ፍረ ዘይብላ በለስ
ሰሙነ ሕማማት ፥- ሰኑይ
" ፍረ ዘይብላ በለስ"
" ንግሆ ናብ ከተማ ኺምለስ ከሎ ጠመየ። ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ከደ፥ እንተኾነ ቆጽሊ ጥራይ እምበር ሓንቲ ፍረ ስለ ዘይረኸበላ ' ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ' በላ፥ እታ ኦም በለስ ከኣ ሽዑንሽዑ ነቐጽት። ደቂ መዛሙርቱ ድማ ርእዮም ' እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ብኡ ብኡ ነቐጽት' እና በሉ ተገረሙ። ኢየሱስ ከኣ ' ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተጠራጢርኩም እዛ ኦም በለስ ከም ዝኾነቶ ጥራይ ኣይኮነን እትገብሩ፥ ነዚ እምባ እዚውን 'ተለዓል፥ ናብ ባሕሪ ተወርወር' እንተበልኩምዎ ክኾነልኩም እዩ። ኣሚንኩም ብጸሎት ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኹሉ ነገርውን ክትቅበሉ ኢኹም' እናበለ መለሰሎም።" ማቴ 21፥ 18- 22
እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ፥ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጽባሕ ዕለተ ሆሣዕና ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ ጊዜ ዝተዛረቦ ቃል እዩ። ኣብዚ ሓይለ ቃል 2 ግን ከኣ ዝተኣሳሰራ ቀንዲ ነጥብታት ኣለዋ።
1፡- ርግመተ በለስ
ጎይታ ምስ ጠመየ ፍረ ደልዩ ናብታ ኣብ ወሰን መገዲ ዝነበረት ኦም በለስ ኣልገሰ እንተኾነ ግን ፍረ ኣይረኸበን፥ ነታ በለስ ውን ረገማ በኡብኡውን ነቐጽት። ኣብዚ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ፥ ጎይታ ፍረ ዘለዋን ዘይብላን ምዃና ከይከደ ይፈልጥን ድዩ? ዝብል እዩ። እቲ መልሲ ሓጺር እዩ፥ ኣምላክ ስለዝኾነ ይትረፍ ፍረበለስ ብግሁድ ዝረአ፥ ናይ ደቂ ሰባት ሓሳብ ልቦምን ምሕላንን ዝፈልጥ፥ ኩሉ ነገር ኣብ ቅድሚኡ ስጡሕ እዩ። (ትን ኤር 23፥24, ዕብ 4፥12-13)። ንምንታይ ደኣ እናፈለጠ ከምዘይፈለጠ ፍረ ደልዩ ናብታ ፍረ ዘይብላ ከደ እንተበልና ፥ ቅድሚ ተዋህዶ ዝይፈልጥ ዝነበረ ሥጋ ከምዝተወሃሃደ ንኸረድእ እዩ። (ትርጓሜ ወንጌል ማቴዎስ ንመልከት።)
ብዓቢኡ ግን ናይዛ በለስ ርግማንን ምንቃጽን ምሥጢራዊ መልእክቲ ኣለዎ። እዛ በለስ " ኦሪት " እያ። ደቂ ሰባት ብሕጊ ኦሪት፡ ብመስዋእቲ ኦሪት፡ ብክህነተ ኦሪት ነቲ ካብ ኣዳም ዝወረስዎ ሞት፡ መርገምን ውዱቕ በህርን ኣልዮም ውልድነት ክረኽቡ፡ ገነት መንግስተ ሰማይ ክወርሱ ኣይከኣሉን። (ሮሜ 5፥ 12, ገላ3፥10-12) ። ኩሉ ኣብ ብሉይ ዝነበረ ሥርዓታት ጽላሎት ናይቲ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዝኸውን ነበረ።(ዕብ 10፥ 1- 4) ። በዚ ከኣ እቲ ምሉእ፡ ፍጹምን ዘለዓለማውን ክህነት ዘለዎ ኣማናዊ ካህን ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስመጸ ንኦሪት ኣሕሊፉ (ፈጺሙ) ብቤዛነቱ ሓዱስ ኪዳን ክሰርዕ፥ ነቶም ብእኡ ዝኣምኑ ከኣ ናይ ውሉድነት መሰል ክህቦም፡ ካብ ሞትን መርገምን ሓራ ኣውጺኡ ሕይወት ከልብሶም፥ ብኣምሳል መርገም ናይ በለስ ንኦሪት ኣሕለፋ። (ዕብ 9፥ 1- መወዳእታ)።
ብተወሳኺ እዛ በለስ ናይቶም ልምላመ ( እምነት) ጥራይ እምበር ፥ ፍረ (ግብሪ) ዘይብሎም ሰባት ምሳሌ እያ። እምነት ጥራይ ሒዝካ ግብሪ እንተዘይብልካ ከምዛ በለስ ብመዓልቲ ፍርዲ ትደርቕ (ዘለዓለማዊ ሞት ትወርስ)። ያዕ 2፥ 17
2፡- ኣሚንኩም ዝለመንኩምዎ ኩሉ ክትቅበሉ ኢኹም፡-
እምነት ማለት ፡- ነቲ ብተስፋ እትጽበዮ ከምዝረኸብካዮ ዘረጋግጽ እዩ። ብእምነት ዝለመንካዮ ከምእትረኽቦ ብእምነት ርግጸኛ ትኸውን። ዕብ 11፥ 1- 3
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 6 ደረጃታት እምነት ተጠቒሱ ኣሎ።
ሀ) ናይ ሓድሽ ክርስቲያን እምነት፡- እዚ ደረጃ እዚ ኣማኒ ብስሚዒት ዝንቀሳቐሰሉ እዩ። 1ይ ጢሞ 3፥6
ለ።) ምዉት እምነት ፡- ግብሪ ዝተፈለዮ እምነት ማለት እዩ። እዚ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከውርስ ኮነ ዝለመንካዮ ንኽትቅበል ኣየኽእልን እዩ።ያዕ 2፥ 17
ሐ።) ውሱን እምነት ፡- እዚ ከኣ ንናይ እግዚኣብሔር ረዲኤት ገደብን ውስኑነትን ከምዘለዎ ምሕሳብ እዩ። ዮሓ 21- 32
መ።) ጎደሎ እምነት ፡- እዚ ከኣ እምነትካ ኣጉዲልካ ብዛዕባ ትበልዖ፡ ትሰትዮ ፡ ትኽደኖ ..... ወዘተ ምጭናቕ እዩ። ማቴ 14፥ 31, ማቴ 8፥ 26
ረ።) ሕያው እምነት ፡- ብሰናይ ክርስቲያናዊ ግብሪ ዝተሰነየ እምነት እዩ። ያዕ 2፥ 22- 24
ሰ።) ምሉእ እምነት፡- እግዚኣብሔር ኩሉ ከምዝኽእል ኣሚንካ ብፍጹም እምነት ምምልላስ እዩ። ማቴ 8፥10 ፣ ማቴ 17፥20
* ካብዘን ዝተጠቕሳ ዝለመንካዮ ክትቅበል፡ ዘደንቕ ናይ እግዚኣብሔር ክብሪ ክትርኢ፡ እግዚኣብሔር ብኣኻ ድንቅ ዝኾተ ተእምር ንኽፍጽም ዘኽእል ሕያውን ምሉእ(ፍጹም)ን እምነት እዩ። ስለዚ እዩ ጎይታ ኣሚንኩም ዝለመንኩምዎ ኩሉ ከኣ ክወሃበኩም እዩ ዝበለ። ብሕያውን ምሉእን እምነት ኣብ ቅድሚኡ ክንቀውም ብምሕረቱ፡ ብልማኖ ወላዲቱ ፡ ብተራዳእነት ቅዱሳኑ ይደግፈና። ኣሜን
እንበለ ደዌ ወህማም
ወእንበለ ጻእር ወድካም
ኣመ ከመዮም
ያብጽሃነ ያብጽህክሙ በፍስሃ ወበሰልምም
ክርስቶስ መጽኣ ወኃመ በእንቲኣነ ፣
በህማማቲሁ ቤዘወነ፣
Comments
Post a Comment