በዓለ መስቀል
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን።!
በዓለ መስቀሉ
![]() |
| ወወሀብኮሙ ት እምርተ ለእለ ይፈርሁከከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት ወይዲኃኒ ፍቁራኒከ መዝ ፶፱፡፬ |
ወወሀብኮሙ ት እምርተ ለእለ ይፈርሁከከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት ወይዲኃኒ ፍቁራኒከ መዝ ፶፱፡፬ መስቀል ብፊደልን ብቅርጽን ኣርባዕትነት ዘለዎ እዩ። ይኹን ድኣ እምበር ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንኽቅድስ ቅርጺ ዘለዎ ኣርባዕትነት ዘለዎ መስቀል ተሰቕለ ሎሚ ውን ኩሉ ዓለም ዝጥቀመሉ ነዚ መስቀል እዩ ።
"መስቀል ሓጺር ቃል እዩ ግን እዚ ቃል ክንገርን ክስማዕን ከሎ ናብ ክርስቲያናዊ ዝኾነ ሰብ ብዕምቘት ናብ ልቡ ኣትዩ ነገረ መስቀል ይዝክር ኩሉ ርእሱ ዘየድንን ንነገረ ድሕነቱ ዘይዝክርን የለን "። ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙን ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይን ። ”መስቀል መልእልተ ኩሉ ነገር” መስቀል ካብ ኩሉ ንላዕሊ እዩ ። እግዚአብሔር ዓለም ዘድሓነሉ ካብ ጥበባት ኩሉ ንላዕሊ ዝኾነ ጥበብ እዩ እሞ ኣብ መስቀል ናይ እግዚአብሔር አብን እግዚአብሔር ወልድን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን ፍቅሪ ተገልጸ። ወልድ ብገዛእ ፍቃዱ፡ ብናይ ባህሪ ኣብኡ ፍቃድ፡ ብናይ ባህሪ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ ፍቃድ፡ ሰብ ኮይኑ ኣብ መልእልተ መስቀል ሞይቱ ኣድሒኑና እዩ ።
ብመስቀል ናይ ሲኦል መሰረት ተዓጽወ ሰብን እግዚአብሔርን ፈላልዩ ዝነበረ መጋረጃ ተቀደ፡ ናይ ጽልኢ መንደቅ ፈረሰ፡ ሞት ተሳዕረ ናይ ትንሳኤ መንገዲ ተኸፍተ። ናይ መስቀሉ ነገር ብደቂ ሰብ ኣእምሮ ክግለጽ ዘይክኣል ረቂቕ እዩ ። ኣምላኽ ሰብ ክሳዕ ምዃኑን ስጋዕ ሞት ዘብቅዖ ፍቅሪ: ደቂ ሰብ ካብ ምዝካር ሓሊፉ ምምርማርን ድርሰ ነገሩ ምስትውዓል ኣይክአልን እዩ።
ንግስቲ እሌኒ ነገረ መስቀል ብተመስጦ ክትሓስብ ከላ መልኣኽ ምስ ተገልጸላ “ስለ ክርስቶስ መስቀል ንገረኒ” በለቶ ። መልኣኽ ድማ ንሕና ማሕበረ መላእክት ብዛዕባ ክቡር መስቀሉ ምዝርራብ ጀመርና ግና ናይ መስቀሉ ነገር ዕጹብ እዩ በላ እዚ ብምኻኑ ድማ ንገሊኦም ስንፍና ንኻልኦት ፈተና ኮኖም፡ ዕንቅፋት ዝኾኖም ውን አለዉ ። ንዝኣምኑ ግን መስቀል ጥበብን መድሓኒትን ካብ ፈተና ውን ከም ወርቂ ጸርዮም ዝወጽሉ እዩ። (ቅዱስ ያሬድ ድጓ)
መስቀል ኩልና ከም እንፈልጦ ኣብ ኦሪት ሕይወት ንምጥፋእ ብዝተላዕሉ ጸላእቲ ዝተዳለወ እኴ እንተ ነበረ: ነገር ግን ሓድሽ ናይ ዘለኣለማዊ ሕይወት ኣብ መስቀል ተረኽበ ። መስቀል ሓቂ ንምድምሳስ ተባሂሉ ብጸላእቲ ሓቂ ኣብ ቀራንዮ ተተኽለ፡ ነገር ግን ብመስቀል ንዓለም ሓቂ ተሰብከ ። ኣይሁድ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ኣሰቃቒ ሞት ንሰባት ካብ ክርስቶስ ከምዘርሕቅን ፈጺሙ ከም ዝፈልዮምን ሓሲቦም ዝገበርዎ እዩ ነይሩ፡ ይኹን ድኣ እምበር ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ናይ ክርስቶስ ደም ንኹሉ ህዝቢ ዓለም ናብኡ ከምዝቐርብ ገበሮ።
“አነ ድማ ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ ንኩሉ ናባይ ክስሕቦ እየ:: ዮሓ 12፡32” ብምባል መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ብመስቀሉ ንደቂ ሰባት ናብኡ ኣቕረቦም። ከምኡ ውን… “ዘበመስቀልከ አቅረብከነ ኃበ አቡከ” ብመስቀልካ ናብ ኣቦኻ ዘቕረብካና ንስኻ ኢኻ ከም፡ ዝተባህለ ኣብ መልእልተ መስቀል ዝፈጸሞ መስዋእቲ ምስ እግዚአብሔር ዕርቅን ሰላምን ከም ንረክብ ገበረ ። ስለዚ መስቀል ናይ ናጽነትናን ሓጎስናን ሰላምናን ምልክት ብሙኻኑ ንመስቀል ክብሪ ንህብ ንሰግደሉ ከም ቀዳሞት አቦታትና ድማ ብእኡ ንምካሕ
ናይ ሓዋርያት ስብከቶም መጀመርትኡን መወዳእትኡን “ ንሕነሰ ንሰብክ ክርስቶስሃ ዘተሰቅለ ትርጉም፦ ንሕናስ ነቲ ዝተሰቅለ ክርስቶስ ኢና ንሰብኽ ዝብል እዩ።" (1ቆሮ 1፡23) ንጉሰ ስብሓት ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝሰቅሉ ሰባት ክርስቶስን ስዓብቱን ኩሎም ክሳብ መወዳእታ ዝሳዓሩ መሲልዎም ነይሩ ። ይኹን ድኣ እምበር ብክርስቶስ ዝኣምኑን ብመንገዲ መስቀል ንዕኡ ዝስዕቡ ኩሎም ሰይጣናትን ኩፉእ ትምኒትን ናይ መስቀል ጸላእቲ ኣብ ኩሉ ግዜ ዓወት ክጎናጸፉ ጸኒሖምን ክነብሩ ውን እዮም።
ሓይሊመስቀሉ ደጋጊሙ ዝገልጽ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ከምዚ ይብል ክፉእ መንፈስ ዝተሃረመሉን ዝቆሰለሉን ሰይፊ እንተርእዩ ናብቲ በዓል ስይፊ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ። እዚ ሰይፊ እዚ ድማ ሰይጣን ዝተሃርመሉ ቅዱስ መስቀል እዩ ። ስለዚ ማንም ናይ መስቀል ምልክት ንምግባር ኣይሕፈር፡ ኣብ ገዛና፡ ኣብ መንደቅ ቤትና፡ ኣብ ማዕጾና፡ ኣብ ግንባርና፡ ኣብ አፍ ልብና፡ ኣብ ኣጻብዕትናን ቅልጽምናን ናይ መስቀል ምልክት ይሃልወና፡ ምኽንያቱ መስቀሉ፡ ሓይልና እዩ ። ካብ ዝተዋህቡና በረኸታት ውን እቲ ዝበለጸ በረኸት መስቀል እዩ ፡ ናጽነትና ፡ ዘውድና ….. ናይ ቤተክርስቲያና ስልማት እዩ ። ስለዚ መስቀል ኣብ ኣእምሮኹም ከም ማሕተም ሕተምዎ ። ( ግብረ ዮሓንስ ኣፈወርቅ )
እዚ ቅዱስ አቦን ካልኦት ቅዱሳን ኣበውን ዝገደፉልና ትምህርትን ምኽርን መሰረት ናይ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መስቀል ምኻኑ ኢዩ ምኽንያቱ ምእመናን ኣብ ኩሉ ስርሖምን ተግባሮምን ኣብ ጸሎት፡ መግቢ፡ ጉዕዞ ቅድሚ ምጅማር ድሕሪኡ ብትእምርተ መስቀል የማዕትቡ ። ብፈተና፡ ብሓዘን፡ ብሕማም ግዜ ፡ኩፉእ ሓሳብ ኣብ ዝመጸና ግዜ ብምምዕታብ ንካላኸሎ ። ነዚ ንገብሮ ድማ መስቀሉ ብዝኸበረ ደሙ ዝቐደሶ ብናይ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ከሃልነትን ረድኤትን ምእማን እዩ።
ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ “ቅዱስ መስቀል ኣብ ኩሉ ሰብነተይ ይሽከሞ መስቀል ኣብ ኩሉ ጉዕዘይ ምሳይ እዩ፡ መስቀል ኩሉሳዕ ኣብ ቅድመይ እዩ፡ መስቀል ኣብ ውሽጢ ልበይ ውን እዩ ይብል።”
መስቀል ንሕማሙን መከርኡን ዘመልክትን ብቐጥታ ንዕጸ መስቀሉ ዘመልክት ከምዝኾነ ግልጺ እዩ ። ቅዱሳን ኣበው ኣብ ኩሉ ሕይወቶም መስቀል ሒዞም ይጓዓዙ ። “ለባስያነ መስቀል” ስለ ዝኾኑ ክዳኖም፡ ኣኽሊሎም፡ በትረ ክህነቶም መስቀል እዩ እወ እቲ ትምክሕትና ዝኾነ መስቀል ። ገላ 4፡14
ቅዱስ መስቀል ናይ ክርስቶስ ኣካል ዝተሸንከረሉ ደሙ ዝነጠበሉ ብምዃኑ ዓቢ ሓይሊ ብምስርሑ ነኽብሮ ፡
ንሳለሞ’ውን ናይ ኣኽብሮት ናይ ጸጋ ስግደት ውን ንሰግደሉ ። ቅድስት ቤተክርስቲያና ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ንበዓል መስቀል ብፉሉይን ድሙቕን ስነ ስርዓት ተኽብሮ ። መስከረም ፲፯ (17) ኵዕታ ዝተጀመረሉን ምልክት ዝተራእየሉን ክኸውን ከሎ፡ መጋቢት ፲ (10) ድማ ንግስቲ እሌኒ ፫፻፴፭ (335) ዓ.ም መስቀሉ ካብ ዝተቐበረሉ ኲዒታ ዘውጽኣትሉ እዩ ።
ብተወሳኺ መስከረም ፲፯ (17) ዝበዓለሉ ምኽንያት
ቤተክርስቲያን ተሰሪሑ ቅዳሴ ቤቱ ዝተገብረሉ ቅዱስ መስቀል ካብ ኢየሩሳሌም ፮፻፵፩ (641) ዓ.ም ብፋርሳውያን ድሕሪ ምዝራፉ ብንጉስ ህርቃል ንጉስ ሮማ ብመስከረም ፲ (10) ናብ ቁስጥንጥያ ዝኣተወሉ እዩ ። ህርቃል መስከረም ፲፬ (14) ንግስቲ እሌኒ ኣስሪሓትሉ ዝነበረት ቤተክርስቲያን ኣሐዲሱ ዘእተወሉ እዩ ። ኣብ ወርሒ መስከረም መዓልቱ ይፋላለ ድኣ እምበር ምብራቓውያንን ምዕራባውያንን ኣብያተ ክርስቲያናት ንቅዱስ በዓል መስቀል የኽብራ ። እዚ ዝኾነሉ ድማ ብውሳኔ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ መስቀሉ ዝተረኽበሉ ወርሐ ጾም ስለ ዝኾነ ብመስከረም ክኽበር ከምዝተወሰነ ኣብ ስንክሳር ተገሊጹ ይርከብ ። መጽሓፈ ስንክሳር መስከረም ፲፯ (17)
ይኩን ድኣ እምበር ከምቲ ናይ መስከረም እካ እንተዘይኮነ ኣብ መጋቢት ምኽባሩ ‘ውን ኣይተረፈን ። መስከረም ፲፯ (17) ናይ መስቀል በዓል ፍሉይ ካብ ዝገብሮ ናይ ዳሜራ ሓዊ ምውላዕ እዩ ፡ እዚ ድማ ትውፊታዊ መሰረት ኣለዎ ።
ንግስቲ እሌኒ መስቀሉ ዝተቐብረሉ ቦታ ንምፍላጥ ኣብቲ ዳሜራ ሓዊ ዕጣን ኣእተወትሉ። እቲ ትኪ ከም ቀስተ ደመና ንላዕሊ ወጺኡ ተመሊሱ መስቀል ኣብ ዝተቐብረሉ ቦታ ኣመልከተ። በዚ ምልክት’ዚ ተመሪሓ ድማ መስቀል ካብ ዝተቐብረሉ ኲዒታ ኣውጽኣቶ ናይ መስቀሉ ከምዝተረኽበ ዘሕጉስ ብስራት ንወዳ ንጉስ ቆስጠንጢኖስ ምእንቲ ክበጽሖ ካብ ኢየሩሳሌም ክሳብ ቁስጥንጥንያ ኣብ ልዕሊ እምባ መብራህቲ ከም ዝበርህ ገበረት ።
እዚ ድማ ናይ ዘመኑ ዜና መሰረታዊ ምሳሌ እዩ ነይሩ፡ በዚ መሰረት ቤተክርስቲያና ናይቲ ታሪኽ ፍጻሜ ገሊጻ ብዓቢ ክብሪ በዓል መስቀል ተኽብር ።ይኹን ድኣ እምበር ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ናይ መስቀል ክብሪ ብዓመትን ወርሕን ዝውሰን ኣይኮነን ። ነገረ መስቀል ዘይዝከረሉ መዓልትን ሰዓትን የልቦን፡ መስቀል ኣብ ዘይብሉ ስርዓተ ማህሌት፡ ስርዓተ ቅዳሴ፡ ስርዓተ ኣምልኾ፡ ስርዓተ ጸሎት ኣይግበርን። ናይ ደቂ ሰባት በደል ካሕሳ ኣብ መስቀል ተፈጺሙ እዩ እሞ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዘለና ምእመናን ውሉደ ቤተክርስቲያን ውን እምነትናን፡ ስርዓትናን፡ ትዉፊትናን ዓቂብና ኣሰር ኣቦታትና ተኸቲልና፡ ሕይወትና ኩልሳዕ ንድሕነት እንዳ ኣቕረብናያ ክንነብርን ፡
ንቤተክርስቲያን ስደተኛ ኮይና ካብ ምንባር ክንዕቀብን ይግባእ። ኣብ መወዳእታ ቤተክርስቲያን ኩሉሳዕ ጻውዒታ ብዓቢ ድምጺ ተስምዕን ትእውጅን ደቃ’ውን ካብ ማእሰርቲ ዲያብሎስ ነጻ ኴንና መስቀል ክርስቶስ ተሰኪምና ብብርሃኑ ክንመላለስ ወግሐ ጸብሐ ትጽውዕ ኣላ እሞ ጻዊዒታ ሰሚዕና መስቀሉ ተሰኪምና ክንነብር ርሕሩሕ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብጸግኡ ይደግፈና ።
ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Comments
Post a Comment