ሓድሽ ዓመት

 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን።



   ኣቆጻጽራ በዓላት ዘመነ ዮሓንስ ፳፻፲፪ ዓ.ም

          ባሕረ ሓሳብ 

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ቅዱስ ዝኾነ ቅኔ ጳጉሜን ኣፈጺሙ ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሓንስ ብሰላምን ፍቕርን ጥዕናን ዘብጸሓና ክብርን ምስጋናን ኣምልኾን ወዳሴን ሎምን ንዘልኣለምን ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኹኖ። ኣማላድነት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ፥ረዲኤት ናይ ኩሎም ቅዱሳንን ኣይፈለየና ሩሑስ ኣውደኣመት ይግበረልና ኣሜን።

  ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት መቑጸሪ ዓመታ ኩሉ ግዜ ሓደ መስከረም ኮይኑ። መሰረቱ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ርእሰ ኣውደኣመት ዮሓንስ ወላዴ መጥቅዕ ወኣበቅቴ ድማ ይብለና። ምኽንያቱ ዮሓንስ መጥምቅ ካብ ብሉይ ኪዳን ናይ መወዳእታ ነብይ ኪኸውን ከሎ ፥ ካብ ሓድሽ ኪዳን ድማ ናይ መጀመሪያ ሓዋርያ እዩ። ስለዚ ናይ መሰጋገሪ ዘመን ብዮሓንስ መጥምቅ ኮይኑ። ትንቢተ ኢሳይያስ 40 ንመልከት። ስለዚ ሓድሽ ዓመት ናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ብዮሓንስ መጥምቅ ስያሜ ይስየም። ዓመታዊ በዓለ ልደቱ 30 ሰነ ክኸውን ከሎ በዓለ ሰማእትነቱ እውን 2 መስከረም እዩ።


 

 ሓድሽ ዓመትና ንምንታይ ኣብ መስከረም ይውዕል 


ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚርና ዘመን ምስ እንቆጽር እዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ኣብ ወርሓ መጋቢት 29 ከም ዝተፈጥረት ባሕረ ሓሳብ ወይ ኣቡሻክር ይነግረና ። ኦሪት ዘሌዋውያን 23፥23 ንመልከት። ከምኡ ድማ እስራኤላውያን ሓድሽ ዓመት ከብዕሉ ብሊቀ ነብያት ሙሴ ከም ዝተነግሮም መሰረት ኣብ መበል ሻውዓይ ወርሒ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ ዕለት ዓብይ በዓልን ሓድሽ ዓመትን ክገብሩ ከም ዘለዎም ካብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ትእዛዝ ተቐቢሉ ነገሮም። ካብ ወርሓ መጋቢት ድማ መበል ሻውዓይ ወርሒ መስከረም እዩ ዝኸውን ዘሎ። 

   ኣብ ዘመነ ትካት ድማ ማለት ብዘመነ ኖህ ሕዝቢ ዓለም ሓጢኣት ምስ ገበሩ ዓለም ብማይ ኣይሂ ተደምሰሰት። ኣቦና ኖህ ግና ምስ 8 ነፍሳት ናይ ቅድስት ቤት ክርስትያንን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምሳሌ ዝኾነት መርከብ ሰሪሑ ካብ ማይ ኣይሂ ደሓነ። ብድሕሪ ዚ ኣቦና ኖህ ኣብ ዕለት 17 መስከረም እዩ ማይ ኣይህ ከም ዝነጸፈ ርግቢት ቆጽሊ ሒዛ ብምምጻእ ምስ ኣበሰረቶ ካብ መርከብ ናብ ንቑጽ ምድሪ ወጺኡ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ከቕረብ ዝጀመረ ። ስለዚ እታ ሓዳስ ዓለም ካብ መስከረም እያ ሓደ ኢላ ምቑጻር ዝጀመረት። ኦሪት ዘፍጥረት 8 ፥4 ንመልከት ስለዚ ወርሒ መስከረም ንእስራኤላውያን መበል 7ይቲ ወርሖም ክትከውን ከላ ንዓና ነዞም ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚርና እንቆጽር ግና ቀዳመይቲ ወርሕና እያ።


ከምኡ ድማ ካብ ወርሒ ሰነ 25 ክሳብ ወርሒ መስከረም 26 ክረምቲ እዩ ተባሂሉ ዝጽዋዕ። ክረምቲ ማለት ድማ ናይ ጸልማት ወርሓት ማለት እዩ። ቀውዒ ማለት ድማ ናይ ብርሃን ወርሓት ማለት እዩ። ለይቲ ሓሊፉ መዓልቲ ከም ዝመጽእ ፥ ብጸልማት ዝተመሰለ ክረምቲ ሓሊፉ ድማ ብብርሃን ዝምሰል ወርሓ መስከረም ይመጽእ ማለት እዪ። መጽሓፈ መሃልየ መሃልይ 2፥8--15 ይብለና ። ኣብ ሃገርና እዚ ፍርያት እዚ ዝረኣየሉ ድማ ክረምቲ ሓሊፉ ኣብ ወርሒ መስከረም እዩ።

  ከምኡ ድማ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንጸሓይን ወርሕን ከዋክብትን ክፈጥሮም ከሎ ብርሃን ክህቡን ፥ መቑጸሪ ናይ ዘመን ኪኾኑን ኢሉ እዩ ፈጢሩዎም። ስለዚ ዓመት ምሉእ ዑደት ምስ ገበሩ ዑደቶም ድማ ኣብ ወርሒ ጳጉሜን እዮም ዝፍጽሙ። ኣብ 1 መስከረም ድማ ከም ብሓድሽ ሓደ ኢሎም ዑደቶም ይጅምሩ ይብለና ። ቀመራት ድማ ብመሰረት ዑደቶም ይቅመር ማለት እዩ።



  ኣወጻጽኣ በዓላትን ኣጽዋማትን ፳፻፲፪ ዓ.ም

          ዘመነ ዮሓንስ

ኣብ ቅድስትን ኣጽናፋዊትን ሓዋርያዊትን ዝኾነት ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ኣዚዩ ቅዱስን ሰፊሕን ዝኾነ ትምህርቲ ኣቆጻጽራ በዓላትን ኣጽዋማትን ዝምልከት ሕሳብ ፥ ማለት ባሕረ ሓሳብ ኣሎ። ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ናይ ሕሳብ ትምህርቲ ከምኡ እውን ናይ ስነ ከዋክብቲ ኣቆጻጽር ዝኾነ ዓውደ ኣዋርሕ ዝወጸሉ ክፍሊ ትምህርቲ ድማ ባሕረ ሓሳብ / ወይ ኣቡሻክር ይበሃል። ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዓመት መጸ ኣብ ቤተ ክርስትያን መእተዊኦምን መወድኢኦምን በብዓመቱ ዝቀያየሩ በዓላትን ኣጽዋማትን ኣለው። ብጠቕላላ ድማ 11 በዓላት እዮም። ንሳቶም ድማ ፥ ጾመ ነነዌ ፥ ዓብይ ጾም ፥ደብረ ዘይት ፥ሆሳዕና ፥ ዓርቢ ስቕለት ፥ ትንሳኤ ፥ ርክበ ካህናት ፥ በዓለ ዕርገት ፥ በዓለ ጰራቅሊጦስ ፥ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ድሕነትን እዮም።

 ኩላቶም ኣጽዋማት ግና ዝኣትውሉ ማለት ዝጅምሩሉ ዕለት ንምፍላጥ ናይ ኩሎም መበገሲ ቁጽሪ ጾመ ነነዌ እዩ። 

 ካብ ጾመ ነነዌ መበል 14 መዓልቲ ዓብይ ጾም ይኣቱ።


1. ካብ ነነዌ መበል 41 መዓልቲ ደብረ ዘይቲ ይኸውን።

2. ካብ ነነዌ መበል 62 መዓልቲ ሆሳዕና እዩ።

3. ካብ ነነዌ መበል 67 መዓልቲ ዓርቢ ስቕለት እዩ።

4.ካብ ነነዌ መበል 69 መዓልቲ በዓለ ትንሳኤ እዩ።

5.ካብ ነነዌ መበል 93 መዓልቲ ርክበ ካህናት እዩ።

6. ካብ ነነዌ መበል 108 መዓልቲ በዓለ ዕርገት እዩ።

7. ካብ ነነዌ መበል 118 መዓልቲ በዓለ ሓምሳ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ጰራቅሊጦስ እዩ።

8. ካብ ነነዌ መበል 119 መዓልቲ ጾመ ሓዋርያት እዩ ።

9.ካብ ነነዌ መበል 121 መዓልቲ ድማ ጾም ድሕነት ይኣቱ።

  ስለዚ ዝኾነ ይኹን በዓላትን ኣጽዋማትን ዝጅምርሉን ዝውድእሉን ዕለት ንምርካብ እቲ መበገሲ ቁልፊ ነነዌ ምፍላጥ ካብ ኮነ ፥ ጾመ ነነዌ ከ መዓስ እዩ ዝኸውን ዘሎ ንምፍላጥ ድማ ክንፈልጦም ዝግቡኡና ኣገደስቲ ነገራት ኣለው። ንሳቶም ድማ   


1.ዓመተ ዓለም 6.ወንበር

2.ዓውደ ዓመት 7. መጥቅዕ

3.ወንጌላዊ 8.ኣበቅቴ 

4.ዓብይን ማእከላውን ንኡስ ቀመራት። 9. ተውሳኽ ዕለታት

5.መደብ 10.መባጃ ሓመር እዮም።



ካብዚ ቀጺልና ድማ ናይ 2016 ዝውዕል በዓላትን ኣጽዋማትን ከነውጽእ ኢና።

     1. ዓመተ ዓለም

ዓመተ ዓለም ዝበሃል "ዘመነ ብሉይን ማለት 5500 ዘመን ምስ ዘመነ ሓዲሽ ኪዳን ፳፻፲፪ ተደሚሮም ዝህቡና ውጽኢት ማለት እዩ። ስለዚ ናይ ሎሚ ዘመን ዓመተ ዓለም 5500+ 2016 ፤፤፤ 7516 ይኸውን።

 

         2. ወንጌላዊ   

 ናይዚ ዓመት እዚ ፳፻፲፪ ዘሎ ወንጌላዊ ንምፍላጥ ድማ ፥ ዓመተ ዓለም ማለት 7516፥ 4 ንገብሮ እቲ ዝመጽእ ተረፍ 1ይ እንተኾይኑ ዘመነ ማቴዎስ እዩ። ተረፈ 2ይ እንተኾይኑ ዘመነ ማርቆስ እዩ። ተረፍ 3ይ እንተኾይኑ ድማ ዘመነ ሉቃስ እዩ። ተረፍ 0 እንተኾይኑ ድማ ዘመነ ዮሓንስ እዩ። ስለዚ ናይ ፳፻፲፪ ዓመተ ምሕረት ዘሎ ወንጌላዊ ንምርካ :-7516፥4 ፤ 1879 ስለዚ ተረፍ 0 ይኸውን ኣሎ ። ስለዚ ተረፍ 0 እንድሕር ኮይኑ ድማ ዘመነ ዮሓንስ ማለት እዩ። እቲ ተኸፊሉ ዝወጸ ውጽኢት ድማ " መጠነ ራብዒት "ይበሃል።

   

       3. ዓውደ ዓመት 

  ዓውደ ዓመት ማለት ሓደ ሙሉእ ዓመት ማለት 12 ምሉኣት ኣዋርሕ ጳቁሜ ዑደት ገይሩ ምስ ወድአ ዝቅጽል ዓመት ንምጅማር ዝውዕል መዓልቲ ወይ ድማ ዕለት ዓውደ ዓመት ይበሃል።

ዓውደ ዓመት መስከረም 1 ዝውዕለሉ መዓልቲ ንምፍላጥ ድማ ከምዚ ንገብር ፥ ማለት ዓመተ ዓለም ምስቲ ዝመጸልና መጠነ ራብዒት ንድምሮ እሞ እቲ ዝመጸልና ውጽኢት ድማ ሓደ ሰሙን 7 መዓልቲ ስለ ዝኾነ ን 7 ንመቕሎ። እቲ ዝተረፈ ድማ ስም ናይቲ መዓልቲ ይኸውን። ትርፊ 1 እንተኾይኑ ባሕቲ መስከረም ሰሉስ ይውዕል ፥ ትርፊ 2 ተኾይኑ ባሕቲ መስከረም ረቡዕ ይውዕል ፥ ትርፊ 3 ተኾይኑ ባሕቲ መስከረም ሓሙስ እዩ። ትርፊ 4 ተኾይኑ ባሕቲ መስከረም ዓርቢ እዩ። ትርፊ 5 ተኾይኑ ባሕቲ መስከረም ቀዳም ይውዕል። ትርፊ 6 ተኾይኑ ባሕቲ መስከረም ሰንበት ይውዕል። ትርፊ 0 ተኾይኑ ድማ ባሕቲ መስከረም ሰኑይ ይውዕል። ስለዚ ናይ ሎሚ ዘመን መዓልቲ ንምርካብ 7516 + 1879 ፤፤ 9395 እዩ። እዚ 9395 ድማ መሊስና ን 7 ንመቕሎ። 9392 ፥ 7 ፤፤1342 በጺሑ ተረፍ ድማ 1 ይኸውን። ስለዚ እቲ ተረፍ 1 እንድሕር ኮይኑ ናይ ሎሚ ዘመነ ዮሓንስ ባሕቲ መስከረም ዕለት 1 ሰሉስ ይውዕል። ስለዚ ዓውደ ዓመት ሰሉስ ኮይኑ ኣሎ። ምኽንያቱ ጳጉሜን 6 መዓልቲ ስለ ዝኾነ ።

              

     4. ቀመራት

  ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ብዛዕባ ቀመር ዝምልከት ትምህርቲ ኣዚዩ ሰፊሕን ነዊሕን ትሕዝቶ ዘለዎ ትርጉም ትምህርቲ እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ኣቦታትና ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቤተ ክርስትያን ብመልክዕ ስብከት ከስተምህሩና ከለው ጽን ኢልና ክንከታተል ፥ ኣብ ትሕቲ እግሪ ቅዱሳን ኣቦታትና ብህድኣት ተቐሚጥና ምስጢረ ድሕነት ነፍስና ክንመሃር ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን። ስለዚ መበገሲ ኪኾነና መታን ዓብይ ቀመር 532 ዓመታት እዩ ፥ ማእከላዊ ቀመር ድማ 76 ዓመታት እዩ ፥ ንኡስ ቀመረ ድማ 19 ዓመታት እዩ ኣሜን።

                   

      5. መደብ  

ሕጂ ድማ ናይዚ ዓመት እዚ መደብ ንምርካ ከነውጽእ እንተደሊና ከምዚ ንገብር ። ማለት ዓመተ ዓለም ን ዓብይ ቀመር ንመቕሎ ። እቲ ዝተረፈ ድማ መሊስና ንማእከላዊ ቀመር ነካፍሎ። ካብዚ ዝተረፈ ድማ መሊስና ንንኡስ ቀመር ንመቕሎ። ሽዑ ኣብ መወዳእታ ካብዚ ዝተርፍ ቁጽሪ መደብ ይበሃል ። ንምሳሌ ናይ 2016 መደብ ንምርካብ ከምዚ ንገብር 7516 ፥ 532 ፤፤፤ 14 በጺሑ 68 ይተርፍ ። ሽዑ 68 ድማ ን 76 ንመቕሎ 68 ፥76 ግና ኣይከኣልን እዩ። ምኽንያቱ ካብ 68 እቲ 76 ይዓቢ ። ስለዚ ንንኡስ ቀመር ማለት ን 19 ንመቕሎ ፥ 68 ፥19 ፤፤፤ 3 በጺሑ ተረፍ 11 ይኸውን ። ስለዚ ናይ 2016 ዓመተ ምሕረት መደብ 11 ኮይኑ ኣሎ።

                       

    6. ወንበር 

ወንበር ናይ 2016 ንምርካብ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ንገብር ። ማለት ዓመተ ዓለም ንንኡስ ቀመር ኣካፊልና ካብቲ ዝመጸልና ውጽኢት 1 ብምቅናስ ወንበር ንረክብ ማለት እዩ። እዚ ማለት ድማ 7516 ፥ 19 ፤፤ 395 መጺኡ ተረፍ ድማ 11 ይኸውን። ካብዚ ምስ መቐልናዮ ዝመጸልና ተረፍ ድማ 1 ነጉድል እቲ መጨረሽታ ዝመጸ ቁጽሪ ናይዚ ዓመት እዚ መደብ ይኸውን። ማለት 7516፥ 19 ፤፤ 395 ፤፤ ተረፍ 11--1 ፤፤ 10 እዩ። ስለዚ ናይ 2016 ወንበር 10 ይኸውን። ወንበር ድማ መጥቅዕ ንምርካብ ይሕግዘና።

                    

     7.መጥቅዕ 

  መጥቅዕ ማለት ትርጉሙ ነጋሪት ማለት እዩ። ነጋሪት ወይ ድማ ደውል ክውቃዕ ከሎ ኩሉ ሕዝቢ ከካብ ቤቱ ይኹን ካብ ስርሑ ንግዳም ወይ ንደገ ወጺኡ ከም ዝእከብ ፥ ብመጥቅዕ ወይ ድማ ደወል ዝስየም ፥ ዝጽዋዕ ፥ ዝጥቀስ መዓልቲ ድማ ኣጽዋማትን በዓላትን ዝእከብ ወይ ውን ዝርከበሉ ኣገባብ ስለ ዝኾነ " መጥቅዕ ተባሂሉ ይጽዋዕ። መጥቅዕ ንምርካብ እቲ ዝረኸብናዮ ወንበር ብንኡስ ቀመር ነባዝሖ ማለት ነራብሖ ፥ ሽዑ እቲ ውጽኢት ልዕሊ 30 ትኾይኑ ን 30 ከፊልና እቲ ትርፊ ይኸውን ። ትሕቲ 30 እንድሕር ኮይኑ ግና ባዕሉ መጥቅዕ ይኸውን። ንምሳሌ ናይ 2016 መጥቅዕ ንምርካብ ወንበር ×ንኡስ ቀመር ÷ 30 ×ወንበር == መጥቅዕ ማለት 10 × 19 == 190 እዚ መጺልና ዘሎ ውጽኢት ማለት 190 ድማ ልዕሊ 30 ስለ ዝኾነ 190÷30 == 6 ንገብሮ ። ተረፍ ድማ 0 ይመጽእ ። ስለዚ መጥቅዕ ናይ ሎሚ ዘመን ዮሓንስ 10 ጥቅምቲ እዩ። እቲ መጥቅዕ ድማ ትሕቲ 14 እንተኾይኑ ኣብ ጥቅምቲ ይውዕል። ልዕሊ16 እንተኾይኑ ድማ ኣብ መስከረም ይውዕል። ስለዚ ናይ ሎሚ ዘመን ዮሓንስ 2016 ዓመተ ምሕረት መጥቅዕ ጥቅምት 10 ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ዕለት 1 መስከረም ማለት መዓልቲ ሰሉስ እንድሕር ቆጺርናዮ ድማ ናይ ሎሚ ዘመን 2016 መጥቅዕ 10 ጥቅምቲ መዓልቲ ቀዳም ይኸውን ኣሎ። መጥቅዕ መስከረም እንተ ውዒሉ ጾመ ነነዌ ድማ ጥሪ ይኸውን። መጥቅዕ ጥቅምቲ እንተ ውዒሉ ድማ ጾመ ነነዌ የካቲት ይኸውን። ሕጂ ድማ ካብዚ ቀጺልና መጥቅዕ ድማ መባጃ ወይ ድማ ሓመር ንምርካብ ይጠቕመና።

                      

      8. ኣበቅቴ  

  ኣበቅቴ ንምርካብ ድማ 30 መጥቅዕ እዩ። ምኽንያቱ ዝኾነ ይኹን ወርሒ ኣብ ናይ ግእዝ ኣቆጻጽራ ኩሉ ዕለት 30 እዩ ዝውድእ ። ጎደሎ ዝበሃል ወርሒ የለን። ስለዚ ኣበቅቴ ንምርካብ ድማ ከምዚ ንገብር ። ወርሒ -- መጥቅዕ == ኣበቅቴ ። ማለት 30-- 10 == 20 እዩ። ስለዚ ናይ ሎሚ ዘመን 2016 ኣበቅቴ 20 ይኸውን ማለት እዩ ። እዚ ማለት ድማ ኩሉ ግዜ መጥቅዕ + ኣበቅቴ == 30 እዩ። ማለት 10+ 20== 30 ። ካብ 30 ትጎዲሉ ወይ ካብ 30 እንድሕር በዚሑ ግና ተጋጊና ኣለና ማለት እዩ።

                      

    9. ተውሳኽ ዕለታት  

  ናይ ዕለታት ተውሳኽ ማለት ዕለታት ( ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት ዝህልወን ውጽኢት ዝህልወን ዋጋ ማለት እዩ።ናይ ዕለታት ተውሳኽ ኣሎ ብቀዳም እዩ ዝጅምር 

ናይ ቀዳም 8

ናይ ሰንበት 7

ናይ ሰኑይ 6

ናይ ሰሉስ 5

ናይ ረቡዕ 4

ናይ ሓሙስ 3

ናይ ዓርቢ 2 እዩ ።


 ስለዚ ዋጋ ዘይብላ መዓልቲ የላን እሞ እቲ ተውሂቡና ዘሎ ዕድመ ብቅድስና ነሕልፎ። ኣብ ክርስትያናዊ ስነ ምግባርና ንጡፋት ንኹን ሓደራ። ተውሳኽ ዝብል መዓልታት ካብ ምንታይ ከም ዝመጸን እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎን ርእሱ ዝኸኣለ ኣርእስቲ ትምህርቲ ስለ ዘለዎ ካልእ መዓልቲ ክንመሃሮ ኢና። ከምኡ እውን ካብ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ብዛዕባ ባሕረ ሓሳብ ዘስተምህር ቅዱሳን መጻሕፍቲ እንዳ ዓደግናን ፥ መብርሂ ድማ ንቅዱሳን ሊቃውንቲ ኣገልገልቲ ሃይማኖት ዝኾኑ ኣቦታትና እንዳ ሓተትናን ክንመሃር ቅዱስ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ይኹን ኣሜን። ስለዚ እምበኣር ብዛዕባ ተውሳኽ ዕለታት ክንዝርዝር ኢና ፥

    ናይ ቀዳም ትወሳኽ 8 እዩ። ናይ ሰንበት ተውሳኽ 7 እዩ። ናይ ሰኑይ ተውሳኽ 6 እዩ ። ናይ ሰሉስ ተውሳኽ 5 እዩ። ናይ ረቡዕ ተውሳኽ 4 እዩ። ናይ ሓሙስ ተውሳኽ 3 እዩ። ናይ ዓርቢ ተውሳኽ ድማ 2 እዩ። ስለዚ ናይ መጥቅዕ ተውሳኽ ማለት ጥቅምቲ 10 ስለ ዝውዕል ናይ ቀዳም ተውሳኽ ድማ 8 እዩ። ስለዚ እዚ ተውሳኽ ዕለታት ድማ መባጃ ወይ ሓመር ንምርካብ ይጠቕመና ማለት እዩ።

                 

       10. መባጃ ( መበገሲ )ወይ ሓመር

 መባጃ ሓመር ማለት መቀነይ ወይ እውን መውጽኢ ፥ መርከቢ በዓላትን ኣጽዋማትን ማለት እዩ። ነዚ ንምርካብ ድማ """ በዓለ መጥቅዕ ምስቲ ናቱ ማለት ምስ ናይ ዕለቱ ተውሳክ ብምድማር እቲ ዝመጸልና ውጽኢት ልዕሊ 30 እንተኾይኑ እቲ 30 ብምቕናስ እቲ ዝተረፈ መባጃ ሓመር ይኸውን ማለት እዩ። እቲ ዝመጸልና ውጽኢት ትሕቲ 30 እንተ ኾይኑ ግና ባዕሉ ከም መባጃ ( መበገሲ ) ወይ ድማ ሓመር ይኸውን። ስለዚ መባጃ ሓመር ድማ ጾመ ነነዌ ንምርካብ ይጠቕመና ።


 ስለዚ ናይ ፳፻፲፪ ዓመተ ምሕረት መባጃ ሓመር ንምርካብ ከምዚ ንገብር ። መጥቅዕ ማለት 10 ጥቅምቲ + ቀዳም ስለ ዝወዓለ 10 ጥቅምቲ ናይ ቀዳም ተውሳክ ድማ 8 ስለ ዝኾነ " 8+ 10= 18 እዩ። ስለዚ መባጃ ሓመር እዩ። 

 

 ስለዚ ናይ ሎሚ ዘበን ማርቆስ 2014 ጾመ ነነዌ ሰኑይ ዕለት 7 የካቲት ክውዕል እዩ። ጾመ ነነዌ ኣብ ወርሒ የካቲት ዝወዓለሉ ቀንዲን18 ኣገዳስን ነገር ድማ ናይ ሎሚ ዘበን መጥቅዕ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ስለ ዝወዓለ እዩ ። ኣብ ወርሒ መስከረም ውዒሉ ነይሩ እንተ ዝኸውን ድማ ናብ ጥሪ ምወረደ ነይሩ ማለት እዩ። ስለዚ መበገሲ ቁጽርና ወይ ድማ ሓመር ናይ ሎሚ ዘመነ ዮሓንስ 2016 18 ኮይኑ ኣሎ። ካብዚ ቀጺልና ኣጽዋማትን በዓላትን ክንረክብ ኢና።

     


  ኣጽዋማትን በዓላትን ፳፻፲፪ (2016)  


 በሉ ናይ ሎሚ ዘመን ፳፻፲፪ ዓብይ ጾም ካብ ጾመ ነነዌ ድሕሪ መበል 14 መዓልቲ ስለ ዝኸውን ማለት የካቲት 18 +14 = 32 ። ስለዚ ሎሚ ዘመን ፳፻፲፪ ዓብይ ጾም 2 መጋቢት መዓልቲ ይኣቱ ኣሎ።

 

 ደብረ ዘይቲ ካብ ጾመ ነነዌ ድሕሪ 41 መዓልቲ ማለት የካቲት 18+ 41 = 59 እቲ 30 ገዲፍና ደብረ ዘይቲ 29 መጋቢት መዓልቲ ሰንበት ይኸውን ኣሎ።


 ሆሳዕና ካብ ነነዌ መበል 62 መዓልቲ ይኸውን ኣሎ። ስለዚ የካቲት 18+ 62= 80 እቲ 60 ኣሊና ሆሳዕና 20 ሚያዝያ መዓልቲ ሰንበት ይኸውን ኣሎ።


 ዓርቢ ስቕለት ካብ ነነዌ ድሕሪ 67 መዓልቲ ይኸውን ኣሎ ። ስለዚ የካቲት 18+ 67= 85 እቲ 60 ኣፍሲስና 25 ሚያዝያ ዓርቢ ስቕለት ይኸውን ኣሎ።


   በዓለ ትንሳኤ ካብ ነነዌ መበል 69 መዓልቲ ይውዕል ። ስለዚ የካቲት 18 + 69 = 87 እቲ 60 ኣፍሲስና 27 ሚያዝያ ሰንበት በዓለ ትንሳኤ ይኸውን ኣሎ።


 ርክበ ካህናት ካብ ነነዌ መበል 93 መዓልቲ ይኸውን ኣሎ። ስለዚ የካቲት 18+ 93 =111 ስለዚ እቲ 90 ኣፍሲስና 21 ግንቦት ረቡዕ መዓልቲ ርክበ ካህናት ይኸውን ኣሎ።

 

   በዓለ ዕርገት ካብ ነነዌ መበል 108 መዓልቲ ይኸውን ። ስለዚ የካቲት 18 + 108 =126 ስለዚ እቲ 120 ኣፍሲስና 6 ሰነ መዓልቲ ሓሙስ በዓለ ዕርገት ይኸውን ኣሎ።


   ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ጰራቅሊጦስ ካብ ጾመ ነነዌ መበል 118 መዓልቲ ይኸውን። ስለዚ የካቲት 18 + 118 = 136 ። ስለዚ እቲ 120 ኣፍሲስና 16 ሰነ ኪዳነ ምሕረት ሰንበት መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ይኸውን። 

  

   ጾመ ሓዋርያት ካብ ጾመ ነነዌ ድሕሪ 119 መዓልቲ ይውዕል። ስለዚ የካቲ 18 + 119= 137 ። ስለዚ እቲ 120 ኣፍሲስና 17 ሰነ ሰኑይ ጾመ ሓዋርያት ይጅምር። ስለዚ ናይ ሎሚ ዘመን 2016 ዘመነ ዮሓንስ ጾመ ሓዋርያት 17 መዓልቲ ሰኑይ ይኸውን ኣሎ።


   ጾመ ድሕነት ካብ ነነዌ ድሕሪ 121 መዓልቲ ይውዕል። ስለዚ የካቲት 18 + 121= 139 ። እቲ 120 ኣፍሲስና 19 ሰነ ጾመ ድሕነት ማለት ጾመ ረቡዕን ዓርብን ይኣቱ ኣሎ። ዕለት 5 ሓምለ ኣባ ገብረመንፈስ ቅዱስ መዓልቲ ድማ ኪፈትሕ እዩ። ጴጥሮስ ወጳውሎስ ድማ ይበሃል።


   ናይ ጾመ ፍልሰታ ዕለት ኩሉ ግዜ ፍሉጥ እዩ። ኣይቅድምን እዩ ኣይድሕርን እዩ። ኣይውስኽን እዩ ፥ ኣይጎድልን እዩ። ኩሉ ግዜ ዕለት 1 ነሓሰ ጀሚሩ ዕለት 16 ነሓሰ ይውድእ። ክሳብ 21 ነሓሰ ድማ ልክዕ ከም ትንሳኤ ፍቑር ወዳ ይበዓል ኣሜን። 

             

   ንመዘኻኸሪ ዝኣክል    

ዓመተ ዓለም 7516 ። ዓመተ ምህረት ፳፻፲፪

ወንጌላዊ። ዮሓንስ ርእሰ ኣውድኣመት መስከረም 1 ሰሉስ ፈረንጂ 11 መስከረም። 




 ኣጽዋማትን በዓላትን ፳፻፲፪ (2016)


1.በዓለ መስቀል ሓሙስ 17 ግእዝ ፈረንጂ 27 መስከረም 

2. በዓለ ግዝረት 6 ጥሪ ግእዝ 13 ጥሪ ፈረንጂ

 3. በዓለ ጥምቀት ድማ ረቡዕ 11 ጥሪ ይኸውን። ፈረንጂ 19 ጥሪ 

4.ጾመ ነነዌ ሰኑይ 7 የካቲት እዩ። ፈረንጂ 14 የካቲት 

5. ዓብይ ጾም ኣርብዓ ሰኑይ 21 የካቲት እዩ። ፈረንጂ 28 የካቲት 

6.ደብረ ዘይቲ ሰንበት 18 መጋቢት ፈረንጂ 26 መጋቢት 

7.ሆሳዕና ሰንበት 10 ሚያዝያ ፈረንጂ 17 ሚያዝያ 

8.ዓርቢ ስቕለት 14 ሚያዝያ ፈረንጂ 22 ሚያዝያ 

9.በዓለ ትንሳኤ 16 ሚያዝያ ፈረንጂ 24 ሚያዝያ 

10.ርክበ ካህናት 10 ግንቦት ፈረንጂ 18 ግንቦት 

11.በዓለ ዕርገት ሓሙስ 25 ግንቦት ፈረንጂ 2 ሰነ 

12.በዓለ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ጰራቅሊጦስ ሰንበት 5 ሰነ እዩ ። ፈረንጂ ድማ 12 ሰነ እዩ 

13.ጾመ ሓዋርያት ሰኑይ 6 ሰነ ፈረንጂ 13 ሰነ እዩ 

14. ጾመ ድሕነት ማለት ረቡዕን ዓርብን ዝጅምር ድሕሪ በዓለ ሓምሳ ምስ ተወድአ ረቡዕ 8 ሰነ እዩ። ፈረንጂ 15 ሰነ እዩ።

15.ጾመ ፍልሰታ ሰንበት 1 ነሓሰ ብፈረንጂ ድማ 7 ነሓሰ እዩ .

16. ደብረ ታቦር ዓርቢ 13 ነሓሰ ብፈረንጂ 19 ነሓሰ እዩ ።

17.በዓለ ትንሳኤን ዕርገታን ለማርያም ሰነይ 16 ነሓሰ ፈረንጂ ድማ 22 ነሓሰ እዩ ኣሜን። 

18.ጾመ ጽጌ ቁስቋም ጾመ ፍቓድ ቀዳም 26 መስከረም ብፈረንጂ 6 ጥቅምቲ

19.ጾመ ነብያት ረቡዕ 15 ሕዳር ኣትዩ ዕለት ዓርቢ 29 ታሕሳስ ብፈረንጂ 7 ጥሪ ይውድእ። 

20.ሓሙስ 28 ታሕሳስ ሓሙስ መዓልቲ ድማ 

ጾመ ገሃድ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ ።



ሕቶ ንኩሉ ውሉድ ቤተክርስያን

ኣብ ሓድሽ ዓመት ሓድሽ ክዳን'ዶ ሓድሽ ሂወት?


ሂወትና ብክዳን ከምዘይ ንረክባ ኩልኩም ትሳማምዕሉ ሓቂ እዩ። ስለዝኮነ ድማ ነቲ ሂወት ዝህብ ጎደና እናሰዓብና ኣብ ቅዱስ እምነትና ጸኒዕና ብዘይቁራጽ ቤተርስትያና ብ ሰነ-ስርዓት ክንመላለስ ይግበኣና።

ኣብዚ ማሕበርና ሓባራዊ ራኢ ፍቅርን ውህደትን ሓድነትን ጌርና ከነዕብዮ ክንተኣካከብ ይግበኣና።

ናብ ቅድስና ዝመርሕ ሞጎስ ዘውህብ ኣብ ቅድሚ እግዝኣብሔር ፍቅሪ እዩ'ሞ ንፋቀር።

ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዓመተ ሰላም ዓመተ ምሕረት ይግበረልና ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም ናብ ዝቅጽል ዘመን የሰጋስረና ኣሜንንን።

ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክብር ኣሜንንን



Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና