ፈጣሪ ዝጾረት ኣድጊ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን።
"ፈጣሪ ዝጾረት ኣድጊ"
ኣድጊ ስማ ጸርፊ ኮይኑ ካብ ዝጸነሐት እንስሳ እያ።
ኣብ ኩሉ ትርከብ ኣድጊ ናይ ሂወት ታሪኻ ዝበዝሐ ተመሳሳሊ እዩ።ኣብ ዝበዝሐ ሃገራት ኣድጊ ከቢድ ሰኸም ክትስከም ትውዕል፥ደኺማ ክትዕርፍ ክትደሊ ኣብራኻ ክትዓጽፍ ከላ እኳ በበትሪ እንበር "እስኪ የዕርፊ" ዝብላ የለን፥ሕቛኣ ብሰኸም ብዝሒ ዝቆሰለ፥ኣእግራ ብጽዕነት ብዝሒ ዝተቀራረፈ፥በትሪ ዝመረራ ፥ዕረፍቲ እትናፍቅ እንስሳ እያ። እዛ ዝተዋረደት እንስሳ ኣብ ኩሩቤል ንዝቕመጥ ሰማያዊ ንጉስ ክርስቶስ በትሕትና ዝፋኑ ገበራ። በትሪ ዝለመደት፥ዕረፍቲ ዝናፈቃ ሰኸም ዝብዝሓ ነዛ ምስኪን ኣድጊ፥ "ኣርዑተይ ልዙብ ስከመይ ቀሊል" ዝበል ንጉስ ተወጠሓ።
ዝበዝሑ ነገስታት ኣብ ዝበለጸ ስረገላ ኮይኖም፥በሰራዊት ተዓጂቦም፥ነጋሪት እንሃረሙ፣መለኸት እናነፍሑ፣ሰይፊ ብዝዓጠቁ ወታሃደራት እናተሓለዉ ከም ዝኸዱ፣ መድሃኔ ዓለም ክርስቶስ ግን ናብ ኢየሩሳሌም በኣድጊ ተጻዒኑ፥ ብገፈፍቲ ዓሳ ተከቢቡ፥ብህጻናት ዝማሬ፥በስየ ምንጻፍ ተዓጂቡ ኣተወ።
ፈሪሖም ዘይኮኑ ፈትዮሞ ንዝዝመርሉ ንጉስ፣ክዳዋንቶም ነዊሕዎም ንዝረግጽዎ ዘይኮነ፥ልብሶም ኣውጺኦም እንካ ረጊጽካዮ ሕለፍ ንዝብሉዎ ንጉስ፥ብንእሽቶይ ሰረገላ ዝልካዕ ዘይኮነ"በኣድጊ እንተተወጣሕኩ'ውን እኹል እዩ" ዝብል ንጉስ ናብ ኢየሩሳሌም ኣተወ።
"ኣፍደጌታት ጽዮን ደስ ይበልኪ፥ ንጉስኪ ለዋህ ኮይኑ በኣድጊ በገልገል ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ" ዝተባሃለላ ኢየሩሳሌም ክንደይ ዝተዓደለት እያ፧ "ለዋህን ትሑትን ንጉስ"ዘለዋ ሃገር ከተማኣ እናራኣየ ዝበኽየላ፣ ሕያውነቱ ክሽፍኑ ንዝፍትኑ ሰባት ሰለ እሱ ኣይትዛራቡ እንተዝብሉ እኳ ኣእማን ቢታንያ ኣፍ ኣውጺኦም ዝምስከርሉ ንጉስ ዘለዋ ኢየሩሳሌም ክንደይ ዝተዓደለት እያ፧ ዝተኣሰሩ ዘኪሩ" የድልዩኒ እዮም፥ ፈትሕኩም ኣምጹለይ" ዝብል ንጉስ ዝነገሰላ፥ስየ እንዋዛወዙ ስለ ሰላም ዝዘመረሉ፥"ሰላምኪ ሎሚ እዩ "ዝተባሃለላ እዛ ከተማከ ከንደይ ዝተዓደለት እያ፧
ናብ ናይ ኣድጊ ነገር ንመለስ እዛ "ስኸም ዘቑሰላ፥ዕረፍቲ ዝናፈቃ ኣድጊ ክርስቶስ ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ ኢሉ ዝፋኑ ገበራ"ንዝብል ታሪኽ ግን ንኣድጊ ጥራይ ክብሪ ዝተወሃበ ዕለት ምዃኑ እንተመሲልና መሳኪን ኢና። ኣእዱግ ኣንቢቦም ንዘይጸናንዕሉ ወንጌል፥እዚ ክስተት ዝተፈጸመ ንዓና እንበር ንማን ኣይኾነን።
ከም ኣድጊ ንበረት እንተዘይተሰከምና፥ሕቆና እንተዘይ ቆሰለ ናይ ልብና "ሓጥያት ሰኸም" ዘጎበጦ፥ ብብዝሒ በደል ዝቆሰልና ብዙሓት ኢና።"መዓስ እዩ ግን እዚ ናይ ሓጥያትና ሰከም እነራግፎ ዕረፍቲ እንረኸበሉ፧ " እንበልና እንሳቀ'ውን መሊእና ኢና። ከምቲ ንደቀ መዛምርቱ ነታ ኣድጊ"ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ" ዝበሎም ሎሚ'ውን ንዓና ፈተሕኩም ኣምጹለይ ዘብሎም "ካህናት ኣቦታትና" ኣብ ቅድሜና ኣለው'ሞ ናይ ልብና ሰኸም ክፈትሑልና ብዘይ ምውልዋል ኣብ ቅድሚኦም ብንጹህ ሕልና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንቑም።
ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም።ማቴ 21፥9
ስለዚ ንሕና ውን ብንስሓ ተሓጺብና፡ ነቲ ዘልኣለም ዘየጥምን ዘየጽምእን ብነጻ ዝሃበና ፈጣሪና ኣብ ከርስና ክጸውር እግዚኣብሔር ኣምላክና የብቅዓና ኣሜን።
ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Comments
Post a Comment