ጉዕዞ ካብ ልደት ክሳብ ዕርገት
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን!!!
እግዚኣብሄር ንሰብ ከድሕን ዝገበሮ ጉዕዞ ካብ ልደት ክሳብ ዕርገት
ልደት-ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ
ካብ ሕቱም ምድሪ ተፈጢሩ ንዝስሓተ ኣዳም ንከድሕን ብሕቱም ድንግልና ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ ማቴ 1፣18-25 ኢሳ7፥14
ስደት-ብስንኪ በደሉ ካብ ገነት ናብ ሲኦል ንዝተስደደ ኣዳም ንኪመልስ መደሃኔ ዓለም ክርስቶስ ዋላ ሓደ ከይበደለ ናይ ገነት ምሳሌ ካብ ዝኮነት ከንኣን ናብ ናይ ሲኦል ምሳሌ ዝኮነ ግብጺ ተስደ ።ማቴ 2፣13-23
ጥምቀት- መድሃኔ ዓለም ክርስቶስ ነቲ ወዲ ሳላሳ ዓመት ጎበዝ ኮይኑ ተፈጢሩ ክንሱ ዲያብሎስ ውልድነቱ ብሰንኪ በደሉ ዘጥፍኦ ኣዳም ውልድነቱ ንክመልስ ኣብ 30 ዓመቱ ጎይታ ተጠምቀ ።ማቴ 3፥3-17 ፈተና ምስዓር ማቴ 4፥4
ስቅለትን ሞትን
ነቲ ብሰንኪ በደሉ ካብ ጸጋ ዝዓረቀ ኣደም ጸጋ ከልብሶ ዕራቁ(ጥርሑ ) ኣብ መልእልተ መስቀል ተስቅለ።ማቴ 27፥35
ትንሳኤን ዕርገትን
ነቲ ብመስቀሉ ዝተረክበ ዓቢይ ዓወት ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ካብ ምውታን ተፈልዩ ብገዛእ ስልጣኑ ብምትንሳእ ኣረጋገጾ።ስለዚ ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕካ ኣታ ሲኦል ኣበይ ኣሎ ዓወትካ ።ግናኸ ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዝህበና ኣምላክ ምስጋና ይክኖ።1 ቆሮ 15፥55-57 ማር 16፥19
እግዝኣብሔር ኣምላክ ብልደቱ ከብርሃልና፡ ብስደቱ ስደትና ከቅልለልና፡ ብጥምቀቱ ክጸግወና፡ ብስቅለቱ ክብጀወና፡ ብትንሳኤኡ ከተንስኣና፡ ብዕርገቱ ሓይሊ መንፈስቅዱ ክህበና ሰናይ ፍቃዱ ይኩን ኣሜን!
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።





Comments
Post a Comment