ሚካኤል ዘወርሒ መጋቢት
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።!
ተኣምር ቅዱስ ሚካኤል ናይ ወርሒ መጋቢት
መልኣከ ምክሩ ንኣብ፡ ናይ እሳት ነበልባል ካብ ኣፉ ዝወጽእ፡ ጥዑመ ዜማ ድንቂ ምስጋና ዝፍልፍለሉ መልኣከ ኢዩ።ልማኑኡን ኣማላድነቱን ፡ ካብ ብግብ ዝበለ ጸልማት ምካድ፡ ካብ ናይ ቀትሪ ጋኒን፡ ካብ ብሱዉር ዝመጸና ናይ ሰይጣን ተንኮል፡ ንኩላትና የድሕነና ንዘልዓለም ዓለም ኣሜን!
ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ሓደ ሃገር ትነብር ነበረት ። እታ ሰበይቲ ክብርትን፡ ልዕልትን በዓልቲ ቡዝሕ ሃብቲ ዝነበራ እያ። ንቅዱስ ሚካኤል ካኣ ብጣዕሚ ተፍቅሮ ነበረት ።በብወርሑ ድማ ጸበሉ ትገብር ብዓቢይ ፍስሃን ትግሃትን ተብዕሎ ነበረት። ንነዳያንን ንምሲኪናንን ሰናይ ትገብር ፡ ንጡሙያት ትዕንግል ፡ ንጹሙኣት ተርዊ፡ ንዑርቃት ተልብስ፡ ንሑዙናን ተጻናንዕ፡ ንትኩዛን ተሐጉሶም ፡ እዚ ድማ ምእንቲ ኩቡር ሱሙ ንቅዱስ ሚካኤል ኢላ ብእምነት ከምዚ ትገብር ነበረት፡፡
ካብ ማዓልታት ሓደ ማዕልቲ ቡርቱዕ ሕማም ሓዛ እቲ ሕማም ኣዝዩ ቡርቱዕ እኩይ ድዌ ነበረ። ምቅስቃስ ክሳብ ትስእን ኩሉ ነብሳ ሓበጠ። ኩሉ ኣካላታ ካኣ ከም እሳት ዋዓየ። ናብቶም ሓካይም ከኣ ሰብ ለኣኸት ። እቶም ገበርቲ ስራይ ካኣ ናብኣ መጹ እሞ ኩሉ ሕማማ ነገሮቶም። ንክፍውሱዋ ካኣ ቡዝሕ ገንዘብ ሃቦቶም ፡ ንሳቶም ካኣ ካብቲ መድኅኒቶም ፈውሲ ሃብዋሞ ኽፍውሳ ግን ኣይካኣለን ካብቲ ዝነበራ ንላዕሊ ካኣ ገደዳ።
ኩሉ ንዋያ ካኣ ነቶም ሓካይም ሂባ ወድኣቶ። በቶም ሓካይም ዝሓብዋ ፈውሲ ጥዕና ክትረክብ ስለ ዘይካኣለት በዚ ግዜ እዚ እንባኣር ናብ እግዚኣብሔር ለመነት ዓዕይንታ ናብ ሰማይ እንዳ ጠመተት ብዓብይ ድምጺ ከምዚ እንዳበለት ጸለየት ፡ ኦ! ጐይታይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላኣክት መልላከ ይቅረታን ምሕረትን ፡ካብ ዚ ኩሉ ቡርቱዕ እኩይ ድዌ (ኩኔኔ)ሕማመይ እንተፈዊስካኒ ኣነ ንቤተ ክርስቲያንካ ዓሰርተ ኽልተ (12) ዲናር ወርቂ ክህበካ በብወርሑ ጸበልካ ኣብ ዕለት ዓሰርተክልተ(12) ክገብር ኢየ ኢላ ተማሕጸነት ።
ካቡኡ ነዝማዳ ኩሎም ቤተሰባን ጸዊዓ ስእሊ ቅዱስ ሚካኤል ኣምጹኡለይ እሞ ኣነ ክልምኖ እየ ንሱ ካኣ ናብ እግዚኣቢሔር ክልምነለይ እዩ። ካብኡ ኣብ ሉሕ ዝተሳእለ ስእሊ ቅዱስ ሚካኤል ኣምጹእላ።
ብጾሎቱ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ተኣሚና ተኒስኣ ብፊጹም ልቢ ነቲ ስእሉ ሒዛ ሓቆፎቶን ሰዓሞቶን እንዳሰገደት ካኣ ከምዚ በለት፡ ኦ! ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ፡ ርድኣንን ኣድሕነንን ፈውሰንን ካብ ዚ እኩይ ሕማም ብርቱዕ ዝኾነ ደዌ፡ ንስኻ ኢኻ ኣብ ቅድሚ እቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ትቀውም፡ ምእንታና ምእንቲ ደቂ ሰባት ድማ ትጽልን ተማልድን ከምኡ ካኣ ምእንቲ ሓጥያተኛ ጓልካ ፡ ጸልየለይን ኣማልድለይን ምእንቲ ክምሕረንን ክፍውሰንን እግዚኣብሔር ካብዚ ኡኩይ ዝኾነ ሕማም ደውየይ።
ኣነ ብኣኻ ተወኪለ ብጾሎትካ ተአሚነን እየ ። ኦ! ሊቀ መላኣክት ቅዱስ ሚካኤል እንተደኣ ኣጥዕካንን ፡ ፈዊስካንን ካብዚ ሕማመይ ደውየይ እንድሕር ብልማኖ ጸሎትካ ናይ ኣምላክኻ ይቅረታን ምሕረትን ከም ነጠብጣብ ዝናብ እንተ ደኣ ወርዱኒ ፥ በቲ ረዲኤትካን ጾሎትካን ልማኖኻን እንተ ሓውየ ኣነ ባርያኻ ብፍጹም ጸበልካ ኣይቋርጽን ኢላ ብቡዙሕ ንብዓትን መሪር ሓዘንን በከየት።
ብድሕር’ዚ ናብ ገዘኣ ኣእተዎቶ እሞ ኣብ ጽቡቅ መንበሪ ካኣ ኣቀመጠቶ ኣብ ቅድሚኡ ካኣ ሽምዓ (ቄንደል) ወለዐትሉ ። በታ ለይቲ እቲኣ ብርቱዕ ደውየን ብክፍእ ሕማምን ክትሳቀ እንከላ ፡ መልኣከ ምሕረት ሳሕልን ዝኾነ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላኣክት ብራእይ በታ ለይቲ ናብ ገዘኣ ኣተወ ኣብ ልዕሊ ርእሳ ካኣ ጠጠው በለ ። ብርሃኑ ካኣ ገዘኣ መልአ ከም ጸሓይ ቀትሪ ካኣ ኮነ። ኣብ ዝባና ካኣ ተንከያ ፥ ካብ ድቃሳ ነቂሓ ተንሰአት’ ሞ ርእያቶ ካኣ ሰንበደት ከም ሙውቲ ድማ ኮነት፥ እዚ ራእይ ቅድሙኡ ተራኣይዋ ስለ ዘይፈልጥ’ዩ ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ኣልዓላ፡ ፍርሓታ ካኣ ረሓቀላ ፡ ከምዚ ካኣ በላ ንግሆ ተንሲእኪ ካብቲ መብራሕቲ ቄንዴል ቅብኣ ቅዱስ ወስድኪንኹሉ ስጋኺን ኣካላትክን ቅብእዮ ብማይ ጽሩይ ድማ ተሓጸቢ ። ካብቲ ቅብኢ ቁሩብ ናብ ማይ ሓዊስኪ ካኣ ስተዪ ። ካብ ኩሉ ሕማምክን ድዌኽን ክትፍወሲ ኢኺ፡ ነገር ግን ዝኣተኽዮ መብጽዓ ክትፍጽምዮ ኣለኪ በላ።
ብድሕር እዚ ድማ ንግሆ ምስ ኮነ ካብ ድቃሳ ተንሲኣ ከምቲ መልኣከ እግዚኣብሔር ዝኣዘዛ ገበረት ። ብፍጥነት ተፈዊሳ ጥዕና ኻኣ ረኸበት ፡ ካብ ሰብነታ ካኣ ከም ፈሳሲ ማይ ወጸ እሞ ድሕርዚ ሓወየት። ከምቲ ተምባጸዖቶ ካኣ (12) ዓሰርተ ክልተ ዲናር ወርቂ መብጻዓ ንቤተ ክርስቲያን ሃበት።
ካብ ሽዑ ንዳሓር ከየቋረጸት ጸበል ናይ ሊቀ መላኣክት ቅዱስ ሚካኤል ብኹሉ መዋዕል ሕይወታ ከይረሰዕት ዕለተ ማዓልቱ ንቅዱስ ሚካኤል፡ ስለቲ ምሕረቱ ንእግዚኣቢሔር ብሙልእ ልባ ተመስግኖን ትውድሶን ነበረት። ንቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ከኣ ስለቲ ዓብይ ተኣምራቱ ትነግር ነበረት። ብጸሎት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ከም ዝተፈወሰት ክሳዕ ዕለት ዕረፍታ ትምስክር ነበረት። ምስ ኣዕረፈት ድማ ብጸሎት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ናብ መንግስተ ሰማያት ኣተወት።
ንዓና ድማ ይዕቀበናን ፡ ይለመነልናን ፡ የድሕነናን ፡ ይባልኅናን ፡ ንኹላና ነቲ ሰናይ ዝኾነ በዓሉ ከነብዕል ዝተኣከብናን ካብ ኣብራኽ ስላሴ ብጥምቀት ዝተወልድና ብጾሎት ኣማላድነቱ ፡ እንኣምንን ብኡኡ እንውከልን በኽናፉ ይኽደነና ናይ ሓጥያት ሃሩር ከየቐምስለና፡ ጋሃንም እሳት ከይቃጽለና ፡ብእማላድነቱ ይሰውረና። ናይ ጸላኢ ፍላጻ ከይወግኣና። ካብ ሕማም ነፍስን ሕማም ስጋን ይፈውሰና። ናይ ሓጥያት ሞት ከይረኽበና በብመዓልቱን በብሰዓቱን ይሓልወና ። ናይ ዓለም ሓዘን ከየተክዘና ካብ ኩሉ ኽፋእ ሓሳባት የውጸእና። ለዓለም ዓለም ኣሜን! ለይኹን ለይኹን።
ተወሳኪ ተኣምር
ኣብ (12) ዓሰርተ ክልተ መጋቢት በዚ ዕለት ዝክር ናይ ኩቡር መለአክ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ናብ በልዓም ፈላስፋ ፈነዎ ። ባላቅ ንእስራኤል ንክረግመሉ ምስ ጸዉዖ፡ ኣብ መንገዲ ንክረግሞም እንዳ ኸደ ኮሎ ከኣ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ቅድሚኡ ቆመ። እታ ኣድጊ ብልሳነ ሰብ ክሳብ እትዛረብ ድማ ኣሰንበዶ ፡ ነቲ መርገም ዝነበረ ከኣ ናብ በረኸት ለወጦ።(ዘኁ. 22፡20-35)
እግዚኣቢሔር ይሓልወና ብጸሎቱ ኣማላድነቱ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላኣክት ንኩሉና ውሉደ ጥምቀጥት ለዓለም ዓለም ኣሜን!።
ሰላም፡ ዕብል ፡ ለዘይቀድም ፡ ጾታሁ፡
እምእለ፡ቅውማን፡ገጻት፡ለብሉየ፡መዋአል ፡ታሕተ፡ ከነፉሁ፡
ሚካኤል፡ ካህን ፡ ለመልእክተ ዲያቆን፡ በኣምሳሉሁ፡
ይትክል፡ ኣድወ፡ ነፍስየ እኂዞ በእዴሁ፡
ከመ ርእዮሙ ፡ካልዓን ፡ ይፈርሁ።
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።!

Comments
Post a Comment