፳ 20 ዓለማት
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን!!!
ብመሰረት ትምህርትን እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ፳(20) ዓለማት ዘረድእ ጽሑፍ
ዓለማት ካብ ንፋስ ፡ካብ እሳት ፡ ካብ ማይ ፡ ካብ መሬት ተፈጢረን። ካብዘን20 )፳ ዓለማት 9)፱ ናይ እሳት ዓለማት ፡5) ፭ ናይ መሬት ዓለማት፡4 )፬ ናይማይ ዓለማት፡ 2)፪ ናይ ንፋስ ዓለማት ኢየን።
፱(9) ዓለማተ እሳት
1)፩. መንበረ መንግስ (ጾበዖት)ናይ ኣጋእዝተ ዓለም ስላሴ መንበር ዝፋን ኮይኑ ናይ መጀመርያ ሰማይ ኢዩ።4)፬ ፍጥረታት ማለት 4)፬ እንስሳ( ኩሩቤል) ጸወርቲ መንበረ ወይ ዝፋን ኢዮም።ምስኣቶ ካኣ 24)፳፬ ካህናተ ሰማይ ብዘይ ዕረፍቲ ዘመስጉኑ ኣለዉ።
2)፪. ሰማይ ውዱድ ማለት ዝተሰማመዐ ሰማይ ማለት ኢዩ።ቅዱሳን መልኣክት መስዋእት ዝስውእሉ ስፍራ ኢዩ።ስራፊኤል ውን ኣብ ይርከቡ ኢዮም።
3)፫. ጸርሃኣርያም ኣብኡ ካኣ ኣጎልጉሎት ይካየድ ኢዩ ወርቂ ከበሮ፡ወርቂ ሞቆምያ ሕዞም ፍርቆም ብልመና ፡ ፡ ፍርቆም ብስግደት፡ ፍርቆም ብምስጋና የገልግሉ። ስለዚ ካኣ ከም ቅድስት ቤተክርስትያን ኮይነን ይስርሓ መንበረ መንግስት ከም መቅደስ ፡ ሰማይ ውዱድ ከም ቅድስት ፡ጸርሃኣርያም ካኣ ከም ቅኔ ማሃሌት ብፍቅድ ኣምላክ ተሰርሓ እኩል ዝኮነ ስፍሓት ካኣ ኣለወን ።
4)፬. ኢዮርሳሌም ሰማያዊት ናይ ሳጥናኤል መንበሪት ዝተፈጥረት ኢዩ። ሳጥናኤል ምስ ወደቀ ግን ንሰብ ዝተዋህበት ስፍራ ኢያ ። ኣዳም ውን ክነብረላ ኣይ ከኣለን ማለት ወደቀ።
5)፭. ኢዮር ካብ ፫ ዓለመ መልኣክት ሓንት ኢያ።
ኣብ ኢዮር ፬+ ከተማ መልኣክት ፵ ነገደ መልኣክት
ኣብ ፩ይ ከተማ መልኣክት ፲ ነገደ ኣጋዝት ሓለቃ ሳጥናኤል ይብሃል።
ኣብ ፪ይ ከተማ ፲ ነገደ ኩርቤል ሓለቃ ካኣ ኩሩብ ይብሃል።
፫ ይ ከተማ መልኣክት ፲ ነገደ ስራፍኤል ሓለቃ ስራፍ ይብሃል።
፬ይ ከተማ መልኣክት ፲ ነገደ ሓይላት ሓለቃ ቅዱስ ሚካኤል ይብሃል።
6)፮. ራማ ኣብ 3)፫ ከተማ መልኣክት ትክፈል።
1)፩ ይ ከተማ መልኣክት10) ፲ ነገደ ኣርባብ ሓለቃ ቅዱስ ገብርኤል ይብሃል።
2)፪ ይ ከተማ መልኣክት 10)፲ ነገደ መናብርት ሓለቃ ቅዱስ ሩፋኤል ይብሃል።
3)፫ይ ከተማ መልኣክት 10)፲ ነገደ ስልጣናት ሓለቃ ሱሪያል ( ቅዱስ ዑራኤል)ይበሃል።
7)፯. ኢረር ኣብ3) ፫ ከተማ መልኣክት ትክፈል።
1)፩ ይ ከተማ መልኣክት 10)፲ ነገደ መኳንን ሓለቃ ሰዳካኤል ይብሃል። ንደቂ ሰባት ዝሕሉ ኢዩ።
፪ ይ ከተማ መልኣክት 10)፲ ነገደ ሊቃናት ሓለቃ ሰላታኤል ይብሃል። ንእንስሳታት ዝሕሉ ኢዩ።
፫ ይ ከተማ መልኣክት 10)፲ ነገደ መልኣክት ሓለቃ ኣናኤል ይብሃል። ንኣዝርእቲ ዝሕሉ ኢዩ።
8)፰. ምድሪ ሓደረ ኮሬብ(( ጋነብ እሳት))ይብሃል እሳታዊ ንፋስ ዝተከበ ኢዩ ድሕሪ ውቅያኖስ ካኣ ይርከብ።ሕይወታውያን ኣይነብሩሉን ኢዮም።
9)፱. ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ ኮይኑ ማይ ዝስከም ናይ ዓለመ እሳት ኢዩ። ንምድሪ ኣጽኒዑ ዝሕዝ ኢዩ ማይ ካኣ ንእሳት ኣጽኒዑ ዝሕዝ ኢዩ። ማይ ዓለመ እሳት ማይ ዝሽከም ኢዩ።
5)፭ ዓለማተ መሬት
1)፩. ብሔረ ብጹዓን ኣብዚ ስፍራ እዚ ሰባት ይነብሩ ኢዮም ይመራዓዉ ኢዮም ይዋለዱ ካኣ ኢዮም ። ሰብኣይን ሰበይትን 3)፫ ግዜ ጥራይ ርክብ ይራከቡ።3) ፫ ቆልዑ ካኣ ይወልዱ።እቲ ቀዳመይ ዝውለድ ንኣጎልጉሎት ኢዩ እቶም2) ፪ ካኣ ዘርኢ መተክኢ ኢዮም። እዞም ኣብዚ ዝነብሩ ኣብ ዘበነ ብነቢይ ኤርምያስ ዝዓረጉ ኢዮም። ቅዱስ ማቴዎስን ቅዱስ ዘስማስን
2)፪. ብሔረ ሕያዋን ዝተሰወሩ ኣቦታት ዝርከብሉ ከምኡ ውን ንዖኦም ዝሕልዉ መልኣክት ክሳብ ምጽኣት ዝነብሩሉ ስፍራ ኢዩ። ከም ገዳም ካኣ ኢያ ኣይዋለዱን ኣይውልዱን ኢዮም። ኣይምርዓውን ውን ኣብነት ሄኖክ ፡ኤልያስ ፡ የሐንስ ወንጊላዊ ፡ ኣቡነ ኣርጋዊ
3)፫. ገነት ካብ ምድሪ ንየማን ወገን ትርከብ። ሓጥያት የብላን ። ናይ ጻድቃን ነብሳት ፡ኣዕዋፍ ፡ መልኣክት፡ ዕጽዋት ኣለዋ። ናይ ጻድቃን ነብሳት ክስብ ምጸኣት ዓለም ክጸንሑ ኢዮም ብድሕሪዚ ናብ ሰማያዊት ኢዮርሳሌም ክሓልፉ ኢዮም። ካብ ገነት 4)፬ ወሓይዝ እለዉ ንሳቶም ካኣ ጥግሪስ፡ እፍራጥስ፡ ግዮን፡ ፊሶን ኢዮም።
4)፬. ምድሪ (መሬት ) ኣብዚ ምድሪ ሓጥኣን ፡ጻድቃን ፡ መልኣክት ፡እንስሳታት ፡ኣራዊት፡ ኣጋንንት ዝነብሩላ ኢዮም። ምድር ብዕለተ እሁድ ተፈጢራ
5)፭. ሲኦል ካብ ምድሪ ንጸጋም ወገን ትርከብ።
ጽልማትን ጽድቂ ዘይርከባ ስፍራ ኢያ።ኣካላ ምድሪ ኢዩ። ብባህሪኡ ሓዊ ኣብ ዘለወሉ ብርሃን ኢዩ ኣብ ሲኦል ግን ብኣጻር ኢዩ ሓዊ እናሃለወ ጸልማት ኢዩ።
4)፬ ዓለማተ ማይ
1)፩. ሃኖስ ኣብ ትሕቲ ኢረር ትርከብ። ብማይ ዘዕለቅለቀ ኢዩ ፍጥረት የብላን
ማይ ከይ ፈስስ ባቢል ዝብሃል ንፍስ ኣሎ።ንሱ ካኣ ተሰኪምዎ ኣሎ ሃኖስ ስፍሓቱ ማዕረ ምድሪ ኢዩ።
2)፪ . ጠፈር ካብ ሃኖስ ንታሕቲ ካብ ውቅያኖስ ንላዕሊ ኮይኑ ዓለመ ማይ ኢዩ ።ማይ ካኣ የርግእ ኣብኡ ዝነብር ፍጥረት የለን።
3)፫ . ውቅያኖስ ኣብ ዝርያ ምሉእ ሕዙ ይርከብ ብዙሓት ኣደነቅት ፍጡራን ኣለዉ ኣብ መንጎ ምድሪ ክልተ እንስሳ ሂዋታን ሌዋታን ዘርኢ ገበል ኣለዎም ሃልፍ ዝብሃል ፍርቂ ኣካሉ ገበል ፍርቂ ኣካሉ ካኣ ሰብ ኢዩ።
4)፬. ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ ማይ ኢዩ ፍጥረታት ኣይነብሩሉን ኢዮም ግን ክሳብ ምጽኣት ንምድሪ ዝስከም ኢዩ።
2)፪ ዓለማተ ንፋስ
1ኣኣ)፩. ባቢል ኣብ ሄኖስ ዝብሃል ንማይ ተሸኪሙ ክሳብ ምጽኣት ዝጸንሕ ኢዩ። ፍጥረታት የብሉን ኣይንቀሳቀስን ካብ ጠፈር ንላዕሊ ካኣ ይርከብ።
2)፪. ንእሳት ዝተሰከሙ ክሳብ ግዜ ምጽኣት ዝጸንሕ ንፋስ ኢዩ ። እዚኦም ካኣ 12)፲፪ ኢዮም። እቶም4) ፬ ናይ ምሕረት ንፋስ ይበሃሉ ። እቶም8)፰ ካኣ ናይ መዓት ንፋስ ይብሃሉ። እቶም4) ፬ ሕጂ ዘገልጉልና ዘለዉ ኢዮም። እቶም 8)፰ ግን እግዝኣብሔር ኣብ ዝተቆጠዓሉ ዝለኣኩ ኢዮም ከም በዓል ምጽኣት ዓለም ዝኣመሰሉ ኢዮም። ኣሜን
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።

Comments
Post a Comment