ጾመ_ገሃድ

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ አምላክ አሜን!

                

 ጾመ_ገሃድ



ጾመ ገሃድ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ብኣዋጅ ክጽወሙ ካብ ዝሰርዓቶም ሸውዓተ ኣጽዋማት ሓደ እዩ። እዋን ናይዚ ጾም ድማ ኣብ ድሮ ልደትን ጥምቀትን ኮይኑ ንሓደ መዓልቲ ጥራይ ዝጽወም ጾም እዩ። በዓለ ልደትን ጥምቀትን ኣብ መዓልትታት ጾም ማለት ረቡዕን ዓርብን ክውዕሉ ከለዉ ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ብለይቲ እዩ ዝቕደስን ድሕሪኡ ድማ ክብላዕ ዝፍቀድን (ወጾመ ድራረ ልደት ወጾመ ድራረ ጥምቀት)። በዚ መሠረት ድማ እቲ ብመንፈሳዊ ፍስሓን ሓጐስን ክበዓል ዝግብኦ ክቡር በዓል ጐይታ ጾም ብምጽዋም ከይነሕልፎ ብማለት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክንዲኡ ብድሮ ሓሙስን ሠሉስን ክጽወም ብኣዋጅ ሰሪዓቶ ትርከብ። (ፍት. መን ኣን 15) እዚ ጾም’ዚ በብዓመቱ ክጽውም ኣብ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ከምዝተወሰነ ድማ ከነስተብህሎ ይግባእ።


ናብቲ ትርጉም ናይቲ ቃል ክንምለስ ከሎና ገሃድ ማለት ለውጢ ብካልእውን ምግላጽ ማለት እዩ። ኣብዚ ናይ ጾም ትርጉም ወሲንና ክንርእዮ ከሎና ኣብ ክንዲ እቲ በዓል ንድሮ ናይቲ ዕለት ክጽወም ለውጢ ኮይኑ ስለዝተሰርዐ ከምኡ ዝብል ትርጉም ሒዙ ይርከብ።


ድሮ ልደት ግና ኣብ ውሽጢ ጾም ስለዝርከብ ንባዕሉ ስሩዕ ጾም እንድዩ ዝብሉን ዝሓቱን ኣይሰኣኑን ግና ኣብ ከምዚ እዉጅ ጾም ገሃድ ግና ዝያዳ ካብቲ ስሩዕ ክሳብ ሰርክ ክጽወም ከምዝግብኦ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ይእዝዙ (ሰብዓቱ አጽዋማት እለ ሥሩዕ ጾሞሙ እስከ ፱ ሰዓት … ወዘሰ አፈድፈደ ጾመ እምዝንቱ ዘተሠርዐ ይፈደፍድ ዕሤቱ)። ብፍላይ ድማ በቲ ዕለት በዓል ቅዱስ ሥጉኡን ክቡር ደሙን ክቕበሉ ዝተዳለዉ ምእመናን ብድሮ ምሉእ መዓልቲ ዝኾነ ነገር ኣይበልዑን ኣይሰትዩን እዮም (ወሶበ ተሰነዓወ ወኀብረ ዕለተ ልደት በዕለታተ ጾም ዘውእቶሙ ረቡዕ ወዓርብ ይጸልዩ ወይትመጠዉ እምሥጢራተ ቅዱሳት ወኢይፍትሑ ጾመ እስከ ፱ ሰዓት) ።


ገለ ብሩኻት ምእመናንውን እኳ ደኣ ዝያዳ ብጾም ንአምላኽ ምልማን ከምዝግባእ ብምስትውዓል ክሳብ ለይቲ ዝቕደስ ዝኾነ ነገር ኣይለኽፉን እዮም። ገለ ውልቀ ሰባት ግና ነቲ ብኣዋጅ ክጽወም ንዝተሰርዐ ጾመ ነቢያት ሸለል ኢሎም ከይጾሙ ነቲ እዋን ጾም ኣሕሊፎም ከም መከሓሓሲ ብድሮ እቲ በዓል ንዝተሰርዐ ጾመ ገሃድ ጥራይ ክጾሙ ይፍትኑ። እዚ ግና ፈጺሙ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ኣይኮነን።


ጾመ ገሃድ ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ዝውዕለሉ እዋን ማለት ብፍላይ ጥምቀት ሰንበትን ሰኑይን ኣብ ዝበዓለሉ ጊዜ ሰናብቲ ዝኾነ ከይጠዓምካ ምጻም ክልኩል ብምዃኑ ኣብዘን መዓልትታት ጠስሚ ሥጋ ካብ ዝኣመሰሉ ጥሉላት ተኸልኪልካ ካልእ ናይ ጾም መባልዕ ምብላዕ ይፍቀድ እዩ(ወኢይጹሙ በዕለተ እሑድ ወሰንበት ዘእንበለ ጥሉላት)።


ስለዚ ብኸምዚ መገዲ ኣብዚ ዘሎናዮ ዓመት ድማ ጥምቀት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕለት ቀዳም ስለዝወዓለ ዓርቢ ጾመ ገሃድ ተባሂሉ ክሳዕ ሰርክ ክንጾሞ ይግባእ። (ወናሁ ይቤሉ ባስልዮስ ወአፈወርቅ እስመ ገቢረ በዓልሰ አኮ በመብልዕ ውእቱ)


ወእለመሰ መጽአ በእንቲአሁ ተጋዕዞ ጸዊሞቱ ድልው ወይኄይስ ፈድፋደ እመብልዕ (ንጹም ንብላዕ ብዝብል ኣብ ሞንጐኹም ዘይምስምማዕ ወይ'ውን ክርክር እንተተፈጥረ ናብ ጾም ኣዛዝዉ ንነፍስ ካብ ምብላዕ ምጻም ይሕሻ።)እግዚአብሔር አምላኽ ጾምና ይባርኸልናን ይቐድሰልናን። ምንጪ፡- አንቀጸ ተዋሕዶ።


ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።


Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና