ገብርሔር

 6ይ ሰንበት ናይ ዓቢ ጾም (ገብርሔር)















ገብርሔር


 እዛ ሻድሸይቲ ሰንበት ከም ፍቓድ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ከም ዝፈቐደልና መጠን ኽንርኢ ኢና።እዛ ቅድስት ዕለት እውን ከምተን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ሰንበታት ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ ዝሰየማ ኮይና፡ በዛ ቅድስት ዕለት ኩሉ ስብከት፡ መዝሙር፡ ንባባትን ወንጌልን ስለ እዛ ቅድስት ዕለት ዝገልጹ እዮም።


መበገሲ ናይዚ ዕለት እዚ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕራፍ 25 ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት ብምስላ ኣብ ዝምህረሉ ዝነበረ ግዜ ስለ እሙን ኣገልጋሊ ኣመልኪቱ ዝመሃሮ ትምህርቲ እዩ።“ከምቲ ክገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ክነግድሉ ገንዘብ ዝሃቦም እዩ። ፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ነቲ ካልኣይ ክልተ መክሊት፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ መክሊት ሂብዎም ገሸ”(ማቴዎሰ 25÷14-15)።


ቀዳማማይ፦ሓሙሽተ መክሊት ዝሃቦ ኣሎ። ሓሙሽተ መክሊት ንዝሃቦ ሰብ ረብሓ  ኣለዎ።

ካልአይ ክልተ መክሊት ዝሃቦ ኣሎ፦ክልተ መክሊት ንዝሃቦ ረብሓ  ኣለዎ።

ሳልሳይ ሓደ መክሊት ዝሃቦ ኣሎ፣ንሱ እውን  ከምኡ።


ንኹላቶም ከከም ዓቕሞም ሂብዎም ገሸ ።


እቲ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ብኡ ብኡ ከይዱ ነገደሉ። ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ድማ ረብሐ። ከምኡ ድማ  እቲ በዓል  ክልተ  ካልእ ክልተ ረብሐ። እቲ ሓንቲ መክሊት ዝተቐበለ ግና፣ከይዱ ምድሪ ኲዒቱ ወርቂ ጎይትኡ ሓብአ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን  ካኣ ጎይታ ናይቶም ገላዉ መጺኡ ምስኣቶም ክጸባጸብ ጀመረ። እቲ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ጎይታይ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ ነይርካ፡ እንሆ ድማ ካልእ ሓሙሽተ  መክሊት ረባሕኩ እና በለ  ሓሙሽተ መክሊት  ኣምጽአ። ጎይትኡ ድማ ጽቡቕ  ኣታ  እሙንን  ሕያዋይን ኣገልጋሊ  ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ  ብዙሕ ክሸመካ  እየ፡ ናብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ በሎ። እቲ  ክልተ መኽሊት ዝተቐበለ ድማ ቀሪቡ ፣ጎይታይ ክልተ መክሊት ሂብካኒ ነይርካ  እንሆ ከኣ ክልተ መኽሊት ረባሕኩ በለ። ጎይትኡ ድማ ጽቡቕ ኣታ እሙንን  ሕያዋይን ኣገልጋሊ  ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ  ብዙሕ ክሸመካ  እየ፣ ናብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ በሎ። እቲ ሓደ መክሊት ዝተቐበለ ድማ ጎይታይ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፡ ዘይበተንካዮ እትእክብ ጨካን ሰብኣይ ምዃንካ እፈልጥ እየ ፣ስለዚ  ፈሪሔ ከድኩ ፣ነቲ መክሊትካ ድማ ኣብ ምድሪ ሓባእክዎ፣እንሆ ገንዘብካ በሎ። እቲ ጎይትኡ ግና መሊሱ በሎ ፣ኣታ ክፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ ዘይዘራእክዎ ከም ዝዓጽድ፣ዘይበተንክዎ  ከም ዝእክብ  እምበኣር ትፈልጠኒ ዶ፧ ስለዚ ነቲ ገንዘበይ ኣብ ባንኪ ክተእትዎ ይግብኣካ ነይሩ። ኣነ ከኣ ንዝረብሕሉ ሰባት ምሃብክዎም ነይረ። ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ከኣ  “እምበኣርሲ ነቲ መክሊት ካብኡ ኣግዲፍኩም  ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሃብዎ በሎም። ምኽንያቱ ንዘለዎ ዘበለ ኩሉ ይዋሃቦ  ይወሰኮ እውን፣ንዘይ ብሉ ግና እቲ ዘለዎ እውን ኣግድፍዎ። ነዚ ሃካይ ጊልያ ግና  ኣብ ፍጹም ጸልማት ደርብይዎ ኣብኡ ካኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።


ካልኣይ፦በዓል ሓሙሽተ መክሊት ፍጹም ትምህርቲ ተማሂሩ ዝመሃረ ሰብ እዩ። በዓል ክልተ መክሊት ድማ  ምጡን ትምህርቲ ተማሂሩ ዝመሃረ እዩ። ንኣብነት  ጴጥሮስ ንቀሌምንጦስ ፣ጳውሎስ ንጢሜትዎስ ምሂሮም ከም ዘፍረዩ። በዓል ሓደ መክሊት ድማ ፍጹም  ትምህርቲ ተማሂሩ ዘይምሃረ እዩ። እቲ ፍጹም ትምህርቲ ዝተማህረ ምሂሩ መኺሩ ንዕኡ  ዝመስል ወደመዝሙር ኣፍረየ። ጎይታ ድማ “ጽቡቕ ኣታ ሕያዋይን እሙንን  ኣገልጋሊ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፣ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ። ናብ መንግስተ ሰማያት እቶ”  በሎ።


እቲ ፍጹም ትምህርቲ ተማሂሩ ዘይመሃረ፣ ጎይታይ መምርሒ ሕጊ ከይሰራዕካ ብስነ  ልቦና  ፈሊጥኩም፣ መምህር ከይመደብካ ብስነ ፍጥረት ተመሪሕኩም ስርሑ እትብል  ጨካን ምዃንካ ይፈልጥ እየ



ዓላውያን ነገስታት ከየሳቕዩኒ፡ መናፍቓን ተኸራኺሮም ከይረትዑኒ ስለ ዝፈራህኩ ብዝተመሃርክዎ ትምህርቲ ኣይመሃርኩን፣ብዝተዋህበኒ ሓላፍነት ኣይሰራሕኩን ማለት እዩ።


ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ “ኣብ ቁራጽ ዓለባ ቆጺረ ዘጽናሕክዋ ወርቅኻ እነሃልካ” ክብል ጽሒፍዎ ኣሎ። እዚ ከኣ እቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህቦ ሽመት “ እንሆ ሽመትካ” ክብል ከሎ እዩ። ጎይታ ግና መሊሱ በሎ መምርሒ ሕጊ ከይሰራዕኩ፡ ብስነ ኣእምሮ ፈሊጥኩም  መምህር ከይመደብኩ፡ ብስነ ፍጥረት ተመሪሕኩም ስርሑ ዝብል ጨካን  ምዃነይ ትፈልጠኒ ዶ፧ ሓላፍነትካ ክተረክብ ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ከኣ ንዘገልግል ምሃብክዎ። ንመላእኽቲ ከኣ ናይ መምህርነት መክሊቱ ወሲድኩም ነቲ በዓል ዓሰርተ  መክሊት ወስኽሉ በሎም። ነዚ ሃካይ መምህር ግና ኣውጽእዎ ማለት፡ ማዓርግ ምምህርና ተሪፍዎ ከም  ህዝባዊ ናብ መንግስተ ሰማያት ምእታው እዩ።


        ትርጉም_መክሊት


        1ይ_በዓል_ሓሙሽተ_መክሊት


ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ፍጹም ትምህርቲ  ተማሂሩ፡ ምሂሩ ድማ ንዕኡ ዝመስሉ ሰባት ዘፍረየ ሰብ እዩ። ልክዕ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ  ሰናይ ዝኾነ ቃል ዝተማህረ፡ ስልጣን  ዝተቀበለ እሞ በዚ ዝተዋህቦ ትምህርቲ ምሂሩ ብዝተዋህቦ ስልጣን ከኣ  ሽመትን  ማዕርግን ዝዓደለን ዝሃበን ማለት እዩ።  እዚ ከኣ ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ንቀሌምንጦስ፡ ብርሃን ዓለም ዝተሰምየ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ  ከም ዘፍረዩ እዩ።



በዓል ሓሙሽተ መክሊት፡ ሙሴ ሓሙሽተ ኦሪት ስለ ዝጸሓፈ እዩ።

ብኻልኣይ ከኣ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ሊቀ ጳጳሳት እዩ። እዚ ከኣ ብኣንብሮ  ኢድ  ኣብ ልዕሊ ጳጳስ ምሻም፡ ቀሲስን ዲያቆንን፣ ምቑራብን ምጥማቕን እዮም። ምኽንያቱ ናይ ሊቀ ጳጳሳት ማዓርግን ዝተዋህቦ ሓደራን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ስለ ዝኾነ። ንምእመናን ምፍራይ ጥራሕ ዘይኮነ እውን  ንዕኡ መሲሎም ፣ነቲ እግሪ ተኸቲሎም ኣብ ጉስነትን ሓላፍነትን ዝመጹ ካብ ዝተሓተ ማዕርግ ናይ ዲቁና ክሳዕ ሊቀ ጳጳሳት ምፍራይን ምምልማልን ናቱ ሓላፍትነትን ስልጣንን እዩ። ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ጳጳሳትን ኣብ ኩሉ ቦታታት ዘለዉ ናይ ቤተ ክርስቲያን መማህራን ኣቦታትን  ንሃዋርያት መሲሎም ሃዋርያት ዝመስሉ ሰባት ከፍርዩ ምቁጽጻርን ምጉሳይን ናይዚ ላዕላዋይ ተጸዋዒ ናይ ቤተ ክርስቲያና ዝኾነ ሊቀ ጳጳሳት እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ተመሲሉ ኣሎ።


ከምኡ እውን  ሓሙሽተ መክሊት ዝተባህሉ ጥምቀት፣ተኣምኖ ሓጣውእ፣ሰማእትነት፣ብሕትውና፣ምንኩስና እዮም።

ሓሙሽተ መክሊት ዝተባህሉ እውን እምነት ደስታ፡ ምሕረት፡ ትዕግስቲ፡ ተስፋ እዮም።


                      

          2_በዓል_ክልተ_መክሊት


በዓል ክልተ መክሊት ዝተባህለ  ተማሂሩ ምሂሩን መኺሩን ዘፍሪ እዩ።

በዓል ክልተ መኽሊት ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ምኽንያቱ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ክልተ መልእኽቲ ስለ ዝጸሓፈ እዩ። ከምኡ እውን ብሉይ ኪዳንን ሓዲሽ ኪዳንን ስለ ዝመሃረ እዩ(1ጴጥ1፣10-12, 2ጴጥ1፣19-21)። ከምኡ’ውን ክልተ መክሊት ዝተባህሉ ጥምቀትን ተኣምኖ  ሓጣውእን(ሓጢኣት) እዮም።


                      



             3ይ_በዓል_ሓደ_መክሊት


 በዓል ሓደ መክሊት  ይሁዳ እዩ ከመይ ይሁዳ  ሓንቲ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣሎ


 ሊቀ ጳጳሳት ብዓል ሓሙሽተ፡ ቀሲስ በዓል  ክልተ መክሊት ክኾኑ ከለዉ በዓል ሓደ መክሊት  ዝተባህለ ካኣ ዲያቆን  እዩ

ከምኡ እውን በዓል ሓደ መክሊት ዝተባህለ ጥምቀት እዩ።



ብሓሙሽተን  ብክልተን  መክሊት ዝተመሰሉ፡ ፍጹም ትምህርቲ ዝተማህሩ መማህሩን ብዙሕ ነገር ደኺሞም ላዕልን  ታሕትን ኢሎም  ምሂሮም ንዓኣቶም ዝመስሉ ሰባት ዘፍረዩ ክኾኑ ከሎዉ በዓል  ሓደ መክሊት ግና  “ዓላውያን  ብእሳት ከየሳቕዩኒ መናፍቓን ተኸራኺሮም ከይረትዑኒ “ኢለ ፈሪሔ ንሃይማኖተይ( ዝተመሃርክዎ ትምህርቲ) ከይመሃርኩ፣ ከይመኸርኩ ኣብ ልበይ ኣቐሚጠዮ(ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ንብረቱ ክሓብእ ከሎ ጉድጓድ ኲዒቱ ዘቐምጦ ማለት እዩ) ብምባል ስለ ሃይማኖቱን እምነቱን ዘይምስክር፣ንዘይተማህሩ ከኣ ዘይምህር ሰብ እዩ።



እግዚኣብሔር ኣብ ዝሓተቶ ግዜ  “ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፡ ዘይበተንካዮ እትእክብ (መምርሒ ሕጊ ከይሰራዕካ ብስነ  ልቦና  ፈሊጥኩም፡ መምህር ከይመደብካ ብስነ ፍጥረት ተመሪሕኩም ስርሑ እትብል) ጨካን ምዃንካ ይፈልጥ እየ። ነቲ ዝተወሃበኒ ሓላፍነት ዘይሰራሕክሉ፡ ነቲ ዝተማሃርክዎ እውን ዘይመሃርክሉስ፡ እንሆ ዓላውያን ብሰንሰለት ኣሲሮም ናብ እሳት ደርብዮም ሃይማኖተይ ከየኽሕዱኒ፡ መናፍቓን ከኣ ተኸራኺሮም ምእንቲ ከይረትዑኒ ፈሪሐ ንሃይማኖተይ(እምነተይ) ኣብ ውሽጢ ልበይ  ሓባእክዎ ኣይሰራሕክሉን ኣይተዛረብኩን ከኣ እና በለ ዝምልስ እዩ።



እዚ ዝሰምዐ ጎይትኡ ከኣ “ኣታ ክፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ ዘይዘራእክዎ ከም ዝዓጽድ፡ ዘይበተንክዎ ከምዝእክብ  (መምርሒ ሕጊ ከይሰራዕኩ፡ ብስነ ኣእምሮ ፈሊጥኩም  መምህር ከይመደብኩ፡ ብስነ ፍጥረት ተመሪሕኩም ስርሑ ዝብል ጨካን  ምዃነይ) ትፈልጠኒ ዶ፧ ሓላፍነትካ ክተረክብ ምተገብኣካ ኔሩ ፣ኣነ ከኣ ንዘገልግል  ምሃብክዎ ነይረ። እዚ ዝበሎ ሽመት ሒዝካ፡ ስልጣን ተዓዲልካ እንተኾነ ስራሕ ጸሊእካ ዝኸውን ነገር ስለ ዘየሎ እዩ። እቲ ሽመት ዝተዓደለ፡ ስልጣን ዝተዋህበ ሰብ ንሓላፍነቱ  ክሰርሓሉ ግዴታ እዩ። እንተዘይኮነስ  ብዝተዋህቦ ስልጣንን ሽመትን ተሓታቲ እዩ። ስልጣኑን ሽመቱን ኣብ ክንዲ ዝሰርሓሉ፡ ካብ ምስራሕ እንተ ድኣ ተቖጢቡን ስቕ ኢሉን እቲ ዝተዋህቦ ሽመት ኣብ ክንዲ ዝምጎሶሉ መፍረዲኡን መኾነኒኡን ይኸውን ንኽብል ዝተዛረቦ ቃል እዩ።



ኣብ መጨረሽታ መክሊቱ ኣሕዲግኩም ንኻልእ ሃብዎ ማለቱ፡ ዝነበሮ ማዓርግን ስልጣንን ፣ናይ ምምሃር ሓላፍነት ተሓዲጉ ከም ተራ  ምእመን ይኹን ማለት እዩ። እዚ ከኣ ናብ መንግስተ ሰማያት ብምምህርና ማዕርግ ዘይኮነስ ከም ህዝባውያን ኮይኑ እዩ ዝኣቱ ምኽንያቱ  ሃይማኖቱ ስለ ዘይከሓደ።


ብኻልእ ወገን “ ነዚ ሃካይ ጊልያ  ግና  ኣብ ፍጹም ጸልማት ደርብይዎ  ኣብኡ ከኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናን ክኸውን እዩ” ዝበሎ ፥



ቀዳማይ፦ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፡ “ዝተዋህበኒ ናይ ምምሃር ስልጣንን ሓልፍነትን  ተጠቒመ ላዕልን ታሕትን ኢሉ ደኺመ እንተ ዝምህርን ከማይ ዝኣመሰሉ ሰባት እንተ ዘፍርን ኔረ  ከም ናይ መማህራን ማዓርግ ዘይኮነስ ከም ህዝባውያን ኮይነ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይምኣተኹን” እና  በለ ናይ ምስትንታኑ  ምሳሌ ክኸውን ከሎ በቲ ካልኣይ ወገን ከኣ  ሃይማኖቶም ናይ ዝኸሓዱ ናብ ሲኦል ናይ ምእታዎም ምልክት እዩ።


ሓደ ምኽሊት ንዘለዎ ሰብ ኣሕዲግኩም ነቲ በዓል ዓሰርተ ሃብዎ፡ ምኽንያቱ ንዘለዎ ይውሰኾ ንዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ እኳ የግድፍዎ ዝበሎ ቃል፡ እንሆ እምነት  ሒዙ ምግባር ዘይጸንሖ፡ ካብ ግብሪ ጽድቂ ዝረሓቐ ሰብ ምዃኑ ይነግረና። ነታ ሓንቲ መኽሊቱ /እምነቱ/ ሒዙ ምግባር ወሲኹ ክነብር እና ተገብኦ እንተኾነ ግን እዚ ብዘይ ምግባሩ  ናብ ክሕደት ዝበጽሕ፡ ሃይማኖቱ ዝገድፍ ሰብ ኮይኑ ናይ ምርካቡ ምሳሌ እዩ፡። ምኽንያቱ  ዝነበሮ መኽሊት “ኣሕዲግኩም ነቲ በዓል  ዓሰርተ ሃብዎ” ምባሉ ሃይማኖትን ምግባርን ኣጣሚሩ ዘይሓዘ  ሰብ ኣብ መወዳእታ ናይ ሃይማኖት ሰብ ኮይኑ ክቕጽል ስለ ዘይክእል እዩ። እምነት ሒዙ ጥራሕ  ብሰንኪ ፍርሒ ኣብ ምግባር ዘይተዋፈረ ሰብ ኣቐዲሙ  ምግባር ጽድቂ ከም ዝገደፎ ሃይማኖቱ እውን ይገድፍ። ብኻልእ ወገን ካብ እምነቱ እኳ እንተ ዘይዓለወ፡ እንተኾነ ግን ካብ ክፉእ ስርሑ ተመሊሱ ንስሓ እንተ ዘይኣተወን ግብሪ ጽድቂ ክሰርሕ እንተ ዘይጸንሐን፡ ሃይማኖት ጥራሕ ሒዙ ብምጽንሑ ካብ ፍርዲ ዝመልቆሉ መገዲ የብሉን። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ መጨረሽታ በዓል መክሊት ኢኻ ነይርካ ተባሂሉ ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣቱ ዘይኮነስ ምግባር ሒዙ ብዘይምጽንሑ  ኣብ ክንዲ ናብ መንግስተ ሰማያት ናብ ገሃንም እሳት  ይኣቱ። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ፡ “እምበኣር ስጋ ብዘይ ነፍሲ ምዉቲ ከም ዝኾነት  እምነት እውን  ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ” ክብል ጽሒፉ ኣሎ (ያዕቆብ 4÷26)።




      ኣብ_ብዙሕ_ምሻም_እንታይ_ማለት_እዩ።

በዚ መልክዕ ዝተኣዘዝናዮ እና ተግበርና፡ ዝተዋሃብናዮ መክሊት ክነብዝሕ፡ ስለ ሃይማኖትና እንፈልጦ ዘበለ፡ ዝተመሃርናዮን ዝበጻሕናዮን ኩሉ ሰባት መታን ክፈልጥዎን ክበጽሕዎን ምጽዓር ናይ ኩላትና  ግዴታ እዩ። ኩሉ ሰብ ነናቱ ዝኾነ ጸጋ ኣለዎ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ በቲ ሓደ  መንፈስ ቅዱስ ዝተዋበን ዝዕደልን በበይኑ ዝኾነ ውህበት ኣሎ። እንተኾነ ነቲ ዝተዋህበና ውህበት ኣለሊና እንጥቀመሉ ክንደዮኖት ንኸውን፧ ብሓቂ ዝተፈላለየ ጸጋ ዝረኸብና ስልጣን  ተዓዲልና ከም መጠን ጸጋናን ዝተዋህበና ስልጣንን እንነብር ሰባት ኣሎናዶ፧ ንነፍሲ ወከፍ ርእሱ ክምርምር የድሊ።



ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ ማለት ኣብ‘ዚ ምድራዊ ህይወትና እንዳ ነበርና ከሎና ኣብቲ ዝተዋህበና ጸጋ ጸኒዕና፡ ብሃይማኖትን ብግብርን ክርስቲያን ኮይንና ምስ  እንርከብ ኣብ መንግስተ ሰማያት ድማ ቦታ ይህልወና፡ ወረስቲ ሰማያዊት ቤት ንኸውን ማለት እዩ። ነዚ ከመልክት እዩ ከኣ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ  እየ ዝበለ ጎይታ። እንተኾነ ሰማያዊ ስፍራ ዝደሊ ሰብ፡ ኣብ ማሕበረ መላእክት ክርከብ፡ ዝማሬ መላእክት ክሰምዕ ዝደሊ ዘበለ ኩሉ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ እሙን ኮይኑ ምርካብ  የድልዮ። እግዚኣብሔር ዝኣዘዞ ኩሉ ሕግን ስርዓትን ክፍጽም፡ ነቲ ዝፈለጦ ድማ ሰባት በቲ ፍልጠት እቲ ዓብዮም እሙናት ኮይኖም ንኽነብሩ ክጽዕት ይግብኦ እዩ።


ውሑድ”ተባሂሉ ዘሎ  ከምቲ ዝተገልጸ ምድራዊ ዕድመና እዩ። ቅዱስ ዳዊት ዕድመ ወዲ ሰብ ሰብዓ እንተ ነውሐ ሰማንያ እዩ (መዝሙር ዳዊት 90÷10) ከም ዝበለ ዝነውሐ ዕድመ ኣብዚ ምድሪ ነይሩ ዝባሃል ማቱሳላ እውን 969 ዓመት እዩ። እዚ ምስቲ ድሕሪ መፈጸምታ ዓለም  ዝኸውን እንተ ኣወዳዲርናዮ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ነዚ እዩ ከኣ ጥበበኛ ሰሎሞን  “ካብቲ ብህይወት እትነብሮስ ድሕሪ ሞት ዘሎ ግዜ ከም ዝነውሕ  ኣስተውዕል” ክብል ዝተዛረበ። ስለዚ ኩሉ ኣብዚ ዓለም እነሕልፎ ግዜ ኩሉ ዋላ እውን  እቲ መሪር ናይ ሞት እዋን እውን እንተኾነ ምስቲ ኣብ ሰማይ ዝጽበየና ዘሎ ክብሪን ናይ ህይወት ናብራን ፈጺሙ ዝመዓራረ ኣይኮነን (ሮሜ 8÷28)።  እዚ ምዃኑ ፈሊጥና እምበኣር መታን ኣብታ ዘይትሓልፍ መንግስቲ ቦታ ክንረክብ፡ ኣብታ ዘመን ዘይቁጸረላ ሃገር ከኣ  ክንነብር ኣብዛ ሓጻር ዕድመና እሙናት ንኹን። እዚ ክንገብር ኣምላኽና እግዚኣብሔር ጸጋኡ ይሃበና (ገላትያ 4÷14፣ኦሪት ዘዳግም 32÷32፣ዮውሃንሰ 6÷9)




ኣርእስቲ መዝሙር :-

መኑ ውእቱ ገብርሔር ምስባኽ :-መዝ37፣21-22 ንባባት:-2ጢሞ2፣1-16፣1ይ ጴጥሮሰ 5÷1-12 ፣ግ.ሃዋ1÷6-9 

ወንጌል፣ማቴዎሰ 25÷14-31          


ልዑል እግዝኣብሔር ብውሑድ ኣሚኑና'ዮሞ ብዙሕ ከነነፍሪ ረዲኤቱ ኣይፈለየና ኣሜንንን።



ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==



ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና