እየሱስ ክርስቶስን
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ አሜን (፫)
ክብሪ ጎይታና ኣምላኽናን መድኃኒና እየሱስ ክርስቶስን ፈራድነቱን
እንቓዕ ናብ'ዚ ክቡር በዓለ ጎይታና ኣምላኽናን መድኃኒና ኢዮሱስ ክርስቶስን መድሃኒኣለም ብሰላም ኣብጸሓና ስድራ ክርስቶስ።
ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማላዲ ዘይኮነስ ተማላዲ/ተለማኒ/ ፈራዲ ኣምላኽ እዩ። ወልደ ኣብ ወልደ ማርያም ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ መጀመርታ እግዚኣብሔር እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ቃል ብቕድሙ ነበረ፥ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፥ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ” ዮሓ. 1፥1። ካብዚ ብተወሳኺ ወንጌላዊ ዮሓንስ “እቲ ቃል ሰብ ኮነ፥ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ምሳና ነበረ” ዮሓ. 1፥14 ይብለና።
እወ! ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋን መለኮትን ተዋሂዱ ዝመፀ ኣምላኽ እዩ። ምኽንያቱ ብዘይ ንሱ ሓደ እኳ ዝኾነ ነገር የለን። ኣምላኽና ኩሉ ገንዘቡ ዝኾነ እፍ ኢሉ እስትንፋስ ዝሃበ፣ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምፀአና ዓለም ኣሕሊፉ ዝገዝእ ፈጣሪ እዩ። “ብኡኡ ኹሉ ተፈጠረ፥ ካብቲ ዝተፈጠረ ዘበለ ድማ ብዘይካ ብኡኡ ሓንቲ እኳ ዝተፈጠረ የልቦን። ሕይወት ኣብኡ ነበረት” ኢሉና እዩ። ዮሓ. 1፥3-4
መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ምንም እኳ ብኣወላልዳ ንኢየሱስ ክርስቶስ ቀዲምዎ እንተተወለደ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣምላኽነቱ ቀዲምዎ ከምዝነበረን ካብኡ ብዝበለፀ ከምዝብርትዕን ዝተኸበረ ምኻኑን ኣነፂሩ መስኪርሉ እዩ። “ኣነስ ንንስሓ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣሎኹ፥ እቲ ድኅረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይኅይል እዩ፥ ኣነስ ኣሣእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን እየ፥ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ” ማቴ. 3፥11
ክወርድ እዩ ክውለድ እዩ ኢሎም ትንቢት ዝተንበዩ ነቢያት እውን ካብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እቲ ዝውለድ ህፃን (ኢየሱስ ክርስቶስ) “ኣምላኽ” ምኻኑ ገና ቅድሚ ምውላዱ ኣቕዲሞም ብግሎፂ ኣቕሚጦሞ እዮም። “ሕፃን ተወሊዱልና፥ ወዲ ተዋሂቡና እዩ፥ ንሱ ኸኣ ገዛኢና ክኸውን እዩ። ንሱ ግሩም መኻሪ፥ ብርቱዕ ኣምላኽ፥ ዘለዓለማዊ ኣቦ፥ መስፍን ሰላም ተባሂሉ ኺጽዋዕ እዩ” ኢሳ. 9፥6
ስለዚ ኣቦ ፈጣሪ፣ ወልድ ክርስቶስ ኸኣ ከም ፍጡር ጌርካ ኣሽንካይ ’ዶ ክዝረብ ክሕሰብ እውን ኣይግባእን። ኣብ እግሪ ሊቃውንት ኣቦታት ኮይና ምሥጢረ ሥላሴ ኣመሳጢርና ክንምሃር ኣለና። ኣቦ ወላዲ፣ ወልድ ተወላዲ፣ መንፈስ ቅዱስ ሰራፂ እንክንብል ዝበላለፁ ኮይኖም አይኮኑን። ሰለስተ ኣማልኽቲ ኣይባሃሉን ሓደ እዮም። ብመለኮት፣ ብስልጣን፣ ብኣገዛዝኣ፣ ብባህሪን ብፍቓድን ሓደ ስለዝኾኑ ብዘይ ምፍልላይ ኣምላኽነቶም ክንቅበል ይግባአና። “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ዮሓ. 10፥30
ካብ ቅዱሳን ሓዋርያት ሓደ ቅዱስ ፊሊጶስ ኣቦ ክርሰቶስ ካልእ ገይሩ ብምሕሳቡ ንክርስቶስ ከምዚ ብምባል ሓቲትዎ ነይሩ “ፊሊጶስ፦ ጎይታይ ነቦ ደኣ ኣርእየና እምበር ይኣኽለና በሎ” ዮሓ. 14፥8 እሞ ኸ ኣምላኽና ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ዝገርም መልሲ ድማ ንመልከቶ “ኢየሱስ ከኣ ከምዚ በሎ ፊሊጶስ እዚ ክንድዚ ዚኣክል ጊዜ ምሳኻትኩም ክነብር ከሎኹዶ ኣይፈለጥካንን ኢኻ? እቲ ንዓይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ፥ ከመይ ኢልካ ደኣ ነቦ ኣርእየና ትብል ኣሎኻ? ኣነ ኣብ ኣቦ ከም ዘሎኹ ኣቦ እውን ኣባይ ከምዘሎ ኣይትኣምንን ዲኻ?” ዮሓ. 14፥9-10
እወ! ዘይምእማን እንተኾይኑ እምበር እዚ ቅኑዕ መልእኽቲ ንኹላትና መብርሂ ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣምላኽና ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ’ውን ባዕሉ ፈራዲ ኣምላኽ ምኻኑ ከምዚ ኢሉና እዩ “እንሆ፥ ቐልጠፈ እመጽእ ኣሎኹ፥ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ዓስቢ ምሳይ ኣሎ። ኣልፋን ኦሜጋን፥ ቀዳማይን ዳሕራይን፥ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ” ራእ. 22፥12-13
ዘይውዳእ በረከትን ምሕረትን ጎይታና ኣምላኽናን መድኃኒና ኢዮሱስ ክርስቶስን ምሳና ክነብር ቅዱስ ቃዱ ይኩን ኣሜንንን።
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወለመስቀሉ ክብር ኣሜንንን

Comments
Post a Comment