ሚካኤል
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን።!
ቅዱስ ሚካኤል ዘወርሒ ኃምለ
ተፈጥሩኡ ነደ እሳት ዝኾነ ቀዳማይን ተኸታልን ዘይቡሉ ናይ እግዚኣብሔር ኣጋልጋላይ ዝኾነ ፡ ማዕሩጉ ልዕል ዝበለ ከናፍሩ ናይ ምስጋና መፍሰሲ ዝኾነ ካብ ዘረቡኡ ናይ ሓዊ ብልኾታ (ነጸብራቓዊ ሓዊ) ዝወጽእ ፡ መጎናጸፊኡ እሳት ልብሱ ኣሳት ፡ ብነበልባል ሓዊ ዝተሸለመ ፡ናይቶም ጸለእትና ድኹማት ሰራዊት ሳጥናኤል ፡ ዝዓጽደሉን ዝቐዝፈሉን ናይ ስላሴ ሴይፍ ብኢዱ ዝሓዘ ናይ መላእክት ሓለቓ ቅዱስ ሚካኤል ዝገቦሮ ተኣምር እዚ እዩ ።
ናይ’ቲ ኩብሩን ርህሩህን ዝኾነ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ካብ ፍላጻ ጸላኢ የድሕነና፡ ጥዑም ድምጺ ዜማ ዘለዎ ካብ ኣጽናፍ ናብ ኣጽናፍ ኣብ ኣርያም ብኣኽናፉ ዝመላለስ ካብ ናይ ጸላኢ ፍላጻ፡ ካብ መኣሰርቲ ሲኦል፡ ካብ ኣፍ በላዒ ተኹላ ርጉም፡ ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን ሕሱም የድሕነና ለዓለም ኣለም ኣሜን!
ኣብ ሓንቲ ሃገር ሓደ ክርስቲያናዊ ሰብኣይ ነበረ ። ካብ ዕለታት ሓንቲ ማዓልቲ ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ዝኽበረሉ ዝነበረሉ ዕለት እዚ ፍጻሜ ተፈጸመ ፡፡ ኣብ ቅዳሴ ፡ ኤጲስ ቆጶሳት ፡ቀሳውስት ፡ ዲያቆናት ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ስርዓተ ቅዳሴ ዝፍጸመሉ ዝነበረ ግዜ ፡ ኣመንቲ ክርስቲያን ዝኾኑ ብዙሓት ሰባት ፡ ስጋኡን ደሙን ንምቅባል ፡ ሕግን ስርዓትን ብዝሓዘ መሰረት ደው ኢሎም ነበሩ ።
ናይ እግዚኣብሔር ወልድን ፡ ናይ ኣምላኽነቱን ነገር ዝገልጽ ቓል ወንጌል ኣብ ዝንበበሉ ዝነበረ ሰዓት ርኹስ መንፈስ ዝሓዶሮ ፡ ንቡዝሕ ዘመናት ፡ ብኡኩያት ኣጋንንቲ ዝተፋላላየ ዝሳቀ ዝነበረ ሓደ ሰብ መጸ ። ናብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣተወ ፡ ኩሉ ህዝቢ’ውን ይርእዮ ነበረ። ብኣዝዩ ሓያል ድምጺ ብዝስማዕ ከምዚ ኢሉ ገዓረ ። “ኦ! ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ካብ መሕደርየይ ኣውጺእኻ ኣባሪርካኒ ክሳብ ሕጂ ድማ ካብ ምስ ብጾተይ ዝጽጋዓሉ ኣውጺእካ የንከራትትን የዕነንን ኣለኹ ።
ኦ! ሊቐ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ጎይትኡ ዝኾንካ ካብ ስልጣንካ ናበይ ክኸይድ ፡ ካብ ቅድሜኻ’ከ ናበይ ክሕባእ ፡ ካብ ኢድካ ክሃድም ኣይክእልን ። ካብ ሰማይ ንታሕቲ ካብ ምድሪ ንላዕሊ ፡ ኩሉ ቦታታት ፡ በኣርባዕቲኡ መኣዝን ኣውጺእካ ሰዲድካኒ ። ስምካ ኣብ ዝጽዋዓሉ ቤተ ክርስቲያንካ ኣብ ዝተሃነጸሉ ቦታ ኩሉ ምእታው ከሊእካኒ እንዳ በለ ፡ ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምእመና ዝተኣከቡሉ ርኹስ መንፈስ ብዓቢ ድምጺ ኣእወየ።
በዚ ግዜ’ዚ ድማ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ካብ ሰማይ ወረደ ፡ብርሃን ለቢሱ ፡ ብርሃን ተጓናጺፉ ትእምርተ መስቀል ዘለዎ ናይ ወርቂ ዘንጊ ሒዙ ተራእየ። ነቲ ኣብ’ቲ ሰብ ሓዲሩ ዝነበረ ሩኩስ መንፈስ (ሰይጣን) ሒዙ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጥቃ ታቦት ብሸነክ ጸጋም ኣቒሙ በቲ ሒዝዎ ዝነበረወገን ሰቂሉ ፡ በቲ ሒዝዎ ዝነበረ መስቀል ዘበጦ ፡እቲ ሰይጣን ድማ ብዓቢ ድምጺ ክግዕር ጀመረ ፡ “ወይ ኣነ! ወይ ኣነ! ብኢዱ ተተሓዝኩ ካብ ኢድካስ ብከመይ ክሃድም ይኽእል፧ ሊቀ መላእክቲ ቅዱስ ሚካኤል ብድፍረት ቤተ ክርስቲያን ምእታወይ ዓቢ በደል በደልኩ ፡ነገር ግን ክትፍንወንን ይቅረ ክትብለለይን በቲ ሓያል ክብሪ ዝሃበካ ብእግዚኣብሔር የምሕለካ ኣለኹ እነሆ ካብ ሕጂ ንዳሓር ቤተ ክርስቲያንካ ከይ ኣቱ ፡ ስምካ ኣብ ዝጽወዐሉ ቦታ ፡ ዝክርካ ዝግበረሉ ቦታ ፡ ኩሎም ብጾለትካ ዝተኣማመኑ ኩሎም ናብኦም ከይቀርብ እምሕል ኣለኹ ። ከምዚ ኢሉ ምስ ተዛረበ ኩሉ ህዝቢ እንዳረኣዮ ብዓቢ ሕፍረትን ፍርሓትን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጺኡ ከደ ።
ካብዚ ንዳሓር እቲ ሰብ ካብ ሕማሙ ሓወየ ንእግዚኣብሔርን ፡ ንቅዱስ ሚካኤልን ኣመስገነ ። ናይ መላእክቲ ሓለቃ ዝኾነ ብቅዱስ ሚካኤል ኣማላድነትን ጸሎትን ፡ ብምእማን ሞተ ፡ መንግስተ ሰማይ ክሳብ ዝወርስ ናይ ይቅሬታን ምሕረትን ፡ ተላኣኣኺ ዝኾነ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ብቅንዕናን ብትግሃትን የገልግል ነበረ ።
ንሕና ኩላትና ብጸሎቱን ብኣማላድነቱን እንኣምን ካብ ሰይጣንን ሰራዊቱን ኣጋንንትን የድሕነና ህይወት ብዝህብ ምስጋንኡ ፡ ካብ ድዌ ስጋ ካብ ድዌ ነብሲ ብተራድእነቱ ይፈውሰና ። መብረቀ ስብሃት ዝተጓናጸፈ እሳት ዝኾነ ምስ ኣዕርኽቱ ምስ ኪሩቤል ኮይኑ ኣብዚሑ ይለመነና ። ህልውንኡ መወዳእታ ዘይቡሉ ነቲ ዘይምርመር ዝፋኑ ኣብ ኣርያም ዝዘርግሐ እግዚኣብሔር ጥቅሙ ብዙሕ ዝኾነ ፡ ነጠብጣብ ምሕረቱ ኣብ ልዕሌና ዘፍሰሰ ፡ምሕረቱ ኣየርሕቀልና ፡ ተኣምሩ ንዘንብብ ፡ኣማልድነቱ ረዲኤት ይኹኖ ኣብ ትሕቲ ክንፉ ይኸውሎ (ይሰወሮ ) ንዘልኣለም ዓለም ኣሜን ።
ብ12 ሓምለ ናይ ቅዱስ ሚካኤል መዘከርታ (በዓል) ዝጽለን ፡ ዝንበብ ድርሳን እዚ እዩ።
በዚ ዕለት እግዚኣብሔር ናይ ፋርስ ንጉስ ዝኾነ ሰናክሬብ ንኢየሩሳሌም ከቢቡዋ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰራዊት ነብሩ።/2ነገ.19፡35/ ንጉስ ሰናክሬብ “ካብ ህዝቅያስን ካብ ኣምላኹ እግዚኣብሔርን ሕጂ ካብ ኢደይ ዘድሕነኩም መን እዩ ፧” እናበለ ፡ ናይ ብደዐ ናይ ዘለፋን ደብዳቤ ለኣኸሉ ። ናይ ይሁዳ ንጉስ ህዝቅያስ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ፈጣሪኡ እግዚኣብሔርን ዝተንስአ ዘረብኡ ‘ዉን ብዕብራስጥ ክዛረብ ምስ ሰመዐ ብጣዕሚ ድማ ሓዘነ ፡ ካብ ሓዘኑ ዝተላዓለ ማቕ ለቢሱ ህዝቡን ሃገሩን ኢዮሩሳሌምን ንምድሓን ፡ናብ ቤት እግዚኣብሔር ኣተወ እንዳ ወደቀ ፡ እንዳ ተሰአ ክጽልን ንእግዚኣብሔር ክልምንን ጀመረ ። እግዚኣብሔር ድማ ልማንኡን ጸሎቱን ተቀበለሉን ፡ ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ናብ ሰናክሬብ ንጉስ ፋርስ ዝኾነ ለኣኾ ። ካብ’ዚ ንኢየሩሳሌምን ንህዝቢ ይሁዳን ኣድሓኖም ።
ስለዚ ናይ ቤተ ክርስቲያና ሊቃውንቲ ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል(ጸበል) ክንገብር ኣዚዞምና እዮም ። ልማንኡን ኣማላድነቱን ንኹሉ ግዜ ካባና ኣይፈለ ንዘልኣለም ኣለም ኣሜን ።
ቅዱሳን ሰማእታታት ብተጋድልኦም ግዜ እትረድኦም ስለ ጻድቃን እምኒ ተተሪኢሶም ኣውሊ ልሒሶም ኣብ ዱርን ኣብ ገደልን ንዘነበሩ ጻድቃን እትሕልዎም (እትቦጽሖም) ኦ! ሚካኤል ንዝለምዑ ኣዝርእቲ ኣብሲልካ ንቀውዒ እትበጽሖም ጻሓይ ንስኻ ኢኻ።
ሕጂ’ውን ኣብ ትሕቲ ክንፍኻን ስልጣንካን ዘሎ ሂወት ካብ ዳግማይ ሞት ድቓስ የንቃሓኒ ፡ የትጋሃኒ ፡ኣሜን።
ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Comments
Post a Comment