መንበር እቶም ዓመጽቲ ገልበጠ።


ወገናተይ ኩልና ንኣሽቱን ዓበይትን፡ መራሕትን ተመራሕትን ከምቲ ቅዱሳን ሐዋርያት ንመድኃኒና “ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ይዓቢ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ ጎይታና ድማ፡ 


"እቲ ኸምዚ ሕፃን እዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ካብ ኩሉ ዝዓቢ” በሎም፡፡


ንሕና ድማ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓበይቲ ክንብሃል ርእስና ከነትሕት፡ ዕቤትና ንኻልኦት ብምግልጋልን፡ ናይ ሰላም ኣመሳደራት፡ ብምዃን፡ ንሓሳብ ጽድቒ ክንመላስን፡ እምበር ኣብ ምድሪ፡ ዓበይቲ፡ መራሕቲ፡ ሊቃውንቲ፡ ኣመሓደርቲ፡ ህቡባት፡ ክንብሃል ኣይንሕሰብ እዚ ሓሳብ ምድሪ እዩ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኪተርፍ'ዩ። እቲ ዘንብብ፡ የስተውዕል።

ስለዚ ካብዞም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምኩራብ ዘውጽኦም ነገራት ጠቅሊልና፡ ኪንርሕን ኪንሕሎን እግባእ፡


ከምኡ'ውን ነቲ ቤት መቅደስ ኣምላኽ ዝኮነ ሰብነትና፡ ንምቅዳስ፡ ከም ፍቃዱ፡ ንድሕነት ነፍስናን፡ ንበረከትን ክንመላለስን እግባእ። እግዚኣብሔር ዝሰምዕ ዓይነ ልቦና ይሃበና፡ ፈዋሴ ድውያን ህያው መድኃኔ ዓለም ብምሕረቱ ይፈውሰና ኣሜን!


                     

ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==



ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና