ቅዱስ ጊወርግስ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
ቅዱስ ጊወርግስ
7ተ ሕዳር ብስም ቅዱስ ጊወርግስ ቤተክርስትያን ተሃኒጹ ዝተቀደሰሉ ዕለት [ቅዳሴ ቤቱ ለጊዮርግስ] እዩ፥ ጸለቱን በረኸቱን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኹን፤
" ተኣምራት ቅዱስ ጊዮርጊስ "
ቅዱስ ጊዮርጊስ ገድሉ ይፍጽም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣዝዮም ብዙኃት ተኣምራት የሰንዮ ነበረ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ሠለስተ ጊዜ ሞይቱ ፈጣሪኡ ካብ ሞት ኣተንሥኢዎ እዩ። ኣካሉ ብሓዊ ተቓጺሉ ሓሙኽሽቲ ድኅሪ ምቕያሩ ፲፰ ጥሪ ኣብ ደብረ ይድራስ ብነፋስ ድኅሪ ምዝራዉን ምብታኑን እንደገና ብኃይሊ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ቖጽሊ ጊዮርጊስ ጊዮርጊስ እናበለ ተረኺቡ እዩ። ነቲ ንጉሥ’ውን ኣርዒዱ እዩ። ኣብ ዝተኣሥረሉ ቤት ድንቂ ሰማያዊ ብርሃን ኣብሪሁ እዩ።
ተኣሢሩሉ ዝነበረሉ ዝነቐጸ ዓንዲ ጕንዲ’ውን ኣለምሊሙ እዩ። ነቲ መሬት ረጊጹ’ውን ብተኣምር ማይ ኣፈልፊሉ እዩ። ኣእዛኑን ኣፉን እግሩን ድውይ (ስንኩል) ንዝነበረ ኣሕውዩ እዩ። ዝሞተ ኣተንሢኡ እዩ። ንብርቱዕ ስሚ ናብ ዘይጓዳእ መስተ ቐይርዎ እዩ። .......ወዘተ
ኣኽሊልን ዕረፍትን ቅዱስ ጊዮርጊስ
ቅዱስ ጊዮርጊስ ሓቀኛ ምስክር ወንጌል ኮይኑ ኣዝዩ መሪር ዝኾነ መከራ ተዓጊሱ ብምቕባል ንሸውዓተ ዓመት ድኅሪ ምጽናሕ፡ አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይኣኽለካ ስለዝበሎ ሰዓት ተስዓቱ ፳፫ ሚያዚያ ብኢድ እቶም ኣሕዛብ ክሳዱ ብሰይፊ ተሰይፉ ብሰማእትነት ዓሪፉ።
ብኵሉ ግብርታቱ ንንጉሥ ዱድያኖስ ስለዝተቓወመ እቶም ፸ ነገሥታት ንንጉሥ ዱድያኖስ ክሳዱ ሰይፍካ ኣጥፍኣዮ ኢሎም ምኽሪ ብምሃቦም ናይ መወዳእታ ዕረፍቱ ብሰይፊ እዩ ነይሩ። ይኹን ደኣ እምበር ቅድሚ ምስያፉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ዝተሰየፈላ ቦታ ደው ኢሉ ከምዚ ኢሉ ናብ ፈጣሪ ለመነ “ኦ ኣምላኸይ ክርስቶስ ከም ነቢይ ኤልያስ ምስዚ ከሓዲ ንጉሥ ዝተኣከቡ ነገሥታትን ንጉሡ ዱድያኖስን ጣዖቱ ኣጵሎስን ሓዊ ካብ ሰማይ መጺኣ ክትበልዖም ኣዝዝ።” በለ ከምቲ ዝለመኖ ድማ ፸ ነገሥታት ብሓዊ ተበልዑ።
ክሳዱ ኣብ ዝተሰየፈሉ እዋን ድማ ደምን ጸባን ማይን ተሓዋዊሶም ካብ ክሳዱ ፈሲሶም እዮም። ስለዚ እዩ ድማ “ቅዱስ ጊዮርጊስ ሶበ ተከለለ ደም ወማይ ወሐሊብ እምነ ክሳዱ ፈልፈለ” ተባሂሉ እተጻሕፈሉ። ገድሉ ፈጺሙ ኣብ ዝዓረፈሉ ብጠቕላላ ክንዲ እቲ ዝተጋደለሎም ሸውዓተ ዓመታት ወዲ ሰብ ዘይሰርሖም ሰማያውያን ኣኽሊላት ብርሃን ካብ እግዚአብሔር ከም ዝተዋህብዎ ኣብ ገድሉ ብንጹር ተቐሚጡ ኣሎ። ስለቲ ልዕል ዝበለ ክብሩን ገድሉን ካብ ሰማይ ድማ ፯ አክሊላተ ብርሃን ተቐበለ። ድኅሪ ምስያፉ ድማ መላእክተ ብርሃን መጺኦም ብኽብሪ ነፍሱ ኣዕሪጎማ። ዝተፈላለየ ተኣምራት ድማ ተፈጺሞም። ሰዓብቱ ድማ ኣስከሬኑ ሒዞም ተሸኪሞም ኣብ ዝኸዱሉ ልዳ ኣብ ዝተባህለት ሃገሩ ቤተ ክርስቲያን ኣስሪሖም ቅዳሴ ቤቱ ፯ ሕዳር ኣኽበሩ። ኣጽሙ ድማ ብኽብሪ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣንበርዎ። ክሳብ ሎሚውን ኣብ መቓብሩ ንሱ ኣብ ዝረገጾም ቦታታት ተኣምራት ክፍጸም ይነብር ኣሎ። ፈወስቲ ማየ ጸሎታት ድማ ብስሙ ፈልፊሎም እዮም።
ቃል ኪዳን ቅዱስ ጊዮርጊስ
ካብዚ ዓለም ቅድሚ ምስንባቱ ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ እዩ። ስሙ ጸዊዑ ዝምሕጸኖን፡ ብስሙ መከራ ንዝቕበልን ዝኽሩ ንዝዝክርን፤ ብስሙ ቤተ ክርስቲያን ንዝሃንጽን፡ ብስሙ ንድኻ ዝርኅርኅን ፈጣሪኡ ክርስቶስ ኣሥራተ ምሕረት ከምዝገብረሉ ብጸሎት ተራኺቡ ኣሥራት ከምዝተቐበለ ገድሉ ይገልጽ።
ክብረ በዓላት ፍጡነ ረድኤት ቅዱስ ጊዮርጊስ
ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብገድሎም ካብቶም ብርሃን ዝኾንዋ ደቃ ሓደ እቲ ብሰማእትነት ዝሓለፈ ቅዱስ ጊዮርጊስ እዩ እሞ ስለቲ ዝፈጸሞ ዓቢይ ገድሊ ወትሩ ዕረፍቱ ፳፫ ሚያዚያ ብዓቢ ድምቀት ከተኽብሮን ክብ ብዝበለ ሥነ ሥርዓትን ክትዝክሮ ትነብር ኣላ። ከምኡውን ኣጽሙ ዝተዘርወሉ ፲፰ ጥሪ፤ ቅዳሴ ቤተ ክርስቲያኑ ድማ ፯ ኅዳር ይኸብር።
ቅዱስ ጊዮርጊስ ናይ ሰማእታት ኾኸብ፤ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ብርሃን እዩ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ስለቲ ቅኑዕ ነገር ካብ ሰብ ንእግዚአብሔር ምእዛዝ ከም ዝግባእ ከም ሓዋርያት ብግብሪ ዘመስከረ ኣቦ እዩ። ሓቀኛ ናይ ወንጌል መምህር ማለት ብቃል ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ምዃኑ’ውን ብሕይወቱ ኣብነት ዝኾነ ዓቢይ መምህር እዩ። ስለ ወንጌል ድማ መከራ ምጽጋብን ንኵሉ ጸዋተወ መከራ ምዕጋስን ከምዝግባእን፡ እቲ ብዝኂ ምረት ብዘየገድስ ኣብ ፍረን ሰማያዊ ክብርን ከምዘበጽሕ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሕይወቱ ዘመስከሮ ናይ ወንጌል ሓቂ እዩ።
ቅዱስ ጊዮርጊስ ብንእስነቱ ኣነ ሽመት ወይውን ማዕርግ ቤተ ክርስቲያን የብለይን እንታይ ኸ ገደሰኒ ከይበለ፤ ብፍቕሪ ክርስቶስ ተደሪኹ ገና ኣብ ንእስነቱ ስለ ሃይማኖቱ ዝተጋደለ ኣቦ እዩ። ክሳብ ሕጂ’ውን ብቃል ኪዳኑ ፍጡነ ረድኤት ኮይኑ ዝራዳእ ምዃኑ ቤተ ክርስቲያን እትኣምነሉን በረኸቱ ዘስተማቐሩ ድማ ዝያዳ ዝገልጽዎ እዩ።
ሎሚ’ውን እንተኾነ ከም ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ቤተ ክርስቲያን እምብዛ የድልያ እዩ። ሥጋዊ ፍቓዳቶምን ሓሳባቶምን ንጐኒ ገዲፎም፡ ምኽሪ ዲያብሎስ ከይሠዓሮም ስለ ሃይማኖቶም ብጽንዓት ዝቃለሱ መንእሰያት ብሓቂ ክህልዋ ቤተ ክርስቲያን ትድለየለሉ እቲ ቅኑዕ ጊዜ እዩ።
• ሰላም ለከ ሰርዌ ሰማዕታት አእላፍ
• ዘሞገሰ ስምከ በጽሐ መንገለ ኩሉ ኣጽናፍ
• በቅድመ ፀሐይ ብሩህ ዘኢየአርብ ዘዘልፍ
• ሕማምየ ዝሩ ነሲኣከ በኣፍ።
• ጊዮርጊስ ቀሊለ ክንፍ ከራድዮን ዖፍ።
በረኸትን ረድኤትን ፍጡነ ረድኤት ሊቀ ሰማእታት ቅዱስ ጊዮርጊስ የሕድረልና አሜን
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Comments
Post a Comment