ምስጢረ ስላሴ

   በስመ ሥላሴ

        ምስጢረ ስላሴ


ስላሴቅ ድሚ ዓለም ምፍጣሩ ከምዚ ሎሚ ዝምስገንዎ ዘለዉ ብሓድነትን ብሰለስትነትን ይምስገኑ ነይሮም አዮም።

 መን የመስግኖም ነይሩ አንተተባህለ ብባሕርዮም ይምስገኑ ነበሩ ፣ ካብ ዝፈጠርናዮ ፍጥረት ምስጋና አንደሊ ኣይኮናን ምስጋናናስ ካብ ባሕርይና አዩ። (ቀሌምንጦስ) ምስጋናኡ ካበኡ ናይ ባሕርዩ አዩ ይብል።(ዮሐ።ኣፈ.ቅዳሴ)

 መን ፈጠረና ስላሴ፣ ብመን ከ ንኣምን ብ ስላሴ ስላሴ ክንደይ አዮም፣ ሓደ ከለዉ ሰለስተ፥ ሰለስተ ከለዉ ሓደ ፤ ብምንታይ ሓደ ይኾኑ ሰለስተ ይኾኑ፣ ብኣካላት ሠለስተ ይኾኑ ብመለኮት ከኣ ሓደ ይኾኑ ከም ዝበለ።(ባስልዮስ ዘቂሳርያ) ምስጢረ ስላሴ ዝኽፈልን ዘይክፈልን አዩ፣ ብ ኣካላት ይፍለዩ ብመለኮት ግን ኣይፍለዩን፣ ብዘይ ምሕዋስ ፍሉያት ብዘይ ምፍልላይ ውን ሓደ ይብል(ሠለስቱ ምአት) ሰለስትነቶም ብምንታይ አዩ አንተ ተባህለ፣ ብስም ብግብሪ ብኣካል ፣ ብምንታይ ከ ሓደ ይኾኑ ፣ ብመለኮት፣ ብባህርዮም፣ ብህልውና፣ ብፍቃድ፣ብስልጣን አዩ። 

ናይ ሓድነቶም ስም ከ አግዚኣቢሔር፣ ኣምላኽ ፣ ኣዶናይ ፣ ጸባኦት፣ ፈጣሪ አዩ። ሰለስተ ኣስማት ሓደ አግዚኣቢሄር ፣ (ቄርሎስ ዘአስክንድርያ) ኣብ ኣቦ ድኣ ይበሃል አንበር፣ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣይብሃልን ወልድ ፣ ወልድ ይበሃል አምበር ኣብን መንፈስ ቅዱስን ኣይብሃልን ፣ መንፈስ ቅዱስ ዉን መንፈስ ቅዱስ ይበሃል አምበር ኣብን ወልድን ኣይብሃልን። ኣብ ኣቦ ድኣ ይበሃል አምበር ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣይኮነን፣ ወልድ ውን ወልድ ደኣ አምበር፣ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ኣይኮነን፣ መንፈስ ቅዱስ ውን መንፈስ ቅዱስ ደኣ አዩ አምበር ኣብን ወልድን ኣይኮነን ፣ ስም ኣብ ናብ ስም ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣይቅየርን ፣ ስም ወልድ ናብ ስም ኣብን መንፈስ ቅዱስን ኣይቅየርን፣ ስም መንፈስ ቅዱስ ከኣ ናብ ስም ኣብን ወልድን ኣይቅየርን ኡብል።(አግናጥዮስ ዘኣንጾክያ) ናይ ሰለስትነቶም ተግባር ከመይ አዩ አንተ ተባህለ፣ ኣብ ወላዲን ኣስራጽን ምዃኑ አዩ፣ ናይ ወልድ ድማ ተወላዲ ምዃኑ አዩ ፣ ናይ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ሰራጺ ምዃኑ አዩ።

 ኣብ ንወልድ አንተ ወለዶ ንመንፈስ ቅዱስ ከኣ አንተ ኣስረጾ ፣ ም ወልድ ኣይውለድን ከም መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣይሰርጽን፣ ወልድ ድማ ተወላዲ ደኣሉ አምበር ከም ኣብ ኣይወልድን ከም መንፈስ ቅዱስ ዉን ኣይሰርጽን፣ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ሰራጺ አንተ ኾነ ከም ኣብ ኣይወልድን ከም ወልድ ዉን ኣይዉለድን አዩ። ኣብ ዝተወልደ ኣይኮነን አንታይ ደኣ ቅድሚ ዓለም ወላዲ ወልድ አዩ ፣ ወልድ ዉን ቅድሚ ዓለም ካብ አግዚኣብሄር ኣብ ዝሰረጸ አዩ፣ ከም ዝበለ (ኣትናቴዎስ ዘአስክንድርያ) ሰለስትነቶም አዚ አዩ። ብ ኣካል ሰለስትነቶም ከመይ አዩ አንተ ተባህለ ፣ ን ኣብ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ፍጹም ገጽ ኣለዎ፣ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ከኣ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ፍጹም ገጽ ኣለዎም። መልክዕ ማለት ዓይኒ አዝኒ ኣፍንጫ ኢድ አግሪ ዝተረፈ ውን ኩሉ ኣካላት አዩ አዚ ኩሉ ንስላሴ ብሓቂ ከም ዘለዎም ንኣምን ከም ዝበሉ።(ሠለስቱ ምአት) 

ኣብ ብኣካልን ፣ ብመልክዕን ፣ ብገጽን ጐደሎ ዘይብሉ ፍጹም አዩ፣ ወልድ ውን ብኣካልን ፣ ብገጽን ፣ ብመልክዕን ፍጹም አዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ዉን ብኣካልን ፣ ብገጽን ፣ብመልክዕን ፍጹም አዩ ይብል።(ኣብሎዲስ ዘሮሜ) ዳዊት ድማ ገጽ አግዚኣብሄር ናብ ክፉአ ዝገብሩ የብል፣ ኣዕይንቲ አግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን ይጥምታ፣ ኣአዛኑ ከኣ ንልመናኦም ጽን ይብላ።(መዝ .34:15) ናይ ስላሴ ኣካል ከም ናይ ወዲ ሰብ ኣካል ገዚፍ ፣ ጸቢብ፣ ዉሱን ኣይኮነን፣ አንታይ ደኣ ረቀቕቲ ክነሶም ኣብ ኩሉ ሙሉኣት አዮም። ምልኣቶምከ ከመይ አዩ አንተ ተባህለ ካብ ጽርሐ ኣርያም ንላዕሊ ቁመቱ(ካብ ሰማያት ዝለዓለ ማለት አዩ)፣ ካብ በርባሮስ ንታሕቲ ድማ መሰረቱ (ትሕቲ ምድሪ ማለት አዩ)፣ ካብ ኣድማስ ናብ ኣድማስ ስፍሓቱ ካብ ጫፍ(ጽንፈ) ዓለም ናብ ጫፍ (ጽንፈ) ዓለም ኢልካ ኣይምርመርን። 

ስላሴ ንዓለም ይውስንዋ አንበር ዓለም ንስላሴ ኣይውስኖምን አዩ፣ ንሕና ደኣ ንኹሉ ንሽከሞ አምበር ንዓና ዝሽከም ዋላሓደ አኳ የለን፣ ካባና ንላዕሊ ወይ ካባና ንታሕቲ ቦታ የለን፣ ናይ ባሕርይና ምልኣት ዝውስንስ ምንም የለን፣ ንዓና ዝሓብአ ዉሽጢ ወይ ውን ንዓና ዝገልጽ ኣፍደገ የለን፣ ዉሽጢኮነ ወጻኢ ንሕና ኢና። ንዓና ዝውስን ሰማይ ወይ ንዓና ዝሽከም ምድሪ የለን ከም ዝበለ፣(ቀሌምንጦስ) ካባና ንላዕሊ ሰማይ የለን ካባና ንታሕቲ ዝተመስረተ ምድሪ ውን የለን አዚ ብሓጺሩ ሰማይን ምድርን ኣብ ኢድ ስላሴ ውሱን ማለት አዩ። ርቀቶም ከ ከመይ አዩ አንተ ተባህለ ካብ ኩሉ ንፋስ ይረቅቕ ፣ ካብ ንፋስ ድማ ነፍሳትን መላአክትን ይረቁ፣ ካብ ነፍሳትን መላአክትን ከኣ ናይ ሰብን መላአኽትን ሓሳባት ይረቅቕ። አዚ ናይ ሓሳባቶም ርቀት ግን ብስላሴ ወገን ከም ዓቢይ ጐቦ አዩ ዝርአ ይብል። ርቀት ሓሳባት መንፈሳውያን ብወገን ርቀት አግዚኣቢሄር ከም ግዝፊ ስጋ አዩ ዝርአ ይብል።(ኣረጋዊ መንፈሳዊ) 

በዚ ከምዚ ዝበለ ርቐቶም ኣብ ኩሎም ፍጡራን ህልዋትን ሕዱራትን አዮም፣ ኣብ ዓለም ኣሎ ዓለም ከኣ ብአኡ ተፈጥረት። ንሕና ኣብ ኩሉ ህሉዋት ስለ ዝኾና ንኹሉ ንርአዮ ነዓና ዝርኢ ግን የልቦን ይብል።(ቀለሜንጦስ)(መዝ.103) ባሕርዮም ከ ከመይ አዩ አንተ ተባህለ ዘይጠሚ፣ ዘይሓምም፣ ዘይመውት፣ ዘይደክም፣ ሕያው አዩ፣ (ሊጦን) ብኸምዚ ዝበለ ተግባርን ኣካልን ልቢ ከይቀደመ ብሓድነት ቃልን አስትንፋስን ከም ዝተረኽቡ፣ ስሞም ንኣካሎም፣ ኣካሎም ንስሞም ከይቀደሞ፣ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ካብ ኣብ ተረኽቡ። ካብ ናይ ስላሴ ኣካላትን ኣስማትን ዝቕድምን ዝድሕርን የለን፣ አንታይ ደኣ ንሳቶምሲ ቅድሚ መጀመርታ ዘመን ዝነበሩ አዮም ከም ዝበለ።(ጎርጎርዮስ ገባሬ መንክራት) ቀዳምነቶም ንኹሉ ዘመን ይዉስኖ አምበር ዘመናት ኣይውስኖን፣ ቅድሚ ኣዝማናት ዝነበርና ፣ መጀመርታን መወዳአታን ዘይብልና ስለዝኮንና ፣ መዋዕልና ዝፍለጥ ኣይኮነን ይብል።(ቀለሜንጦስ)።


 ንምስጢረ ስላሴ ዝቀርቡ ምሳሌታት መጀመርታ ዝቐርብ ምሳሌ ፥ አግዚኣቢሄር ብመልክዑን ብ ኣርኣያኡን ዝፈጠሮ ሰብ ናይ ምሕሳብን ምዝራብን ምስትንፋስን ክ አለት ዘለዎ አዩ ፥ ስለዚ ምሕሳብ ብ ኣብ ምዝራብ ብወልድ ምስትንፋስ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ ፥ ዘረባ ካብ ሓሳብ አዩ ዝውለድ ፥ ካብ ሓሳባት ከይተፈልየን ከይተቛረጸን አዩ ፥ ምኽንያቱ ሰብ ስቕ ኢሉ ኾነ ወይ አናተዛረበ ኩሉ ግዜ ቃላት ምስኡ አዮም አምበር ካብ ሓሳቡ ኣይፍለዩን ወይ ኣይቛርጹን አዮም። ስለጺ ዘልኣለማዊ ወልድ ካብ ኣብ ምውላዱ ከይተፈልየ ደኣ አዩ አምበር ምስ ተወልደ ተፈልዩ ክበሃል ኣይክአልን አዩ፥ ልቢ ወይ ድማ ሓሳብ ከምኡ ዉን ናይ ዘረባ ቃላት ነፍሲ ምህላዎምን አዚ ነፍሲ አዚ ከኣ ህይወቶም ምዃኑን ዝተፈልጠ አዩ። 

ከም ኡ ድማ ን ኣብን ወልድን ፥ መንፈስ ህይወት ማለት አስትንፋስ ኣለዎም ፥ ንሱ ከኣ መንፈስ ቅዱስ አዩ፥ ቃል ወይ ዘረባ ዝርከብ ሓሳብን ህይወትን ክህሉ ከሎ አዩ ፥ሓሳብ ወይ ልቢ ምስ ኣብ ዉሽጢ ልቦና ዘለዉ ቃላትን አስትንፋስን ሓደ አዩ ፥ ከምኡ ዉን ህይወት ወይ አስትንፋስ ኣብ ዘለዎ ሓሳባትን ናይ ዝርርብ ቃላትን ሓቢሮም ከም ዝህልዉ ፍሉጥ አዩ፥ ከም ኡ ድማ አዞም ሰለስተ ኩነታት ማለት ሓሳብ ናይዝርርብ ቃላትን አስትንፋስን ወይ ህይወት ሓቢሮም ከም ዝነብሩ ማለት ሓደ ካብዚኣቶም አንድሕር ሃልዩ ካልኦት ክህልዉ ግድን አዩ አሞ መረድኢ ስለ ዝኸውን ሰለስቲኦም ብሓድነት አዮም ዝነብሩ አምበር አቲ ሓደ ክቕድም ኣይክአልን አዩ፥ ወይ ድማ ሓደ ብድሕሪት ስዒቡ ክበሃል ኣይክአልን። 

በዚ ኣብነት አዚ ኣብን ፥ ወልድን ፥ መንፈስ ቅዱስን ከም ቋሕ ሰም ዝኣክል ግዜ አኳ ኣይቀዳደሙን አዮም፥ ሓደ ሰብ ዘረብኡ ንሰብ ከስምዕ ዝደሊ ብመልሓሱ ዘረብ ኡ ይገልጽ አሞ ናብ ሰማዕቱ ዘብጽሓሉ ምኽንያት ካብ ሓሳቡ ከይተቛረጸን ከይተፈልየን አዩ። ከም ኡ ድማ ዘል ኣለማዊ ዝኾነ ኣካላዊ ቃል አግዚኣቢሄር ንሱ ድማ ጎይታና አየሱስ ክርስቶስ አዩ፥ ንደቂ ሰብ ክግለጽ ብዝደለዮ ግዜ ካብ አግዝአትነ ቅድስት ድንግል ማሪያም መለኮቱን ትስብ አቱን ኣወሃሂዱ ዝተወልደሉ ምኽንያት ካብ ዘልኣለማዊ ኣቡኡ ከይተፈላለየን ርክቡ ብዘይ ምቁራጽ አዩ። ናይ ስላሴ ሓድነትን ሰለስትነትን ፥ ብነፍስን ብአሳትን ፥ ብጸሓይን፥ ብባሕርን ይምሰል። ነዚኦም ኩሎም ሰለስተ ባህርያት ኣለዎም ፥ ናይ ነፍስና ሰለስትነት ልብን፥ ቃልን፥ አስትንፋስን አዮም ። አዚ ሰብ አዚ ኣአምሮኛ አዩ ክበሃል ከሎ ፥ ልቡ ተዛራቢ አዩ ክበሃል ከሎ ፥ ቃሉ ሕይወታዊ አዩ ክበሃል ከሎ ፥ አስትንፋሱ ምግላጽ አዩ።

 ናይ አሳት ሰለስትነት ፥ ኣካሉ ፥ ብርሃኑ ሙቐቱ አዩ፥ ኣካሉ ማለት ፥ አንሆ አሳት ኣምጽአ ፣ ብርሃኑ ድማ ኣብርሀ፥ ሙቐቱ ድማ ንምውቕ አይሉ ክዝረብ ከሎ አዩ ፥ አዚ ድማ ብኣካሉ ኣብ ፥ ብብርሃኑ ወልድ ፥ ብሙቐቱ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ ። 'ኣብ አሳት አዩ ፥ ወልድ አሳት አዩ ፥ መንፈአስ ቅዱስ ዉን አሳት አዩ ፥ ኣብ ኣርያም ዝነብር ሓደ ናይ ህይወት አሳት አዩ (ቅዳሴ ማሪያም)። 'ናይ ጸሓይ ሰለስትነት ከኣ ክበቡ ፥ ብርሃኑ፥ ሙቐቱ አዩ። ብኽበቡ ኣብ ፥ ብብርሃኑ ወልድ ፥ ብምቐቱ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ ። ምሳሌኡ ብጸሓይ ገበረ ይብል(መዝ.9:4)። ኣብ ጸሓይ አዩ ፥ ወልድ ከኣ ጸሓይ አዩ ፥ መንፈስ ቅዱስ ዉን ጸሓይ አዩ ፥ ሎሊ ኩሉ ዝኾነሓደ ሓቀኛ ጸሓይ አዩ ይብል(ቅዳ. ኣባ ሕርያቆስ)። ናይ ማይ ሰለስትነት ድማ ኣካሉ፥ ጣዕሙ፥ ዛሕሉ(ጠሉ)። ብ ኣካሉ ኣብ ፥ ብጣዕሙ ወልድ ፥ ብዛሕሉ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ ።

 ናይ ባሕሪ ሰልስትነት ከኣ ስፍሓቱ ጠሉ ተንቃሳቃሲነቱ ። ብስፍሓቱ ኣብ ፥ ብጠሉ ወልድ ፥ ብተንቃስሳቃሲነቱ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ ፥ ነገር ግን አዚኣቶም ሓደ ነፍሲ ፥ ሓደ አሳት ፥ ሓደ ጸሓይ ፥ ሓደ ማይ ፥ ሓደ ባሕሪ አዮም ዝበሃሉ አምበር ሰለስተ ኣይበሃሉን፡ ስላሴ ግን ብ ኣካል ብስም ብ ግብሪ ሰለስተ አንተተባህሉ፡ ብባህሪ ብህልውና ብፍቃድን ብመለኮትን ሓደ ደኣሎም አምበር ሰለስተ ኣይበሃሉን አዮም ።'አንዘ አሐዱ ሰለስቱ ወአንዘ ሰለስቱ አሐዱ ይሰለሱ በኣካላት ወይትወሐዱ በመለኮት' ትርጉሙ ድማ ሓደ ከለዉ ሰለስተ ሰለስተ ብ ኣካላት ሰለስተ ብመለኮት ግን ሓደ አዮም ከም ዝበሉ(ሰለስቱ ምአት)። ከምኡ ዉን ኣብ ብልቢ ፥ ወልድ ብቓል ፥ መንፈስ ቅዱስ ብአስትንፋስ፥ ይምሰሉ ፥ ብናይ አግዚኣቢሄር ይቕሬታ ምድሪ መሊኣ ማለት ምድሪ ፈጠረ ። ይኹን ብዝበሎ ቃል ከኣ ሸውዓተ ሰማያት ተፈጢሮም ጽንዑ ኣብሰማኢን ምድርን ዘለዉ ፍጥረታት ብረቂቕ ስልጣኑ ተፈጢሮም ጸኒዖም ይነብሩ (መዝ.33:6 )። አዚ ስለ ዝኾነ ንወዲ ሰብ ብዛክል መጠን ምግላጽን ምርዳአን አዩ አምበር ካብ ፍጡራት ወገን ንስላሴ ዝኣክል ምሳሌ የለን ፥ ዝተመሰለ አንተ ተመሰለ ከኣ(ሕጸጽ)ጉድለት ዘለዎ ምሳሌ አዩ፥'ወኣልቦ ዘይከውን ከማነ ወኣልቦ ዘይትማስለነ አስመ መልዕልተ ኩሉ ንሕነ'። 

ልዕሊ ኩሉ ስለ ዝኾነ ፥ ከማና ክኸውን ወይ ንዕእና ዝመስል የለን ይብል(ቀሌምንጦስ)። ካል ኣይ ከኣ ኣብ ብልቢ፥ ወልድ ብቓል ፥ መንፈስ ቅዱስ ብአስትፋስ ፥ ስለ ዝተመሰሉ ናብ ዝተፈልየ ቃልን አስትንፋስን ፥ ንወልድ ዝተፈልየ ልብን አስትንፋስን ፥ ንመንፈስቅዱስ ካ ዝተፈልየ ልብን ቃልን ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። አንታይ ደኣ አቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ህልዋት አዮም ፥ ኣብ ብልብነት ፥ ኣብ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ህሉው አዩ ፥ ወልድ ብቃልነት ፥ ኣብ ብን መንፈስ ቅዱስን ህልዊ አዩ ፥ መንፈስ ቅዱስ ብ አስትንፋስነት ኣብ ኣብን ወልድን ህልዊ አዩ ፥ ይብል (ፊላቲዎስ ሊቀ ጳጳሳት ዘአስክንድርያ)። ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ ፥ ኣቦ ኸኣ ኣባይ ምህላዉ አመኑ ይበል(ዮሐ. 14:11)። ኣብ ፥ ንወልድን መንፈስ ቅዱስን ልቦም አዩ ፥ ወልድ ኸኣ ን ኣብን መንፈስ ቅዱስን ቃሎም አዩ ፥ መንፈስ ቅዱስ ድማ ን ኣብን ንወልድን አስትንፋሶም አዩ ፥ ስለዚ ብ ኣብ ለባውያን ፥ ብወልድ ነባብያን ፥ ብመንፈስቅዱስ ሕያዋን ይበሃሉ (ኣቡሎዲስ ዘሮሜ)። 

 ስላዚ ስላሴ ከም ሃደ ልቢ ኮይኖም ይሓስቡ ፥ ከም ሓደ ቃል ኮይኖም ዉን ይዛረቡ ፥ ከም ሓደ አስትንፋስ ሕያዋን ኮይኖም ዉን ዝደለይዎ ይፍጽሙ ደኣ አምበር ፍልልይ የብሎምን ። ኣብ ብርአሱ ንበይኑ ዝገብሮ ነገር የብሉን ፥ ወልድ ዉን ብርአሱ ንበይኑ ዝገብሮ ነገር የብሉን ፥ መንፈስ ቅዱስ ዉን ብርአሱ በይኑ ዝገብሮ ነገር የብሉን ፥ አንታይ ደኣ ተግባሮም ሓደ ስለ ዝኾነ ፥ ኣብ ዝፈቐዶ ፥ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ይሰምርዎ ይብል(ኪራኮስ ዘኣንጾክያ)። ሓደ ነገር ከኣ ብሓድነት ኮነ ብሰለስትነት ክረኣዩ ከለዉ አዚ ኣብ አዩ ፥ አዚ ድማ ወልድ አዩ ፥ አዚ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ አዩ ኢካ ፈሊኻ ንምልላይ ኣይከኣ ልን ፥ አንታይ ደኣ ንሓደ ሪኢኻ ምአማን አዩ ዘሎ ፥ ንዓይ ዝረኣየ ን ኣብ ረኣየ፥ ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና ፥ ኣነ ኣብ ኣቦ ህሉው ከምዝኾንኩ ፥ ኣቦ ኸኣ ኣባይ ህሉው ከም ዝኾነ አመኑ ከም ዝበለ(ዮሐ.14:9-11)። 'አመኑ ከመ ኣነ በኣብ ወኣብ ብዩ' አዚ ናይ ብ ኣካላት ሰለስተ ምዃኖም ዘረድአ ክኸውን ከሎ ፥ ናይ ሓድነቶም ነገር ከ ብምንታይ አዩ አንተተባህለ ፥ ብባህርይ ፥ ብመለኮት፥ ብብርሃነ መንግስት ፥ ብ አግዚኣብሔርነት ፥ ብ ኣምላኽነት ይብል፥ መንግስቱ ሓንቲ ዝኾነት ዘልዓለማዊ ሓደ አግዚኣቢሄር ከምዝበሉ (ሰለስቱ ምአት)። 

በዚ ነገር አዚ ድማ ሓደን ሰለስተን ይኾኑ አዮም ፥ ብ ኣካላት ሰለስተ ብመለኮት ሓደ ፥ አዚ አዩ አምነትና ይብል (ባሲልዮስ ዘቂሳርያ)። ኣብ ቅድስት ስላሴ ገዛአን ተገዛአን የለን ፥ ብመለኮት ሓደ ካብቲ ሓደ ዝፍለ ኣይኮነን፥ ብስልጣን ዉን ከም ለኣኽን፥ ተለኣኽን ሓደ ነቲ ሓደ ዝአዝዞ ኣይኮነን ፥ አንታይ ደኣ ብኽብርን ብመለኮትን ማዕረ አዮም ከም ዝበለ (ሳዊሮስ ብሃይማኖተ ኣበዉ)። ምስጢረ ስላሴ ሓደ ግዜ ተነጊሩ ጥራይ ኣይተረፈን አንታይ ደኣ ካብ ዘመነ ኦሪት ጀሚሩ በብግዚኡ ክንገርን ክመሃርን ዝጸንሐ አዩ ። መጀመርታ ስላሴ ን ኣዳም ክፈጥርዎ ከለዉ 'ንግበር ሰብአ በኣር ኣያነ ወበኣምሳሊነ ' በሉ ፥ ንግበር ማለቶም ሰለስተ ምዃኖም ፥ ብመልክዕናን ብምስልናን ኢሎም ከኣ ሓደ ምዃኖም ተዛረቡ(ዘፍ. 1:26)። ከምዚ ድማ ንዑ ንረድ ወንከዕዉ ነገረሙ ለከለዳውያን ፥ ንዑ ንረድ ኢሎም ሰለስትነቶም ተዛረቡ፥ (ንዑ ንግበር ፥ ንዑ ንረድ አዚ አኳ ሓደ ነርባዕተ ንሓሙሽተ ዉን ክብሎም ስለ ዝክአል ናይ ሓድነቶምን ሰለስትነቶምን ኣየረድአን አዩ አንተተባህለ ካብዚ ግልጺ ዝኾነ ቃል፥ )ኣነ አግዚኣቢሄር ኢሉ ሓድነቱ። 

ኣምላኽ ፥ ኣምላኽ፥ ኣምላኽ ኢሉ ሰለስትነቱ ገለጸ(ዘጸ. 3:6)ከምኡ ዉን ነብይ ዳዊት 'ዐቢይ አግዚኣቢሄር ፥ ወዓቢይ ኃይሉ ፥ ወኣልቦ ኁልቅ ለጠቢበሁ''ዓቢ አግዚኣቢሄር ዝበሎ ኣብ፥ ወዐቢይ ኃይሉ ዝበሎ ወልድ ፥ ወኣልቦ ኁልቅ ለጠቢበሁ ዝበሎ ድማ መንፈስ ቅዱስ አዩ።' ኣብካል አ ዓንቀጽ ዉን ከምዚ ይብል፥ ምድሪ ብይቕሬታ ብሕያውነት አግዚኣቢሄር ኣብ ምል ኣት ፥ ብ ኣካላዊ ቅቃል አግዚኣቢሄር ወልድ ሰማያት ተፈጢሮም ጸንዑ፥ ብረቂቕ ስልጣን ኣካላዊ ሕይወት መንፈስ ቅዱስ ከኣ መላአኽትን ደቂ ኣዳምን ጸኒዖም ይነብሩ ኣለዉ ይብል(መዝ.33)። ነቢይ ኢሰያስ ዉን 'ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ አግዚኣቢሄር ጸባኦት ፍጹም ምሉአ ሰማያተ ወምድረ ቅድሳተ ስብሐቲከ፥ ' ቅዱስ፥ ቅዱስ ፥ ቅዱስ ኢሉ ሰለስትነቶም አግዚኣቢሄር ኢሉ ዉን ሓድነቶም ተዛረበ(ኢሳ.6:3)።

ከምኡ ዉን ቅዱስ ገብሪኤል መልኣኽ 'መንፈስ ቅዱስ ኣባኺ ክወርድ አዩ '። መንፈስ ቅዱስ ፥ መንፈስ ቅዱስ አዩ፥ ኃይሊ ማለት ወልድ አዩ ፥ ልዑል ማለት ኣብ አዩ ፥(ሉቃ.1:35)ዮሐንስ ዉን ብራአዩ 'አለ ጽሑፍ ዉስተ ፍጹሞሙ ስሙ፥ ወስመ ኣቡሁ ፥ ወስመ ቅዱስ መንፈሱ ' ይብል(ራአ.14:1)። ልዕሊ ኹሉ ድማ ሽሕ ፈልጺ ፥ መአሰሪኡ ልሕጺ ከም ዝበሃል ፥ ባዕሉ ጎይታና 'ከተጠምቕዎ ከለኹም ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣጠምቕዎም ኢሉ ሰለስትነቶም ኣረዲኡ ኣሎ (ማቴ.28:19)። ትአዛዛተይ ዝሕሉ አንተልዩ ኣቦይ ከፍቅሮ አዩ ፥ ናብኡ መጺአና ማሕደር ክንገብሪና ምስ በለ ፥ አቲ ኣቦይ ብስመይ ዝሰዶ መጸናኖኢ መንፈስ ቅዱስ ንሱ ኹሉ ክምህሮም አዩ ኢሉ ገሊጿሎ (ዮሐ.14:23-26)። ይኹን ደኣ አምበር ናይ ስላሴ ሓድነትን ሰለስትነትን ምስጢር ናይ ፍጡር ልቢ መርሚሩ ስለ ዘይረክቦ 'ንኣምን ዘአንበለ ተኃሥሥ፥ ' ካብ ዝተጻሕፈልና ከይሓለፍና ብዘይምምርማር ንአመን ኢሎም ኣለዉ ፥ (ሠለስቱ ምአት)'ኢንኃሥሥ ዐበያቲሁ ወኢንጠናቀቅ ማዕምቅቲሁ'

 ኣባ ሕርያቆስ ዉንጎይትነቱን ኦቤቱናይንመራመር ይብል። አዚኣቶም ዝበልዎ መሠረት ብምግባር ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ምምርማር ገዲፍና ዝተጻሕፈልና ጥራይ መርሚርና ተረዲ አና ንስኻትፈልጥ ኢልና ሃይማኖትና ምስናይ ተግባሩ ኣጽኒዕና ክንሕዝ ይግብኣና። 

ብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና  ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


 ምስጢረ ስላሴ ካብ ብዙሕ ብዉሑድ አዚ አዩ ።        

ስብኃት ለእግዝኣብሔር ልዑል

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና