ጳጒሜን
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜን።
ጳጒሜን
1.0 ስያመን ትርጉምን
ጳጒሜን ከምቲ ኵልና እንፈልጦ ድኅሪ መጨረስታ ወርሒ ነሓሰን ቅድሚ ምእታው ሓድሽ ዓመት መስከረምን ዝርከብ ዕለታት እዩ። ከም ልምዲ ኸኣ መበል ፲፫ ወርሒ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ እዩ፤ ምስቲ ኣብ ፍረ ዝበጽሕ ዘሎ እዋን ኣእካልን ጽልዋን ጕድኣት ተወሳኺ ማይ ክራማትን ብምትሕሓዝ ጸያቕ ኣዋርሕ ተባሂሉ ዝቕጸለሉ ጊዜውን ኣሎ። ምስቲ ምውሓድ ናይቲ መዓልትታውን ደቂቅ ወርኅ ዝብልዎውን ኣለዉ።
እቲ ቃል ጥንቱን ሥርወ ቃሉን ካብ ጽርኢ ምዃኑ ይንገር፡ ሄፖጎሜኔ (epagomene) ድማ ይብልዎ። ትርጉሙ ድማ ወሰኽ ማለት እዩ። ተረፍ ዝብል ትርጉምውን ዝህበሉ ጊዜ ኣሎ። ሰባት ኸኣ ነዚ ወርሒ ንምጥቓስ ዝተፈላለየ ኣጸሓሕፋ ስያመ ይጥቐሙ፤ ጳጒመ(ን)፡ ጳጉመ(ን)፡ ጳጉሜ(ን)፡ ጳግሜ(ን) ገለ ካብኣቶም ኮይኖም ብሂል ምስ ባህሊ ዘዛመደ ብናይ ትግርኛ ውርሻዊ ኣበሃህላ ኸኣ ቋግመ (ቋግሜ) ወይውን ጓቝመ (ቋግሜ) ይበሃል። ቅብጣውያን Pi Kogi Enavot ወይውን El Nasii ኢሎም ይጽውዕዎ።
2.0 ቀመረ ጳጒሜን
ቤተ ክርስቲያንና ፍሉይ ካብ ዝገብራን ጥንታዊን መንፈሳዊን ሥርዓት ከም ዘለዋ ካብ ዝምስክሩ ነገራት እቲ ሓደ ባዕላ እትውንኖን ንኵሉ ሥርዓተ ኣምልኾታን ኣገልግሎታን እትጥቀመሉ ጥንታዊ ኀሳበ ዘመን (ካላንደር) ዘለዋ ምዃኑ እዩ። ምስ ናይ ካልኦት ባሕረ ሓሳብ ድማ ዝዛመደሉን ዝፈላለዪሉን ባህርያትን ኣገባብን እኳ እንተለዎ፡ መበቖላዊን ብገዛእ ርእሱ ንበይኑ ዝግለጸሉን ዝውንኖን ባህርያት ቀመር ዘለዎ ምዃኑ ኣብዚ ሞያ እዚ ሰፊሕ ፍልጠት ዘለዎም ሊቃውንቲ ዝገልጽዎ እዮም።
ካልኦት ብፍላይ ምዕራባውያን ብስም ‘ምትእርራይ’ በብእዋኑ መጽናዕቲ እናካየዱ ኣብ ሰብኣዊ ትንታነ ዝመርኮስ ቀመር ክኽተሉን፡ ካልእ ይትረፍ ንዕለተ ልደት ጐይታ እኳ ብግምት እምበር ብንጹር ክዛረቡሉ ኣብ ዘይከኣሉሉ ደረጃ ክበጽሑ ከለዉ፡ ቤተ ክርስቲያንና ግና ብሉያትን ሓዲሳትን ዘዛምድ ካብ ምፍጣር ዓለም ኣትሒዙ እግዚአብሔር ንዝገበሮ ዓበይቲ ግብርታት ዓመቱን ዕለቱን ሰዓቱን ኣርጊጹ ዝትንትን ባሕረ ሓሳብ ትውንን እያ። ስለዚ ኸኣ መዓልትን ዓመትን ከየዋቕዐት ዓመት መጸ በዓላት ኣጽዋማትን ብስሙር ንሕዝቢ ከተፍስስ ትነብር ኣላ። ዳርጋ ኵሉ ኣብዚ ኣቖጻጽራ ዘመን ዝርከቡ ስያመታት ዕለት፤ ኣዋርሕ ወቦ ዘተርፈ ኵሎም ሰማያዊን ምድራዊን ሥርዓት ዘዛምዱ መንፈሳዊ መልእኽቲ ዘለዎም ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ኸኣ ኵሉ ሥርዓታ እንተላይ ባሕረ ሓሳባን ንሱ ዝጥቕልሎም ነገራትን ነንሕድሕዶም ሥሙራትን ኣብ ቅዱስ ቃል ዝተመሥረቱን ስለዝኾኑ ቤተ ክርስቲያንና ኣፍ ደገ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ምዃና ካብ ዘርእዩ ሳምዓት እቲ ሓደ ባሕረ ሓሳባታ ምዃኑ ክንፈልጥ ዘጸግም ኣይኮነን።
ናብቲ ዕምቘትን ርቀትን ዘለዎ ባሕረ ሓሳብ ከየጥሕለና ብዛዕባ ዝጀመርናዮ ጳጒሜን ክንምለስ። ኣብ ሓደ ዓመት ነፍስ ወከፎም ማዕረ ፴ ዕለታት ዝሓዙ፡ ካብ መስከረም ክሳብ ነሓሰ ዝተዘርገሑ ፲፪ ኣዋርሕ ከም ዘለዉ ዝተፈልጠ ነገር እዩ። እዚኦም ኣዋርሕ ኸኣ ብድምር ፫፻፷ መዓልትታት ይሕዙ። ይኹን እምበር ሓደ ዓመት ፲፪ ኣዋርሕ ወይውን ፫፻፷፭ን ርብዒ መዓልትን እዩ ክንብል ከሎና፡ ጳጒመ (፭ተ መዓልትን ርብዕን) ንበይና ከም ምሉእ ወርሒ ስለዘይትጽብጸብ ምስ ነሓሰ ለጊባ ብምቝጸር ምዃኑ ከም ርዱእ ሕሳብ ክንወስዶ ኣሎና። እዚ ልማድ ማለት ሕጹጽ ገዲፍካን ሕጹጽ መሊእኻን ምቍጻር ካብ እግዚአብሔርን ሰብን ዝተረኽበ ልማደ መጻሕፍቲ እዩ ይብሉ ሊቃውንቲ። (እስመ ልማደ መጽሐፍ ይነግር ኊልቈ ፍጹመ ወምሉዓ ወየኃድግ ዘተርፈ ወይዌስክ ዲበ ሕፀፅ) (ዘፍ ፲፭፥፲፫ ዘፀ ፲፪፥፵ ጥበ ፯፥፪) ነዚ ልማድ መጻሕፍቲ ተኸቲሎም ብሰንኪ ሕጸጽ፡ ጳጒመ ስለዝነኣሰት ንዓመት ብወርሒ ክፍቕድዎ ከለዉ ፲፪ እምበር ፲፫ ኣዋርሕ ኣይብሉን እዮም። ከም ኣብነት ቅዱስ ኤፍሬም ዝኣመሰሉ ሊቃውንቲ ነዚ ኣካይዳ ተኸቲሎም ካብ ዝጠቐስዎ “ተጸውረ በከርሣ ተስዐተ አውራኀ” ንዝበሎ እንተርኢናዮ ነተን ፭ተ መዓልቲ ገዲፉ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።
ጥንታዊ ብዝኾነን ቤተ ክርስቲያን ብእትጥቀመሉን ግእዛዊ ቀመር ፴ ዕለታት ፩ ወርሒ፡ ፲፪ ኣዋርሕን ፭ ዕለታትን ርብዕን ኸኣ ፩ ዓመት ይኸውን። ፭ ዕለታትን ርብዕን ድማ ጳጒሜን ይበሃል። ወሰኽ ተረፍ ማለት እዩ። እቲ ዓመት’ውን ኣብ መስከረም ጀሚሩ ኣብ ጳጒሜን የብቕዕ። በዚ መሠረት ኸኣ ፬ ዓመታት ፩ ዓውደ ዘመን ይኾኑ። እዚ ኸኣ ነፍስ ወከፍ ዓመት ፫፻፷፭ን ርብዕን ዕለታት ( ወይውን ፮ ሰዓታት ወይውን ፲፭ ኬክሮስ) ዘለዎ ኮይኑ ዘመነ ማቴዎስ ዘመን ማርቆስ ዘመነ ሉቃስ ዘመነ ዮሓንስ እናተባህለ በኣርባዕተ ወንጌላውያን ተሰይሙ ይርከብ። ናይዚኦም ፬ተ ዓመታት ጳጒሜናት ሰዓታቶም ክድመር ከሎ ኸኣ ፩ ምሉእ ዕለት ይኾኑ። ኣብቲ ራብዓይ ዓመት (ዘመነ ዮሓንስ) መእተዊ ኸኣ ፮ ዕለታት ብምዃን ናይቲ ባሕረ ሓሳብ ቅመራ ይኽተት (ይጠናቀቕ)። እቲ ናይ ዘመን ኣቆጻጽራ ዓውዲውን ከምኡ በብኣርባዕተ ዓመት ይዕጾ።
እዚ ኣቀመምራ ኸኣ ካብቲ ዳኅራይ ዝተለወጠ ምዕራባዊ ቀመር ፈጺሙ ዝተፈለየ እዩ። ኣዋርሕ ብፀሓያዊ ዕለት ተቀሚሮም በብ ፴ እናኾኑ ፲፪ ኣዋርሕ ገይርካ ምሕሳብ ኣዝዩ ጥንታውን ዓመተ ኣዳም ዓመተ ኖኅ እናተባህለ ክንገረሉ ምስ ዝጸንሐ ታሪኽ ዝዛመድ ኸኣ እዩ። (ዘፍጥ ፯፥፲፩-፳፬ ዘፍጥ ፰፥፫-፭)
ጳጒሜ፡ ብመንጽር ቀመር ድማ ኣብ ልዕሊ ፲፪ ኣዋርሕ ናይ ዓመት ወሰኽ ዝብል ትርጉም ምሃቡ መወሰኽትኡ ፭ተ መዓልትን ርብዕን ስለዝሓዘ እዩ፤ ብካልኣይ ትርጉሙ ከኣ ካብ ዓውደ ወርሕ ስለዝተረፈን ኣብ መወዳእታ ዓመት ስለዝተረኸበን ተረፍ ይብሃል። እቲ ርብዒ ድማ ኣብ ፬ ዓመት ይመልእ እሞ ፭ተ ዝነበረ ፮ተ ይኸውን። እዚ ከኣ እቲ ሻዱሻይ ጳጉሜ፡ ኣርባዕተ ወንጌላውያን ብሰዓትን ብኬክሮስን ኣብ ኣርባዕተ ኸፊሎም ስለዝተማቐልዎ ከምቲ ኃሙሻይ ኣብ አበቅቴ ኣትዩ ኣይቝጸርን እዚ ማለት ኸኣ ከም ፭ይ ጳጒሜን ንነፍስ ወከፎም ወንጌላውያን ስለ ዘይበጽሖም ምስ ዓውደ ዓበቅቴ ኣትዩ ኣይቝጸርን እዩ።
ናብቲ ቀንዲ መወከሲ ባሕረ ሓሳብ ዝኾነ ኣቡሻኽር ክንምለስ ከሎና’ውን ናይ ጳጒሜን ነገር ካብ ጥንቲ ብወገን ኣይሁድ’ውን ይኹን ብድኅሪኡ በዓለ ትንሣኤ ንምውጻእ ኣብ ዝተገብረ ሕሳብ ነገረ ጳጒሜን ብካልእ ኣገላልጻ ይሕሰብ ከምዝነበረ የመልክት። “በከመ ይትፌጽም በኀቤሆሙ እምነ ክፍለ መዋዕል ዘማዕከለ ዓመት ፀሐያዊት ወወርኃዊት ወውእቱ ፲ወ፩ ዕለት ወይሰምይዎ ለወርኃ ሠግር ጳጒሜን ዘውእቱ ተረስኦ” (ኣብ ሞንጎ ዓመተ ፀሓይን ወርኅን ካብ ዘለዎ መዓልትታት ኣብኣቶም ከምዝፍጸም እዚ ከኣ ፲፩ መዓልቲ እዩ። ነቲ ወርሒ ሠግር ድማ ጳጒሜን ይብልዎ፤ ዝተረስዐ ማለት እዩ) ይብል።
እግዚአብሔር ንዝሰርዖ ረቂቕ ሥርዓተ ምድር ይኹን ሰማይ ዝተገልጸሉ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ሄኖክ ብዛዕባ መገብቲ ከዋክብቲ ኣብ ዝገለጹሉ ኸኣ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ልዕሊ ኵሉ ፍጥረታትን ኵሎም ከዋክብትን ዝተሾሙ ኣሕሉቕ ዝመርሕዎም መገብቲ ወርሒ፡ ዝመርሑ ናይ ፺፩ መገብቲ ይኣትዉ ይወጹ። ምስ ዝውሰኽዎም ናይ ዘመን ቍጽሪ ጸኒዑ ምእንቲ ክነብር ካብ ሰፈሮም ካብ ዘይፈለዩ ምስ ፬ ከዋክብቲ ኮይኖም ይኣትዉ ይወጹ። ምስቲ ቍጽሪ ዘመን ዘይቍጸሩ እዚኦም ከዋክብቲ ነቶም ኣርባዕተ ጳጒሜን ይምግቡ።…” (ሄኖ ፳፬፥፩-፮) ኣስዒቡ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ጳጒሜን ዝተሾመ ድማ ቅዱስ ዑራኤል መልኣኽ ምዃኑ ይገልጽ።
3.0 ሊቃውንትን ጳጒሜን
ወርሓ ጳጒሜን ንናይ ባሕረ ሓሳብ መምህራን ብፍላይ ንሊቃውንቲ ኸኣ ፍሉይ እዋን እዩ። ነቲ ኣብ ምእታው ሓዲሽ ዓመት ወጋሕታ ኣብ ምእመናን ንዝእከቡ ምእመናን ኣብ ውሽጢ ዓመት ዝውዕሉ ኣጽዋማትን በዓላትን ብቃሎም (ብዘይ ወረቐትን ብዕርን) ብጥንቃቐ እናስተንተኑ ንምእዋጅ (ንምፍሳስ) ምድላዋት ዝገብሩሉ እዋናት እዩ። ምስኡ ኸኣ ነቲ ቀመራትን ባሕረ ሓሳባት ዘመናትን ምዕዋዶምን ደጊሞም ዝሓስቡሉን ዝራቀቕሉን እዋን ከኣ እዩ።
ገለ ሊቃውንቲ ኸኣ ጳጒሜን ምስ ጥንተ ፍጥረት ኣዛሚዶም ዘመሥጥርዎ ኣበሃህላ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ጳጒሜን ናይ መበገሲ ዓመት እምበር መወዳእታ ኣይኮነን ዝብሉሉ መገዲ እዩ። ሰማይን ምድርን ካብ ዝተፈጥረሉ ቀዳማይ መዓልቲ ኣትሒዙ ክሳዕ ኃሙሻይ መዓልቲ ካልኦት ፍጥረታት እምበር ሰብ ኣይተፈጥረን። ኣዳም ዝተፈጥረ ኣብ ፮ይቲ መዓልቲ ብምዃኑ ቅድሚ ኣዳም ዝነበሩ መዓልትታት ከም ኃሙሽተ መዓልቲ ጳጒሜን ይወስድዎም። ከምዚ ኸኣ ይብሉ “ብዛዕባ ጳጒሜን ክተፈልጥ እንተደሊኻ ነታ ቀዳመይቲ ዕለት፡ ጽባሒታ፡ ሣልስታ፡ ራብዕታ፡ ኃምስታ እዚኦም እዮም ፭ ዕለታተ ጳጒሜን። እዚኦም ዕለታት ቅድሚ ፲፪ተ ኣዋርሕ ስለ ዝተፈጥሩ ክሳዕ ሎሚ ሓድሽ ዓመት ቅድሚ ምእታዉ ይቕድሙ ኣለዉ” ይብሉ። እዚ ግና ተምሳሌያዊ ኣገላልጻ ተባሂሉ ክረአ ይከኣል።
4.0 ትምህርትን መልእኽትን ጳጒመ
ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ጳጒሜን ርእሱ ዝኽኣለ መንፈሳዊ ትምህርትን መልእኽትን ኣለዎ። በዚ መሠረት ድማ ኣብ ዕለታት ጳጒሜን (ብፍላይ ሰንበት ምስ ዝውዕል) ዝነበባ ንባባትን ትምህርትታትን ከኣ ነዚ መልእኽቲ ዘመላኽቱ እዮም። ነቲ መጽሓፋዊን ትውፊታዊን መሠረት ኸኣ ተኸቲሉ ኣብዚ እዋን እዚ ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ይዝከር፤ ሰባት ድማ ነዚ እናዘከሩ ወትሩ ነፍሶም ክምርምሩን ክንስሑን፡ ተዳልዮምን ነቒሖም ክጸንሑ ትምህርታዊ ምዕዶን መጠንቀቕታን ይወሃቦም። ናይ ፍቓድ ጾም ይጾሙ። ምስ ኣምላኾም ብጾምን ብጸሎትን ይራኸቡ፤ ብተምሳል ምልክት ንጽሕና ዝኾነ ማየ ጸሎት ከኣ እናተሓጽቡ በረኸትን ፈውስን ይረኽቡ። ኣብ ጳጒሜን ካብ ዝግበሩ ንገሊኣቶም ንትምህርቲ ክኾነና ጠቐስና ደኣ እምበር ከም መዕጸዊ ኣረጊት ዓመትን፡ ምጅማር ሓድሽ ዓመትን ሰባት ንርእሶም ዝግምግሙሉን ንዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ድማ እግዚአብሔር ምሕረቱን ረድኤቱን ከብዝኃሎም እናለመኑ፡ ንዝበለጸ ሥራሕ ንርእሶም ዘዳልዉላ እዋን ተባሂላ’ውን ትፍለጥ እያ። ንገሊኣቶም ድማ ቊሩብ ኣስፍሕ ኣቢልና ክርእዮም ኢና።
4.1 ጾም
ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘለዉ ናይ ፍቓድ ኣጽዋማት እቲ ሓደ ኣብ ወርሒ ጳጒሜ ዝጽወም እዩ። እዚ ጾም’ዚ ጾመ ዮዲት ተባሂሉ’ውን ዝፍለጠሉ ጊዜ ኣሎ፤ ይኹን ደኣ እምበር ብልምዲ እምበር ክንዲ እቲ ካልኣይ ናይ ፍቓድ ጾም ማለት ጾመ ጽጌ ብዙኅ ፍሉጥ እዩ ክበሃል ኣይከኣልን።
ጾመ ዮዲት መሠረቱ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን እተፈጸመ ኮይኑ ካብቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን እተሰርዑ ፱ ኣጽዋማትን በዓላትን (መጥቅዕ፡ በድር፡ መጸለት፡ ጾመ ኣይሁድ፡ ፍሥሕ፡ ልበ ምድር፡ በዓለ ሠዊት፡ ጾመ አስቴር፡ ጾመ ዮዲት) ኸኣ ሓደ እዩ። መጥቅዕ እዚ ጾም ኸኣ ኣብ ነሓሰን ጳጒሜን ኮይኑ ብፍሉይ ኸኣ ብ፰ ብ፲ ብ፲፪ ብ፲፫ መጥቅዕ ጊዜ ኣብ መስከረም ፬ ጊዜ ዝኾነሉ ኣሎ። ተውሳክ ጾመ ዮዲት ፳፰፡ ፳፰ን ፲፭ ፵፫ ይኸውን። ነቲ ፴ ገዲፍካ ፲፩ ይተሓዝ። ስለዚ ኸኣ ጾመ ዮዲት ካብ ፯ መስከረም ንላዕሊ ኣይድይብን። ካብ ፲፰ ነሓሰ ካብ ፭ ጳጒሜን ፮ መስከረም ክመላለስ ይነብር።
ጾመ ዮዲት ተባሂሉ ምፍላጡ’ውን ንሳ (ዮዲት) ስለዝጾመቶ እዩ። ምሉእ ታሪኹ ኣብ መጽሓፈ ዮዲት ከም እንረኽቦ ንጉሠ ፋርስ ናቡከደነጾር ብዝነበሮ ሠራዊት ተመኪሑ ኣብ ጐረባብቱን ርሑቓት ሃገራትን እናወረረ ግዝኣቱ የስፍሕ ሃብቱ ድማ የደላድል ነበረ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕላምኡ ኸኣ ኣዛዚ ሠራዊቱ ዝነበረ ሆሎፎርኒስ ቀንዲ ትእዛዝ ተቐባሊን ኣተግባሪን ነበረ። (ዮዲ ፪፥፪-፯) ኢየሩሳሌም’ውን ከም ኣካል ናይቲ ዞባ ግዳይ ናይዚ ወራር ኮይና ብዙኅ ዕንወት ወሪድዋ ነበረ። ደቂ እስራኤል ኸኣ ኣዝዮም ሓዚኖም ኣብ መሪር ብኽያትን ቍዘማን ወዲቖም ዝነበሩሉ እዋን እዩ ነይሩ።
ኣብ ሞንጎ እዚ ግና ሰብኣያ ዝሞታን ንጽሕ ሓልያ ብጾምን ብቀኖናን ተወሲና ትነብር ዝነበረት ኣይሁዳዊት ዮዲት፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝበ እስራኤል ብዝወረደ ጥፍኣትን ብዝመጸ መከራን ማቕ ተኸዲና ኣብ ርእሳ ሓሙዅሽቲ ነስኒሳ ናብ እግዚአብሔር ትበኪ ነበረት። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ኸኣ ሕዝቢ ዝድኅነሉ መገዲ እግዚአብሔር ከመልክታ ሱባኤ ኣተወት። ንዝልምንዎ ቀረባ ዝኾነ ፈጣሪ ኸኣ ጸሎታ ሰሚዑ ኣብ ሣልስት ምላሽ ሃባ። በቲ ምኽሪ ተመሪሓ ድማ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ሠራዊት ፋርስ ዓወት ተጐናጺፎም እዮም።
ዮዲት ንጸላእቲ እስራኤል ከተጥፍኦም ዝኸኣለት ብጾምን ብጸሎትን ካብ ኣምላኽ ኃይልን ጥበብን ስለዝረኸበት እዩ። ምእመናን ድማ ንዮዲት ኣብነት ገይሮም ፈቓደ ሥግኦም ንምሥዓርን ኣብ ልዕሊ ዝጻብኦም ጸላኢ ሰናይ ዘበለ ኵሉ መንፈሳዊ ኃይሊ ንምርካብን ጳጒመ ብፍቓዶም ይጾምዋ።
4.2 ማየ ጸሎት
ኣብዚ ቅንያት ብፍቓድ ካብ ዝፍጸም እቲ ካልእ ኸኣ ናብ ማየ ጸሎት ወይውን ኣንጊህካ ሩባ ብምውራድ ዝፍጸም ምሕጻብ ማየ ጸሎት እዩ። ሰባት እግዚአብሔር ብዝባረኾ ማየ ጸሎት እናተሓጽቡ ብዙኅ በረኸትን ካብ ዝተፈላለየ ሕማማት ይፍወሱ ከምዝነበሩ ኣብ ዘመነ ብሉይ ይኹን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብሰፊሑ ዝተፈልጠን ዝተመስከረሉን እዩ። ዋላ ዝኾነ ሰብ ዝፈልጦ’ውን ብፍላይ ኣብ ዕለተ ፫ ጳጒሜን መዓልቲ ሩፋኤል ዝዘንብ ማይ እኳ ከይተረፈ፡ ከም ማየ ጸሎት ስለዝሕሰብ ሰባት ካብቲ ዝዝነብ ማይ ብፍቓዶም ኣብ ልዕሊኦም ክጽሒ እምበር ከዕቅሉ ኣይረኣዩን እዮም።
ኣብ ወርኃ ጳጒሜን ብፍሉይ ከምዚ ዓይነት ነገር ናይ ምፍጻሙ ኣብነት ወይውን መሠረት ኸኣ ጻድቕ ኢዮብ እዩ። ኢዮብ ኣብ ከባቢ ዘመነ ኣብርሃም ዝነብር ዝነበረ ብእግዚአብሔር እተመስከረሉ ጻድቕ ሰብ ነበረ። ምቕማጡ ኣብ ምድሪ ዑፅ ዝነበረ ኮይኑ ፍጹምን ቅኑዕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዝረሐቐን ሰብ ከም ዝነበረ ኣብቲ ብስሙ እተሰየመ መጽሓፍ ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። ንሱ ኸኣ ሾብዓተ ኣወዳትን ሠለስተ ኣዋልድን ዝነበርዎን ብጥሪትን መጓሰን ኣዝዩ ሃብታም ከምዝነበረ ይፍለጥ። ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከሳሲ (ዲያብሎስ) ስለዝረኸበ እምነቱን ትእግስቱን ከምዝተፈተነን፡ ኣብ ኵሉ ድማ ጸኒዑ ስለዝተረኽበ እግዚአብሔር መሊሱ ብዙኅ ጸጋ ዝሃቦ ኣቦ እዩ።
ኵሉ ኣብቲ ሰብነቱ ዝወረደ ሕማምን መከራን ከምኡውን ኣብ ስድራኡ ዝበጸሐ ሞት ከኣ ብትእግስቲ ተቐቢሉ ድኅሪ ምንባር እቲ ጊዜ ፈተና ኣብ ዝተወድኣሉ እግዚአብሔር ብዘመልከቶ ናብ ፈለገ ዮርዳኖስ ወሪዱ ከምዚ እዋን እዚ ከምዝተሓጽበን ካብ ኵሉ ሕማሙን ኣቝሳሉን ከምዝሓወየን ሓድሽ ቍርበት ከምዝተዋህቦን ከምዝተሓደሰን ነቲ ዝሰኣኖ ዘበለ ድማ ካብ ቀዳማዩ ብዝበዘኀ ባሪኹ ከምዝሃቦን ታሪኽ ሕይወቱ ይገልጽ።
በዚ መሠረት ኸኣ ሎሚ’ውን እዚ ትውፊታዊ ሥርዓት ተዓቂቡ ሰባት ነፍሶም ብንሥሓ ከምዝሕጸቡ፤ ብናቱ ተምሳል ኸኣ ናይ ጽርየትን ንጽሕናን ተሓድሶን ሰብነት ምልክት ኮይኑ ወትሩ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ማየ ጸሎት ክንሕጸብ ንረአ። በዚ መገዲ ኸኣ ነቲ ብማየ ጸሎት ክርከብ ዝከኣል በረኸትን ፈውስን ድማ ካብ እግዚአብሔር ይርከብ።
4.3 ስብከተ ምጽኣትን ንስሓን
‘ወርሒ’ ጳጒመ ዕለተ ምጽኣት ብፍሉይ ዝዝከረሉ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ደጋጊሙ ንሓዋርያት ዝነገሮምን፡ ብድኅሪኡውን ቅዱሳን መላእኽትን ሓዋርያትን ዝመስከርዎ፡ ጐይታ ካልኣይ ጊዜ ክምለስን ንኵሉ ድማ ከከም ግብሩ ከምዝፈድዮን እዩ። እወ ጐይታ ክመጽእ እዩ። እዚ ስብከት ከኣ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዓንድታት ትምህርትን ምሥጢራትን ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ዝተፈልጠ ኮይኑ ወትሩ በብኣጋጣሚታቱ ዝንገርን ዝስበክን ስብከት እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ነገረ ዳግም ምጽኣት ክርስቶስ ብፍሉይን ብስሩዕን ኣብ ዓመት ካብ ዝንገረሎም ሠለስተ እዋናት እቲ ሓደ ቅንያት ጳጒሜን እዩ።
ተምሳሉ ኸኣ ባዕሉ እቲ ዘመን እዩ። እዚ ኸኣ ጳጒመ ናይ ዓመት መሰጋገሪ፡ እቲ ጸልማት ወርሓ ክረምቲ እናብቐዐ ዝኸደሉ ናብቲ ሓድሽ ዘመንን ብርሃንን እናሰገረሉ ከምዝኾነ፤ ምጽኣት’ውን ካብ ጊዜያዊ ናብ ዘለዓለማዊ፤ ካብ ምድራዊ ናብ ሰማያዊ፤ ካብዚ ዓለም ናብቲ ዘይሓልፍ ዓለም መሰጋገሪ እዩ። ጳጒሜን ሓደ ዘመን ኣበቒዑ ናብቲ ካልእ ሓድሽ መሰጋገሪ ስለዝኾነ ፍጻሜ ዓለም’ውን (ምጽኣት) ደቂ ሰባት ካብዚ ሓደ ምዕራፍ ናይዚ ዓለም ናብቲ ካልእ ገጽ ምዕራፍ ሓዲሽ ዓለም ዝሰጋገሩሉ እዩ። ስለዚ ተምሳሉ ስለዝኾነ ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ዳግም ምጽኣት ክርስቶስ ዝተተሓሓዙን ነገረ ንስሓ ዘዘኻኽሩን ንባባት ይንበቡ፤ ደቂ ሰባት እምነቶም ኣጽኒዖም፤ ሰናይ ግብሪ እናገበሩን ስለቲ ዝበደልዎ ኸኣ ንስሓ እናኣተዉ ተዳልዮምን ነቒሖምን ከምቶም ለባማት ኮይኖም ንኣምላኾም ክጸንሕዎ ከምዝግባእ ዝመልእኽቶም ስብከታትውን ይስበኹ።
4.4 ምስጋናን ልማኖን
ደቂ ሰባት ብኣምሳልን ኣርኣያን ሥላሴ ምፍጣሮም፡ ንፈጣሪኦም እናመስገኑ ንኽነብሩን ንሱ ዘዳለወሎም ዘለዓለማዊ መንግሥቲ ንኽወርሱን እዩ። ሰባት’ውን ንቅዱሳን መላእኽቲ ካብ ዝመስልሉ እቲ ቀዳማይ ድማ ንኣምላኾም ከምስግኑ ምፍጣሮምም እዩ። ወትሩ ንእግዚአብሔር እናመስገንና ክንነብር ከምዝግባእና ኸኣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝእዝዙና እዮም።
ወርኃ ጳጒሜን ኸኣ ነቲ ዝሓልፍን ዝኽተትን ዘሎ ዘመን ዘኪርና፡ ኣብቲ ኵሉ ምውጻእናን ምእታውናን፡ ምውራድናን ምድያብናን እግዚአብሔር ንዝገበረልና ነገር ኣስተውዒልና ከነመስግኖ ከምዝግባእ ዘዘኻኽር እዩ። ስለቲ ኵሉ ዝገበረልና ነገር ንእግዚአብሔር ክንከፍሎን ውሬታ ክንመልሰሉን እንኽእል ነገር የልቦን፤ እታ ሓንቲን ቀንድን ክንገብራ ዝግባእና ነገር ምስጋና እያ። ዘየምስግን ወለዶ ምኵናኑ ዘይተርፎ ኸኣ እዩ። ብሓቂ ድማ ርግእን ህድእን ኢልና በቲ ዝሓለፈ ንእግዚአብሔር ዝበደልናዮ ነገር እናተነሳሕና፡ ስለቲ ኵሉ ዝገበረልና ድማ ተመስገን ክንብሎ ዝግብኦ ምዃኑ መዕጸዊ ዓመት ዝኾነት ጳጒሜን መንቕሒ ደወል እያ። ኣይኮነን ግና ከምቶም ተገይሩሎም ከብቕዕ ከየመስግንዎ ዝተረፉ እሞ እቲ ሓደ በይኑ ምስ ተመልሰ “እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ?” ከምቶም ዝተባህለሎም ከይንኸውን ርእስና ንመርምር።
ናይቲ ዝሓለፈ ምልስ ኢልና ዘኪርናን ኣስተውዒልናን ኸኣ ንመጻኢ ክንከዶ ዝግባእ ሕይወት ብመሠረት ቅዱስ ቃሉ ንክንቕይሶ ዝግባእና እዋን እዩ። ስለቲ ኵሉ ዝጐድለናን ዘድልየና እሞ ዘይረኸብናዮ ኸኣ ናብቲ ኣቦ ኢልኩም ጸዉዕኒ ዝበለ ጐይታና ክንልምንን ነቲ ዝመጽእ ዘመን ኸኣ ክባርኸልናን ክቕድሰልናን እንምኅፀነሉ እዋን እዩ። ኳሕኳሑ ክረኃወልኩም፤ ለምኑ ክትረኽቡ ኢኹም ዝበለ ጐይታ ደቁ ዝኾንና ክንልምኖ ፈቒዱልና እዩ። ዝለመናንዮ እሞ እቲ ዘድልየና ክህበና ቅዱስ ፈቓዱ እዩ እሞ እዚ እዋን ኸኣ ነቲ ዘሎናን ዘይብልናን ከነለሊ፡ ስለቲ መጻኢ ኸኣ ዘድልየና ክኸውን እንደልዮ ሰናይ ነገር ናብ ኣምላኽ እንልምነሉ እዩ።
4.5 ጸብጻብ
እዚ እዋን’ዚ ሓደ ዓመት ተፈጺሙ ናብቲ ካልእ ሓድሽ ዓመት እንሳገረሉ እዩ። ነቲ ሓድሽ ዘመን ብሓድሽ ኅሊናን ተበግሶን ንምቕባሉ ኸኣ ነቲ ዝሓለፈ ዘመን ምግምጋሙ ዝነበረን ዝጸንሐን ኣገዳሲ ክፋል ሕይወት እዩ። ጳጒሜ ኸኣ መዕጸዊ ዓውደ ዓመት እያ። ነቲ ብባሕቲ መስከረም ዝጀመረ ዓውደ ዓመት ኣብዘን መዓልታት ንኸይምለስ ይሓልፍ። ዝኾነ ስራሕ ከምቲ እተወጠነሉ ጽቡቕ ዶ ክስራሕ ጸኒሑ ዶ ወይውን ኣሎ? ከመይ ከ ይገባገብ ኣሎ ኢልካ ምግምጋም ነቲ ስራሕ ኣዝዩ ሓጋዚ፤ ነቲ ዝመጽእን ዝተረፈን ኸኣ ኣመላኻቲ ከምዝኾነ ዘይከሓድ እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ሓንሳብ ደው ኢልና ክንሓስብ ከምዝግባእና የዘኻኽረና እዩ።
ስለዚ ኸኣ እዩ ኣብ ዝኾነ ስራሕ ጸብጻብ ምቕራብ ዘድልየ። ከምቲ ጐይታ ዝበሎ ኣቐዲሙ ተቐሚጡ ዘይመክር፡ ብዛዕባ መደባቱ ርግእ ኢሉ ዘይሓስብን ጀሚሩ ኣብ ምውድኡ ከይጽገም ኸኣ ነቲ ዘለዎን ዘይብሉን ምጽብጻብን ምስራዕን ዘየግድሶ የልቦን። ወርኃ ጳጒሜን ኸኣ ናይቲ ዝዕውድ ዓመት መኽተቲት ከምዝኾነት ንሕና’ውን ስለ ነፍስናን ሕይወትናን ገምጋም እንገብረሉ ጸብጻባትና ነጻፍፈሉ ክኸውን ይግባእ። እቲ ዘይተርፍ ንሕተተሉ እዋን ከይመጸ ኣበይ ኣሎኹ? እንታይ ይገብር ኣሎኹ? ናበይ ከ እኸይድ ኣሎኹ? እንታይ ከ ኣፍርየ? ወቦ ዘተርፈ ዝብሉ ሕቶታት ንርእስና ንሓተሉ ጊዜ እዩ። ኣይኮነን ግና “አይቴ ነበርከ፡ ምንተ ገበርከ” ምስተባሃልና ሕፈረትን ምድናን ርእስን ከይመጸ ንርእስና ጊዜ ፈሊና ካብ እንግምገመሉ እዋናት ሓደ ጳጒሜን እዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ግና ኵልሻዕ ርእስና ክንፍትሽ ከምዝግባእና ክሰሓት ዘይብሉ እኳ እንተኾነ ጳጒሜን ኸኣ ነዚ ኸምዚ ዓይነት ኣብ ሕይወትና ኣገዳሲ ተራ ንዘለዎ ኣካይዳ ብቀዳማይ እትጥቀስ እዋን እያ።
4.6 ተሞቅሖቱ ለዮሐንስ
ካብ ባሕቲ ጳጒሜ ክሳዕ ባሕቲ መስከረም ዘለዉ መዓልትታት ‘ተሞቅሖቱ ለዮሐንስ’ ተባሂሎም’ውን ይፍለጡ። እዚኦም መዓልታት ኸኣ መጥምቀ መለኮት ዮሐንስ ስለቲ ሓቀኛ ምስክርነቱን ተግሣፁን ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝተሞቕሓሉ እዋናት ተባሂሎም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይዝከሩ። ፪ መስከረም ኸኣ ብኢድ ሄሮድስ ክሳዱ ብሰይፊ ተሰይፉ ሰማእትነት ዝረኸበሉ እዩ።
5.0 ጳጒመ ኣብ ባህልና
ጳጒሜን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ትርጓሜን መልእኽትን ብውሑድ መጠን ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ እዩ። ዘመን ተኸቲሉ ምስቲ ሓረስታይ ሕዝብናን ምስ መሬትን ዘመናትን ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ጥንታዊ ኣነባብራናን ኸኣ ንጳጒሜን ናቱ ዝኾነ ባህላዊ ገጻት ኣልቢስዎ ይርከብ ኣሎ።
ባህልና ቅዱስ እዩ ክንብሎ ከሎና’ውን መሠረቱ ቅዱስ ዝኾነ ቃለ እግዚአብሔር ስለዝኾነ እዩ። እቲ ብቃልን ብጽሑፍን እንፈልጦ ትእዛዛትን ፈቓዳትን እግዚአብሔር ኣብቲ ባህልና ብግብሪ ሰሪጹ ተዘሪኡ በቚሉ ተኮስኲሱ ፈርዩ ዝርከብን ዝረአይን ስለዝኾነ እዩ። ሎሚ ግና ኣይግድን!
ጳጒሜን ኸኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ኅብረተሰብውን ዝልለየሉን ዝፍጸመሉን ናቱ ዝኾነ መግለጺ ኣለዎ። ገለ ካብኣቶም ኣኅጽር ኣቢልና ክንገልጾም ኢና።
5.1 ጳጒሜን ሓረስታይን ጓሶትን
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ወርሓት ጳጒሜን መሰጋገሪ ናብ ሓድሽ ዓመት ከም ምዃና ብመንጽር ዘመን’ውን ክረአ አሎ ጠባያት ነፋሳት ዝቐያየረሉ መሳጋገሪ ኮይና ትጥቐስ እያ። እዚ ኸኣ ሓረስታይ ኣብ ወርሓት ክረምቲ ካብቲ ኵሉ ዝሃልኮን መከራ ዝጽግበሉን ጭቃን ጨፈቅን፡ ጥምየትን ዝናብን፡ ቁርን ኣሳሕይታን ከምኡውን ናይ ማሕረስን ዘርእን ምጕልጓልን ወቦ ዘተርፈ ሰጊሩን ተገላጊሉን ናብቲ ሰማያት እናጸርዩ ዝኸዱሉ ብርሃን ዝበርሃሉ፡ ኣእካል ናብ ፍረን ሸዊትን ዝብጽሓሉ ተስፋ ምድሪ ዝልምልመሉ ብሓፈሻ ናብ ወርሓት ራሕስን ጽጋብን ንምስግጋር ዝቐራረበሉ ወርኃት እዩ።
ወርሒ ነሓሰ ሓሊፉ፡ እቲ ጻምኡ ክረክብ ፍሬኡ ክብልዕ ብተስፋ ብዝጽበ ሓረስታይ ጸየቕቲ ኣዋርሕ ተባሂለን ዝጽወዓ መዓልታት ጳጉሜን ምስ ተኣትወ ዝተፈላለየ ጥንቃቐን ኮለላን እናካየደ ይጸንሕ። ኣብ ዕለታት ጳጒሜን ኣብ ዝበዝኀ ክፋል ሃገርና ብፍላይ ኣብ ከበሳታት ዝናም ዳርጋ ወዲኡ ኢዩ፥ በረኻ ለሚዑ፥ ዚዕምብበሉ ጊዜ፥ ዘራእቲ ዝፈርየሉ እዋን ኢዩ። ብበረኻ ክትሓልፍ እንከሎኻ ኣዋሕዝ ኪዛርዩ፥ ናይቲ ኣብ ገምገም መንገዲ እናጐላዕለዐ ዚበቈለ ሓዲስ ሳዕሪ ሽታ ተፈለዮ ኣይመጸካን።
እዚ እዋን እዚ ኣእካል ጨልቂዑ ክስውተሉ ዝቐረበ መዓልታትት ኮይኑ እቲ ሸኻን ጐቦታትን ብልሙእ ሳዕርን ለምለም ኣግራብን ዝተኸድነሉ ንጥዕና ዝሰማማዕ ጥዑም ነፋሳት ዝነፍሰሉ እዩ። እቲ ተሓሪሱ ተዘሪኡ ዝበቖለን ክስውት ዝቐረበን ልሙዕ ኣእካልን ኣግራብን ከኣ ንፋስ ነነው ነነው ከብሎ ከሎ ንኅሊናኻ ዝህቦ ዕግበት ኣብ ውሽጥኻ ዝፈጥሮ ፍስሓ መግለጺ ኣይርከቦን እዩ።
ቀደም ኣብ ዓዲ ዝዓኾኹን ዝዓበዩን፡ ካብ ዓዶም ርሒቖም ኣብዚ ምዕቡል ዓለም ዝነብሩ ዘለዉ ክፋል ሕዝብና ኣብ ኸምዚ እዋን እዚ ናብ ዓዶም ኣብ ዝምለሱሉን ብኣዕይንቶም ብዝርእይዎን ብኣእዛኖም ብዝሰምዕዎ ናይ ጳጒሜን መልክዓ ምድርን ካልእን ኣካላቶም ዘስተማቕሮን ዝህቦም ሓጐስን፡ ብገንዘብ ዘይግዛእ መግለጺ ዝረኽቡሉ’ውን ኣይኮነን። ምስቲ ኵሉ ናይ ንእስነት ተዘክሮታቶም፡ ተሓድሶ ሰብነት ይፈጥረሎም። ኣብኡ ዘሎ ፍስሓ ወሐሴት’ውን ነቶም ምዕራባዊ ባህሊ ጥራይ ዝፈልጡ ደቆም ከረድኡ ክንደይ ከምዝጽገሙ ንርእዮም ኢና። ካብ ቅዱስ ባህልኻ ዝጥዕም ኣበይ ክርከብ?
እንስሳታት ዘቤት ብኵሉ ማለት ብሳዕሪ ብማይ ጽጉባት ስለዝኾና በሊዐንን ሰትየንን በብናተን ሓጐሰን ዝገልጽ ድምፂ ክድሃያ ምስማዕ ነቲ ዋንአን ሓረስታይ ጥራይ ዘይኮነስ ንኵሉ ባህ ዘብል እዩ። ለምዒ ስለዝበልዓ ዒባአን ለምዒ እዩ። ፍረ ምድሪ ኣብዚ ቅነ እዚ ጌና ናብ ኣፍ ስለዘይበጽሕ ሓረስታይ ዕለት ድራሩ ኣብ ኣሕምልቲ እዩ ዝምርኮስ፤ በቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ምሉእ ተስፋ ንኣምላኹ እናመስገነን እናተማኅፀነ ዓቕሊ ይገብር። እተን ኣሓ ጽጉባት ስለዝኾና ጸባ ከም ምስታይካ እዩ። ልኻይን ጠስሚውን ከምኡ።
ጓሶት ኸኣ ጥሪቶም እናጓሰዩ ሽግ ንቅዱስ ዮሓንስን መስቀልን ዝኸውን ይዓራርዩ፤ ይሰብሩ፤ የዳልዉ። ብቅጫን ጸባን ኣዝማደ ጸባን ተቋስዩ ዝተመልአ ከብዲ ድማ ብተሓጓስ ጥሪቶም እናኸብኮቡ ካብ ዝወፈሩሉ ክምለሱ ከለዉ ብድምፂ ጭጒራፍ ምምጽኦም የበስሩ። ብሓፈሻ እቲ ኣብዚ እዋን ጳጒሜን ዘሎ ኩነታት እምብዛ ብዙኅን ደስ ዘብልን እዩ ኢልካ ምጥቕላሉ ይሓይሽ።
5.2 ጳጒሜን ወራዙን (ኣጕባዝን ጕራዙን)
ቅድሚ ዑፍ ጩቕ ምባለንን ማይ ምጥዓመንን፡ ማይ ጳጒሜን ክሕጸባ ኣዋልድን መርዑን ዓዲ እኽሊ ከይጠዓማ ጌና መሬት ብጸልማቱ ከሎ ኣንጊሀን ካብ በብህድሞአን፦
“ኣደይ ኣብርህለይ ክወርዶ ማየ
ይብርሃኺ ጓለይ ውረድዮ ማየ”
ክርዳድ ዘይብሉ ዝዓረኽዎ
ሳዓ ዘይብሉ ዝመመኽዎ”
ብዝብል ባህላዊ ዜማ እናተቐባበላ ካብ በቤተን ተፋንየን ይወጻ። እዚ ኸኣ ብኣደ እናተመሰለት ዝዝመረላ ዘሎ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። እዚ ኸኣ እተን ኣዋልድ ‘ኣደይ ኣብርህለይ’ ብምባል ናታ ኣማላድነት ተራዳእነት እየን ብዜማ ዝሓታ። እዚ ኸኣ ናብቲ ማይ (ማየ ሕይወት) ወሪድና ነፍስና ክንሕጸብ (ካብ ሓጢኣት ክንነጽሕ) ብርሃን ወድኺ ኣብርህልና እናበላ እየን ብምሳሌ ዝልምና። እዚ ኸኣ ብተምሳል ናይ ግዳም ንጽሕና ናይ ነፍስ ንጽሕና ክረኽባ እየን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማልዶ ዝሓታ። ኣብቲ ዝቕጽል ዜማ’ውን ከምቲ ክርዳድ ካብ ስርናይ ንፈልዮ፤ ነቲ ደቂቕ ካብቲ ፍሩይ እንፈልዮ ንሕናውን ካብ ሓጢኣትን ክፉእ ስራሕን ኣርሕቕና እናበላ እየን ዝልምና ዘለዋ።
“ጳጒመንየ ኣብ ማይ ጳጒመንየ
ትሕጸባ ዶ ኣብ ማየ ጳጒመን”
እናተበሃህላ ኸኣ ብምጽውዋዕን ብምትእኽኻብን፡ ከበሮ እናወቕዓን ድሙቕ ጣቕዒት እናጣቕዓን እናተዋዘያ ናብ ሩባ ይወርዳ። ኣብኡ ምስ በጽሐ ኸኣ ብሓንሳእ ኮይነን በብነጸልአን ተኸዋዊለን ተሓጺበንን ተገጫጪበንን ምስቶም ኣጕባዝ እናተዋዘዩ ባህላዊ ጸዋታ እናተጻወቱ ጌና መሬት ኣጸቢቑ ከይበርሀን ከይወገሐን ከሎ ናብ ዓዲ ይምለሳ።
ከምኡ ኸኣ ኣብ ምምላሰን፦
“ኣደ ኣብርሃለይ ክወርዶ ማየ
ውረድዮ እዛ ጓለይ ጥዕና ኣለዎ እዚ ማየ
ተሓጺብክን ዶ ማይ ጳጒሜን ተሓጺብክን
ተሓጺብና እወ ጥዕና ኣለዎ”
እናበላ ብምጽዋት ናብ ዓዲ ይኣትዋ።
ን ቅዱስ ዮውሃንስ ብኽብሪ ንምቕባል ኸኣ ኵሉ በብናቱ ምድላዋቱ የጻፍፍ። ሕሩድን ሜስን ብወገን ሰብኡት፡ መግቢን ቀመማቱን ምስ ስዋ ብወገን ኣንስቲ፡ ክዳንን ቍኖን መመላኽዒን ሽልማትን ብወገን ኣዋልድ ወቦ ዘተረፈ ፍሉይ ምድላዋት እዩ ዝግበር። ብፍላይ ብወገን ሓደሽቲ መርዑን ዝግበር ድማ ዝተፈልየ እዩ። እቲ ኵሉ መጽሓፋዊ መሠረት ዘለዎ ባህላዊ ማኅበረሰባዊን መንብሮ ብካህን ዓዲ ዝምከል ምዃኑ ድማ ዝተፈልጠ እዩ።
5.3 ምስላ
ምስላ፡ ናይ ሓደ ሕዝቢ ባህሊ፡ ውህሉል ተሞክሮን ልምዲ ኣነባብራን፡ ሥነ ሓሳብን ፍልስፍና ሕይወትን፡ እምነትን ኣመላካኽታን ወቦ ዘተርፈ ብውሑድን ጥሙርን ቃላት ዝገልጽ ከም ምዃኑ ጳጒሜን ኸኣ ካብኡ ብዘይተፈልየ ንዕኡ ዝምልከት ምሳሌ ተመሲሉሉ ኣሎ። ገለ ካብኡ ንምጥቓስ፦
ሓተላ ጳጒሜን ዘይርከብ ሓርእ-ተመን
ጳጒሜን የውጽኣና ካብ ጐመን (ሓምሊ) የብጽሓና ናብ ጽቡቕ ዘመን፡ ኵልና ንበል ኣሜን።
6. መደምደምታ
ብሓፈሻ እዋን ጳጒሜን ብዙኅ ትምህርትን መልእኽትን ከምኡውን ምስቲ ጥንታዊ ኣነባብራና ኸኣ ጥቡቕ ምትእስሳርን ዝምድናን ዘለዎ ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። ንስሓ ዝእወጀሉ፤ ብንስሓ ጽርየትን ተሓድሶ ሕይወት ዝርከበሉ፤ ምጽኣት ክርስቶስ ዝስበኸሉ፤ ብሥጋዊ ተምሳል ናብ ሓድሽ ዘመን መንፈሳዊ ምስግጋር ናብ ሓድሽ ሕይወት ዝዳለዉሉ እዩ።
እዚ ዝኣቱ ዘሎ ሓድሽ ዘመን ናይ ሰላም፡ ናይ ፍቕሪ፡ ናይ ጸጋ ይግበረልና።
ዘመናት እናቀያየረ ኣብዚ ዘብጽሓና እግዚአብሔር ካብ ኣጽናፈ ዓለም ክሳብ ኣጽናፈ ዓለም ምስጋናን ክብርን ይብጽሓዮ።

Comments
Post a Comment