ገብረ መንፈስ ቅዱስ

 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜን!

አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ



አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሃገሮም ኣብ ንሂሳ ዝተባህለ ዓዲ ናይ ሃገረ ግብጺ ኢዩ። ኣቡኦም ስምዖን ኣዲኦም ድማ ኣቅሌስያ ይበሃሉ። እዞም ክልተ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ብዘይ ውላድ ፴/30 ዓመታት ብፍቕርን ብስኒትን ተቐመጡ።


ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ኣቅሌስያ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ኣትያ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቅድስት ሥላሴ ወዲቓን ክትጽልን ክትልምንን ከላ “ንሥኢ ወልደ ዘይትሌዑል ቀርኑ አምኑኅ ሰማይ፡ ክብሩ ካብ ናይ ሰማይ ክብሪ ዝበልጽ ወዲ ህንኪ ተቐበሊ” ዝብል ድምጺ ሰምዐት። በዚ ምኽንያት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ 29 መጋቢት ተጠኒሶም ፳፱/29 ታሕሳስ ተወልዱ።


ዓይኒ ቋሕ ካብ ዝበለሉ ግዜ ካብ ምርኣይ ከምዘይ ዓርፍ፡ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ልክዕ ካብ ማህጸን ኣዲኦም ካብ ዝወጹላ ግዜ ኣፎም ከፊቶም “ስብሐት ለኣብ፡ ስብሐት ለወልድ፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ ዘአውጻእከኒ እምጽልመት ውስተ ብርሃን” እናበሉ ወትሩ ንእግዚኣብሔር እና ኣመስገኑ፡ ምድራዊ መብልዕ ከይበልዑ፡ ምድራዊ መስተ ከይሰተዩ፡ ንምስጋና ተጊሆም ብምንባሮም ንመላእክት ይመስሉ።


ኣብ መበል ሰለስተ ዓመቶም ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ካብ እግዚኣብሔር ተኣዚዙ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሑቕፊ ኣዲኦም ወሲዱ ናብ ሻውዓይ(7ይ)ሰማይ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቕረቦም’ሞ እግዚኣብሔር ድማ ባረኾም። ኣስዒቡ ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ናብ ኣብ ገነት ዝርከቡ ኩሎም ቅዱሳንን ወሰዶ እሞ ንሶም ውን ባረኽዎም። 


ብድሕሪ እዚ እቲ መልኣኽ ናብ ሓደ መነኮሳት ዘለውዎ ገዳም ወሲዱ ኣብ ወጻኢ ኣቐመጦም። ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ኣባ ዘመደ ብርሃን ምልክት ተነጊርዎም ስለ ዝነበረ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ካብ ገዳማሞ ወጹ እሞ እንሆ ድማ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ገጾም ሓጎስ መሊእዎ ኣብ ኣፍ ደገ ናይቲ ገዳም ረኸብዎም። እንሆ ከኣ ወሲዶም ኩሉ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ስርዓትን ትምህርተ ወንጌልን ዲቁናን ምሃርዎም። 


ናብ ኣቡነ ኣብርሃም ዝበሃሉ ጳጳስ ወሲዶም ድማ ማዕርገ ዲቁና ኣውሃብዎም። ብድሕሪ እዚ ሃብቲ ምፍዋስ ተዋህቦም፡ ብሓደ ግዜ ድማ ብዙሓት ሓንካሳትን ዕዉራንን ፈወሱ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ድማ ቅዱስ ገብርኤል መላኣኽ ብክንፉ ገይሩ ተሰኪሙ ናብ ቅድሚ ጎይታ ኣቕረቦም፡ ጎይታ ድማ በረኾም ብጸሎትካን ብኣማላድነትካን ካብ ሲኦል እተድሕነን ብዙሓት ነፍሳት ስለዘለዋ ካብ ሰብ ተፈሊኻ ሰብ ናብ ዘይብሉ በረኻ ኪድ፡ ናብራኻ ምስ፷/60 ኣናብስን ፷/60 ኣናብርን ይኹን” ድማ በሎም። “ዘኬድከ ጸበለ እግሪከ ይልሕሱ ወበውእቱ ይጸግቡ፡ ጸበል እግሪኻ ልሒሶም ተመጊቦም ይንበሩ” በሎም። በዚ መሰረት ከኣ ናብ ገዳም ኣትዮም ምስ ኣናብርን ኣናብስን ምንባር ጀመሩ። 


ነቢይ ዳኒኤል ናብ ኣፍ ኣናብስ ኣብ ዝተደርበየሉ ግዜ ኣብቲ ጉድጓድ ዝጸንሑ ኣናብስ ዋላ ሓንቲ ጉድኣት ከምዘየውረድሉ፡ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ’ውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብዝረኸብዎ ጸጋ ምስ፷/ 60 ኣናብስን ፷/60 ኣናብርን ብሰላም ይንበሩ ነበሩ። ንሳቶም ኣይጎድእዎምን፡ ጸበል እግሮም ተመጊቦም ድኣ ነበሩ እምበር። ከምዚ ኢሎም ከኣ ን300 ዓመታት ተቐመጡ።


ብድሕሪ እዚ “ሑር ምድረ ኢትዮጵያ ወበህየኒ ሀለውከ ነፍሳተ ዘታወጽኦሙ” በሎም። ቅዱስ ገብርኤል ብሰረገላ ንፋስ ጽዒኑ ምድረ ከብድ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣብጽሖም። ቀጺሉ ድማ ናብ ዝቋላ (ደብረ ቅዱስ) ኣብጽሖም። ኣብዚ ኮይኖም ብንጽህና ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓጢኣት ርእዮም ኣብ ባሕሪ ኣትዮም ቁልቁል ኣፎም ተደፊኦም ብርእሶም ኣብ ባሕሪ ቆይሞም ክጽልዩ ጀመሩ፡ ድሕሪ ኣርበዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ድማ እግዚኣብሔር “ዘገብረ ተዝካረከ ወዘጸውዐ ስመከ እምሕር ለከ” በሎም። ንሶም ከኣ ኢትዮጵያ ብምልእታ ከይመሓርካለይ ካብዚ ዘለኽዎ ቦታ ኣይወጽእን እየ ኢሎም ን100 ዓመት ዝኣክል ብርእሶም ቆይሞም ጸለዩ። ድሕሪ 100 ዓመት ጎይታ “ተንሥእ ወጻኣ መሐርኩ ለከ ኩሎ ኢትዮጵያ” በሎም እሞ ካብቲ ዝነብርዎ ወጹ።


ብድሕሪ’ዚ ናብ ምድረ ከብድ ወሪዶም ካብ ሰማይ ንታሕቲ ካብ ምድር ንላዕሊ ንሸውዓተ ዓመት ዝኣክል ከም ዝተተኽለ ዓምድ ኮይኖም፡ ዓይኖም ከይከደኑ ንሸውዓተ ዓመት ምሉእ ጸለዩ። ሰይጣን ንመንቀንኘት ስለ ዘይዓርፍ ግና ኳኽ መሲሉ መጺኡ ዓይኖም ኣንቊሩ ኣዕወሮም። ክልተ ሱባኤ ምስ ፈጸሙ ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ ኣብ ዓይኖም ኡፍ ኢሉ ኣሕወዮም ከም ቀደሞም ድማ ኮኑ። ብድሕሪ’ዚ ናብ ዝቋላ ተበገሱ፡ ሥላሴ ብኣምሳል ሰለስተ ኣረጋውያን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣዕሪፎም ጸንሕዎም፡ እንሆ ድማ ብዝፋን ኣምላኽ ንምሕጸነካ ኣለና ሓሓደ ምዕራፍ ተሰከመና በልዎም። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብኣምላኻዊ ፍቕሪ ተደሪኾም ሐራይ ኢሎም ተሰኪሞሞም ተበገሱ፡ እንተኾነ እንዳ ተጓዓዙ ከለዉ ብሓድነትን ብሰለስትነትን ተገልጽሎም እሞ ደንጊጾም ናብ ምድሪ ወደቑ፡ እንሆ ከኣ ኣተንስእዎም ናብ ዝቋላ ድማ በጽሑ።


ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ፡ ኣባ አንበሴ ዘሐዘሎን ኣባ ብንያም ዘግብጽን ዝናኦም ሰሚዖም ኣናብሶም ኣኸቲሎም ንኽሓትዎም መጹ። ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ተገልጽሎም፡ እንተኾነ ሒዘሞም ዝመጹ ኣናብስ በቶም ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣናብስ ስለ ዝተበልዑ ሓዚኖም ነበሩ። 


ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ግና እንሆ ጎይታ ጸበል እግረይ ልሒስኩም ክትምገቡዶ ኣይኮነን ዝፈቐደልኩም ስጋን ደምን ክትበልዑዶ ተፈቒድልኩም ኢዩ፧ ኢሎም ቀልጢፍኩም ትፍእዎም ክብሉ ነቶም ኣናብስ ኣዘዝዎም። ንሳቶም ከኣ ተፍእዎም ባሪኾም ድማ ኣተንስእዎም ንሳቶም ድማ “ርኢነ መንክረ ኦ ኣባ” እንዳ በሉ ነናብ ቦትኦም ተመልሱ።


ብድሕሪ እዚ እግዚኣብሔር ናብ ንክርስቶስ ዝኸሓዱ ናብ ምዕራብ ሃገር ወሰዶም ኣብ ነገስታትን መኳንንትን ዝኣትውሉን ዝወጽእሉን ቦታ ድማ ኣቖሞም። ናይ ኣዕራብ ንጉስ ድማ ብዙሓት ሰራዊትን መኳንንትን፡ ጣዖታቱን ሒዙ ናብቲ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ዝነበርዎ ቦታ መጽአ’ሞ እቶም ኣብቶም ጣኦታት ሓዲሮም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ፈሪሖም ክሃድሙ ጣኦታቱ ክሰባበሩ ርእዩ ፈርሐ፡ ነቲ ፈትሊ ብዝመስል ጸጉሪ ዝመልአ ሰብነቶም ርእዩ ከኣ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ “ንስኻ ሰብ ዲኻ፧” ክብል እንዳ ተገረመ ሓተቶም።


“እወ በቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን ሰብ እየ” በልዎ። ምሊሱ ድማ እቲ ኣረሜን ንጉስ “ኣይሁድ ሰቒሎም ብዝቐተልዎ ወዲ ሰብ ተኣምን ኢኻ” በሎም። ንሶም’ውን “እወ ይኣምን እየ! በቲ ምእንታይ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ኣይሓፍርን እየ! ንሱ ምእንቲ ኩላትና እዩ ዝሞተ ንስኻን ሰራዊትካን ብእኡ እመኑ እሞ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ክትረኽቡ ኢኹም” በልዎ። ነዚ ዝሰምዐ ንጉስ ብሓዊ ኣቃጽልዎ ክብል ትእዛዝ ኣመሓላለፈ፡ እንተኾነ ዋላ ሓንቲ ክገብሮም ኣይከኣለን ብሰላም ድኣ ካብቲ ሓዊ ወጹ። ነዚ ዝረኣዩ ብዙሓት ወተሃደራት ድማ ኣመኑ። እቲ ንጉስ ምስቶም ዘይኣመኑ ወታሃደራቱ ኮይኑ ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ወታሃደራቱ ብሴፍ ገይሩ ኣራእሶም ክቆርጽ ጀመረ።


ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ’ውን ርእሶም ክቆርጾም ደለየ እሞ ካብ ሰማይ ሓያል መብረቕ መጺኡ ንዕኡን ንሰራዊቱን ቀተሎም። ንነፍሳቶም መላእኽቲ ጽልመት ክወስድዎም ዝረኣዩ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እዚ ኩሉ ዝኾነ ብሰንከይዶ ኣይኮነን፧ ኢሎም ካብ ብርቱዕ ሓዘን ዝተላዕለ ኣእጋሮም ብገመድ ኣሲሮም ንቑልቁል ኣፎም ጠልጠል በሉ። ሕጂ’ውን ሰይጣን ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ ነቲ ተኣሲረምሉ ዝነበሩ ገመድ በተኾ እንተኾነ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ኣየር ከለዉ ተቐበሎም ግደፈኒ ብርእሰይ ይቑም ድማ በልዎ። በዚ ከኣ ን፴/30 ዓመታት ዝኣክል ብብርቱዕ ገድሊ ኣልቀሱ። እግዚኣብሔር ንገድሎምን ልማንኦምን ርእዩ ነቲ ዝለመንዎ ልማኖ ተቐበለሎም፡ ነቶም ሰባት ድማ መሓረሎም።


በዚ ንምስምዑ ዕጹብን ድንቅን ዝኾነ ገድሊ ሓሊፎም እምበኣር ኣብ ምድረ ኣግኣዚ ን፳፷፪/262ዓመት ጸኒሖም ኣብ መበል ፶፷፪/562 ዕድሚኦም ካብዛ ብስጋ መከራ ዝበዝሓ ዓለም ብሓሙሽተ፭/5መጋቢት ብዕለተ ሰንበት ኣዕረፉ።


                           ተኣምር

                             ====

ሓንቲ ዝሙት እትፈቱን ሰንበት እትስዕርን ብሓሶት እትምሕልን ሰበይቲ ነበረት ሽዑ እግዚኣብሄር ብኣኣ ተቖጢዑ ተመን ኣዘዘላ ኣብ ጎልጎል ኮፍ ኢላ ከላ ከኣ ተመን መጺኡ ናብ ከርሣ ኣተወ ንኣኣ ከም ቤት ገይሩ ድማ ተቐመጠ ዝበልዓቶ ይበልዕ ዝሰተየቶ ድማ ይሰቲ ነበረ።


እንተዘይበሊዓን እንተይ ዘይሰትያን ከኣ ካብቲ ኣማዑታ ይበልዕ ነበረ ካብ ደማ ውን ይሰቲ ነበረ በዚ ከኣ ከም ቅራፍ ዕንጸይቲ መሰለት ከም ሻንብቆ ድማ ኮነት ኣብ ከርሣ እናዓበየ ከደ ካብ ከርሣ ክሳዕ ክሳዳ መልአ ምስ በዓል ቤታ ኣብ እትዘራረበሉ ጊዜ ድማ እቲ ተመን እናቐንአ ይህውኻ ነበረ።


ሓደ መዓልቲ ድማ እቲ በዓል ቤታ ሜስ ሰትዩ ሰኪሩ መጺኡ ኣዘራረባ ንሳ ከኣ ኣይከውንን እዩ በለቶ ቅድም ብምክንያት ኃጢኣተይ እግዚኣብሄር ነዚ ከይሲ እዚ ስለ ዝሃበኒ ሕጂ ድማ ን 2ጊዜ ኣይብድልን እየ ኢላ ኣበየቶ።

ንሱ ግና ብኃይሊ ፈለጣ ሽዑ እቲ ተመን መጺኡ ኣባለ ዘርኡ ነኸሶ እሞ እቲ ሰብኣይ ሽዑ ንሽዑ ሞተ ከምዚ ኢላ ድማ ክሳዕ 3ዓመት ጸንሐት።


ካብ ዕለታትት ሓደ መዓልቲ ሓደ ጻድቕ ካብ ርሑቕ ሃገር ናብኣ መጺኡ ከሎ እቲ ተመን ኣብ ከርሣ ሰፊኑ ረኣዮ ንሳ ድማ ንእግዚኣብሄር ከም ዝተፈታተነቶን ናብዚ ከይሲ እዚ ኣኅሊፉ ከም ዝሃባን ነገረቶ።ኃጢኣታ ኣሚና ድማ ንኪጽልየላ ለመነቶ።

ንሱ ከኣ መብጽዓ ተመባጽዒ ዝክር ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ዘክሪ ብዘሎ ኩሉ ገንዘብኪ ንእኡ ሃቢ በላ ንሳ ድማ ሐራይ ኢላ ካብ ሕጂ ንንየው ንእኡ ሂበዮ ኣለኩ በለት ።እቲ ጻድቅ ከኣ ካብኣ ከደ።


ክሳዕ እቲ ዕለት መዘከርታ ኣቦና ዝበጽሕ ጸኒሓ ካብ ፈጣሪ ተስፋ ምሕረት ገይራ ኣብ መጋቢት ዕለት 5 መዘከርታ ኣቦና ገበረት ።ንካህናትን ንምእመናንን ንድኻታት ንነዳያን ምሳሕ ገበረት ንቤተ ክርስትያን ከኣ ብዙኅ ዕጣንን መብራህትን ሃበት ።ኣብታ ለይቲ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ናብቲ እታ ሰበይቲ ዘላቶ መጺኡ ንሳ ድማ ኮፍ ኢላ ነበረት እምበር ኣይደቀሰትን ስድራኣውን ጽን ኢሎም ይሰምዕዋ ነበሩ።

ኣብ ኣፍ ደገ ቤታ ደው ኢሉ ነቲ ከይሲ ኣንታ ተመን ካብ ከብዲ እዛ ሰበይቲ ውጻእ ናብ ስፍራኻ ድማ ኪድ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ ውን መሬትካ ብላዕ በሎ ።

ሽዑ ብትእምርተ መስቀል ባረካ እቲ ኣብ ከርሣ ዝነበረ ተመን ድማ በታ ዝኣተዋ ወጺኡ ነቲ መሬት ዛሕ ኢሉ መልኦ ኣቦና ከኣ ከደ ንሳን ስድርኣን ነቲ ተመን ቀተልዎ ቁመቱ 5እመት ኮነ።ሰብ እቲ ዓዲ ድማ ብምግራም ዝክር ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ገበሩ ።


ሽዑ እታ ሰበይቲ ካልእ ሰብኣይ ተመርዕያ ሾብዓተ ውሉድ ወለደት ክሳዕ ትመውት ድማ ዝክሪ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እናገበረት ሞተት።


ጸሎቶም በረከቶም ናይ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስትያን ይኹን! 



ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"


https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html


Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe


https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html


 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y


https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==

   

ስብኃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና