ናይ መጀመርያ ትዕቢት
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን።
ናይ መጀመርያ ትዕቢት ...(ሲራ 10፡12)
ሳጥናኤል ካብ ዚቐደመ ክብሩ ተዋሪዱ ዲያብሎስ ዚኾነ “እዚ ህዝቢ (ንቅዱሳን መላእኽቲ ማለት እዩ) ፈጣሪኡ ስኢኑ ተጨኒቑ ኣሎ፡ስለ'ዚ ኣነ ፈጢረኩም ብምባል ፈጣርነት ኣብ ኢደይ ኪሕዝ”ኢሉ ብምዕባ'ዩ እዩ።
ዲያብሎስ ዲያብሎስ ዚኾነ ኣቐዲሙ ዲያብሎስ ኮይኑ ሰለ ዚተፈጠረ ኣይኮነን፡ ቅድሚ ብትዕቢት ምውዳቑ ናይ ዓሠርተ ነገድ ናይ ኣጋእዝት ሓለቓ ንኡድ ክቡር መልኣኽ ነበረ፡፡ካብ'ቲ ክብሩን ሽመቱን ዘውረዶ ትዕቢት እዩ፡ ሃልሃልትኡ ናብ ዘይጠፍእ ሓሰኻኡ ድማ ናብ ዘይድቅስ ሓዊ ዚደርበዮ ትዕቢቱ እዩ።
ናብ ዘለዓለማዊ ሓሳር ዚደርበዮ ትዕቢቱ እዩ፡
ዚተፈተኹም ኣሕዋተይ!
ትዕቢት ንዚነበረና ሰናይ ምግባር ዘማህምንን ዚቐትልን ክፉእ ሕማም እዩ። ወንጌላዊ ሉቃስ“እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዚኸበረ፡ኣብ እግዚኣብሔር ግና ዚተዋረደ እዩ”ከም ዚብለና (ሉቃ 16፡15) ውሸጥና ብትዕቢት ዚተመልአ እንከሎ፡ብደገ ግን እንተመጽወትናን እንተጸለናን ምጽዋትናን ጸሎትናን ርኹስ መሥዋዕቲ እዩ።
ትዕቢት እንተድኣ ኣሎና ውሸጥና ንጽህና የብሉን። ስለ'ዚ ንሰብ ንጽህናኡ ከም ዘጥፍእ ዚገብሮ ዝሙት ወይ ከኣ ምንዝርና ጥራሕ ዘይኮነስ እንኮላይ ትዕቢት እዩ።አረ ካብ ዝሙትን ምንዝርናን ንላዕሊ ንዓና ዘርስሓናስ ትዕቢት እዩ። ብኸመይ?ትብለኒ እንተዄንካ፡ዋላ ሓደ እኳ ዝሙት ንስሓ እንተዘይኣቲኻሉ ሥርየተ ኃጢአት ዘይብሉ እንተኾነ፡ብዝሙት ዝረስሐ ሰብ ንስሓ ንምእታው ቀረባ እዩ።
ብትዕቢት ዚሓመመ ሰብ ግን ከምዚ ናይ ዘማዊ ዚበለ ዓቕሚ ኣይረክብን እዩ። ስለ'ዚ ትዕቢት ኣዝዩ ሓደገኛ ዚኾነ ሕማም ነፍሲ እዩ እናበልኩ እነግረካ ኣለኹ። ካብ ትዕቢተኛ ሰብ ንላዕሊ ዝኃሰረ ሰብ መን ኣሎ? ዚደለዮ ናይ'ዚ ዓለም ሃብቲ፡ናይ'ዚ ዓለም ፍልጠት እኳ እንተሃለዎ፡ ካብ ትዕቢተኛ ሰብ ዚኸፍእ ሕሱር ሰብ ግን የለን።
ኣብ ናይ ንግሥና ወንበር እንተ ተቐመጠ፡ሰባት ኣዝዮም እንተኽበርዎ፡ካብዚ ሰብ እዚ ንላዕሊ ክብሩ ዚተዋረደን ዝሓሰረን ሰብ የለን ኢለ ብሓቂ እነግረካ ኣለኹ። እስከ ንገሩኒ! ናይ ከንቱ እሞ ከኣ ሓላፍን ጠፋእን ናይ'ዚ ዓለም ነገር ሒዝካ ካብ ምዕባ'ይ ንላዕሊ አንታይ ዕሸነት ኣሎ? ነዚ ጽባሕ ዚቕምስል ናይ መስከረም ዕምበባ (ሃብቲ ናይ'ዛ ዓለም) ሒዙ ካብ ዚዕበ ሰብ ንላዕሊ ሕሱር ዚኾነ ሰብ'ከ መን ኣሎ?
ሕልሚ ሒዙ ነቲ ናይ ሓቂ ዓለም ካብ ዚሰኣነ ካብ'ዚ ሰብ'ዚ ንላዕሊ ውርደተኛ ኣሎ ኪትብሉኒ ትኽእሉ ዲኹም? ሕጂ ኣብ ብወርቂ ዚተሠርሐ ዓራት ስለ ዚደቀሰ ካብ ዚዕበ ሰብ (ደሕራይ ግን ከም ነዌ ካብ ዚልምን ሰብ ንላዕሊ ዝደኪ ሰብ መን ኣሎ ኪትብሉኒ ትኽእሉ? ብቅዱስ የውሃንስ ኣፈወርቅ!
ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!
Comments
Post a Comment