ጥንተ ስቅለት ኢየሱስ ክርስቶስ

 በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ አምላክ አሜን!!!

ጥንተ ስቅለት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 




        ፳፯/27 መጋቢት ስቕለት

ሥጋኡ ናብ ሕብስቲ፡ ደሙ ድማ ናብ ወይኒ ባሪኹን ለዊጡን ንደቂ መዛሙርቱ ክህቦም ከሎ ኣክሮስና ሰበይቲ ስምኦን ለምጻም ደርሆ ሰሪሓ መግቢ ኣቕረበትሉ። ጐይታ ዝተዛረቦ ከይተፈጸመ ስለ ዘይተርፍ ሕብስቲ ቆሪሱ ብጸብሒ ጠሚዑ ንይሁዳ ሃቦ፡ ሰይጣን ምስታ ሕብስቲ ተወሃሂዱ ልቢ ይሁዳ ብቕንኣት ከም ዝነድድ ገበሮ። ሥጋኡን ደሙን ምቕባል ንሰይጣን የርሕቕ እምበር ከመይ ኢሉ ሰይጣን ተዋሃሂዱ ክንብል ንኽእል ኢና። ሰብ ከይነጽሀ ከይተነስሐ ሥግኡን ደሙን ዝቕበል ልክዕ ከም ይሁዳ ፍርዱ ኣብ ነፍሱ እያ። “ከይተገብኦ እንጌራ ጐይታ ዝበልዕ ወይስ ጽዋዕ ጐይታ ዝሰቲ ኣብ ናይ ጐይታ ሥጋን ደሙን እዩ ዝዕግብ” (1ይ ቆሮ 11፡27)። ንይሁዳ ኪድ ዝሓሰብካዮ ግበር በሎ። ወጺኡ ምስ ከደ ጐይታ ነቲ ደርሆ ብቓሉ ተዛሪቡ ብኢዱ ዳህሲሱ ህያው ገበሮ “ንይሁዳ ተኸታቲልካ ኣብ ዝኣተዋ ኣቲኻ ዝገበሮ ተዓዚብካ ዝተዛረቦ ሰሚዕካ ንደቂ መዛሙርተይ ንገሮም” ኢሉ ኣዘዞ። እቲ ደርሆ ከኣ በሪሩ ብምኻድ ናብ ገዝኡ ኣትዩ ምስ ሰበይቱ ደቂሱ እንከሎ ንጐይታ ብገንዘብ ኣሕሊፉ ከም ዝህቦ ክመክር ከሎ ሰምዖ፡ ብምቕጻል ምስ ኣይሁድ “ኣነ ኣሕሊፈ ክህበኩም ንስኹም ከ እንታይ ትህቡኒ፧”  ክብሎም ከሎ፡ ንሳቶም ድማ 30 ቅርሺ ክህብዎ ከለዉ፡ ስዒሙ ከምዘረክቦም ክመክር ከሎ ርእዩን ሰሚዑን ናብ ገዛ ተመልሰ። ኣብ ገዛ ድማ ኣምሪሩ ክበኪ ጀመረ። ጐይታ ከኣ “ዝረኣኻዮን ዝሰማዕካዮን ንገረና” ኢሉ ኣዘዞ። እቲ ደርሆ ድማ “ይሁዳ ኣሕሊፉ ክህበካ ብ30 ቅርሺ ተሰማሚዑ ኣሎ፡ ኣይሁድ ድማ ክሕዙኻ ኩናት፡ ገመድ፡ ሒዞም ይመጹ ኣለዉ” ኢሉ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ነገሮ። ጐይታ ድማ ነቲ ደርሆ “ብኽንፍኻ በሪርካ ናብ ሰማየ ሰማያት ዕረግ ኣብኡ ድማ ንኣሽሓት ዓመታት ንበር” በሎ፡ ንሱ ከኣ ሽዑ ንሽዑ በሪሩ ተሰወረ።


ይሁዳ ድማ ዝተነበየሉ ትንቢት ፈጸመ፡ እቲ ትንቢት ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡ ነቢይ እምባቆም ክምህር እናኸደ እንከሎ ኣቦ ይሁዳ ምስ ካልኦት ኣቦታት ኮፍ ኢሎም ነበሩ። እቶም ካልኦት ተንሢኦም ናይ ክብሪ ሰላምታ ክህብዎ ከለዉ ኣቦ ይሁዳ ግን ኣይተንሥአን። ከም እንደገና ነቢይ እምባቆም ክምህር ውዒሉ ክምለስ እንከሎ እቶም ኣቦታት ኣብኣ ጸንሑዎ ከምቀደሞም ውን ተንሢኦም ሰላም በልዎ። ኣቦ ይሁዳ ከኣ ተንሢኡ ሰላም ከይብሎ ኩርዓት ሒዝዎ፡ ስቕ ኢሉ ኮፍ ከይብል ከኣ ሓፊሩ ብነጸላኡ ተሸፊኑ ኣሕለፎ። ሽዑ ነቢይ እምባቆም “እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተቐመጠ! ካብዚ ሰብ እዚ ዝውለድ ንኣዲኡ ዘውስብ፡ ንኣብኡ ዝቐትል ንመምህሩ ከኣ ዝሸይጥ ክኸውን እዩ” ክብል ተነበየ።



ኣቦ ይሁዳ ገዛ ኣትዩ ንሰበይቱ ኩሉ ከይሓበአ እቲ ዝፈጸሞ ነገራት ነገራ። ንሳድማ “ጽቡቕ ኣይገበርካን ዓቢ ሰብ ክሓልፍ እንከሎ ከመይ ኢልካ ኮፍ ትብል፡ ሓፍ ኢልካ ከተኽብሮ እዩ ዝግባእ” ክትብል ገሰጸቶ። ሽዑ “እቲ ነቢይ ዝበለና ነገር ኣባና ምእንቲ ከይፍጸም ርክብ ነቋርጽ” ኢሎም ተማኸሩ። ኣምላኽ ዝበሎ ስለዘይተርፍ ግን ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ ሥጋዊ ድልየት ስለ ዝሓየሎም ብስጋ ተፋለጡ እሞ ይሁዳ ተጠንሰ። ምስ ተወልደ ነቲ ህጻን ኣብ ሳንዱቕ ዓሺጎም ኣብ ባሕሪ ኣእተውዎ። ስምኦን ኣስቆርታዊ ከኣ ረኺቡ ኣዕበዮ። ይሁዳ ምስ ዓበየ እቶም ዘዕበይዎ ሃገር ንዓዲ ኣብኡ ክዘምቱ ወፈሩ ንሱ ድማ ምስኦም ወፈረ፡ ንኣቦኡ ከኣ ቀተሎ ንእዲኡ’ውን ማረኻ እሞ ሰበይቱ ገበራ። ሓደ መዓልቲ ምስታ ኣዲኡን ሰበይቱን ዝኾነት ሰበይቲ ከዕልሉ ከለዉ “ወዲ መን ኢኻ፧ ኣዝማድካኸ ብዓል መን እዮም፧” ኢላ ሓተተቶ። ንሱ ድማ “ኣብ ባሕሪ ኢኻ ተረኺብካ እዮም ዝብሉኒ”ኢሉ ኩሉ ታሪኽ ሕይወቱ ኣዕለላ። እታ ሰበይቲ በቲ ዕላል ኣዝያ ሰንበደት “እቲ ቐቲልካ ንብረቱ ዝዘርፍካዮ ኣቦኻ እዩ። ኣነ ድማ ኣዴኻ እየ”ኢላ ከኣ ነገረቶ። “ካብዚ ኩሉ ሓጢኣት ዘንጽሃና መምህር ኣሎ እሞ ናብኡ ንኺድ” ኢላ ከኣ ሒዛቶ ናብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከደት። ጐይታ ድማ ንሓጢኣቶም ይቕረ ብምባል ንይሁዳ ካብ 12 ሓዋርያት ነዲኡ ድማ ካብ 36 ቅዱሳት ኣንስት ገይሩ መረጾም። ትንቢት ስለዘይተርፍ ግን ይሁዳ ብፍቕሪ ገንዘብ ተታሊሉ ብሰላሳ (30) ቅርሺ ንጐይታ ሸጦ።



ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ሒዙ ናብ ደብረ-ዘይቲ ደየበ “ሎሚ ኩሉኹም ክትክሕዱኒ ኢኹም” በሎም። ጴጥሮስ ድማ “ኩሎም እንተከሓዱኻ ኣነ ግን ኣይክሕደካን’የ” ክብል መለሰሉ። ጐይታ ድማ “ደርሆ ከይነቀወ ሰለስተ ጊዜ ክትክሕደኒ ኢኻ” በሎ። ምስ ተንሣእኩ ናብ ገሊላ ቀዲመኩም ክሓልፍ እየ ኸኣ በሎም።



ናብ ጌተሰማኒ ንጴጥሮስ፡ ያዕቆብን ዮሓንስን ወሲዱ ካብኦም ርሕቕ ኢሉ ክጽሊ ጀመረ። “ነዚ ጽዋዕ እዝስ ፍቓድካ እንተኾይኑ ካባይ ኣርሕቆ ግናኸ ከም ፍቓድካ ደኣእምበር ከም ፍቓደይ ኣይኹን” ኢሉ ጸለየ። ሥጋ ከም ዝተወሃሃደ ንኽገልጽ እዩ ድኹም መሲሉ ዝጸለየ። ናብ ደቀ መዛሙርቱ እንተተመልሰ ደቂሶም ጸንሕዎ፡ “ንሓደ ሰዓት ምጽላይ ስኢንኩም፧” እናበለ ኣተንሥኦም “ኣብ ፈተና ምእንቲ ከይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን፡  መንፈስ  ድሉው እዩ፡ ሥጋ ግና ድኹም እዩ” ድማ በሎም። ካልኣይ ጊዜ ድማ ደቂሶም ጸንሕዎ፡ ኣበራቢሩ ከኣ “ጸልዩ” ኢልዎም ከደ። ሳልሳይ ጊዜ እንተተመልሶም ደቂሶም ጸንሕዎ “እቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፎም ዝህቡሉ ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ እሞ ተንሥኡ” ብምባል ከኣ ኣተንሥኦም። ይሁዳ ምስቶም ኲናትን ገመድን ዝሓዙ ሰራዊት መጸ፡ ጐይታ ከኣ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም፧”ኢሉ ነቶም ሰራዊትን ህዝብን ሓተቶም። ንሳቶም ድማ “ንኢየሱስ ናዝራዊ” ኢሎም መለስሉ። ንሱ ከኣ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሎም። ይሁዳ ድማ “ሰላም ንዓኻ ይኹን መምህረይ” እናበለ ሰዓሞ። ጐይታ ድማ “ብምስዓም ንወዲ ሰብ ኣሕሊፍካ ትህቦ ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ። እቶም ህዝቢ ከኣ ንጐይታ “ክሕዝዎ እናጎየዩ መጽኡ”። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ሰይፉ መዚዙ ንማልኮስ የማነይቲ እዝኑ ቆረጾ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግን “እቶም ሰይፊ ዝመዙ ብሰይፊ ክጠፍኡ እዮም ስለዚ ሰይፍኻ ኣብ ሰገባኡ ምለሶ” በሎ፡ ንማልኮስ ከኣ እዝኑ ዳህሲሱ ከም ዝሓዊ ገበሮ።



እቶም ኣይሁድ ድማ ንጐይታ ኣሲሮም ከም በጊዕ እናጎተቱ ናብ ሓና ወሰድዎ። ጳዉሎስ (ሳውል) ሓደ ካብቶም በቲ ጊዜ እቲ ንጐይታ ዝገርፍዎን ዘሳቕይዎን ዝነበሩ ሰባት እዩ ነይሩ። ንጐይታ ከኣ ኣፍልቡ ይረግሖ ነበረ። ጐይታ ድማ “ከም በጊዕ ኣብ ኢድካ ከለኹ ስለምንታይ ትሃርመኒ ኣለኻ፧ ዳሕራይ ግን በዚ ትገብሮ ዘለኻ ክትጠዓስ ኢኻ፡ ንዝበተንካየን መጓሰ’ውን ክትእክበን ኢኻ” በሎ። ሓና ነዚ ሰሚዑ “እንታይ እናበልካ ኢኻ ትምህሮ ዘለኻ” ክብል ሓተቶ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ “ኣነ ብጋህዲ እምበር ብስዉር ኣይተዛረብኩን፡ ነዞም ዝሰምዑ ዘለዉ ሕተቶም” በሎ። ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓደ መጺኡ ከኣ “ነዚ ሊቀ ካህናት ከመይ ኢልካ ደፊርካ ትምልሰሉ” ብምባል ንጐይታ ገጹ ጸፍዖ። ጐይታ ከኣ “ኣነ ሓሶት ኣይተዛረብኩን፡ ስለምንታይ ሓቂ ስለ ዝተዛረብኩ ከምዚ ገይርካ ትሃርመኒ” በሎ። ሽዑ ናብ ቀያፋ ወሰድዎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ብርሑቕ ኮይኑ ይከታተሎ ነበረ እሞ መጺኡ ኣብቲ ቐጽሪ ሊቃነ ካህናት ኮፍ በለ። ሓላዊት ናይቲ ማዕጾ በለሲዳ “ንስኻ ገሊላዊ ካብቶም ደቂ መዛሙርቱ ሓደ እንዲኻ” ክትብል ሓተተቶ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣዝዩ ሰንበደ’ሞ “ነዚ ሰብ እዚ ፈጺመ ኣይፈልጦን እየ” ክብል ከኣ መለሰላ። ንካልኣይ ጊዜ ከኣ ሰብ “ምስኡ ኣብ ኣታኽልቲ ስፍራ ኣይረኣኹኻን፧” ኢሉ ሓተቶ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ “ኣይረኣኻንን” ኢሉ ከሓደ። ሳልሳይ ጊዜ ሓንቲ መጺኣ “ንስኻ ካብቶም ደቂ መዛሙርቱ ከም ዝኾንካ ቃልካ የፍልጠካ ኣሎ” በለቶ። ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ መሊሱ “ኣነ ነዚ ሰብ እዚ ፈጺመ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ መለሰላ። ሽዑ ደርሆ ሰለስተ ጊዜ ነቀወ፡ እቲ ጐይታ ዝበሎ ከም ዝተፈጸመ ዘኪሩ ከኣ ኣምሪሩ ክበኪ ጀመረ።



ምስ ነግሀ ኣይሁድ ንጐይታ ፈሪዶም ንኽሰቕልዎ ናብ ጲላጦስ ኣምጽእዎ። ይሁዳ ምስ ረኣዮ “ኣይትቕተል” ዝብል ሕጊ ኦሪት ዘከረ “ንጹህ ሰብ ኣሕሊፈ ብምሃበይ ጽቡቕ ኣይገበርኩን” ብምባል ከኣ “ገንዘብኩም እንኩም፡ ነዚ ኣሲርኩሞ ዘለኹም ፍትሕዎ ክብል ንሊቀነ ካህናት” ሓተቶም። ንሳቶን ከኣ “ዝሓተትካና ሂብናካ፡ ዝደለናዮ ድማ ረኺብና ኣሎና” ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ይሁዳ ነቲ ገንዘብ ኣብ እግሮም ደርብዩ ንክሕነቕ ናብ ሓደ ገረብ ደየበ። እታ ገረብ ግን ንድሕሪት ተመልሰት። ንሱ ውን ናብ ካልእ ገረብ ብምኻድ ገመዱ ሰቂሉ ጠልጠል በለ፡ እታ ገረብ ድማ “ምሓረኒ እንተኢልካዮ ክምሕረካ እዩ ከም ጴጥሮስ ተነሳሕ” ክትብል ከም ሰብ ተዛረበቶ። ንዓኣ ገዲፉ ከኣ ናብ ካልእ ገረብ ከደ። ኣብኣ ከኣ ገመድ ሰቐለ እቲ ገመድ ከኣ ተበትከ እሞ ካብ ላዕሊ ወደቐ። ምሉእ ኣምዑቱ ተዝልዚሉ ብምውጻእ ከኣ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ ሞተ።



ኣይሁድ ንጐይታ ሒዞም ኣብ ጲላጦስ ምስ በጽሑ ኣብ ዐውደ ምኩናን ሽዱሽተ ወተሃደራት ደው ኢሎም ነበሩ። ጐይታ ምልስ ኢሉ ምስ ረኣዮም ብሃንደበት ኩሎም ሰገዱሉ። ምስ ደቂ መዛሙርቱ ተሰማሚዖም ዝገበርዎ መሲልዎም ንሓደ ሰብ ዓሰርተ ሓያላት ሰባት ክሕዝዎም መደቡሎም። እዞም ዓሰርተ ሰባት ግን ከጽንዕዎም ኣይከኣሉን ሓሓሙሽተ ብምዉሳኽ ንሓደ ሰብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝሕዝዎ ገበሩ እዚኦም’ውን ስለ ዘይከኣሉ ተተሓሒዞም ወደቑ። ጲላጦስ ነዚ ይርእዮ ስለ ዝነበረ ኣዝዩ ፈርሀ። “ንስኻ ናይ በሓቂ ንጉሥ ኣይሁድ ዲኻ” ኢሉ ሓተቶ። ጐይታ ድማ “ንስኻ ትብል ኣለኻ” ብምባል መለሰሉ። ኣይሁድ ድማ ንገዛእ ርእሱ ወዲ እግዚአብሔር ይገብራ ንሕጊ ሙሴን ኦሪትን ይንዕቆ ንሰንበት ይስዕር፡ ንቄሳር ግብሪ ኣይትኽፈሉ ዝብል ከሓዲ ደኣ እምበር ንጉሥ ኣይኮነን በሉ። ጲላጦስ ድማ “ናይዚ ዝኸሱኻ ዘለዉ ክሲ እንታይ እዩ መልስኻ፧” በሎ። ጐይታ ግን ኣይመለሰሉን። ንሱ ከኣ “ስለምንታይ ስቕ ትብል ክቐትለካ ወይ ክፈትሓካ ስልጣን ከምዘለኒ ኣይትፈልጥን ዲኻ፧” በሎ። ጐይታ ድማ “ካብ ሰማይ እንተዘይኮይኑ ክትቀትለንን ከተድሕነንን እንታይ ስልጣን ኣሎካ” በሎ። ሽዑ ጲላጦስ “ሓቲተን መርሚረን ዋላ ሓንቲ ኣይረኸብኩሉን ስለዚ ገሪፈን ቀጺዔን ክፈትሖ እየ” ኢሉ ነቶም ህዝቢ ነገሮም። እቶም ህዝቢ ድማ “ካብ ገሊላ ጀሚሩ መላእ ይሁዳ ዝህዉኻን ዘናዕባን ዘሎ ሰብ ከመይ ዘይትሰቅሎ” በልዎ። ጲላጦስ ከኣ “ገሊላዊ እንተኾይኑ ናብ ሄሮድስ ውሰድዎ” በሎም።



ሄሮድስ ወሪኡ ይሰምዕ ስለዝነበረ ንኽሪኦ ድማ ባህጊ ሓዲርዎ ስለ ዝነበረ ብምምጽኡ ተሓጎሰ። ዘይምልስን ዘይዛረብን ኮይኑ ስለዝረኸቦ ከምቲ ዝሓሰቦ ኮይኑ ኣይረኸቦን፡ ገሪፉ ድማ ናብ ጲላጦስ መለሶ። ጲላጦስን ሄሮድስን ንብዙኅጊዜ ተባኢሶም ይነብሩ ነበሩ። ብምኽንያት ጐይታ ግን ክዘራረቡ ጀመሩ። ጲላጦስ ንጐይታ ሓዚኑን ተኪዙን ምስ ረኣዮ ሄሮድስ ከም ዝገረፎ ተረዲኡ ብዙኅ ሓዘነ። ነቶም ህዝቢ ድማ “ሰለስተ ጊዜ ኣምጺእኹምለይ ኣነ ግን ኣይኮነንዶ ንስቕለት’ሲ ከግርፎ ዝኽእል በደል’ውን ኣይረኸብኩሉን ኣብ ብዓል ሓደ እሱር ናይ ምፍታሕ ልምዲ ስለዘሎ ገሪፈ ክፈትሖ እየ” በሎም። እቶም ህዝቢ ከኣ “ነዚ ስቐሎ ንበርባን ግን ፍትሓዮ” ክብሉ መለስሉ። ሰበይቲ ጲላጦስ ኣብሮስቅላ ንሰብኣያ “ጸማማት ዝነበሩ ደቕኻ መካራን ዳርታን ካብ ሕማሞም ድሒኖም ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለዉ ዋላ’ውን ክፉእ እንተተዛረበካ ገለ እኳ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ” ዝብል መልእኽቲ ሰደደትሉ። “ኣይሁድ ድማ ብስራዩ እዩ ከምዚ ዝገበሮም ዘሎ” በሉ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ነቲ ተጻሒፉ ዝነበረ ደምሲሱ “ኣብ መንግሥተ ሰማያት ዋጋኺ ክኸፍለኪ እየ ንደቅኺ ድማ ምስ ሰማዕታት ክቆጽሮም እየ” ኢሉ መለሰላ።


ጲላጦስ ነዚ ርእዩን ተዓዚቡን ክፈትሖ ደለየ እቶም ህዝቢ ግን “ነዚ እንተፈቲሕካዮ ዓርኪ ንጉሥ ኣይኮንካን ስቐሎ ስቐሎ” ኢሎም ጨጀደሩ። ኢዱ ብማይ ተሓጺቡ ካብ ደም ናይዚ ሰብ እዚ ነጻ እየ በሎም። ኣይሁድ ድማ “ደሙ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን በልዎ። እዚ ንኽፍለጥ ኣይሁዳዊ ክውለድ እንከሎ ብኢዱ ደም ዓሚኹ ከም ዝውለድ ይንገር። ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ጲላጦስ ተቐቢሎም ኣብ ጉንዲ ኣሲሮም ኦሪት ኣርብዓ ኩርማጅ ክግረፍ ትፈርድ እያ’ሞ ንግረፎ ተበሃሃሉ። ሰላሳን ትሽዓተን ምስ በጽሑ ይጠፍኦም ስለ ዝነበረ ተመሊሶም ድማ ይሃርምዎ ሰላሳን ትሽዓተን ምስ በጽሑ እንደገና ይጠፍኦም ከምዚ እናገበሩ ኣርባዕተ ወተሃደራት 6666 ገሪፎም ሥጋኡ ተመታቲሩ ዓጽሙ ክሳብ ዝርኤ ቀጥቀጥዎ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ብዘይ ንሕስያ ሰቐልዎ። ኣብ መስቀል  ተሰቂሉ  ከአ  ንኩሉ  ወዲ ኣዳም ካብ ግዝኣት ናይ ዲያብሉስ  ሓራ ኣውጸኣና ፡ ድሕነት ተበጃውነት ፈጸመልና። ብስቕለቱ ዝተበጀወና ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ ኣሜን።


ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==






ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና