ቅድስት

 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ አሜን!


2ይ_ሰሙን_ጾመ_40_ዓብይ_ጾመ ቅድስት




ካልአይቲ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም “ቅድስት” ተባሂላ ትጽዋዕ። በዛ ሰንበት እዚኣ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ኣብ ጾመ ድጓ፦ “ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ/ እዛ ዕለት’ዚኣ ቅድስቲ እያ”፣ “ሰንበትየ ቅድስትየ እንተ አዕረፍኩ/ ዘዕረፍኩላ ዕለት ሰንበት ቅድስት እያ”፣ “ቅዱሳን ኩኑ እስመ አነሂ ቅዱስ አነ/ ኣነ ቅዱስ ከምዝኾንኩ ቅዱሳን ኩኑ”፣ “አብ ቀደሳ ለሰንበት/ አብ ንሰንበት ኣኽበራን ቀደሳን” . . . እናበለ ብዛዕባ ቅድስና ሰንበት ይዝመር።


ቅዱስ ያሬድ ኣብዛ ዕለት ክዝመር ካብ ዝደረሶም ድርሰታት፡ “ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ፡ ሀቡ ስብሐተ ለስሙ አክብሩ ሰንበተ ተገበሩ ጽድቀ፡ ዝግቡ ለክሙ መዝገበ ዘበሰማያት ኀበ ፃፄ ኢያማስኖ ወኢይረክቦ ሰራቂ፡ ድልዋኒክሙ ንበሩ፡ ዘበላዕሉ ሐልዩ ኀበ ሀሎ ክርስቶስ” ዝብል እዩ።


ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና’ውን ነዛ ዕለት ምኽንያት ገይራ፡ በቶም ኣብዛ ዕለት ብፍላይ ከኣ ኣብ ጊዜ ጸሎተ ቅዳሴ ዝንበቡ መልእኽታት፣ ምስባክ፣ ግብረ ሓዋርያትን ወንጌልን ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔር፣ እግዚአብሔር ንዕለተ ሰንበት ኣብ ብሉይ ኮነ ሓዲስ ዝባረኻን ዝቀደሳን ዕለት ምዃናን ከምኡ’ውን እግዚአብሔር ቅዱስ ከም ዝኾነ፡ እቲ ፍጡሩ ሰብ ድማ ቅድስና ክኅዝ ከም ዝግብኦ ተተሓሳስብ። 


‘ቅዱስ’ ተባሂሉ ዝምስገን ምንጪ ቅድስና ዝኾነ፡ቅድስና ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ንቅዱሳን ዝቅድስ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናተባህለ ዝቕደስን ዝሥለስን ሓደ እግዚአብሔር እዩ። (ኢሳ. 6፡1-10 ኢሳ. 40፡25)

ስሙ ቅዱስ ዝኾነ ፈጣሪ ብቅድስናኡ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይቅድስ እዩ። (ዘፀ. 28፡46) ነቲ ስሙ ዝጽወዓሉ ሠናይ ቃሉ ዝንገረሉ ሥጋኡን ደሙን ዝፍተተሉ ቤቱ ይቕድስ። (ዘፀ. 3፡5፣ ኢያ. 6፡9) ነቶም ዘሥመርዎ ይቕድስ። ከምቲ ጐይታ “ብሓቂ ቀድሶም” ዝበለ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን’ውን ኵሉ ጊዜ ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ እምነቶም ጸኒዖምን ትእዛዛቱ ሓልዮምን ቅዱሳን ንክኾኑ ትምህር። (ዘሌ. 19፡19)


ነታ ዕለተ ዕረፍት ዕለተ ኣምልኾ ዝኾነት ሰንበት ድማ ዝቐደሳ ንሱ እዩ። (ዘፍ. 2፡3) ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ነዛ ዝተቐደሰት ዕለተ ሰንበት ብመዝሙር፡ ቅዳሴ፡ መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ንዝተኣስሩ ብምብጻሕ፡ ንድኻታት ንምምጽዋት፡ ንዝተጻልኡ ብምዕራቕ . . . ከነኽብራ ቤተ ክርስቲያን ትእዝዘና። ‘መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር’ ከምዝበለ ዕለተ ሰንበት ንእግዚአብሔር ሂብና በዛ መዓልቲ ንሱ ዝገበረልና ምሕረት እናሓሰብና ከነመስግን፡ ብመንፈስ እንዓብየሉ ቅዱስን ሠናይን ክንሠርሕ ይግብኣና። 

ካብቲ ብዕለተ ሰንበት ዝወሃብ በረኸት ተሳተፍቲ ንምዃን የብቅዓና እግዝኣብሔር ኣምላክና ኣሜን። 

  ንስሓ ኣቲና ናይ ፈጣሪና ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ንቀበል(ዮውሃንሰ 6፥53-56)

                     

ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ  Follow,Like ግበሩ

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==



ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር  ኣሜን!

            

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና