ምጽዋት_ብኸመይ_ንህብ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜንንን
ምጽዋት
ምጽዋት
ምጽዋት_ብኸመይ_ንህብ
ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጽር መቐበል
ምጽዋት ተቐሚጡ፥ እቶም ሰብ ኣብቲ መቐበል ምጽዋት ከመይ ጌሮም ገንዘብ ከምዘውድቑ ዝነበሩ ይርኢ ነበረ [ወንጌል
ማርቆስ=2፥41-44] እግዚአብሔር ኣብ አንህበሉ እዋን ልዕሊ መጠን ገንዘብና ንድሌታትናን ስምዒታትናን ይዕዘብ። ኣቤልን ቃኤልን
ክልቲኦም ናብ እግዚአብሔር መስዋእቲ ኣቕረቡ፥ እግዚአብሔር ግን ናይ ኣቤል ጥራይ ተቐበለ [ዘፍ=4፥4-5] ።
ኣብ_ዕዳ_ከምዘለኻ_ኣይትረስዕ ምጽዋት ክንህብ እንከለና ነቲ ኩሉ እንውንኖ ነገራት ንዝሃበና ኣምላኽና ንእሽቶ ክፋል ዕዳና
ንመልሰሉ ከምዘለና ምስትብሃል የድልየና። ነቢይ ዳዊት ንቤት እግዚአብሔር መስርሒ ዝኸውን ወርቅን ብሩርን ኣብ ዝእከበሉ ዝነበረ
እዋን ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ “ከምዚ ብፍታው ከነቕርብ ዝኸኣልናስ፡ ኩሉ ካባኻ ደኣ እዩ፡ ካብ ኢድካ'ውን ኢና ሂብናካ ዘሎና
እሞ፡ ኣነ መን እየ እዞም ህዝበይከ እንታይ እዮም [1ይ ዜና=29፥14] እግዚአብሔር ኩሉ እንውንኖ ነገራት ሃበና።
ስለዚ ንሕና
ካብቲ ዝሃበና ገለ ንዕኡ ህያብ ብምሃብ ምስጋናና ክንገልጽ ግቡእ እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽና ነገራዊ ህያባት ጥራይ ዘይኮነ
ሂቡና ብዓቢኡ ምእንቲ ድሕነትና ገዛእ ርእሱ ኣብ መስቀል ከም መስዋእቲ ኣሕሊፉ ሂቡና እዩ።
“ከመይ ካብቲ ካብ ኣቦታትኩም
ዝወረስኩምዎ ከንቱ ዝኾነ ህይወት፡ ብደም እቲ ኣበርን ርኸሰትን ዘይብሉ ገንሸል፥ ማለት ብኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ዝደሓንኩም፡
እምበር ብጠፋኢ ነገር፥ ብብሩር ወይ ብወርቂ ከምዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም [1ይ ጴጥ=1፥18-19) "ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ
ትፈልጡ ኢኹም፡ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ክትህብትሙ፡ ሃብታም ከሎ ምእንታኻትኩም ደኸየ” [2ይቆሮ=8፥9]
ብናይ_ፍቕሪ_መንፈስ_ሃብ ፍቕሪ ንዝኾነ ምግባር፥ ከም መንፈስ ንኣካል እያ።
መንፈስ ዘይብላ ኣካል ምውትቲ እያ፡ ናይ ፍቕሪ
መንፈስ ዝጎደሎ ዝኾነ ምግባር ከኣ ከንቱን ዘይረብሕን እዩ። እቲ ንኻልኦት ዘየፍቅር ኣማኒ ከኣ ሰዓቢ ናይቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝበለ
ጐይታ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተኣላትኩም በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኩሉ ኪፈልጥ እዩ” [ወንጌል
ዮሓንስ=13፥35]
“ግናኸ ዝኾነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ከሎ እናረኣዮ እንተዘይደንገጸሉ፡ ከመይ
ኢሉ ደኣ ንኣምላኽ ኣፍቅር እየ ኪብል ይኽእል፧ ኣቱም ደቀየ ብግብርን ብሓቅን እምበር ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር [1ይ
ዮሓንስ=3፥17-18] ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ'ውን ከምዚ ይብለና ሓው ወይ ሓብቲ እንተዓረቑ ናይ ዕለት ምግቢ'ውን እንተሰኣኑ፡
እሞ ሓደ ካባኻትኩም ንስጋኦም ዘድሊ ከይሃበ ብሰላም ኪዱ፥ ሙቑ ጽገቡ እንተበሎም እንታይ ይጠቅም፧" ያዕ=2፥5-16] ነቲ
ንኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔዋንን ዕርቃኖም ምእንቲ ኪሽፍኑ ዲኖ ገይሩ ዝኸደኖም እግዚአብሔር ኣምላኽና ኪንመስሎ ይግበኣና።
[ዘፍ=3፥2] ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ተግባራት ልግሲ ክሳብ ክንድምንታይ ምስ ፍቕሪ ይዛመዱ ንምግላጽ “ኩሉ ገንዘበይ ንድኻታት
እንተዝዕድል፥ ስጋይ'ውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ ኣንተዝህብ ግና ፍቕሪ እንተዘይብለይ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ” ይብል
[1ይቆሮ=13፥3] ብተወሳኺ ኣብ መሃልየ መሃልይ'ውን “ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት እኳ ከጥፍኣ ኣይክእልን፡ ወሓይዝ ከኣ ኣየስጥማን፥
ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ኹሉ ጥሪት ቤቱ ዚህብ እንተዝህሉ ኣዝዮም ምነዓቕዎ ነይሮም [መሃ=8፥7] ብፍቓድካ_ሃብ ምሃብ ብስክፍታ
ወይ ብጸቕጢ ካልኦት ሰባት ክኸውን ኣይግባእን። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ልግሲ መቄዶናውያን ኪዛረብ እንከሎ “ብብዙሕ ጸበባ
ተፈቲኖም ኃሊፎም እዮም።
እንተኾነ ሕጉሳት ስለዝኾኑ ኣዝዮም ድኻታት እኳ እንተኾኑ ኣዝዮም ለጋሳት እዮም” [2ቆሮ=8፥2]
ርእስኻ_ብምኽሓድ_ሃብ ጐይታ ብምስጢርን ብዘይጃህራን ኪንህብ ከምዝግበኣና ንኸረድኣና ከምዚ ብምባል ይምዕደና “ብሰብ ምእንቲ
ክትረኣዩ ኢልኩም ጽድቅኹም ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተዘይኮነ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። እምበኣርከ
ንስኻ ክትምጽውት ከሎኻ፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኪንኣዱ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣባይቲ ጸሎትን ዓበይቲ መንግድታትን ከምዝገብርዎ
ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይትንፋሕ። ዓስቦም ከምዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
ንስኻ ግና ምጽዋትካ ብኅቡእ ምእንቲ ኪኸውን፡
ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፡ እቲ ብስዉር ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ”
[ማቴ.6፡14] ሰባት ኪንእዱና ከለዉ ሰማያዊ ዓስብና ንኸስሮ። የማነይትኻ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ ማለቱ፥ አትገብሮ
ልግሲ ብሰብ ኪረኣየልካን ኪፍለጠልካን ዘይምድላይ ማለቱ እዩ። ሰባት ኪርእዩልና ባህጊ እንተዘይብልናን እንተዘይሓሰብናን ግን ወላ
ኣሽሓት ሰባት እንተረኣዩና ኣምላኽ ንመስዋእትና ይቕበለልና እዩ። ብፍላይ ከኣ ካብ ንጹህን ፈቃርን ልቢ ዝመንጨወ ምስዝኸውን።
ነቲ ርስቲ ካብ ጐይታ ከም ዓስቢ ከምእትቕበልዎ ፈሊጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኮነስ ንጐይታ ከምእትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ
ልቢ ግበርዎ፡ እቲ እተገልግልዎ ሓቀኛ ጐይታ ክርስቶስ እዩ” [ቆሎ=3፥23-24] ዓቕምኻ_ከሳብ_ዝፈቐዶን_ብልግሲን_ሃብ ከምኡ
ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፥ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ።
ወንጌል ሉቃስ=17፥10 ከም ደቂ ኣምላክ መጠን ነቲ ንስኻ ከምዚ እንዲኻ ከይበለ ንኹሉ ብልግሲ ዝህብ ኣምላኽ ይለምኖ ንሱ ውን
ክህቦ እዩ።
ስለዚ ን ኣምላክ ክንመስሎ ክንፍትን ይግበኣና። ያዕ=1፥5 #ሰብ መቄዶንያ ብልግሲ ይህቡ ነበሩ “ብብዙሕ ጸበባ
ተፈቲኖም ኃሊፎም እዮም።
እንተኾነ ሕጕሳት ስለዝኾኑ ኣዝዮም ድኻታት እኳ እንተኾኑ ኣዝዮም ለጋሳት እዮም [2ይቆሮ=8፥2] እቲ
ሓዋርያ ከኣ ነቲ ድኸነቶም ከም ልግሲ ቆጺሩ ከምዚ ክብል ገሊጽዎ ይርከብ “ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዓቕሞም አረ ሓለፋ ዓቕሞም
ከምዝለገሱ እምስከረሎም ኣሎኹ። ኣብ ኣገልግሎት
ቅዱሳን'ውን ኪሳተፉ ግደ ኪወሃቦም ኣበርቲዖም ለመኑና። ከምቲ ንሕና ዝተተስፈናዮ
ዘይኮነ ኸኣ ቅድም ንጐይታ ድኅሪኡ ከኣ ንኣና ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገዛእ ርእሶም ወፈዩ¨ [2ቆሮ=8፥35] እታ ናይ መወዳእታ
መስመር ሓሳብ ከኣ ነቲ ብብዝሒ ናይ ምሃቦም ምስጢር ትገልጽ፡ እዚ ከኣ ገዛእ ርእሶም ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ብምውፋዮምን ካብ
ፍቕሪ ንዋይ(ንብረት) ብምፍላዮምን እዩ።
ብሓጐስ_ሃብ እቲ ሓዋርያ ከምዚ ይብል “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ
ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኮነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዚሓለኖ ይሃብ” 2ቆሮ=9፥7] ንድኻ ሰብ ኣብ እትረኽበሉን ኣብ እትምጽውተሉን
ወይ ሓገዝ ኣብ እትህበሉን እዋን ሰሓቢ ዝኾነ ፍሽኽታ ምህላው መርኣያ ናይ ንጹህ ልቢን ነቲ ደላዪ ሓገዝ ብዘይምስትንዓቕ
ንምሕጋዝ ዘሎካ መንፈስ ዘነጽርን እዩ። ካብ ሕጋውን ቅኑዕን ኣታዊታትካ ሃብ ቀኖና ቤተክርስቲያን ምጽዋት ወይ ህያብ ክፉኣት
ሰባትን ዘይኣመንትን ክንቅበል ከምዘይግባእ ይነግረና። ምኽንያቱ ፍረ ሓጢኣትን ዘይፍቑዳትን ካብ ዝኾኑ ስርሓት ንኣምላኽ ዝቐርብ
መስዋእቲ፡ ንኣምላኽ ምውራድ እዩ ዚቑጸር።
ቅዱስ_ዮሓንስ_ኣፈወርቅ'ውን “ዘይንጹህ መስዋእቲ ብኣምላኽ ቅቡል ስለዘይኮነ፡
እነቕርቦ መስዋእቲ ካብ ሕጋዊ ኣታዊታትናን ሓቀኛ ክፍሊትና ክኸውን ይግባእ” ብምባል ይምህረና። ኩሉ እንምጽውቶ ብ ህያባት ኮነ
ንዋያት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብጺሑ ሓጢኣትና መደምሰሲ መንግስቱ መውረሲ ይግበረልና። ናይ ኣምላኽና ምሕረት፡ ኣማላድነት ናይ
እመ ብርሃን፡ ጸሎት ናይ ኩሎም ሕሩያን ቅዱሳን ምስ ኩልና ይኹን ኣሜን።
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሃት ለእግዚአብሔር ልዑል ወለ ወላዲቱ ድንግል
ማርያም ወለ መስቀሉ ክቡር ኣሜን ኣሜን ኣሜን።

Comments
Post a Comment