ንሱ ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ^ዩ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን
“ንሱ ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ”
መሠረት ሃይማኖትናን ተስፋ ድሕነትናን ኣብቲ “ንሱ ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ” (ማቴ 28፡6) ዝብል ቃል ዝተመስረተ እዩ። እዚ ምሥጢር እዚ ንታሪኽ ዝቐየረ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንባህርይ ወዲ ሰብ ካብ መዋቲ ናብ ዘይመዋቲ ዝለወጠ ረቂቕ መለኮታዊ ስራሕ እዩ። ምሥጢር ትንሣኤ፦
1. ናይ ቃል ኪዳን መፈጸምታ
ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ስቕለቱ ደጋጊሙ “ብሣልሳይ መዓልቲ ክትንሥእ እየ” ኢሉ ነይሩ። እቲ መልኣኽ “ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ” ማለቱ፣ ክርስቶስ ሞት ስዒሩ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሓቀኛነቱ ዘረጋገጸሉ እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ከምዚ ይብል፦ “ሞት ንሕይወት ክውሕጥ ደለየ፣ ሕይወት (ክርስቶስ) ግን ንሞት ውሓጦ። ሲኦል ስጋ ረኺቡ ክውሕጥ ምስ ከፈተ፣ ምስ መለኮት ተጋጨወ እሞ ኣብ ከቢድ ራዕድን ስንባደን ወደቐ።” ትንሣኤ ማለት ቃል ሥጋ ኮይኑ ንሞት ብገዛእ ስጋኡ ዝቐተለሉ፣ ሓይሊ ጸላኢ ድማ ዝተዳኸመሉ ዓቢ ምሥጢር እዩ።
2. ትንሣኤ ምስ ሰብ ዘለዎ ረቂቕ ርክብ
ትንሣኤ ክርስቶስ ናይ ውልቁ ዓወት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ባህርይ ዓወት እዩ። ክርስቶስ በዂሪ ትንሣኤ ኮይኑ ተንሢኡ። ንሱ ብባህርይኡ ሕይወት ክንሱ ሥጋና ለቢሱ ዝተንሥአ፣ ንሕና ድማ ብጸጋ ንሱ ዝሃበና ትንሳኤ ክንካፈል እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል"ከምቲ ዂላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፣ ከምኡ ድማ ዂላቶም ብክርስቶስ ህያው ኪኾኑ እዮም።" (1 ቆሮ 15፡22)። እቲ ኣብ መቃብር ዝተቐብረ ስጋ፣ ናይ ኩሉ ሰብ ስጋ ወኪሉ እዩ ተንሢኡ። ስለዚ ትንሣኤኡ ትንሳኤና እዩ፤ ሞቱ ድማ ሞት ሞትና እዩ።
3. እቲ ረቂቕ ምስጢር፡ "ምሕዳስ ባህርይ"
ኣቦታትና ትንሣኤ ክርስቶስን ትንሣኤ ሙታንን ኣተሓሒዞም ክገልጹ ከለዉ፣ ትንሳኤ ማለት ንዝነበረ ምምላስ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንዝለዓለን ዝበለጸን ክብርን ንውልድነትን ምብቃዕ ምዃኑ ይምህሩ። እዚ ማለት ኣዳም ኣብ ገነት ከሎ ንጹህ (Innocent) ነይሩ፣ ግናኸ ገና ናብቲ ፍጹም ክብሪ (Glorification) ኣይበጽሐን ነይሩ። ክርስቶስ ግን ብትንሣኤኡ፡ ነቲ መዋቲ ዝነበረ ሥጋና ኣልዒሉ፣ ምስ መለኮቱ ኣወሃሂዱ፣ ኣብ የማን ኣብኡ ኣቐሚጥዎ። እዚ ድማ ካብቲ ኣዳም ኣብ ገነት ዝነበሮ ክብሪ ዝበለጸን ዝለዓለን ክብሪ እዩ። ካብ ንጹሕ ናብ ቅዱስ ምዃን ዝተሰጋገረሉ ዝለዓለ ክብሪ ዝተረኽበሉ መዓልቲ ትንሣኤ እዩ።
ኣዳም ፍጡር ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ብትንሣኤ ክርስቶስ ግን "ውሉድ ኣምላኽ" ናይ ምዃን ጸጋ ረኺብና። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ክገልጽ ከሎ፦ "ሓጢኣት ኣብ ዝበዝሓሉ፣ ጸጋ ካብኡ ኣብዚኹ ዓብለለ" (ሮሜ 5፡20) ይብል። እዚ ማለት ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሕይወት፣ ካብቲ ብኣዳም ዘጥፋእናዮ ሕይወት ንላዕሊ ዝበለጸ (Superior) እዩ። ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ናይ ትንሣኤ መዝሙሩ ከምዚ ይብል፦ "ኣዳም ንገነት ኣጥፊእዋ ነበረ፣ ክርስቶስ ግን ንገነት ጥራይ ዘይኮነስ ንመንግስተ ሰማያት ሃቦ።" ስለዚ "ንዝበለጸ ወይ ዝለዓለ" ክብል ከለኹ፣ እቲ ዝረኸብናዮ ዓስቢ ካብቲ ዝነበረና ኪሳራ ዝዓዘዘ ምዃኑ ንምርዳእ እዩ። እዚ ድማ ትንሣኤ ክርስቶስ ንባህርይና "Restore" ጥራይ ዘይኮነስ "Upgrade" ከም ዝገበሮ የርእየና።
እምበኣር ከምቲ ዮናስ ካብ ከብዲ ዓሳ፣ ሕጻን ድማ ካብ ማሕጸን ዝወጽእ፣ ክርስቶስ ድማ ካብ መቃብር ተንሢኡ። እዚ ድማ መቃብር ንኣማኒ መወዳእታ ዘይኮነስ፣ ናብ ሓድሽ ሕይወት መሰጋገሪ (Portal) ምዃኑ የርእየና። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ፦ “ንሱ ሰብ ዝኾነ ንሕና ኣማልኽቲ (ብጸጋ) ምእንቲ ክንከውን እዩ፣ ንሱ ዝሞተ ድማ ንሕና ዘይመወትቲ ክንከውን እዩ።” ይብል።
ጽማሬ ምሥጢር
ትንሣኤ ክርስቶስ ምሳና ዘለዎ ርክብ ተስፋ እዩ። ኣብ ግዜ ጸገምን ሞትን ክንከውን ከለና፣ እቲ “ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ” ዝብል ቃል፣ ቃሉ ዘይዓጽፍ ኣምላኽ ምሳና ከምዘሎን፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ መቓብር ሓዘን፣ ሕማምን ሞትን ኣውጺኡ ናብ ዘለዓለማዊ ብርሃን ከም ዘሰጋግረና ዘረጋግጽ ረቂቕ መለኮታዊ ውሕስነት እዩ።
በዚ ናይ ጎይታትንሣኤ እዚ ተሓዲሰና፣ ካብ ናይ ግብሪ ሞት ናብ ናይ ጸጋ ሕይወት ክንሰጋገር ናይቲ ዝተንሥአ ኣምላኽ ፍቓድ ይኹነልና።
መደምደምታ፦ ትንሣኤ፡ ካብ ስዕረት ናብ ልዕልና
ትንሣኤ ክርስቶስ ታሪኽ ዝተዓጸወሉ መቓብር ዘይኮነስ፣ ሰብኣዊ ባህርይ ሓድሽ ምዕራፍ ዝጀመረሉ ብርሃን እዩ። እቲ “ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ” ዝብል ናይ መለኮት ምስክርነት፣ ንሕና’ውን ከምቲ ንሱ ዝበሎ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፣ ካብ ድካም ናብ ሓይሊ፣ ካብ ምድራዊ ውድቀት ድማ ናብ ሰማያዊ ልዕልና ከም እንሰጋገር ዘረጋግጽ ዓቢ ተስፋ እዩ።
ሎሚ ትንሣኤ ክርስቶስ ክነብዕል ከለና፣ ነቲ ኣዳም ዘጥፈኦ ገነት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ካብኡ ንላዕሊ ዝበለጸን ዝለዓለን መንግስተ ሰማያትን ውልድነትን ከም ዝተዓደልና ብምእማን እዩ። እዚ ድማ እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝገለጾ ፍጹም ጸጋ እዩ፦ “ ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲ ኣበሳ ኣይኰነን። ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዓዝዝ እዩ።” (ሮሜ 5፡15)። እዚ መለኮታዊ ህያብ እዩ ድማ ካብ ንጽህና ናብ ቅድስና ዘሰጋገረና።
መቃብር ንክርስቶስ ክሕዞ ከም ዘይከኣለ፣ ንዓና’ውን ዝኾነ ይኹን ናይ ሕይወት ፈተና፣ ጸልማት ወይ ሞት ንኽገዝኣና ክቐርበና ኣይክእልን እዩ፤ ምኽንያቱ እቲ በዂሪ ትንሣኤ ዝኾነ ጎይታ ምሥጢረ ትንሣኤኡ ኣብ ባህርይና ስለ ዝሓተሞ።
ስለዚ እዚ ብርሃን እዚ ኣብ ልብና ይብራህ፤ እዚ ተስፋ እዚ ድማ ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ጽንዓት ይኹነና። ከምቲ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈ ወርቅ ዝበሎ፦
“ክርስቶስ ተንሢኡ፣ ሕይወት ድማ ነጊሣ! ክርስቶስ ተንሢኡ፣ ኣብ መቃብር ሓደ እኳ ዝሞተ ሰብ ኣይተረፈን! ክርስቶስ ካብ ሙታን ተንሢኡ፣ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ኮይኑ እዩ እሞ፣ ንዕኡ ክብሪ ይኹኖ።”
ካብ ስግኣት ናብ እምነት፣ ካብ ሞት ናብቲ ብትንሳኤ ዝተረጋገጸ ዝለዓለ ሕይወት ዘሰጋገረና ናይ ትንሣኤ ጸጋ ምስ ኩላትና ይኹን።
ኣሜን!
Comments
Post a Comment