ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል
እንቓዕ ናብ ዓመታዊ በዓለ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ብሰላም ኣብጸሓና ስድራ ክርስቶስ።
ናይ መላእኽቲ ተፈጥሮ
ናይ መላእኽቲ ተፈጥሮ ካብ ሓውን ንፋስን ብምዃኑ ንተልእኾ ቅልጡፋት፤ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ ዘይደልዩ፤ ኃይሎም ዘይደኽም፡ ተፈጥሮኦምውን ዘይዓርግ ረቂቓን ፍጥረት እዮም። ካብቲ ብዙኅ ዝኣገልግሎቶም ኸኣ እቲ ቀንዲ ንእግዚአብሔር ምምስጋን፤ ካብን ናብን እግዚአብሔርን ሰብን መልእኽቲ ምብጽጻሕ እዩ። ንእግዚአብሔር የገልግሉ፤ ንደቂ ሰባት ድማ ይራድኡ። ካብ እግዚአብሔር በብዝተዋህቦም ክፍሊ ዕዮን ሽመትን ኪዳንን ኸኣ ዝተፈላለየ ውህበታትን ኣገልግሎትን ኣለዎም። ስለዚ ኸኣ ዝፍጽምዎም ተግባራትን፡ ዝገብርዎ ተኣምራትን ይፈላለ እዩ።
ብዝኂ መላእኽቲ ክንድ’ዚ እዩ ተባሂሉ ክንገር ዘይከኣል ኣዝዩ ብዙኅ እኳ እንተኾነ፡ ነገደ መላእኽቲ ግና ብቍጽሪ ፺፱ (99) ምዃኖም ቅዱስ መጽሓፍ ይነገረና። (ማቴ ፲፰፥፲፪/18፥12) እዞም ነገዳት ኸኣ ሸውዓተ ሊቃነ መላእኽቲ ኣለዎም። (ራእ ፰፥፪/8፥፪) ቅዱስ ሩፋኤል ሓደ ካብኣቶም ኮይኑ ብማዕረጉ ሣልሳይ ሊቀ መላእክት እዩ። ኣብ ጸሎትና’ውን ድኅሪ ሊቃነ መላእክት ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ኣብ ሣልሳይ ደረጃ እንጽውዖ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል እግዚአብሔር ዝሃቦ ፍሉይ ሽመትን ኪዳንን ኣለዎ። ሩፋኤል ማለት ፈውሰ አምላክ፤ ፈዋሴ አምላክ፤ ዘሥዩም ዲበ ፈውስ ማለት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እግዚአብሔር መድኃኒት እዩ ማለት እዩ። ብኻልእ ትርጉም’ውን ንልቢ ባህ ዘብል ዘሕጒስ ናይ ኣምላኽ ሓጐስ ማለት’ውን እዩ።
ሲመት
ሲመት ቅዱስ ሩፋኤል ሕሙማን ብምፍዋስ፡ ኣጋንንቲ ብምውጻእ፡ ዓይኒ ዕዉራን ብምብራህ፡ ሕማም ሕርሲ ንዝብርትዐን ኣዴታት ቀልጢፉ ብምርዳእ ዝፍለጥ መልኣኽ እግዚአብሔር እዩ። እዚ ፍጡነ ረድኤት ዝኾነ ክቡር መልኣኽ ዓቃቤ ሥራይ ተባሂሉ ዝፍለጥ መልኣኽ እዩ። (ድርሳነ ሩፋኤል) ሄኖክ’ውን ንቅዱሳን መላእኽቲ ስሞምን ኣገልግሎቶምን ኣብ ዝገለጸሉ ክፋል መጽሓፉ፡ ንቅዱስ ሩፋኤል “ኣብ ልዕሊ ቍስሊ ሰብ ዝተሾመ” (ፈዋሴ ቍስል) ብምባል ካብቶም ብእግዚአብሔር ንኸምዚ ኣገልግሎት ዝተሾሙ ሓደ ምዃኑ ጠቒስዎ ኣሎ። (ሄኖ ፮፥፫/6፥3) ባዕሉ ቅዱስ ሩፋኤል’ውን “ጸሎት ቅዱሳን ናብ እግዚአብሔር ካብ ዘዕርጉ፤ ናብ ዝኸበረ ናብ ገነት ናብ ጐይታ እግዚአብሔር ካብ ዘእትዉ ሸውዓተ ሊቃነ መላእክት ሓደ ምዃኑ” ተዛሪቡ ኣሎ። (ጦቢ ፲፪፥፲፭/12፥15) እግዚአብሔር ድማ ኣብ ልዕሊ ፳፫ ነገደ መላእኽቲ ሸይምዎ እዩ።
ስያመን ኣገልግሎትን
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ቅዱስ ሩፋኤል ፈዋሴ ብምዃኑ ዓቃቤ ሥራይ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ሰማያውያን መዛግብቲ ኣብ ኢዱ ዝሕለዉ ምዃኑ ስለዝእመን “ዐቃቤ ኆኅቱ ለአምላክ” ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። እግዚአብሔር ብዝኣዘዞ ዝኸፍቶምን ዝዓጽዎምን ንሱ እዩ። በታ መዓልቲ ድኅነትን ሓጐስን ኸኣ ነቶም ዝተዓወቱን ዝሠዓሩን ካብታ ዕፀ ሕይወት ክብልዑ ምእንቲ ክህቦም ዝተኣዘዘ ቅዱስ ሩፋኤል እዩ።
እዚ ክቡር መልኣኽ ኣዴታት ክሓርሳ ከለዋ ሕርሲ ከይብርትዐንን ከይጽንክረንን ዝራዳእ መልኣኽ ስለዝኾነ “ፈታሔ ማኅፀን” ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። በዚ መሠረት ኣዴታት ድቂ ምሓዘን ካብ ዝፈለጣሉ እዋን ጀሚረን ድርሳኑ ብምንባብ፤ መልክዑ ብምድጋም፤ ጸበሉ ብምስታይን ብምልካይን ኣማላድነቱ ይምኅፀና። ከምቲ ልማኖአን ኸኣ ይኾነለን።
ክብረ በዓል
ዓመት መጸ ፫ ጳጒሜን ቅዱስ ሩፋኤል ብዝደመቐ ኣገባብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይበዓልን ይዝከርን እዩ። ምኽንያቱ ኸኣ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ብዙኅ ድንቂ ዝኾነ ነገር ዝፈጸመሉ ብምዃኑ እዩ፡ ገለ ካብኡ፦
ዕለተ ሲመት
ኣብ ልዕሊ ብዙኃን መላእኽቲ ሓለቓ ኮይኑ ዝተሾመሉን ካብ እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ዝተቐበለሉን መዓልቲ ስለዝኾነ እዩ።
ቅዳሴ ቤቱ
ካብ እስክንድርያ ብአፍዓ ኣብ ወሰናስን ማእከላይ ባሕሪ (ሜዲትራንያን ባሕሪ) ኣብ እትርከብ ሓንቲ ደሴት ብስሙ ዝተሃንጸ ቤተ ክርስቲያን ቅዳሴ ቤቱ ዝኸበረሉ ዕለት እዩ። እቲ ዘመን ኸኣ ቴዎፍሎስ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ እስክንድርያ እተሾመሉ ዘመን እዩ ነይሩ። እዚኣ ደሴት ብዙኃን ሊቃነ ጳጳሳት በብእዋኑ ዝተሾሙላ፡ ካብ በብሃገሩ መኒኖም ዝመጹ ባሕታውያንን ምእመናንን ዝቕመጡላ ገዳም ነበራ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ዓቢይ ዓሣ ኣንበሪ ነታ ደሴት እናደፍዐ ኣናወጻ። እታ ቤተ ክርስቲያን’ውን ኣብ ልዕሊኡ ተሃኒጻ ስለዝነበረት ካብ ኃይሊ ድፍዒት ናይቲ ዓሣ ኣንበሪ ክትፈርስ ተቓረበት። ነቶም ነቲ ክብረ በዓል ክብዕሉ ዝመጹ ድማ ኵሎም ተናወጹ። ኣብዚ ጊዜ እዚ እቶም ጳጳስን መነኮሳትን ምእመናን’ውን ብሓድነት ኮይኖም ናብ እግዚአብሔር ኣመልከቱ። እግዚአብሔር ጸሎቶምን ምህለላኦም ሰሚዑ ንቅዱስ ሩፋኤል ልኢኹ “ወረገዞ ገቦሁ በረምኁ ለውእቱ አንበሪ” ከምዝብል እቲ ቅዱስ መልኣኽ ነቲ ኣንበሪ ብኵናት ወጊዑ “ብትእዛዝ እግዚአብሔር ካብ ዘሎኻዮ ከይትንቀሳቐስ ደው በል” ኢሉ ኣዘዞ። እቲ ኣንበሪ ድማ ከምኡ ገበረ። በዚ ግብሩ ኸኣ “መገሥፀ አንበሪ ድሩክ” ተባሂሉ ቅዱስ ሩፋኤል ይፍለጥ።
ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ምእመናን ነዚ ተኣምር ብግልጺ ከምዝረኣዩን፡ ኣብዚኣ ደሴት’ውን ሕሙማን ክፍወሱ ዕዉራን ክርእዩን ካልኦት ብዙኅ ተኣምራት ክግበሩ ይረኣዩ ከምዝነበሩ መጽሓፈ ስንክሳር ብሰፊሑ ዝገልጾ እዩ።
ጦቢት - ጦቢያ
ቅዱስ ሩፋኤል ጦቢት ንዝተባህለ ጻድቕ ሰብ ዓይኑ ዓዊሩ ብርሃን ዓለም ስኢኑ ድኅሪ ምንባር ብሓሞት ዓሣ ለኺዩ ከምዝድኃኖ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰፊሑ ዝገልጾ እዩ። እቲ ታሪኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። ብሓጺሩ ከምዚ ዚስዕብ እዩ።
እቲ ዘመን ስልምናሶር ኣብ ፋርስ (ነነዌ) ነጊሡ ኣብ ዝነበረሉ ጦቢት ምስ ሕዝቡ ተማሪኹ ናብ ነነዌ ከይዱ ነበረ። ጦቢት ገና ኣብ ሃገሩ ከሎ ኣብ ጊዜ ንእስነቱ፡ ኣስራት ቀዳሜያት ምጽዋት ምሃብ ዝፈቱን ከምቲ ሕጊ ኦሪት ዝእዝዞ ኸኣ ናብ ኢየሩሳሌም ደይቡ ምስላም ዘዝውትርን ነበረ። ኣብ ስደት ኣብ ምርኾ እንከሎ’ውን ሓዳር መሥሪቱ፤ ሃብትን ንብረትን ኣጥርዩ ጦቢያ ዝተባህለ ብሩኽ ውላድ ወሊዱ ይነብር ነበረ። ኣብ ቅድሚ ንጉሥ እግዚአብሔር ሞገስ ስለዝሃቦ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሕዝቡ ተሾይሙ ነበረ። ጦቢት ኣእዳዉ ንዝተጸገመ ካብ ምምጽዋት ዘይዕጸፋ፤ ጥቕሚ ምጽዋት ኣጸቢቑ ዝፈልጥን ምስኡ ድማ ንካልኦት ጽጉማት ኣብ ኵሉ ሽግራቶም ተኻፋልን ዝሕግዝን ሰብ ነበረ። ሓደ ካብቲ ፍሉይ ሰናይ ተግባሩ ኸኣ ንዝዓረፉ ተጊሁ ይቐብርን ሓመድ ኣዳም የልብስን ነበረ። ንዝሞተ ቅድሚ ኣዳም ሓመድ ምልባሱ ኸኣ እኽለ ማይ ዘይጥዕም ሕግን ሥርዓትን እግዚአብሔር ዘኽብርን ዓቢይ ሰብ ነበረ።
ብኸምዚ ሰናይ ተግባር ኣብ ሞንጎ ሕዝቡ ብሰናይ እናነበረ ኸሎ ዕርጋን ብዝተሰምዖ፡ ንወዱ ጦቢያ ኵሉ ብዛዕባ ክገብሮ ዝግባእ ሓዳርን ካልእ መጻኢ ሕይወቱን ዝምልከት ምኽሪ ሃቦ። ገንዘብ ድማ ክህቦ ስለዝደለየ ድማ ንራጉኤል ዘከረ። ሓደ ጊዜ ራጉኤል ንዝተባህለ ሰብ ተጸጊሙ ምስ ረኣዮ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ብሕድሪ ሂብዎ ነበረ። ይኹን ደኣ እምበር ራጉኤል ካብቲ ጦቢት ዝነብረሉ ስፍራ ኣዝዩ ርሑቕ ብምንባሩን ጦቢት ኸኣ ዓሪጉን ዓዊሩን ስለዝነበረ ገንዘቡ ክእክብ ብዝደለየ መገዱ ዝፈልጥ ከምጽኣሉ ዝኽእል እሙን ሰብ ደለየ። ክልኣኾ ዝኽእል ብዘይካ ሓደ ወዱ ጦቢያ ካልእ ስለዘይነበሮ፤ ነቲ መገዲ ዘርእዮን ኣብ ጒዕዞኡ ዘሰንዮን ሰብ ግና ከማጽእ ነገሮ። ጦቢያ ኸኣ ንቅዱስ ሩፋኤል ብኣምሳል ጐበዝ ሰብ ረኸቦ። ምስ ሓተቶ ኸኣ ናብቲ ዝደልዮ ዓዲ ዝኸይድ ምዃኑ ነገሮ። በዚ ተሓጒሱ ናብ ኣቦኡ ወሰዶ። ጦቢት ኸኣ ስንቂ ኣስኒቑን መሪቑን ኣፋነዎም። በዚ ኸኣ ቅዱስ ሩፋኤል መራሔ ፍኖት የብሃል። መራሒ መገዲ ማለት እዩ።
ክኸዱ ከለዉ ድማ ኣብ ምምሳዩ ጢግሮስ ኣብ ዝተባህለ ዓቢይ ሩባ ምስ በጽሑ ዕብይ ዝበለ ዓሣ ኣብቲ ሩባ ንጦቢያ ተጓነፎ። ቅዱስ ሩፋኤል ኸኣ ንጦቢያ ነቲ ዓሣ ቀቲሉ ነቲ ጉበትን ልብን ሓሞትን ናይቲ ዓሣ ቈሪጹ ክሕዞ ነገሮ። ከምኡ ድማ ገበረ። ብጽባሒቱ ኸኣ በቲ ዝሓዞ ኣካላት ዓሣ እንታይ ከምዝገብር ነገሮ። ንሱ ኸኣ ኣብ ዝኸድዎ ቤት፡ ሣራ እትብሃል ጓል ራጉኤል ከምዘላ እሞ ርኹሳት መናፍስቲ ሓዲሮማ ክምርዓዉዋ ነንዝመጹ ሰብኡት እናቐተሉላ ብስቅያት ትነበር ከምዘላን፡ ስለዚ ነዚ ሕዚካዮ ዘሎኻ ልብን ጉበትን ምስ ተትክኾ ክጠፍእ እዩ። ንስኻ ድማ ትምርዓዋ በሎ።
ኣብቲ ቤት ምስ ኣተዉ ኸኣ ራጉኤል ብኽብሪ ተቐበሎም። ቅዱስ ሩፋኤል ከኣ ብዛዕባ መንነት ጦቢት ነገሮ። ሕጂ ድማ ንጓልካ ሰበይቲ ክትኾኖ ይልምነካ ኣሎ ኢሉ ነገረሉ። ግና ራጉኤል ምሃብ ክህቦ ከምዝኽእል ይኹን ደኣ እምበር ጸገም ከምዘለዎ ገሊጹ ነገሮ። ጦቢያ በቲ ቅዱስ ሩፋኤል ዝሃቦ ምኽሪ ተተባቢዑ ንሣራ ጓል ራጉኤል ተመርዓዋ። ውዕሎም ፈጺሞም ኸኣ ኣብ ቤት ሕጽኖቶም ምስ ኣተዉ ኸ፡ኣ “በሊ ሓፍተይ መርዓና እግዚአብሔር ክባርኸልና ጸሎት ንግበር” ኢሉ ጸሎቶም ምስ ፈጸሙ ነቲ ዝሓዞ ጉበትን ልብን ኣብ ሓዊ ገይሩ ምስ ዕጣን ሓዊሱ ኣትከኾ። ቅዱስ ሩፋኤል ድማ ባረኾም። ኣብ ሣራ ሓዲሩ ዝነበረ ኣስማንድዮስ ዝተባህለ ጋኔን ኸኣ ከም ትኺ ተኪኹ በኒኑ ጠፍዐ። ራጉኤል ግና ከምቶም ዝቀደሙ ሸውዓተ ሰብኡት ጦቢያ ምማቱ ኣይተርፍን እዩ ብምባል ክሓዝን ሓዲሩ ኣንጊሁ መቓብር ኵዒቱ ተመልሰ። ነቶም መርዓውቲ ኸኣ ከመይ ሓዲርኩም ኢሉ ምስ ሓተቶም “ደሓን ኣሎና እግዚአብሔር ይመስገን” ምስ በልዎ ተሓጒሱ ንልዑል እግዚአብሔር “ክበር ተመስገን” እናበለ ደጋጊሙ ኣመስገነ። ነቲ ዝዅዓቶ መቃብር’ውን ደፈኖ።
ድኅሪ ክልተ ሰሙን ኸኣ ጕዕዞ መልሲ ኮነ። ምንዋሕ መዓልቲ ድማ ንስድራ ጦቢያ ኣዝዩ ኣሻቒልዎም ነበረ። ቅዱስ ሩፋኤል ገንዘብ ኣቦኡ ከምጽእ ንዝኸደ እሞ ገንዘቡን መርዓትን ሒዙ ንዝተመልሰን ጦቢያ ኣሰንዩ ናብ ጦቢት ተመልሰ። ደሃይ ወዱ ምስ ረኸበ ዓዊሩ ዝነበረ ጦቢት ተሓጒሱ ክቕበሎ ምስ ወጸ፡ ጦቢት ካብቲ ሒዝዎ ዝነበረ ሓሞት ዓሳ ዓይኑ ምስ ለኸዮ ዓይኑ በርሀ፤ ሓጐሱ ድማ ዕጽፊ ድርብ ኮነ።
ድኅሪኡ እዚ ኵሉ፡ ተኣምራት ዝገበረ ቅዱስ ሩፋኤል ካብቶም ፯ተ ሊቃነ መላእክቲ ሓደ ምዃኑን መንነቱ ነጊሩን ብሕጂውን ከምዘይፍለዮም ተራዳኢነቱ ገሊጹ ተሠወሮም። ንሳቶም’ውም ክሳዕ ዕለተ ሞቶም ብስም እግዚአብሔር ምጽዋት እናመጽወቱ፤ ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ኣማላድነት እናዘከሩ ክነብሩ ጀመሩ።
ገለ ካብ ትውፊትና
ርኅወ ሰማይ ወርሐ ጳጒሜን ተዘክሮተ ምጽኣት ዝሕሰበሉ እዋን እዩ። ፫ተ ጳጒሜን ኸኣ ብፍሉይ ሰማያት ዝኽፈተሉ ተባሂሉ ዝእመነሉ መዓልቲ እዩ። መቸስ ሰማያት ዝዕጸወሉን ዝኸፈትሉን ማዕጾ ኣለዎ ንማለት ዘይኮነስ እግዚአብሔር ብዝፈልጦ ምሥጢር ዝግለጸሉ ስለዝኾነ እዩ። ካልእ መዓልቲ’ውን ምሥጢር ኣይግለጽን ንማለት’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ሩፋኤል ንዝጽለዩ ጸሎታት ከም መሥዋዕተ ሠርክ ኣብ ቅድመ እግዚአብሔር ከዕርግ ቃል ኪዳን ካብ እግዚአብሔር ስለዝተቐበለ እዩ። ብኸምዚ ኸኣ አበው ይኹን ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንጸሎት ተጊሆም ይርከቡ። ኣብዚ ዕለት ንዝዘንብ ዝናብ ኸኣ ከም ጸበል ስለዝውሰድን ዳርጋ በዚ ማይ ዘይጥልቅይ ወይውን በቲ ማይ ዘይሕጸብ ሰብ የልቦን። እቲ ዝዘንብ ማይ ኸኣ ንሰብ ይኹን ንእንሰሳ እንተላይ ንዘራእቲ ጽቡቕን ጥዕና ዝህብን እዩ ተባሂሉ ይእመን።
ገዓት ሩፋኤል
ቅዱስ ሩፋኤል ነቲ መርዓ ስለዝባረኾን ነቶም ስድራውን ሓዘኖም ናብ ሓጐስ ስለዘለወጦን መልአከ ከብካብ ይብሃል። ኣብ ባህልና’ውን ኣብዚ መዓልቲ ብፍሉይ ገዓት ተገዒቱ ናይ ሩፋኤል ጸበል እናተባህለ ይጠዓም። እቲ ምኽንያት ኸኣ ቅዱስ ሩፋኤል ንጦቢያ መርዓት ዝመረጸሉን፤ ንመርዕኡ ኸኣ ስለዝተሓጋገዞን ስለዝባረኾን ክንዲ ዓርኪ ርእሲ ድማ ኣብ ሕጽኖቱ ስለዝቐነየን ነዚ መዘከርታ ተባሂሉ ገዓት ይብላዕ።
እኽሊ ዘይምጥዓም
ኣብ ባህልና’ውን ከምዘሎ ብመሠረት ኦሪት ዝሞተ ሰብ ሓመድ ኣዳም ከይለበሰ እኽለ ማይ ኣይጥዓምን። ነዚ ሕጊ ኸኣ ጦቢት ብትግሃት ይፍጽሞ ነበረ። ኣብ ባህልና’ውን ሰሪጹ ዘሎ ትውፊት ኸኣ ንጦቢት ኣብነት ከምዝገበረ ብገለ ኣቦታት ይጥቐስ።
መጠቓለሊ
እግዚአብሔር ነቲ ሰናይ ዝገብር ዓስቡ ዝርስዕ ኣምላኽ ኣይኮነን። ጦቢት’ውን ዋላ ጽቡቕ ግብሪ ይሃልዎ ደኣ እምበር ካብ ስቓይስ ኣይተናገፈን ነበረ። ጊዜ ገቢር ለእግዚአብሔር እዩ እሞ እግዚአብሔር ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ጊዜ ንቅዱስ መልኣኹ ሰዲዱ ሓዘኑ ናብ ሓጐስ ለዊጡ፡ ምጽንናዕ ጦቢት ምሉእ ገበሮ። በረኸት እቲ ጽቡቕ ግብሩ ኸኣ ካብ ርእሱ ሓሊፉ ንወዱን ንኣዝማዱን ተረፈ።
እምበኣር ኣብዚ ዕለት’ዚ ታሪኽ ጦቢትን ጦቢያን ከምኡውን ካልእ ተነጊሩ ዘይውዳእ ኣማላድነት ቅዱስ ሩፋኤል ንዝክረሉ እዩ። ከምኡ ኸኣ ካብ ኣምላኽ ዝተሾመሉ። ንሕና’ውን ብርቱዕ ሃይማኖትን ኣብ ሰናይ ግብሪ ጸኒዕና ንነብር እንተደኣ ኮይንና፡ ውዒሉ ሓዲሩ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብቅዱሳኑ ኣቢሉ ከምዝራድኣና ብንጹር ዘረድእ ኣብነታዊ ታሪኽ እዩ። ምጽዋት ክሳብ ክንደይ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር በረኸት ዘውህብ ምዃኑ ካብ ታሪኽ ጦቢት ክንመሃር ንኽእል። ስለዚ ነቲ እግዚአብሔር ዝፈትዎ ሰናይ ግብሪ ወትሩ ኣብ ምፍጻሙ ክንተግህ ይግባእና። ነቶም ጒልባቦም ዝቐልዑ ይኹኑ ዘይቐልዑ ዝተጸገሙ ኣኅዋትናን ኣኃትናን ኣዴታትናን ኣቦታትናን ካብቲ ዘሎና ብምዝካር ኣብ መዝገብ ሰማያት ጽድቂ ንኣክብ። ጦቢት ንወዱ ጦቢያ ይኹን ንዓና ዝምዓደናውን ከምኡ እዩ። እሞ ኸ ንሕና ከመይ ኣሎና? ኣበናይ ግብሪ ጸኒዕና ኣሎና ኢልና ንርእስና ክንምርምር ይግባእ።
ቅዱስ ሩፋኤል ካብ ኣምላኽ ንዝተዋህቦ ኪዳን ከኣ እናዘከርና በረኸቱ ክንሳተፍ ይግባእና። ንሱ ተራዳኢ መልኣኽ ምዃኑ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ይኹን ድርሳኑ ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። ኣብ ሃገርና ብስሙ ካብ ዝተሃንጹ ኣብያተ ክርስቲያን ኸኣ እታ ሓንቲ ኣብ ኣሥመራ ቤት መኻእ ትርከብ። ምእመናን ተራዳእነት ቅዱስ ሩፋኤል ብዝግባእ ስለዝፈልጡ ድማ ብብዝኂ ኣብዚ ዕለት እዚኣ ናብዚኣ ቤተ ክርስቲያን ክውሕዙ ይረኣዩ እዮም።
በረከትን ረድኤትን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል
ምስኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኩን ኣሜንንን።
ሰላም ለሩፋኤል መስተፍሥሔ አልባብ
ዘተብህለ እስመ ይፌውስ ሕማመ
ወያጥዒ ቍስለ እንዘ ይብል አስምዖ
ለጦቢት ቃለ ጽድቀ እለ ይገብሩ ይዴግኑ
ሣህለ ወእለ ይኤብሱ በነፍሶሙ ያመጽኡ ኃጒለ።
በረኸትን ተራዳኢነትን ቅዱስ ሩፋኤል ኣይፈለየና።
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜንንን።

Comments
Post a Comment