ሕዳር ጽዮን
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ሕዳር ጽዮን
ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዓመት መጸ በዚ ወርሒ እዚ ማለት (ሕዳር 21) ካብ እተብዕሎም በዓላት ሓደ “ሕዳር ጽዮን/ ማርያም ጽዮን” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ እመብርሃን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኢዩ። ንድሕሪት ምልስ ኢልና ታሪኹ ምስ እንምልከት እስራኤላውያን ንኣስታት 430 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ግብጺ ኣብ ከቢድ መግዛእቲ ድሕሪ ምንባሮም፡ እግዚኣብሔር ካብ ጭንቆም ከናግፎም ፈተወ። ብነቢይ ሙሴ ገይሩ ድማ ባሕሪ ኤርትራ ከፊሉ ኣሳገሮም። ንዕኡ ዘምልኹሉ፡ ጸሎቶም ዘቕርብሉ፡ ዓሰርተ ቃላት ዝሓዘ ጽላት፡ ንዕኡ መሕደሪ ዝኸውን ታቦት ባዕሉ ብፍቓዱ ብኢድ ነቢይ ሙሴ ገይሩ ሃቦም። ነቲ ዝሃቦም ጽላትን ታቦትን ብሓባር ኣብ ቤት መቕደስ ክቕመጥ ከም ዘለዎ’ውን ኣዘዞ። በቲ ዝተዋህቦም ሕጊ እና ተኣዘዙ፡ ብታቦት ኪዳን ሓይሊ ጉዕዝኦም ጀመሩ። ጉዕዞ ምድረ በዳ ሲና ዛዚሞም ንባሕሪ ዮርዳኖስ ብናይ ታቦት ሓይሊ ኣብ ክልተ ከፊሎም ተሳገሩ። ኣብ ቅድሚኦም ንዝጸንሕዎም ጸላእቶም እናሰዓሩ፡ ንግምቢ ኢያሪኮ`ውን ብሓይሊ ታቦት ኣፍሪሶም ብሰላም ናብታ ተስፋዊት ሃገር ከንኣን ኣተዉ። ብድሕሪ እዚውን ታቦት እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ብዙሕ ግዜ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ዓወት ከም ዝረኽቡ ገይርዎም እዩ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ኣብ ሲና ብኢድ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣቢሉ ብዝሃቦም ትእዛዝን ታቦተ ሕጉን መሰረት ዝተፈላለዩ መራሕቲ እናኣተንስአ ብቅዱስ ፍቓዱ ንብዙሓት ዘመናት መርሖም። ንሳቶም እኳ ብተግባሮም ካብ ፍቓዱ እንተወጹ ንሱ ግና ረዲኤቱ ኣብ ልዕሊኦም ካብ ምፍሳስ ኣየቋረጸን።
"ሙሴ ኣብ ድብረ ሲና 10 ትዕዛዛት ካብ እግዚኣብሔ ምስ ተቀበለ።"
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንምልከቶ እስራኤላውያን ጸላእቲ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ዝትንስእሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ብዙሕ ተኣምራት ዝገበረ ታቦት ናይ እግዚኣብሔር ኣምሪሖም ናብ ዓውደ ኲናት ይኸዱ ነበሩ፡ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ታቦቱ ሓዲሩ፡ ንጸላእቶም ስዒሮም ብዓወት ናብ ገዝኦም ከም ዝምለሱ፡ ሰላም ዘለዎ ህይወት ከም ዝነብሩ ይገብሮም ነበረ። እንተኾነ ኣብ ዘመነ ካህን ኢሊ ሓደ ዘሕዝን ነገረ ተፈጸመ። ንሱ ከኣ እስራኤላውያን ከም ኩሉ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ ግዜ ካህን ኤሊ’ውን ኣንጻር ፍልስጥኤማውያን ኲናት ክገጥሙ ናብ ግንባራት ከዱ። ከምቲ ዝተግልጸ ታቦት ኣምሪሖም ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ግዜ ዓወት ረኺቦም ይምለሱ ነበሩ። ኣብዚ ናይ ካህን ኤሊ ዘመን ግና እስራኤላውያን መገዲ ጽድቂ ገዲፎም ኣንጻር ቅድስናን ንጽህናን፡ ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ክንቀሳቐሱ፡ ብፍትወት ስጋኦም ክነብሩ፡ በቲ ናይ ክፍኣትን ርኽሰትን በዓል ቤት ዝኾነ ዲያብሎስ ክግዝኡን ተራእዩ። እቶም ብክህነት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከገልግሉ ዝተመርጹ ደቂ ካህን ኤሊ (ኦፍኒንን ፊንሃስን) ኣብ ርኽሰት ወዲቖም ተረኽቡ፡ ንእግዚኣብሔር ምስቲ ዝመርሕዎ ሕዝቢ ኮይኖም ኣሕዘንዎ፡ ብፍጹም ብዝተዓጻጸፈ መልክዑ ከኣ ኣብ ጸጽባሕ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ወሰኹ። ከምዚ ኢሎም ከለዉ እምበኣር ነቲ ወትሩ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ዓወት ዘጓናጽፎም፡ ንባሕሪ ዮርዳኖስ ኣብ ክልተ ዝኽፈ፡ ንግምቢ ኢያሪኮ ከም ዝስበር ዝገበረ ታቦት ሒዞም ናብ ኲናት ኣንጻር ፍልስጤማውያን ክገጥሙ ወጹ። እንተኾነ ካብ ርኽሰቶም ዝተላዕለ ብዙሓት ካብ መንጉኦም ሞቱ፡ እቶም ክልተ ደቂ ኤሊ- ኦፍኒንን ፊንሃስን’ውን ኣብቲ ውግእ ሞቱ። ሓይሎምን ክብረቶምን ዝኾነት ታቦት ከኣ ኣብ ኢድ እቶም መምለኽቲ ጣዖት ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ወደቐት ማሪኾም ናብ ዓዶም ኣብ ቅድሚ ዳጎን ኣቐመጥዋ። ምምራኽ ታቦት ኣምላኽ ዝሰምዐ ካህን ኤሊ ካብቲ ዝነበሮ ወንበር ብስንባደ ወዲቑ ሞተ፡ ጥንስቲ ዝነበረት ሰይቲ ወዱ (ሰበይቲ ፊንሃስ) ሕማም ሕርሲ ተታሕዘት፡ “ታቦት ኣምላኽ ተማሪኹ ኢዩ’ሞ ክብረት ካብ እስራኤል ረሓቐ” ኢላ ነቲ ዝወልደቶ ውላድ “ኢካቦድ” ኢላ ሰመየቶ።
"ካህን ኤሊ ታቦት እግዚኣብሔር ከምዝተማረከ ምስ ሰምዐ።"
ፍልስጥኤማውያን ንታቦት ኣብ ቅድሚ ደጎን ኣቐመጥዎ፡ እንተኾነ ግና እቲ ከም ኣምላኽ ቆጺሮም ፍግም ኢሎም ዝሰግድሉ ዝነበሩ ዳጎን ተሰባቢሩ ኣብ ቅድሚ ታቦት ወደቐ። ፍልስጥኤማውያን በቲ ዝኾነ ነገር ተሸበሩ፡ ሽግሮም ካብ ዕለት ናብ ዕለት በዝሐ። ኣብ መወዳታ ድማ ድሕሪ እቲ ብታቦት ዝወረዶም ሽግርን መከራን ናብ ኢየሩሳሌም ክመልስዋ ግዲ ኮኖም። ቅዱስ እግዚኣብሔር ክድንግጸሎም ኣብ ሰረገላ ጽዒኖም ብክልተ ሓራሳት ኣሓ ገይሮም ካብ ዓዶም ናብ እስራኤል ሰደድዎ። እስራኤላውያን ተቐቢሎም ኣብ ቤት ኣሚናዳብ 20 ዓመት፡ ኣብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም 3 ወርሒ ኣቐመጥዎ። ጸኒሑ ግና ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ናብ ከተምኡ ናብ ጽዮን ኣእተዎ (1 ሳሙ 4፡1-መፈ, 1 ሳሙ5፡1-መፈ, 1 ሳሙ6፡1-መፈ, 2 ሳሙ6፡1-መፈ)።
ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዚ ዕለት እዚ ማርያም ጽዮን (ታቦተ ጽዮን/ሕዳር ጽዮን) እና ተባህለ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ይኽበር። እዚ ከኣ እዚ ወርሒ እዚ ታቦት ካብ ምርኮ ዝተመልሰትሉ ኢዩ። እዚ መንጎ ታቦትን ቅድስት ድንግል ማርያምን ዓቢይ ናይ ሃይማኖት ምስጢር ስለ ዘሎ እዩ።
ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት እተዛረበላ ኣማናዊት ታቦተ ጽዮን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስታ ታቦተ ጽዮን ብምዝማድ ካብ ብዙሕ ብውሑድ ክንርኢ ኢና። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ’ውን ኣብ ውዳሴ ማርያም ንኣማናዊት ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም “ኮንኪ ታቦቶ ለፈጣሬ ሰማያት ወምድር” ብምባል ነዚ ምሳሌያዊ ምስጢር ገሊጹዎ እዩ።
ብሉይ ትንቢት፡ ምሳሌ፡ ተስፋ፡ ሓዲስ ድማ ፍጻሜ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ብንጹር የረድኣና እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ “ሕግን ነቢያትን ክፍጽም እምበር ክስዕር ኣይመጻእኩን” ብምባል ብግልጺ ነጊሩና እዩ። ኣፉ ብምሳሌ ከም ዝከፍት ትንቢት ከም ዝተነግረሉ ድማ ንኵሉ ምሳሌኡን ፍጻሜኡን ኣረድኣና። ሓዋርያት’ውን ነቲ ኣብ ብሉይ ዘሎ ታሪኻት መሊሶም ምሳሌኡ እናጠቐሱ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ዘለዎ ትርጓሜ ኣመሳጢሮም ምሂሮምና እዮም። ሊቃውንትና ድማ ነዚ ኣሰር ስዒቦሞ እዮም። እምበኣርከስ ጽዮን ተባሂላ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተነግረላ ሓንሳብ ብቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ሓንሳብ ድማ ብመንግስተ ሰማያት፡ ሓንሳብ ከኣ ብኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እናተመሰለት ክትግለጽን ክትምስጠርን ትነብር ኣላ። ብኻልእ’ውን ኣብ ዘመነ ብሉይ ተምሳል እስራኤል ዘስጋ፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ብምእመናን ኮይና ትግለጸሉ እዋን ኣሎ። ንሎሚ ግና ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣብ ሞንጎ እታ ናይ ቃል ኪዳን ታቦት ዝኾነት ታቦተ ጽዮንን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ንዘሎ ዓሚቕ ዝኾነ ምስጢራዊ ዝምድናን ምትእስሳርን ብውሑዱ ቃላት ፈሊና ክንጠቕስ ኢና።
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም “ጽዮን” ተባሂላ ትጽዋዕ። ምኽንያቱ ከኣ ጽዮን ማለት እምባ፡ መጸግዒ ማለት ከም ዝኾነ ኣዴና’ውን እምባናን ጸግዕናን ስለዝኾነት እዩ። ብሓቂ ንዝኣምን ንሳ ናይ ስጋን ነፍስን፡ ናይ ሓጥኣንን ጻድቃንን እምባ መጽግዒት እያ።
ቅዱስ ዳዊት ኣዴን ቅድስት ድንግል ማርያም “ኣማናዊት ጽዮን” ምዃና ዛረብ ከሎ ኣቐዲሙ መሰረታ ዓበይትን ቅዱሳንን አበው ምዃኖም እዩ ነጊሩና (መዝ 87፥1)። ካብ ኣዳም ጀሚሮም ከም እኒ አብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያዕቆብ … ዳዊት ኵሎም አበውን ነቢያትን ኣቦታታ ናይ እግዚአብሔር ሰባት ቅዱሳን እዮም። ኣብቲ ዘመነ ጸልማት ዝኾነ ዘመነ ፍዳን ኵነኔን ሕግን ፍቓድን እግዚአብሔር ብምፍጻም ነቲ ዝተዋህበ ተስፋ ድሕነት ብዓቢይ ሓንቀውታ ዝጽበዩን ዝልምኑን፤ ሱባኤ እናቖጸሩ ትንቢት እናተዛረቡ ምሳሌታት እናመሰሉ ዝጸንሑ እዮም። ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ንኣኣቶምን ብምዝካር እዩ “ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነቢያት ገይሩ ተዛረቦም” ክብል በብዘመኑ እግዚአብሔር ንዝገለጸሎም ሕብረ ነገርን ሕብረ ትንቢትን መእተዊ መልእኽቲ ዕብራውያን ዝገበሮ (ዕብ 1፡1)።
ቅዱስ ዳዊት፡ መሰረት ኣዴና ጽዮን ካብቶም ቅዱሳን ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ልዑል እግዚአብሔር ንኣኣ ብዝምልከት ካብ ኵሉ ማሕደራት ንላዕሊ ንደጌታት ጽዮን ከም ዘፍቀረ፤ ንኣኣ ከም ዝሓረየ ኣብ ትንቢታዊ መዝሙሩ ኣስፊሑ ገሊጹ እዩ። እዚ ትንቢት ከኣ መጋቤ ሐዲስ ቅዱስ ገብርኤል ንእመ ብርሃን ወላዲተ አምላክ ነቲ ካብ ኣዳም ጀሚሮም ደቂ ሰባት ክውለድን ከድሕኖምን ተስፋ ንዝገብርዎ ኣምላኽ ከም እትወልድ ኣብ ዘበሰረሉ እዋን ዝጠቐሶ እዩ። “ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያዕቆብ ንዘለዓለም ክነግስ እዩ፡ መንግስቱ ከኣ መወዳእታ የብላን።” ብምባል እዩ ንኣዴና ነጊርዋ። እዚ ቃል እዚ ረቂቕ ምስጢረ ተዋሕዶ ዝገልጽን፤ ካብ እግዝእትነ ማርያም ዝውለድ መድሃኒት ክርስቶስ ኣምላኽ ወልደ ኣምላኽ፡ ብተዋሕዶ ኣምላኽ ፍጹም ሰብ፡ ሰብ ድማ ፍጹም ኣምላኽ ከም ዝኸውን ዝነግርን፡ ከምቲ ኣብ ትንቢት ዝተነግረ ካብ ወገን ዳዊት ካብ እትውለድ ድንግል ፍጻሜ ከም ዝረኸበ ኣነጺሩ ዘረድእ እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እቲ ትንቢት ምስ ተፈጸመ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ “ካብ ሕጂ ኵሎም ወለዶ ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም” ከም ዝበለቶ፡ ቅዱስ ዳዊት’ውን ነዚ ፍጻሜ እዚ ኣቐዲሙ ብምርኣዩ፡ ምስጢራዊ ትንቢት እናዘመረ ድሕሪ ምጽናሕ ‘ኣዴና ጽዮን’ ክብል ዝጸውዓን ኵሉ ሰብ ድማ ከምኡ ‘እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ’ ብምባል ከም ዝጽውዓን ትንቢት ተዛረበ። ምኽንያቱ ኣብ ዝገለጸሉ ድማ ትሕት ኢሉ፡ ሰማያዊ ኣምላኽ ብተዋሕዶ ካብኣ ሰብ ስለ ዝኸውን ካብኣ “ሰብ ተወልደ” ብምባል ወልደ እጓለ እምሕያው ክርስቶስ ካብኣ ከም ዝውለድ መብርሂ ትንቢቱ ተዛረበ። ክንደይ ደስ ዘብል ቃልን ምስጢርን እዩ። ነዚ ምስጢር’ዚ ንኣቦታትና ዝገለጸ እግዚአብሔር ምስጋና ይኹኖ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ትንቢት ጠቒሱ መድሓኒት ክርስቶስ ካብ ጽዮን ከም ዝርከብ ጠቒሱ ኣሎ። “ከምቲ ጽሑፍ፡ መድሃኒት ካብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ፡ ካብ ያዕቆብ ከኣ ረሲኣን ኬርሕቕ እዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሐቕኩ፡ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ ኪኸውን እዩ፡ ዝብሎ፡ ብዘሎ እስራኤል ክድሕን እዩ” ድማ ይብል (ሮሜ 11፥26-27)።
እቲ ዝውለድ ኣምላኽ ትስብእታዊ ልደቱ ካብ ዘርኢ ዳዊት ካብ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ስለ ዝኾነን፡ ንዳዊት ኣቦኣ ነዚ ተስፋ ብመንበር መሲሉ ኣጽኒዑሉ ስለ ዝነበረን ድማ ቅዱስ ገብርኤል ከብስራ ከሎ “ዝፋን ዳዊት ኣቦኡ ክህቦ እዩ” ብምባል ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ተስፋ ትንቢት ካብኣ ብዝውለድ ኣምላኽ ከም ዝፍጸም ብትሕትና ነጊርዋ። ስለዚ እዩ ድማ ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዎስ ወለዶ ጐይታ ክጽብጽብ ከሎ “ወልደ ዳዊት ወልደ አብርሃም” ኢሉ ዝጀመረ። ስለዚ እዩ ድማ ብዙሓት ክልምንዎ ከለዉ “ጐይታይ ወዲ ዳዊት” ኢሎም ዝጸውዕዎ ዝነበሩ። ስለዚ እዩ ድማ ህጻናት ከይተረፉ ከመስግንዎ ከለዉ “ሆሳዕና ለወልደ ዳዊት” ዝበሉ። ባዕሉ’ውን ነቶም መንነቱ ዝተጠራጠሩ ኣይሁድ “ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧” ክብል ምስሓተቶም፡ ፈላጣት መጻሕፍቲ ስለዝነበሩ “ወዲ ዳዊት” ዝበልዎ ነዚ ትንቢት ኣጸቢቖም ዝርድኡ ብምንባሮም እዩ። ንሱ ክርስቶስ ወልደ ዳዊት ክበሃል ዝኸኣለ ግና “ወልደ ኣብ በመለኮቱ፡ ወልደ ማርያም በትስብእቱ” ከም ዝብል ብስጋ ካብ ዘርኢ ዳዊት ካብ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋን ነፍስን ተዋሂዱ ፍጹም ሰብ ስለዝኾነ እዩ።
ሰብ ኣዴና ጽዮን ከም ዝብል ትንቢት እተዛረበ ቅዱስ ዳዊት ደጊሙ’ውን “እስመ ኀረያ እግዚአብሔር ለጽዮን፡ ወአብደራ ከመ ትኩኖ ማኅደሮ፡ ዛቲ ይእቲ ምእራፍየ ለዓለም፡ ዝየ አኀድር እስመ ኀረየክዋ” (እግዚአብሔር ንጽዮን ሓርይዋ እዩ እሞ፤ መሕደሪኡ ክትከውን ድማ በሃጋ፡ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፡ መሪጸያ እያ እሞ ኣብዚኣ ክሓድር) ኢሉ ኣሎ። እዚ ድማ መሕደሪኡ ክትከውን ንዝመረጻን ኣብ ማሕጸና ተወሲኑ ንዝሓደረላን ኣዴና ቅድስት ድንግል ዝተዘርበ ትንቢት እዩ። እዚ ከኣ ንሱ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ከም ምዃኑ ንሳ ድማ ንዘለዓለም ወላዲተ ኣምላኽ ተባሂላ ከምእትጽዋዕ ዘመልክት እዩ። ብካልእ ትንቢቱ’ውን “ደብረ ጽዮን ዘአፍቀረ፡ ሐነፀ መቅደሶ በአርያም፡ ወሣረረ ውስተ ምድር ዘለዓለም” (ነታ ዘፍቀራ ኸረን ጽዮን ግና ሐረያ። ንመቕደሱ ከምታ አርያም ሓነጸ፡ ንዘለዓለም ኣብ ምድሪ ሰረታ) ብምባል ደጊሙ ብዛዕባ ናይ ኣዴና ጽዮንነት ኣመስጢሩ ተነቢዩ ነበረ። ጽርሐ አርያም ማለት ካብ ሾብዓተ ሰማያት ሓደ ኮይኑ ኪሩቤል ዝሽከምዎ (ብረድኤት እግዚአብሔር) ሱራፌል ዝዓጥንዎ ናይ እግዚአብሔር ዙፋን ዝርከበሉ እዩ። እዚ ዙፋን ከኣ ብሾብዓተ ናይ እሳት መንጦላዕት (መጋረጃታት) ዝተሸፈነ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ቅዱስ ያሬድ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ኣብ ዝወደሰሉ ኣብ ናይ ኣንቀጸ ብርሃን ድርሰቱ “ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ጽርሐ ማርያም፡ ንስኺ ኣብ ምድሪ ኣርያም ኮንኪ” ብምባል መሲሉ ዘመስገና። ቅዱስ ዳዊት’ውን ነዚ አርያም ኢሉ ዝጠቐሶ ትንቢት ንኣዴና ምዃኑ ነስተውዕል።
ዘለኣለማዊ ድንግልናኣ ኣብ ዝገለጸሉ ትንቢት’ውን ደጊሙ ከምዚ ይብል። “ትሴብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚአብሔር፥ ወሰብሒዮ ለአምላክኪ ጸዮን፥ እስመ አጽንዐ መናግሥተ ኆኃትኪ” (ኦ ኢየሩሳሌም ንእግዚአብሔር ኣመስግኒ፡ ኦ ጽዮን ንኣምላኽኪ ወድሲ፡መሃርሃር መዓጹኺ ኣጽኒዑ)። እዚ ቃል ድማ እቲ ዘለዓለማዊ ድንግልናኣ ምስ ዝመስከረ ነቢይ ሕዝቅኤል ዝሰማማዕ ትንቢት እዩ (ሕዝ 44፥1-2)። ኣዴና’ውን “ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ” ብምባል ትንቢት ኣቦኣ ቅዱስ ዳዊት ምላሽ ሂባትሉ እያ። ናይ ነቢያት ናይ መንፈስ ምዝርራብን ፍጻሜ ትንቢቱን ክንደይ ዘደንቕ እዩ።
ታቦት መሕደሪ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ፡ ኣዴና’ውን መሕደሪት እግዚአብሔር እያ። እግዚአብሔር ኣብ ታቦተ ጽዮን ኮይኑ ክብሩ ክገልጽ፡ ዓበይቲ ተኣምራቱ ከርእይ ከሎ ኣብ ልዕሊ ታቦት ብረድኤት ሓዲሩ እዩ። ኣብታ ኣማናዊት ታቦት ግና እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ብቃልነቱ ከዊን ፍጹም ተዋሂዱ እዩ። ስለዚ ድማ ኢና ወላዲተ ቃል፡ ወላዲተ ኣምላኽ ኢልና ንጽውዓ።
ታቦት ጽዮን ናይ ቃለ እግዚአብሔር መሕደሪ ከም ምዃና፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ንአካላዊ ቃል ንእግዚአብሔር ወልድ መሕደሪ ኮነቶ። ናይ ድርሰት ጸጋ ዝተዋህቦ ናይ መንፈስ ቅዱስ በገና ተባሂሉ ዝፍለጥ ቅዱስ ኤፍሬም ነዚ ከረድእ ከሎ “ኮንኪ ታቦቶ ለፈጣሬ ሰማያት ወምድር ፆርኪዮ በከርስኪ ተስዓተ አውርኃ አንቲ ማእምንት ለዘኢያገምርዎ ሰማያት ወምድር” ኢሉ ነይሩ። ትርጉሙ ኸኣ ኦ ድንግል ማርያም ሰማይን ምድርን ንዝፈጠረ ኣምላኽ ንእኡ መሕደሪኡ ኮይንኪ፤ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ማህጸንኪ ጾርክዮ። ኦ ድንግል ሰማይን ምድርን ንዘይውስንዎ ኣምላኽ ንምውሳን ዝተኣመንኪ ንስኺ ኢኺ ዝብል እዩ።
“ታቦት በወርቅ ልቡጥ እምኵለሄ ዘግቡር እምዕፅ ዘኢይነቅዝ” ካብ ዘይምሽምሽ ዕንጸይቲ ዝተጸርበ ብውሽጢ ብአፍአ (ደገ) ብወርቂ ዝተሸለመት ኢሉ ቅዱስ ኤፍሬም ዝገለጻ ንኣዴና ቅድስት ድንግል እዩ። እዚኸኣ ስለ ፍጹም ንጽህናኣ እዩ፡ ንሳ ብስጋ ብነፍስ ብልቦና ብኵሉ ንጽሕትን ቅድስትን እያ። ጥበበኛ ሰሎሞን’ውን “አልብኪ ነውር ወኢምንትኒ ላዕሌኪ” (ነውር የብልክን፤ ሕፍቲ’ውን የብልክን) እናበለ ዘመስገና እያ። ምኽንያቱ ነውሪ ኃጢኣት ዘይቀረባ ናይ ቅድስና ባህርይኣ ከይረስሐ ብንጽሕናኣ ጸኒዓ ዝነበረት ንጽሕት ብድንግልና ስርጉት ብቅድስና ክብርት ብልዕልና ንሳ ንጽሕተ ንጹሓን እያ።
ታቦተ ጽዮን ብዝኸበረን ናይ ንጽሕና ምሳሌ ብዝኾነን ጽሩይ ወርቂ ከምዝተሸለመት፤ ኣዴና’ውን ብንጽሐ ስጋ ብንጽሐ ነፍስ ከምኡውን ብንጽሐ ልቦና ዝተሰርገወትን ዘጌጸትን ምዃና ዘርእይ እዩ። እታ ታቦተ ሕጉ ኣብ ዝተቐደሰት መቕደሱ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ትቕመጥ ከምዝነበረት፤ ኣዴና’ውን ቅድስተ ቅዱሳን ብውሽጣን ብደጊኣን ንጽሕቲ ቅድስቲ እያ።
ደብረ ጽዮንን ታቦተ ጽዮንን ምሳሌኣ ዝኾኑ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣቦኣ ቅዱስ ዳዊት ከም ዝትነበየላ ንኣኣ ዝፈቱን ዘኽብርን “ኣዴና ጽዮን” እናበለ ክጽውዓ ክነብር እዩ። ንኣኣ ዘኽብር ንርእሱ ይኸብር። ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ድማ ይውሰኸሉ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ኣብ ክንዳና ኮይኑ ንኣዴና ንኽቕበለልና ንቅዱስ ዮሐንስ እዩ መሪጽዎ። እቲ ሕሩይ ሐዋርያውን ንኣደ ኣምላኽ ዝተረከበሉ ስፍራ ንድሕነተ ዓለም ኣብ ዝመረጾ ቀራንዮ ኣብ መልዕልተ መስቀል ከሎ እዩ። ኣዴና ምእንቲ ክንብላን እቲ ትንቢት ፍጻሜ ክርከብን ድማ በቲ ህይወት ዝህብ ቃሉ “እንሀት ኣዴኻ” ከኣ በሎ (ዮሐ 19፡27)።
“ዕግትዋ ለጽዮን” (ንጽዮን ክበብዋ) ኢሉ እቲ ቅዱስ ነቢይ ነቲ ሕግን ቃላትን እግዚአብሔር እተጻሕፈላ ናይ እስራኤል እምባን መጽግዒን ንዝነበረት ታቦተ ጽዮን ሌዋውያን ካህናት ከቢቦም ውዳሴ የቕርቡላን ምስ ኣምላኽ ይራኸቡላን ከም ዝነበረ፤ ሎሚውን ካህናትን ምእመናን ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኪቦም ነታ ኣማናዊት ታቦተ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ብማህሌት ብዝማሬ ብቅኔ ብቅዳሴ ብውዳሴ የኽብርዋ ኣለዉ። እቶም ንኣኣ ዘመስገኑን ዝኸበቡን እስራኤል ዘስጋ ካብ እግዚአብሔር በረኸትን ጸጋን ከም ዝረኸቡ፤ ሎሚ ድማ ምሳሌኦም ወሲዶም ብናይ ሓዲስ ክብሪ ንኣዴና ዘኽብሩ ኵሎም ዝለዓለ ክብርን ጸጋን ምስታፎም እሙን ነገር እዩ። ስለዚ ድማ ደቃ ዝኾንና ኵልና፡ እምባ መጽግዒት (ጽዮን) ምዃና እንኣምን ኵልና፡ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግረና “ኣዴና ጽዮን” ኢልና ንዘምረላን ንወድሳን።
በረኸት ኣዴና ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜንንን።
ናይ ሕዳር ጽዮን ዋዜማን ዚቅን ካብዚ ቀጺልና ንከታተል
ዋዜማ
ኢሃደጋ ለምድር እምቅድመ ኣለም ወእስከለኣለም እንበለ ካህናት ወዲያቆናት ዘካርያስ ካህን ወሰማእት ዘርእየ ታቅዋመ ማህቶት
ምልጠን
ዘካርያስ ካህን ነቢይ ወሰማእት ዘርእየ ተቅዋም ማህቶት(2)
ዘሐምስቱ
ካህን ወነቢይ ወሰማእት ሊቀካህናት ካህን ወነቢይ
እግዚኣብሔር ነግሰ
ዘካርያስ ርእየ ተቅዋመ ማህቶት ኩለንተሃ ወርቅ ኣረፋቲሃ ዘእንቅ ወመሰረታ ዘጽድቅ ለቅድስት ቤተ ክርስቲያን
ዘሐምስቱ
እጸ ጳጦስ ይእቲ እንተ በኣማን ይብልዋ ቅድስተ ቅዱሳን እጸ ጳጦስ ይእቲ እንተ በኣማን
ይትባረክ
ኣሰምእ ሰብኣ መሃልምናነ ኣርያሃ ለዘካርያስሃ ወልደ በራክዪ
ሰለስቱ
እዝራኒ ርእያ በርእየተ ብእሲት እምነ ይእቲ ቤተ ክርስቲያን ዘካርያስ ርእየ ተቋመ ማህቶት
ሰላም
ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ዘካርያስ ርእየ ተቋመ ማህቶት ኩለንትሃ ወርቅ ኣረፍቲሃ ዘእንቅ ሰብኣቱ ማህትዊሃ ወሰብኣቱ መሳውር ዘድቤሃ እዝራኒ ርእያ ለጽዮን ቅድስት ሰለማዊት
ሰላም ለኩልያትኩሙ
ሰላም ለኩልያትኩሙ እለ ዕሩያን ብኣካል ዐለመኩሙ ስላሴ ኣመ ሃወጸ በሳህል እምኔኩሙ ኣሃዱ እግዚኣብሔር ቃል ተፈጸመ ተስፋ ኣበው በማርያም ድንግል ወበቀራንዮ ተተክለ መድሃኒት መስቀል
ዚቅ
ሃሌ ሉያ ለኣብ፡ ሃሌ ሉያ ለወልድ ሃሌ ሃሌ ሉያ ለመንፈስ ቅዱስ
ዕዝራኒ ርእያ ለጽዮን ቅድስት፡ እንዘ ትበኪ ከመ ብእሲት።
ነግስ
ነብያተ ፳ኤል፡ ጸሓፉ በመጽሓፎሙ እሙነ ነገረ ሰቆቃው ወላህ በዘመኖሙ ዘኮነ ለባቢሎን ውስተ ኣፍላጋ ኣመ በጺዋዌ ነበርነ ውስተ ኲሃቲሃ ዕንዚራቲነ ሰቀልነ፡ ሶበ ተዘከርናሃ ለጽዮን እምነ።
ዚቅ
ሶበ ተዘከርናሃ ለጽዮን ወሶበ ኢረሳዕናሃ ለኢዮሩሳሌም
ሰላም ለዝ.......
ሰላም ለዝክረ ስምኪ ሃዋዝ እምነ ከልቤኔ ወቁስጥ ወእምነ ሰንበልት ምዑዝ፡ ማርያም ድንግል ለባሲተ ዓቢ ትእዛዝ፡ ይስቅየኒ ለለጽባሑ ወይነ ፍቅርኪ ዐዚዝ ከም ይስቅዮ ውሒዝ፡ ለሰናይ ኣርዝ።
ዚቅ
ኣንሶሱ ማዕከለ መርህብኪ፡ ይቤ ቅዱሰ እስራኤል ተንስኢ(2) ጽዮን ልበሲ ሃይለኪ ጽዮንሃ ስመኪ።
ሰላም ለኣስናንኪ
ሰላም ለኣስናንኪ ሓሊበ ዕጒልት ዘተዛዋጋ ወመራእየ ቅሩጻተ እለ እም ሕጻብ ዐርጋ ማርያም ድንግል ለደብተራ ስምዕ ታቦተ ሕጋ ኣፍቅርኒ እንበለ ንትጋ ለብእሴ ደም ወስጋ ዘየዓቢ እምዝ ኢየሃስስ ጸጋ።
ዚቅ
ታቦተ ሕጉ ለእግዚኣብሔር፡ በካህናት ሕጽርት ወበመንፈስ ቅዱስ ክልልት፡ ንጉስኪ ጽዮን ኢትመዋዕ ለፀር ወኢየሃድጋ ለሃገር።
ሰላም ለከርስኪ
ሰላም ለከርስኪ ዘኣፈድፈደ ተበጽዖ፡ እምታቦተ ሙሴ ነቢይ ለጽሌ ትእዛዝ ዘየሃብኦ፡ ማርያም ድንግል ጊዜ ጸዋዕኩኪ በኣስተብቁዖ፡ ለጸርየ ብእሴ ዐመፃ ሃይለዚኣኪ ይጽብዖ፡ እስከነ ያስቀቁ ጥቀ ድሕሪተ ገቢኦ።
ዚቅ
ጽላት ዘሙሴ ዕፀ ጳጦስ ዘሲና፡ ጸናጽል ዘውስተ ልብሱ ለኣሮን ካህን።
ሰላም ለመክየድኪ
ሰላም ለመክየድኪ እለ ረከቦን መከራ፡ እም ፍርሃተ ቀተልት ሓራ፡እንበለ ኣሳእን ኣመ ሖራ፡ ማርያም ጽዮን ታቦተ ቃለ ጽድቅ መንፈቀ ዕስራ፡ ዕጎለት እምእጎሊሆን ከመ ኪያኪ ኣፍቀራ፡ ኣፍቀርኩኪ ኣፍቅርኒ እም እዜ ለግሙራ።
ዚቅ
ታቦት ታቦት እንተ ውስቴታ፡ ኦሪት ዉቱረ ይከድንዋ በወርቅ።
በዝንቱ ቃለ ማህሌት
በዝንቱ ቃለ ማህሌት ወበዝንቱ ይባቤ፡ ለዘይ ስእልኪ ብእሲ ጊዜ ረከቦ ምንዳቤ፡ ብጽሒ ፍጡነ ትሰጠውዮ ዘይቤ፡ ማርያም እንቊየ ክርስቲሎቤ፡ወምዕዝተ ምግባር እምከርቤ፡ ዘጸገየ ማሕጸንኪ ኣፈወ ነባቤ።
ዚቅ
ኣብርሂ ኣብርሂ ጽዮን፡ ዕንቊ ዘጳዝዮን፡ ዘሃረየኪ ሰሎሞን።
ምልጣን
ኣይ ይእቲ ዛቲ፡ እንተ ታስተርኢ እምርሑቅ፡ከመ ማህቶት ብርህት፡ ከመ ፀሓይ ሙሴኒ ርእያ፡ ሃገር ቅድስት ዕዝራኒ ተናገራ፡ ዳዊት ዘመራ።
እስመ ለኣለም
ይቤ ዳዊት በመዝሙር ወሰብህዮ ለኣምላክኪ ጽዮን፡
ነቢይኒ ይቤ እግዚኦ ሰማዕኩ ድምፀከ ወፈራህኩ፡
ወእትመረጎዝ በዕፀ መስቀልከ ስማዕ ጸሎቶ ለኩሉ ዘስጋ ዘመጽኣ ሃቤከ።
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን !!

Comments
Post a Comment