ንስሓ ማለት

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን


ንስሓ ማለት እንታይ'ዩ?


✔ንስሐ ማለት ሓደ ሰብ ብዝሰርሖ ጥፋት፣ ብዝፈጾሞ ስሕተት፣ ብዝፈጸሞ ኃጢአት ምሕዛን ምስቁርቃር፣ ዳግማይ ከምዚ ዝመሰለ ኃጢአት ንከይፍጽም ዝውስነሉ ውሳነ እዩ። 




↪•ንስሐ ናብ እግዚአብሔር ምምላስ እዩ። 《ሚልኪያስ 3፡7》


↪•ንስሐ ምስ እግዚአብሔር ምትዕራቅ እዩ። 《2 ቆሮንቶስ 6፡19》


↪•ንስሐ ካብ ኃጢአት ምርሓቅ ማለት አዩ። 《ሮሜ 13፡11》


↪•ንስሓ ናብ መንፈሳዊ ሕይወት ምምላስ እዩ።《ኤፌሶን 5፡14》


↪•ንስሐ ካብ እግዚአብሔር ዝወሃብ እግዚአብሔር ዘፍቱ ካብ ንጹህ ልቢ ዝምንጩ ጸጋ እዩ። 《ሕዝቅኤል 36፡25-27》


↪•ንስሐ ካብ ሓጢአትን ካብ ናይ ዲያቢሎስ ባርነት ነጻ ምውጻእ ማለት እዩ። 《ዮሐንስ 8፡34-36》


↪•ንስሐ ማለት ስለ እግዚአብሔር ፍቅርን ስለ ቅድስና ኢልካ ሓጢአት ደው ምባል እዩ። 《ምሳሌ 28 13》


↪•ንስሐ ኃጢአት ምስራሕ ደው ምስ ኣበልካ በፍጹም መሊስካ ካላይ ናብኡ ዘይምምላስ እዩ።


↪•ንስሐ ስለ ዝሓለፈ ስሕተት አብዚሕካ ምልቃስ፤ ንዝሓለፈ ናይ ኃጢአት መንብሮ ምውጋዝን ምኩናን እዩ። 《ኢዩኤል 2፡12》


↪•ንስሐ ፍጹም ናይ ሕይወት ለውጥ እምበር ጊዜያዊ ስሜት አይኮነን 《ሮሜ 12፡2》


↪•ንስሐ ኣእምሮካ ምሕዳስ ማለት እዩ። 《ሮሜ 12፡2》


↪•ንስሐ ናይ እግዚአብሔርን መንግሥት ንምውራስ ዝሕግዝ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሂር መፍትሕ እዩ። 《ማቴዎስ 25፡1-13》


↪•ንስሐ በቀራንዮ መስቀል ንዓና ንምድሓን ካብ ኃጢአት ባርነት ነጻ ንምውጻእ ዝፈሰሰ ናይ ክርስቶስ ደም ክንሓስብ ዝገብረና መንፈሳዊ ሃብት እዩ።


↪•ንስሐ ከኃጢአት የሚያነጻ ሱራፌል ከመንበረ ሥላሴ የወሰዱት የእሳት ፍም ነው። 《ኢሳያስ 6፡4》


↪•ንስሓ ካብቲ ናይ መጨረሻ መከራን ሃዘን መድሓን ወይድማ ነምልጠሉ መንገዲ እዩ። 《ዮናስ 3፡10》


↪•ንስሓ እግዚአብሔር ሰብ ብዝሰርሖ ኃጢአት ይቅረ ዝብለሉን ካብ ሓጢኣት ዝወጸሉን መንገዲ አዩ። 


↪•ንስሓምስ ሰባት እንተዓረቀሉ ዝተዘርግሐ ናይ እግዚአብሔር ኢድ እዩ። 《መዝሙር 50/51》


↪•ንስሓ እግዚአብሔር ናብ ደቂ ሰባት ጻዊዒት ጸዊዑ ደቂ ሰባት ከኣ ሰሚዕም ናብ አግዚኣብሄ ምምላስ እዩ። 《ዮሐንስ 7፡51》《ኤፈሶን 4፡30》


↪•ንስሓ ብዝሓለፈ ዝሰራሕናዮ ሓጢኣት ጭንቀትን ልብና ዝሰበረሉ መንገዲ እዩ። 《መዝሙር 50/51፡17》


↪•ንስሓ ደቂ ሰባት ብዛዕባ ዝሰርሕዎ ኃጢአቶም ምስ እግዚአብሔር ዘተዓርቅ ዓቢ ድልድል እዩ። 《መዝሙር123/124፡ 6-7》::


ወስብሃት ለእግዚአብሔር


Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና