ጥጥምቀተ ክርስቶስ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜንንን
ጥምቀተ ክርስቶስ
ሠለስተ መወድሳት ቅኔያት ምስ ትርጉመን ናባኹም ከብል ።
፩.መወድስ
"ነዳዲ እሳት ከመ ይማስን
በቈሪር ማይ ሕገ ተፈጥሮ ይነግረነ።
ወከመ በማይ ይማስን ነደ ዕፀ ጳጦስ ዘረስነ።
ሕገ ዮርዳኖስ ኢነገረነ( በሕገ ዮርዳኖስ ኢተጽሕፈ)
እስመ ነድ በማዕከለ ባሕር ይነድድ ፍጡነ።
እንበለ ማየ ዳኖስ ያማስኖ
እስከ ያፈልሆ እሳት ለማየ ዮርዳኖስ ዘተጸወነ።
" ለዓለም"
ዮሐንስሂ ዘርኢከ በባሕረ ዮርዳኖስ ዘኮነ።
እምጥንት እስከ ፍጻሜ
ዜንወነ ወንግረነ።
ዘ ምስጢረ ዘተፈጸመ እሙነ።
እስመ ዓይነ ሥጋነ ኢነጸረ
እንበለ ዳዕሙ ዓይነ ልብነ።
ትርጉም፦ዝነድድ ሓዊ ብቖሪር ማይ ከም ዝጠፍእ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ይነግረና እዩ።ዝረሰነ ናይ ጳጦስ ሓዊ ግን ብማይ ከም ዝጠፍእ ናይ ዮርዳኖስ ሕጊ ኣይነገረናን።
ምክንያቱ፦ ናይ ዮርዳኖስ ማይ ከየጥፍኦ ፣እቲ ሓዊ ነቲ ማይ ክሳዕ ዘፍልሖ እቲ ሓዊ አብ ማእኸል ባሕሪ ይነድድ ኣሎ እሞ። ዮሐንስ ድማ ብዮርዳኖስ ዝኾነ ነገር ካብ መጀመርታ ክስዕ መወዳእታ ንገረና ብሓቂ እቲ ዝተፈጸመ ምስጢር ናይ ነፍስና ዓይኒ እምበር ናይ ሥጋና ዓይኒ ኣይረአየን እሞ።
ብሓጺሩ
ንስሙ፦ከም ዝፍለጥ ሓዊ ብማይ እዩ ዝጠፍእ ማይ ብሓዊ እዩ ዝፈልሕ ። ንወርቁ ድማ ካብ እቲ ተፈጥሮአዊ መርገም ብዝተፈለየ መልክዑ ነደ እሳት ዝተብሃለ ክርስቶስ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ብዮሐንስ ኢድ ምጥማቑ ፣ማያት እውን ምፍልሖም እዩ ዘረድአና።
፪.መወድስ
ተምዑ አብ ወመንፈስ ቅዱስ
ምሥጢረ ሠለስቱ ኢይጻእ ወይኢትነገር በቃሉ።
ዘምስለ ቢጾሙ ወልድ ዘቃለ መሐላ መሐሉ ።
አድያመ ዮርዳኖሰ ከመ ዖደ
እስመ ወልድ ምስጢረ ሠለስቱ ከሠተ ለኩሉ።
ወበይነ ዘከሠተ ምስጢሮሙ ሌለይዎ ነግሀ
ከሣቴ ምስጢርነ እንዘ ይብሉ።
ለዓለም
ወነገረ ሕጻን ብሂሎሙ እንበለ ያኅልፉ እሉ
ተማከሩ ይቅትልዎ እስመ ነገረ ወልድ ኢያቅለሉ።
ወለፆረ ምስጢር ኅቡእ ዘተከፍሎተ ከፈሉ
ቦ ዘይደክሙ ወቦ ዘይኄይሉ።
ትርጉም፦ናይ ሠለስቲኦም ምስጢር ንከይወጽንእን ብቃል ንኹሉ ንከይንገርን ምስ መሓዛኦም ወልድ ናይ መሓላ ቃል ዝፈጸሙ አብን መንፈስ ቅዱስን ብወልድ ተቖጢዖም።
ምክንያቱ ወልድ ናይ ሠለስቲኦም ምስጢር ንኹሉ ገሊፁ፣ አውጺኡ እዩ እሞ። ምስጢሮም ስለዝገለጸሎም ድማ ናይ ምስጢርና መውጽኢ እናበሉ ኣግሊሎምዎ።ንሳቶም ናይ ሕጻን ነገር እዩ ኢሎም እውን ንከየሕለፉ ናይ ወልድ ነገር አቅሊሎም አይርአየዎን እሞ ንክቐትልዎ ተማኸሩ። ዝተሓብአ ምስጢር ንምሽካም እውን ዝደኽሙ ኣለው ዝሕይሉ እውን አለው።
ብሓጺሩ
ንሰሙ ሰባት ብሓባር ዝተማኸርዎ ምኽሪ እቲ ሓደ ከውጽኦ ከሎ ይናደዱ ንምንታይ አውጺእዎ እውን ይብሉ ክርስቶስ ኣብ ዮርዳኖስ ብምጥማቑ አብን መንፈስ ቅዱስን ተገሊጾም፣ ዝተሓብአ ዝነበረ ምስጢር ንኹሉ ተገሊጹ ማለት እዩ።
አብን መንፈስ ቅዱስን ምስጢሮም ስለዘውጽአ ንወልድ ንክቐትልዎ ተማኸሩ ማለት ድማ ብናይ ኹሎም ፈቃድ ክርስቶስ ከም ዝተሰቐለ እዩ ዘረድአና።
፫.መወድስ
"ትቀንዕኑ ቅንዓተ ዘስምዓ ሠለስቱ
በዮርዳኖሳዊት ብእሲት ብእሲት ደብረ ታቦር።
ለዘዮርዳኖስ ለብሰቶ ልብሰ ቃለ አብ ማዕምር።
በቅንዓት ዘስምዐ ቃል
ደብረ ታቦር አምጣነ ከማሃ ለብሰቶ በድኅር።
ላዕለ ዘባነ ዳኖስ ከመ ንዕደ
እስመ ታቦር ርእየት ከመ ይሴንያ ለደብር።
" ለዓለም"
ደመናሂ ልኡከ አብ ድኩመ ፍና ቃል መንክር።
እመ ምስለ ዳኖስ ይውዕል
ምስለ ደብረ ታቦር የሐድር።
ወላዕለ ርእሰ ወልድ ዘአብ ቃቤላ ዘራኢ ገባር።
ርግበ ሰማያት ከመ ነበረ
ዘርአ ቃለ አብ የአርር።
ትርጉም፦ደብረ ታቦር ሰበይቲ ብዮርዳኖሳዊት ሰበይቲ ናይ ምስክር ቅንዓት ትቀንእ ድያ?
ዮርዳኖስ ዝተኸደነቶ ተፈላጢ ዝኾነ ናይ አብ ቃል ኽዳን ብናይ ቃል ቅንዓት ደብረ ታቦር ሰበይቲ እውን ከምኣ ተኸዲናቶ እያ እሞ። ኣብ ልዕሊ ዮርዳኖሳዊት ሰበይቲ ከም ዝጸበቐ ደብረ ታቦር ሰበይቲ እውን ንባዕላ ከም ዝጽብቐላ ርእያ እያ እሞ።
ኣደናቒ ዝኾነ ብናይ ቃል መንገዲ ዝደኸመ ናይ አብ መልእክተኛ ደመና ምስ ዮርዳኖስ ይውዓል ደአ እምበር ምስ ደብረ ታቦር ይሓድር ኣብ ናይ ወልድ ናይ ሓረስታይ መሸላ ርእሲ ናይ ሰማያት ርግቢ ተቀሚጡ ናይ አብ ቃል ዘርኢ ይለቅም ።
ብሓጺሩ
ንሰሙ ሓንቲ ጓል አንተስይቲ ዝተኸደነቶ ኽዳን እንተጥዒሙላ እታ ሓንቲ ርእያ ትቀንእ እሞ ንሳ እውን ከምኡ ዝበለ ኽዳን ትገዝእ ትኽደን ትኽእል እያ። ንወርቁ ዮርዳኖስ ዝስምዓቶ ዝፈትዎ ወደይ እዚ እዩ ዝብል ናይ አብ ቃል ደብረ ታቦር እውን ከምኡ ሰሚዓቶ ናይ አብ ድምጺ ተሰሚዑ ፣ምስጢረ ሰማይ ተከሢቱ ማለት እዩ።መንፈስ ቅዱስ እውን አብ ርእሲ ወልድ ተቀሚጡ እዩ ምስጢረ ሥላሴ ተገሊጹ እዩ ዝብል እቲ ቅኔ።
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==

Comments
Post a Comment