ሊቀ ነቢያት ሙሴ
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ !
8 መስከረም ዕረፍቲ ሊቀ ነቢያት ሙሴ
ሙሴ ማለት ካብ ማይ ዝወጸ፡ ኣብ ማይ ዝተረኽበ ማለት እዩ። ትውልዱ ካብ ነገደ ሌዊ ኮይኑ ኣቦኡ እምበረም፡ ኣዲኡ ድማ ዩካብድ ይበሃሉ። ዝተወለደሉ ቦታ ግብጺ እዩ። እስራኤላውያን ወዲ እንተወሊዶም ክቐትልዎም ብፎርኦን ትእዛዝ ተዋሂቦም ክሳዕ ሙሴ ዝዉለድ ሸውዓተ ወርሒ ኣቑጺሮም ነበሩ(ኩፋ 32፡24)። ሙሴ ምስ ተወለደ፡
“ለዝንቱ ሕጻን ይከድኖ ሞገስ እምንዕሱ” ከምዝበሃል፡ኣብ ገጹ ብርሃን ተሳኢሉ ነበረ።
“ዓቀብተ መወልዳን ፎሓ፡ ሲፓራ ለዝሰ/ ለዝንቱ ሕፃንሰ ዘፈጠሮ ይቅትሎ”
እተን መሕረስቲ ፎሓን ሲፓራን ዝተባህላ ግርምኡን ብርሃኑን ርኤን ነዝስ እቲ ዝፈጠሮ ይቅተሎ ኢለን ገደፍኦ። ኣዲኡ ዩካብድ ንሠለስተ ወርኂ ሓቢኣቶ ድኅሪ ምጽናሕ ኣብ ሳንዱቕ ዓሺጋ ኣብ ገምገም ሩባ ኣቐመጠቶ። ለይቲ ለይቲ እናኸደት ድማ ተጥብዎ ነበረት። ብመዓልቲ ድማ ሓብቱ ማርያም ትሕልዎ ነበረት። ኣብ ሻውዓይ መዓልቱ ተርሙት ጓል ፎርዖን ኣገልገልታ ኣኸቲላ ክትሕጸብ ናብቲ ሩባ ምስ ወረደት ብኽያት ናይ ሕጻን ሰምዐት። ነቲ ሳንዱቅ ከፊታ ድማ ኣውጻኣቶ።
“እማይ ዘአዉጻእኩዎ/ካብ ማይ ዘውጻእኽዎ/ዝረኸብክዎ” ብምባል ሙሴ በለቶ። ሓብቱ ማርያም ብማዕዶ ኮይና ትዕዘብ ስለዝነበረት፡ ኣጥብያ እተዕብየለይ እንተዝረክብሲ ክዳውንታን፡ ቀለባን እናሃብኩ መንበርክዋ ነይረ ክትብል ከላ ሰምዓታ። ቀሪባ ድማ ከምዚ እትብልዮ ዘለኺ ከምጽኣልኪ'ዶ፧ በለታ።
ተርሙት ድማ ተሓጊሳ እወ ኣምጽእለይ በለታ። ማርያም ድማ ኵሉ ነገር ነዲኣ ነጊራ፥ ነዲኣ ኣምጽኣትላ። ተርሙት ድማ ንስኺ እንዳ ኣጥበውኪ የዕብይለይ ኢላ ዘድልያ ኩሉ ሃበታ፡ኣዲኡ ዩካብድ ድማ ብሞግዚትነት የዕበየቶ(ዘጸ 2፡1-10 , ኩፋ 32፡20-24
እብ 11፡23)።
ሙሴ ምስ ዓበየ ተርሙት ወደይ ኢዩ ኢላ ናብ ቤተ መንግሥቲ ኣእተወቶ። ሙሴ ግን ወዲ ጓልፎርዖን ተባሂሉ ብሓጐስን ብደስታን ካብ ምንባር ምስ እስራኤላውያን የኅዋቱ መከራ ምቕባል መሪጹ፡ “ፎርዖን ኣባ ሓጐኻ፡ ተርሙት ኣዴኻ” ክብልዎ ኸለዉ፡ “ወዶም ኣይኮንኩን” ይብል ነበረ።
“በተአምኖ ልሒቆ ሙሴ ክህደ ከመ ኢይበልዎ ወልደ ወለተ ፎርዖን” ሙሴ ምስ ዓበየ ወዲ ጓል ፎርዖን ከይብሃል ብእምነት ዓበየ(እብ 11፡24)።
ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኮነ ኸኣ ናብ ቦታ ሕርሻ ወጸ። ሓደ ግብጻዊ ንሓደ እስራኤላዊ ክብድሎ ምስ ረኣየ፡ ቀቲሉ ኣብ ሑጻ ቀበሮ። ብኻልእ ጊዜ ናብ ቦታ ሕርሻ ምስ ከደ ድማ ክልተ እስራኤላውያን ክበኣሱ ጸንሕዎ። “የኅዋት እንከለኹም ከመይ ኢልኩም ትበኣሱ ኣለኹም” ምስ በሎም፡ ሓደ ካብኦም “ንስኻ ኣብ ልዕሌና ፈራዲ ዝገበረካ መን እዩ፧ ወይስ ከምቲ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮ ክትቀትለና ስለዝደለኻ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ሙሴ ዝገበሮ ከምዝተፈለጠ ምስ ተረድአ ሃዲሙ ናብ ምድያም ብምኻድ ንሲፓራ ጓል ዩቶር ተመርዕዩ ኣብኡ ተቐመጠ።
መሴ ኣብ ጉስነት ከሎ ኣብ እምባ ኮሬብ ሓመልማል ገረብ ምስ ሓዊ፥ ሓዊ ድማ ምስ ሓመልማል ተወሃሂዱ፥ ሓመልማል ነቲ ሓዊ ከየጥፈኦ፥ ሓዊ ድማ ንሓመልማል ገረብ ከየቃጸሎ ረኣየ። ነተን ኣባጊዑ ኣብ ዝፈረሰ ቀጽሪ ዓጽዩ ነቲ ዝረኣዮ ክርእዮ ከደ።
“ሙሴ ሙሴ ፍታሕ ቶታነ ኣሳእኒከ እስመ ዘትከይዳ ምድር ቅድስት ይእቲ/ እዛ ቦታ እዚኣ ቅድስቲ ኢያ እሞ ሙሴ ኣሳእንኻ ካብ እግርኻ ኣውጽእ”ዝብል ድምጺ ሰምዐ።
እዚ ድማ ናብታ ቅድስቲ ዝኾነት ቤተክርስቲያ ምስ ጫማና ክንኣቱ ከምዘይብልና ክምህረና ስለዝደለየ እዩ። ኮሬብ(ደብረሲና) ናይ ቤተክርስቲያን ምሳሌ ኣዩ።
“ርእየ ርኢኩ ሕማሞሙ ለሕዝብየ ወሰማዕኩ ገዓሮሙ ወወረድኩ ከመ አድህኖሙ” ጸበባን ስቓይን ናይ ሕዝበይ ሰሚዔ እየ አሞ ንሕዝበይ ከድኅኖም ወረድኩ—-(ዘዳ 3፡7-10 ግብ.ሓዋ 7፡34)።
ነታ ብዓልቲ ተአምር ዝኾነት በትሪ ሂቡ ድማ ናብ ፎርኦን ሰደዶ። ፎርኦን ንሙሴ ክሰምዖ ስለዘይከኣለ ትሽዓተ ግዜ መቅዘፍትን ተኣምርን፡ መበል ዓስራይ ሞት ቦኽሪ ግብጻውያን፡ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ስጥመት ግብጻውያን ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ቀጺዑ፡ ንእስራኤላውያን ባሕሪ ኤርትራ ከፊሉ ኣሳገሮም(ዘዳ 1፡28-29)።
ብድኅ'ሪ እዚ ኣሮንን ሖርን ሓለውቲ ሕዝቢ ገይሩ፡ ንእያሱ ሒዙ ደብረሲና ደየበ። ሽዱሽተ መዓልቲ ቃል ንቃል ድኅሪ ምዝርራቦም፥ ሠላሳን ኣርባዕተን መዓልቲ ድማ ክጽሕፎ ዘለዎ እንዳነገሮ ኣርብዓ መዓልቲ ገበረ። እስራኤላውያን ድማ ንኣሮን “ግብር ለነ አማልክት እለ ይሐዉሩ ቅድሜነ ወይጸብዑ ጸረነ/ ሙሴ ኣበይ ከምዝኸደ ስለዘይንፈልጥ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ስርሓልና”ኢሎም ንኣሮን ተዛረብዎ። ኣሮን ድማ እዞም ሕዝቢ ቁጡዓት እዮም እምቢ እንተኢለዮም ክበኣሱኒ ኢዮም ኢሉ ወርቅኹምን ብሩርኩምን ሃቡኒ ብምባል ሰርሓሎም።
ንጽባሒቱ እስራኤላውያን ክሰግድሉን ክስውኡሉን ከለዉ ጎይታ ተቆጢዑ ንሙሴ እስራኤላውያን በዲሎምኒ “ሕድገኒ አጠይሶሙ በመዓትየ ወለከሰ እሰይመከ ውስተ ሕዝብ ክቡድ” ንዕኦም ከጥፍኦም እየ ንዓኻ ግን ኣብ ልዕሊ ካልእ ብዙኅ ሕዝቢ ክሸመካ ኢየ በሎ። “ ሙሴ ድማ ንዕኦም ተጥፍኦም እንተኾይንካስ ንዓይ’ውን ኣጥፍኣኒ ኢሉ ለመነሎም። “እንከሰ አፍጥን ወሪደ፡ ወወሪደከ ኮንን ሕዝበ ” ቀልጥፍ ኬድካ ነቶም ሕዝቢ ገስጾም ኢሉ ጽላተ ኪዳን ሃቦ። ክወርድ ከሎ ኣብ እግሪ እቲ ጎቦ ምስ በጽሔ እቶም ሕዝቢ ጫዉጫዉ ክብሉ ሰምዖም።
ንእያሱ ድማ እዚ ዝሰምዖ ዘለኹ ድምጽስ ናይ ምንታይ እዩ ኢሉ ሓተቶ። ኢያሱ ነቲ ነገር ስለዝፈለጦ፡ ጣኦት ተኺሎም ንዕኡ ይሰግዱ ኣለዉ በሎ። ሙሴ ድማ እዝስ ወይኒ ሰትዮም ይዘሉን ይደርፉን ድኣ ከይኮኑ ድምጾም ናይ ብዙኅ ሰራዊት ኢዩ ዝመስል በሎ (1መቃ 14፡15)።
ኣብኡ ምስ በጽሔ እስራኤላውያን ጣኦት ሠሪሖም ክሰግዱ ምስ ርኣዮም ሰምበደን ተቆጥዐን። ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ጽላት ናብቲ ጣኦት ደርበዮ፡ እቲ ጣኦትን ጽላትን ድማ ተሰብረ። ነቲ ወርቂ ጥሒኑ ብማይ በጽቢጹ ነቲ ሕዝቢ ኣስተዮ። ፍቕሪ ወርቂ ዝኃደሮም ድማ ለምጺ ወጾም ነዚ ምልክት እዚ ምስ ርኣየ ነቶም ሕዝቢ በልዎም በሎም። ሠለስተ ሽሕ ድማ ተቐትሉ። በቲ ዝተሰብረ ጽላት ንእግዚአብሔር ምስ ለመነ ነቲ ዝተሰብረ ዝመስል ኣምጽእ ስለዝበሎ ከምቲ ዝተባህሎ ኣዳሊዩ ከም ብሓድሽ ናብቲ እምባ ደየበ(1መቃ 14፡11-18)።
ሙሴ ብእግዚአብሔር ካብ ዝተጸወዓሉ መዓልቲ ን570 ጊዜ ቃል ብቃል ምስ እግዚአብሔር ተዘራረበ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዓቢ ክብሪ ስለዝነበሮ ሓደ መዓልቲ ገጽካ ኣርእየኒ በሎ። ጐይታ ድማ ንገጸይ ርእዩ ብሂወት ክነብር ዝኽእል ፍጡር የለን በሎ። ገጽካ ደይተርእየኒ እንተኾንካስ ዓርክኻን ፈታዊኻን ምዃነይ ብኸመይ ክግለጽ ይከኣል በሎ። “ገጽየሰ ኢያስተርኢ ለከ ወድሐረሰ ትሬኢ ገጽየ”። ንገጸይ ሕጂ ዘይኮነስ ብድሕረይ ኢኻ እትርእዮ በሎ።
እዚ ማለት ድማ ካብ ድንግል ማርያም ብዘይዘርኢ ተወሊደ መሥዋእቲ ኮይነ ኣብ ዝቐርበሉ ኣብ ደብረ ታቦር ኢኻ እትርእየኒ ማለቱ እዩ(ዘጽ 33፡17-23, ዘሁ 12፡8)።ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኣርብዓ ዓመት (40) መርሖም። ሰማያዊ መግቢ ማና እንዳተመገቡ ካብ ከውሒ ማይ ኣንዳኣስተየ ብጸጋ መርሖም። ሓደ መዓልቲ ሙቐት በርቲዕዎም ንሙሴን ኣሮንን ማይ ኣንዳበሉ ኣጨነቑዎም።ሙሴ ድማ ነቲ ከውሒ ብበትሩ ሃሪሙ ማይ ኣውጽኤ። ነቶም ሕዝቢ ድማ እነሆ ማይ ኣውጺእናልኩም በልዎም። ቅድሚ እዚ ንእግዚአብሔር ከየመስገኑ ኣይበልዑን ኣይሰትዩን ነበሩ።
ሽዑ ግን ኵሎም ኣየመስገኑን። እግዚአብሔር ድማ ንግብረይ ስለዘይትኣምኑ ዲኹም ዘየመስገንኩም፡ ኃጢኣት ስለዝገበርኩም ምድረ ርስት ኣይትኣትዉዋን ኢኹም በሎም(ዘሁ 20፡1-12)። በዚ ምኽንያት እዚ ምድረ ርስት ከይኣተዉ ኣሮን ኣብ ደብረ ሆር ሙሴ ድማ ኣብ ሞኣብ ዓረፉ(ዘሁ 20፡28)።
ዕረፍቲ ነብይ ሙሴ፡-
ዕረፍቲ ነቢይ ሙሴ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል። ናይ ሓሙሽተ ቃላት ትርጓሜ ጠፊኤነኦ ናብ መካነ ራእይ ከይዱ ከሎ፡-
“እግዚኦ አምሐልኩከ በዘነገርከኒ ስምከ ዘኢየአምሮ ባዕድ ዘእንበለ አነ ወኣንተ ባሕቲትከ ከመትንግረኒ ዕለቶ ዘትነስአ ለነፍስየ”
ዝሞተላ ዕለት ንገረኒ ኢሉ ጸለየ። እግዚአብሔር ድማ ብዕለተ ዓርቢ ክትመውት ኢኻ አሉ መለሰሉ። ሙሴ ድማ ንሸውዓተ ዓመት ዝኣክል ዓርቢ ዓርቢ ንነብሱ ብስሌን እንዳገነዘ ይጽበ ነበረ። ድኅሪ ሸውዓተ ዓመት ግን ዕለተ ዕረፍቱ ረሲዕዎ ክጽሊ ኢሉ ናብ ሓደ በሪኽ ቦታ ወጸ። መልኣከ ሞት መጽዩ ድማ ሰላም ሙሴ ወዲ እምበረም ኢሉ ጸውዖ። ሙሴ ድማ፡ ከምዚ ዝበለ ዘሰምብድ ድምጺ ሰሚዔ ኣይፈልጥን፡ መን ኢኻ ኢሉ ሓተቶ። ንነፍስኻ ካብ ሥጋኻ ክፈልያ ተኣዚዘ ዝመጻእኩ መልኣከ ሞት ሱርያል ኢየ ኢሉ መለሰሉ።
ሙሴ ብስምባደ ክዛረብ ኣይከኣለን፡ ብፍርሃት’ውን ኣንቀጥቀጠ። ዘለዎ ኃይሊ ተጠቂሙ ክሳዕ ጽባሕ ንጉሆ ንነፍሰይ ከይትወስዳ በቲ ዝለኣኸካ እግዚአብሔር የምሕለካ ኣለኹ በሎ። እግዚአብሔር ድማ ግደፎ በሎ።
ካብቲ ዝነበሮ በሪኽ ቦታ ወሪዱ ናብ ኣዲኡ ብምኻድ፡ ጽባሕ ክመውት ኢየ እሞ ገለ እንተ ደንገጸለይ ጸልይለይ ኢሉ ተሰናቢትዋ ናብ ገዝኡ ከደ። ሰበይቱ ተኪዙን ገጹ ተለዊጡን ምስ ረኣየቶ
“ምንተ ኮንከ ፍቁርየ፧ መኑ ጸውዓከ፧ ወመኑ አፍርሃከ፧” ኃወየ መን’ዩ ዝጸውዓካ፧ መን’ዩኸ ዘሰምበደካ፧ ኢላ ሓተተቶ።
ኣቦና ሙሴ ድማ፡-“መኑ ይጸውዓኒ ዘእንበለ እግዚአብሔር፧ ወመኑ ያፈርሓኒ ዘእንበለ ሞት” ብዘይካ እግዚአብሔር መን ይጽውዓኒ፧ ብዘይካ ሞት’ከ መን የፍርሃኒ፧ ጽባሕ ክመውት ኢየ ኢሉ ነገራ።
“ዘተናገረ ምስለ እግአብሔር ይመውትኑ”
ዓርኪ እግዚአብሔር ምስ እግዚአብሔር ዝዛረብ’ከ ይመውት ድዩ፧ በለቶ። ሥጋ ዝለበሰ ዘይመውት የለን ቅድሚ ሙማተይ ንደቀይ ጸውዕለይ በላ። ንደቁ ጸዊዓ ኣቦኹም ክመውት ኢዩ ድኅሪ ሕጂ ኣይክትርእይዎን ኢኹም በለቶም። ኣብ እግሩ ወዲቆም ድማ ክበኽዩ ጀመሩ። እቲ ዝነኣሰ ወዱ ኣልኣዛር ኣብ የማናይ ወገኑ ኮይኑ እንድኅር ሕጂ እቲ ዘኽበረና ከዋርደና እቲ ዝፈትወና ድማ ክጸልኣና ኢዩ እንዳበለ በኸየ።
ሙሴ ድማ ምሰኡ በኸየ። እግዚአብሔር ኣብ ደመና ኮይኑ “ምንት ያበክየከ” እንታይ የብከይካ ኣሎ ኢሉ ሓተቶ። ሓሞይ ዮቶር ኃወይ ኣሮን ሞይቶም እዮም ደቀይ ምስ መን ክገድፎም እየ ኢለ ይበኪ ኣለኹ ኢሉ መለሰሉ። ናብ ገምገም ባሕሪ ወሲዱ ድማ ነዚ ባሕሪ ህረሞ በሎ፡ምስ ሃረሞ ድማ ዓብይ እምኒ ወጸ። ነቲ እምኒ ድማ ህረሞ በሎ፡ ምስ ሃሮም ሓሰኻ “ይትባረክ እግዚአብሔር ዘኢረስዓኒ” ስለዘይረስዓኒ እግዚአብሔር ይመስገን እንዳበለ ከመስግን ርኣየ።
ናብ ገዝኡ ተመሊሱ ኣይትሕዘኑ ኣጆኹም እግዚአብሔር ኣለኩም ኢሉ ኣጸናንዖም። ሰበይቱ ብክሳዱ ደቁ ድማ ብርኩ ሒዞም በኽዮም ኣፋነዉዎ። ካብ ገዝኡ ወጺኡ እንዳኸደ ከሎ መልኣኽቲ ሰብ ተመሲልዕም መቓብር ክኹዕቱ ጸንሑ። እቶም መላእኽቲ ሚካኤልን ገብርኤልን እዮም(ይሁ1፡9)። እዚ ንመን ትኹዕትዎ ኣለኹም ኢሉ ሓተቶም። ንሓደ እግዚአብሔር ዝፈትዎ ኢዩ ኢሎም መለስሉ። ሙሴ ድማ ሓገዞም፡ ኩዒቶም ምስወድኡ፡-
“እቲ ዝቅበር ድኣ ኣበይ ኣሎ” ኢሉ ሓተቶም። እቶም መላእኽቲ ድማ ንዕኡስ ከነምጽኦ ኢና ከይሓጽረና ከይጸበና ድኣ ፈሪሕና እምበር በልዎ። ዘይትልክዕዎ ድማ በሎም፡ ክንዳኻ እዩ ዝኸውን እሞ ለክዓልና ምስ በልዎ ሙሴ የዋህን ርኅሩኅን ስለድኾነ ክዕቅነሎም ኢሉ ኣተወ። መልኣከ ሞት ኣብኡ ብምጽናሕ
“ሰላም ለከ ሙሴ ወልደ እምበረም” በሎ። ሙሴ ድማ ሰላምካስ ናባኻ ይመለስ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ንነፍሱ ካብ ሥግኡ ፈልዩ ወሰዳ። ኣብኡ ድማ ቀቢረሞ ከዱ።
“ወሞተ ሙሴ ቁልዔሁ ለእግዚአብሔር በምድረ ሞኣብ በቃለ እግዚአብሔር ወቀበርዎ ውስተ ምድር ቅሩብ ቤተ ፌጎር ወአልቦ ዘየአምር መኑሂ መቃብሮ እስከ ዛቲ ዕለት”
ሙሴ ኣብ በርኻ ሞኣብ ተቐብረ ንመቓብሩ ድማ ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓደ ዝፈልጦ የለን(ዘዳ 34፡5)።
መቓብሩ ዘይተፈልጠሉ ምክንያት፡እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዘውጽኣና መና ዘውረደልና ማይ ካብ ከውሒ ዘስተየና ሙሴ ኢዩ እንዳበሉ ነቲ ሥግኡ ምእንቲ ከየምልኹ እዩ።
በረኸት ሊቀ ነቢያት ቅዱስ ሙሴ የካፍለና አሜን!
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜንንን።


Comments
Post a Comment