ቅድስት ሥላሴ
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን!!!
ቅድስት ሥላሴ
እመ እግዚአብሔር ኢሐነጸ ቤተ ከንቶ ይጻምዉ እለ የሐንጹ
<<እግዚአብሔር እንተዘይሓኒጹ እቶም ዝሓንጹ ንከንቱ ይደኽሙ።(መዝ 127፥1)
ደቂቀ ሴት ብደብር ቅዱስ ብንጽሕና ፣ብቅድስና ይነብሩ ነይሮም ።ድሕሪ ጊዜ ካብ ንጽሕናኦም ወሪዶም ምስ ደቂቀ ቃኤል ተጸምቢሮም ማእለያ ዘይብሉ ሓጢአት ይፍጽሙ ነበሩ።ብዘመኑ ምስ እግዚአብሔር ዝጉዓዝ ጻድቅ ኖኅ በይኑ ጥራሕ ነበረ።(ዘፍ 6፥9)
እግዚአብሔር ሓጢአቶም ርእዩ ማየ አይኅ (ናይ ጥፍአት ማይ)ብታሕቲ ብሰብዓ ዓይነት ፣ብላዕሊ ብሸውዓተ ዓይነት አዝኒሙ አጥፊእዎም ነበረ። ብዘይካ ሾመንተ ነፍሳት ማለት እውን (ኖኅን ሰበይቱን ሠለስተ ደቁን አንእስቶምን) ዓለም ኩላ ብሓጢአታ ብማየ አይኅ ጠፊአ ነበረት።ይኹን እምበር ድሕሪ ማየ አይኅ ደቂ ሰባት ምብዛሕ ጀመ፤ ካብ ምሥራቅ ተላዒሎም ሰናዖር ዝብሃል ሓደ መይዳ ረኸቡ እሞ አብኡ ተቐመጡ።ሽዑ ድማ ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ከይንብተን ጫፉ ናብ ሰማይ ዝበጽሕ ሕንጻ ንስራሕ፣ ስምና ነጸውዖ ኢሎም ምስራሕ ጀመሩ።
እግዚኣብሔር ድማ ኽፍአቶም ረአየ ንዑ ንረድ ወንክዓው ነገሮሙ ለከለዳውያን << ንዑ ንውረድ ሓደ ናይ ሓደ ቋንቋ ከይሰምዖ ነሓውውሶ በለ ።እዚ ቃል ምንም እንኳን ብግልጺ ሠለሰተ አካላት አይግለጽ ደአ ልዕሊ ሓደ ሙኻኑ የረድእ። ስለዚ ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ዘመላኽት እዩ ማለት እዩ።(ዘፍ 11፥7)
ነቲ ደቂ ሰባት ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግምብን ክርኢ ወረደ ይብል። እዚ ማለት ሓጢአቶም ረአየ እሞ ናይ ዓለም ቋንቋ ሓንቲ ዝነበረት ነኒሕድሕዶም ንከይረዳድኡ ብዙሓት ቋንቋታት ፈጠረ። ነኒሕድሕድም ምርድዳእ ሰአኑ።ነቲ ዝሰርሕዎ ሕንጻ ብሓያል ነፋስ ክብተን ገበሮ።ንሳቶም ድማ ተበታተኑ ይብል።
ሕንጻ ንምስራሕ ዝተበገስሉ ምክንያት ሰሞም ንከጸውዑ ዝብል ከም ዘሎ ኮይኑ ብኖኅ ዘመን ዝነበሩ ሰባት ብማይ ከም ዝጠፍኡ መረጃ አለዎም ስለዚ እግዚአብሔር ናይ ጥፍአት ማይ አምጺኡ ከየጥፍኦም ንምምላጥ ኢሎም እውን እዩ።ነገር ግን ካብ እግዚአብሔር ምምላጥ ስለዘይክአል ከምልጡ አይኽአሉን።እዚ ዘርእየና ብፍቃድ እግዚአብሔር እምበር ብርእስካ ካብ ኢድ እግዚአብሔር ምምላጥ ከም ዘይክአል እዩ።
![]() |
ስልጡናን ፣ተመራመርቲ ሰባት ናብ ወርሒ፣ ናብ ጠፈር ብመንኮራኩር፣ብናይ ቴክኖሎጂ ፈጠራ ዋላ ይጉዓዙ ደአ ካብ እግዚአብሔር ግን ምንም ከምልጡ ከም ዘይክአል እዩ ዘረድእ።ቅዱስ ዳዊት ካብ እግዚአብሔር ምምላጥ ከም ዘይክአል ክናገር አንተሎ ከምዚ ኢሉ።
እመኒ ዓረጉ ውስተ ሰማይ ህየኒ አንተ ወእመኒ ወረድኩ ውስተ ቀላይ ህየኒ ሀሎከ ወእመኒ ነሣእኩ ክንፈ ከመ ንሥስ ወሠረርኩ እስከ ማኅለቅተ ባሕር ህየኒ እዴከ ትመርሐኒ ወታነብረኒ የማንከ ።(መዝ 139፥8)
ስለዚ እቲ ዝስርሕዎ ሕንጻ ፈረሰ ፣ስምና ነጸውዕ ኢሎም ዝሓሰብዎ ናብ ምብትታን ኸዱ።ምክንያቱ እግዚአብሔር እንተዘይሓኒጹ ኹሉ ነገር ክጸንዕ ስለዘይኽእል።በዚ ጊዜ ንዓለም ኹሉ ዝተረፈ ዓቢዪ ሓጢአት እዩ ተፈጢሩ። መረዳድኢ ሓደ ቋንቋ ዝነበረ ብዙሓት ቋንቋታት ተፈጢሮም ወዲ ሰብ ኹለ ምርድዳእ ተሰኣኢቱ ምብትታን ዝጀመረሉ ኹነታት እዩ ተፈጢሩ ።
ናይ ቋንቋ በዝሒ (አፈላላይ )ብናይ ሓጢአት ውጽኢት እዩ መጺኡ እምበር ሓደ ቋንቋ እዩ ነይሩ።(ዘፍ 11፥1)።ብቋንቋ ምፍልላይ ጥንቱ ምንም እንኳ ብሓጢአት ዝመጽአ ይኩን እምበር ሐዚ ግን ንመረዳድኢ ንጥቀመሉ ይግባእ እምበር ንመፈላለዪ ክንጥቀመሉ አይግባእን።
ሕጂ ኸ ፦
ዕላማ ናይ ሕንጻና፣ ሓሳብና ከም ናይ ሰናዖር ሕንጻ ዝፈርስ ፣ዝበታተን ዘሎ ንምንታይ ይመስለኩም ? ብእግዚአብሔር ዓቅሚ ስለዘይንምራሕ፣ብናይ ባዕልና ሓሳብ ስለ ንኸይድ፣ናይ እግዚአብሔር ሓዲግና ናይ ባዕልና ጥራሕ ስለንሰርሕ ፣ንእግዚአብሔር ንግዛእ ስለዘየለና ብጽልኢ እምበር ብፍቕሪ ስለዘይንኸይድ እዩ። #እንሰርሖ ኹሉ ይበታተነና ዘሎ ፣ንሕዞ ንጭብጦ ንስእን ዘለና ብእግዚአብሔር እንተይኮነስ ብርእስና ስለ ንምራሕ እዩ ፣ነኒሕድሕድና ንበታተን ስለዘለና እዩ ።ምብትታን፣ ምፍልላይ ፣ ፍቕሪ ካብ ምስአን ፣ንእግዚአብሔር ካብ ዘይምስማዕ ዝተለልዓለ ዝመጽእ እዩ።
እቶም ሰባት ዝተበታተኑ ንእግዚአብሔር ስለዘይሰምዕዎ እዩ።ስለዚ ዝሰራሕናዮ ከም ናይ ሰናዖር ሕንጻ ከይፈርሰና፣ እንሰርሖ እውን ከምኡ ከይብተነና፣ ከይፈርሰና፣ ድኻምና ከንቱ ከይኸውን ንኹሉ ነገር ብእግዚአብሔር ፈቃድ ንግበሮ ፣ብእግዚአብሔር ንመራሕ።
እግዚአብሔር እንተዘይሓኒጹ እቶም ዝሓንጹ ንከንቱ ይደኽሙ ዝብል ተረዲእና ምስ ናይ ሕንጻና መሐንዲስ ምስ እግዚአብሔር ኮይንና ንስራሕ አሓተይን አሕዋተይን።ምስ እግዚአብሔር ክንጉዓዝ እንተለና ሽዑ እዩ ኹሉ ነገር ዝሳኽዐልና።
አብ ሰውነትና(ልብና )ተኸሚሩ ዘሎ ናይ ሕመቕ፣ ናይ ተንኮል፣ ናይ ጽልኢ ፣ናይ ምፍልላይ፣ ናይ ቅንዓት ሕንጻ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ የፍርሱልና አሜን።
ተሳትፎ፥
ዓለም ዝረዳድአሉ ዝነበረ እቲ ናይ መጀመርያ ሓደ ቋንቋ እንታይ እዩ ነይሩ?
ሥላሴ ንዑ ንውረድ ዝበሉኸ ካበይ ናበይ እዮም ክወርዱ ?
መልሲ ኣብ ኮመንት ግደፉልና
በቢዘለናዮ እግዚአብሔር ካብ ክፉእ ዘበለ ኹሉ ይሓልወና ኣሜን።ናይ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ አይፈለየና።
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።


Comments
Post a Comment