ወተመይጠት ማርያም ሃገረ እስራኤል አቡሃ"

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

"ወተመይጠት ማርያም ሃገረ እስራኤል አቡሃ"


ጉዕዞ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስለ ፍቁር ወልዳን ዮሴፍን ሰሎሜን ዝተኸተልዎ መንፈሳዊ ናይ በረኸት ስደት ኣብቂዑ ናብ ሀገረ እስራኤል ዝተመልሰትሉ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘርኣየና እግዚኣብሄር ክብርን ምስጋናን ይኹኖ።


ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ አበው ኣባ ጽጌ ብርሃን ፍረ ካብ ፍዮሪ ዕንበባ ዕንበባ ካብ ፍረ ከምዝርከብ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንወዳ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍረን ብዕንበባን እንዳመሰል ኣብ ዝደረሶ ድርሰቱ ከምዚ ይብል፡


“አፈወ ሮማን ማርያም ጽጌ ቀናንሞ ወአበሜ፣ 

እስከ ተጸምሐየየ በጾም ዘመልክዕኪ ጊዜ ድክታሜ፣ እምተመነይኩ ተሳትፎ ከመ እኅትኪ ሰሎሜ፣ 

ወፍሥሓኪ ዘአልቦ ፍጻሜ ”፡፡  


"ትርጉሙ “ 

ሽቶ ሮማን ዕንበባ ቀናንሞ ዝኾንኪ ቅድስት ድንግል ማርያም ግርማ መልክዕኺ ክሳብ ዝጽልምው ብስደትን ድኻምን ብዙሕ ብኽያት ዝበጽሓኪ  ኩሉ መከራ ፣ ኣነ’ውን ድሌተይከም ሓፍትኺ ሰሎሜ  ቲ’ መከራኺ ሓቢረ እንተዝቅበሎ ።”  


ኣብ ብዙሕ ድርሳናት ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተጻሒፉ ዘይውዳእ እካ እንተ ኾነ ገለ ካብኡ ከኣ ኣብ አርክ ሥሉስ ኣብ ስደታ ዝበጽሓ ሓዘንን ሰቆቃውን እንዳዘከረ ኣብ “ ሰቆቃው ድንግል “ ዝደረሶ ድርሰቱ  ከምዚ ይብል “ ጸሓይ ትለብሲ ውሉደ ብርሃን ድንግል ማርያም ካብ ክፋእ ሄሮዶስ ንወድኺ ሒዝኪዮ ምስ ሃደምኪ ዝበጽሓኪ መከራ ወርሒ ዝወድዩ ኣእጋርኪ ብብዝሒ መገዲ ብዋዕየ ሑጻ ክቃጸል ከሎ ይትረፍ ሰብ ኣእማንውን ምበኸዩ ኔሮም። “ ይብለና።


ከምኡ ውን ሊቃውት ቤተክርስትያን ኣብዚ ግዝያት ናይ ወርሓ ጽጌ፡ እቲ ምሉእ ለይቲ ሰንበተ ክርስቲያን ብፍሉይ ተመስጦ ዝቕጽልን ዝቐርብን  ዘቕርብዎን ምስጋና ዝማሬ ውን ካብ ድጓ ቅዱስ ያሬድ፥ ማኅሌተ ጽጌ ከምኡውን ሰቆቃወ ድንግል ዝተረኽበ እዩ። ብምሳሌ ይኹን ብትንቢት ቅድመ ሓዲስ ኪዳን ንዝተነግረላን፤ ከምኡውን ካብ ጽንሰታ ጀሚሮም ኣብ ኵሉ መዋዕላ፡ ካብ ጐይታ ከይተፈልየት ምእንቲ ደቂ ሰባት ንዝገበረቶ ኵሉ እናተገልጸ ዝዝከረሉ ፍሉይ እዋን ንምስታፍ ሰንበት መጸ ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናን ብናፍቖትን ብሓንቀውታን ክጽበይዎ ይቕንዩ። ምስ ተጀመረ ድማ ለይቲ ምሉእ ብተመስጦ ክዝምሩ ይሓድሩ። ቅዳሴ ድማ የቕድሱ። ዝክራ ድማ በብተራ ብምግባር ካብ በረኸታ ይሳተፉ። ብሓፈሻ ወርኃ ጽጌ ኩሉ ዝበጽሕ መንፈሳዊ ኣገልግሎት መበገሲኡ “ነዚ ሕጻንን ኣዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም ክሳዕ ዝነግረካ ከኣ ኣቡኡ ጽናሕ” ኢሉ ብዝነገሮ መሠረት ክሳዕ “እቶም ነፍስ እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንሥእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ። ” ተባሂሉ እቲ መልኣኽ ገሊጹ ክሳዕ ዝነግሮ ድማ ኣብ ስደት ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን ጸኒሖም ። ድሕሪኡ  ናብ ሃገሮም ናዝሬት ከምዝተመልሱ እንዝክረሉ  እዋን እዩ። (ማቴ.2፥13,20) ፣ መዝ.83፣3


"ኢየሱስ ስዱድ ተስፋሆሙ ለስዱዳን " ሰቆቃወ ድንግል"

ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን  ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ወላዲቱ ኣብ ግዜ ስደቱ ነቶም ድሒሮም ስለ ስሙ ገድልን ትራፋትን ሰማዕትነትን ዝፈጸሙ ቅዱሳን ስደቶም ክባርኽ ተሰደ። ነዚ ዝገለጹ ቅዱስ ኣባ ጽጌ ድንግል ኣብ ሰቆቃወ ድንግል ከምዚ እንዳበሉ ይውድስዎ። "ኢየሱስ ስዱድ ተስፋሆሙ ለስዱዳን ኢየሱስ ግፉዕ ምስካየ ግፉዓን" ዝተሰደድካ ኢየሱስ ተስፋ ናይ ስዱዳን ዝተገፋዕካ ኢየሱስ ንጉፉዓት።


ከምኡ ውን ርህርህቲ ሕልና ዝኾነት ቅድስተ ቅዱሳን ንጽህተ ንጹሃን ቅድስት ድንግል ማርያም  ኣብዚ ስደት  ናይ ቀትሪ ፀሓይን ሃሩርን፡ ናይ ለይቲ ቍርን ኣስሓይታን ዝናምን፡ እሾክን ተኮርባን ብዙኅ ስቃያት እናወረዳ፡ በቲ ሠራዊት ሄሮድስ እናኣሳደድዋ፤ በዚ ደቂ ሰባት እናገፍዕዋን እናጸረፍዋን በቲ ሸፋቱ እናከተርዋ ብዙኅ ብቓላት ዘይግለጽ መከራ ረኺባ። ብጥሜትን ጽምእን ንሠለስተ ዓመትን መንፍቕን ጸኒሓ፤ ደኃር ብ6 ኅዳር ናብዛ ብርኽቲ ደብረ ቍስቋም በጺሓ ኣዕሪፋ ኢያ። ኣብዚ ስደት ዝጸንሓትሉ ጊዜ ብምድሪ ግብጺ ኣቢላ ብኪደተ እግራ ብዙኃት ቦታታት እናባረኸት ብሃገርና ኤርትራ ኣቢላ ከም በዓል ደብረ ሲና፡ ጸሎት ባእታ፡ ሃገረ ናግራን፡ ዓይላ ማርያም፡ ደብረ ቍስቋም ድባርዋ፡ ---- ወዘተ በጺሓ  ናብ ደብረ ቍስቋም ብመሪሕነት መልኣኽ ሰላም ቅዱስ ዑራኤል ኣብዚ ደብሪ ብሰላም በጺሓ ኡፍ ኢላ ዘዕረፈትላ ገዳም ኢያ። 


ኣብዚ ግዜ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ዓመት መጸ ነዚ መንፈሳዊ ስደት ድንግል ማርያም ካብ 26 መስከረም ክሳብ 6 ሕዳር ሰቆቃወ ድንግል ማህሌተ ጽጌ ማሃልየ ሰሎሞን ዘወትር ሰንበት ኣብ 3 ክፋል ከፊሎም ሊቃውንት ቤተ ክርስትያን  እንዳ ኣብጽሑ ካብ ስደታ በረኸት እንዳኣስተንተኑን ብማህሌት ይቖሙ። ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ጸሓፍቲ ድርሳናት ስለ እዚ መሪር ስደት ንብዓት ካብ ኣዕይንቶም እናኣዛረዩ፡ ቈርበት ፍሒቖም ቀለም በጽቢጾም ኣብ ብራናታት ጽሒፎም ንማኅሌትን ንጸሎትን ዝኸውን ድርሳናት ገዲፎሙልና እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ካብዚ ናይ ጥፍኣት ዓለም ሰዊሩ ስደትና ናይ በረኸትን ቅድስናን ጌሩ ካብ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስደት በረኸት ከሳትፈና ናቱ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።


እስከ ማእዜኑ እግዝእተየ ማርያም፡ውስተ ምድረ ነኪር ትሄልዊ

ሃገርኪ ናሁ ገሊላ እትዊ።

ክሳብ ማዓስ እግዝእተየ ኣብ ምድረ ባዕዲ ክትነብሪ ናብ ሀገርኪ ገሊላ እተዊ


"ሰቆቃወ ድንግል" 


ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ




https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html




Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe




https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html




 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y




https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==








ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!   



Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና