ነገረ ዕርገት ዘእግዝእትነ ድንግል ማርያም



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜን ።



ነገረ ዕርገት ዘእግዝእትነ ድንግል ማርያም




እንቓዕ ናብ በዓለ ዕርገታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሰላም ኣብጸሓና ።

"ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የዓጽብ ለኩሉ"



ምስባክ ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል እግዚ አብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወክ ወይረድኣ እግዚአብሔር ፍጽመ። መዝ.45፣4-5። ሮሜ .8፣31- ፍጻሜ ። 2ይዮሓ.፣1፣1-7። ግ,ሓዋ, 1፣12-15 ወንጌል. ማቴ.26፣-26-31። ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ዝርከቡ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከምዝነጉርናን ኣብ እዋን ጾመ ፍልሰታ ብብዝኂ ዝነገረሉ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዕረፍታ ከምዚ ይመስል። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍታ ምስ ኣኸለ ሓዋርያት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ናብ ዝዓርፈሉ ጌቴሰማኒ መካነ ዕረፍቲ ሒዞማ እንዳኸዱ ከለው፣ ኣይሁድ ብናይ ቅንኣት መንፈስ ተላዒሎም << ኣቀዲሙ ንወዳ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ሙታን ተንሲኡ፣ ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቱ (40) ናብ ሰማይ ዓሪጉ፣ ዳሕራይ'ውን ተመሊሱ መጺኡ ነዛ ዓለም ክፈርዳ እዩ። >> ኢሎም ብምምሃር ንኹሉ ህዝቢ ወሲዶሞ እዮም። ሕጂ ከኣ ስቕ ኢልና እንተገዲፍናዮም ንኣዲኡ'ውን ከም ወዳ ተንሢኣ ዓሪጋ እንዳበሉ እንዳምኃሩ ከይህውኹና ብምባል ብትዕቢትን ቅንኣትን መንፈስን ተላዒሎም ፣ << ንዑ ተኣከቡ እሞ ብሓዊ ነቃጽላ ኢሎም።>> ብምባል ተማኺሮም መጹ። ካብ መንጎኦም ከኣ ታውፋንያስ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ጎበዝ መንእሰይ መሪጾም ከቃጽል ለኣኽዎ። ንሱ ከኣ ነቲ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሥጋኣ ዝዓረፈትሉ ክሕዝ ኢዱ ምስ ሰደደ ሓዞ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ መልኣኽ መጺኡ ብሰይፊ ሓዊ ጌሩ ንኽልተ ኣእዳዉ ቆረጸን ። እተን ኣእዳዉ ከኣ ኣብቲ ዓራት ተንጠልጢለን ተረፋ። ታውፋንያስ ሽዑ ንሽዑ ብዝገብሮ በደል ኣዝዩ ተጣዒሱ ናብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስለዝለመነን ዝተማኅጸነን ብሕቡእ ተኣምር ነተን ዝተቆርጻ ኣእዳው ብኢደ ቅዱስ ጴጥሮስ ጌራ ከም ዝነበርኦ ከም ቀደመን ጌራ ፈወሰትሉ። ሽዑ መልኣኽ እግዚአብሔር ሥጋ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ብሓንሳብ ሒዙ ናብ ገነት ወሰዶም። ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሂወት ከኣ ኣቀመጦም። ቅዱስ ዮሓንስ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ናብ ቅዱሳን ሓዋርያት ምስ ተመልሰ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ከምዝዓረፈት ነገሮም። ሓዋርያት'ውን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሥጋ ረኺቦም ሓመድ ኣዳም ንምልባስ ካብ ዝነብሮም ክቱር ድሌት ዝለላዕለ ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ጀሚሮም ክጾሙን ክጽልዩን ድሕሪ ምቅናይ፣ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ (14) ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ሱባኤ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሓድሽ ንኸዕርፉዋ ስለዝሃቦም ብዝዓበየ ዝማሬን ውዳሴን ብጽኑዕ ምህልላን ወሲዶም ኣቀዲሙ ኣብ ዝተዳለወላ መካነ ዕረፍቲ ኣብ ጌተሰማኒ ቀበርዋ። ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሥነ ሥርዓት መግነዝታን ቀብራን ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ካብቶም ዓሰርተ ክልተ (12) ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ኣይነበረን ። ቅዱስ ቶማስ ካብ ሃገረ ስብከቱ ህንድኬ ብደመና ተጻዒኑ ናብ ኢዮርሳሌም እንዳመጸ ከሎ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ዝተቐብረትሉ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ ከም ትንሣኤ ወዳ ተንሢኣ ክትዓርግ ይረኽባ። ኣብቲ እዋን ንትንሣኤኣ ካልኦት ሓዋርያት ርእዮም ንሱ ጥራይ ዝተረፈ መሲልዎ ሓዚኑ << ወፈቀደ ይደቅ እም ደመናኁ። ካብቲ ደመና ክወድቅ ተመንዩ።>> ቅድም ናይ ወድኺ ትንሣኤ፣ ሕጂ ድማ ናትኪ ትንሣኤ ከይረኣኹ እዚ ዕድል እዚ ንካልኣይ ግዜ ክስእኖ እንዳበለ ካብቲ ዝተጻዕኖ ደመና ክወድቅ ደለየ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከኣ ብዘይክኡ ካልኦት ሓዋርያት ትንሣኤኣ ከምዘይረኣዩ እሱ ጥራሕ ትንሣኤኣ ከምዝረኣየ ብምንጋር ኣጸናንዓቶ። ከይዱ'ውን ንኹሉም ኣሕዋቱ ሓዋርያት ኩሉ እቲ ዝኾነ ክነግሮም ሓቢራ። ንምልክት ምእንቲ ምስክር ክዀኖ መግነዚ (ሰበን) ሂባቶ ናብ ሰማያት ዓረገት። ቅዱስ ቶማስ'ውን ሓዋርያት ናብ ዘለውዎ ናብ ኢዮርሣሌም ምስ በጽሐ << ነኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ቀቢርናያ >> ኢሎም ነገርዎ። ንሱ'ውን ፈሊጡ ነቲ ምሥጢር ሓቢኡ። << ሞት ብጥሪ ፣ቀብሪ ብነሓሰ ከመይ ይኸውን።>> በሎም << ንስኻ ብቀደሙ'ውን ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ተጠራጢርካ ሕጂ'ውን ኣይትኣምንን ኢኻ።>> ኢሎም ቅዱስ ጴጥሮስ እንዳመርሖም ናብቲ መካነ ዕረፍቲ ከርእይዎ ሒዞሞ ከዱ። ከርእይዎ ኢሎም መቓብር እንተኸፈቱ ከኣ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሰኣንዎ። በዚ ከኣ ሰንበዱ። ኣብቲ እዋን ቅዱስ ቶማስ << ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከምዝዓረገት ነገሮም።>> ኩሉ እዚ ዝኾነ'ውን ብዝርዝር ነግሮም፣ ንምልክት ክኸወን ዝሃበቶ መግነዚኣ'ውን ኣርኣዮም። ኩሎም ሓዋርያት'ውን ነዚ መግነዝ ንበረከት ክኾኖም ቆሪጾም ተማቒሎም ነናብ ሃገረ ስብከቶም ከዱ። ኣብ ዓመቱ ድማ ንትንሣኤኺ ቅዱስ ቶማስ ርእዩ፣ ንሕና ንምንታይ ተርፈና ኢሎም ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣተዉ። ኣብ መበል 16 መዓልቲ ክልተ ሱባኤ ድሕሪ ምፍጻሞም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝለምንዎ ልመና ተቀቢሉ። ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም መንበር ፣ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንፍቀ ካህን፣ ንቅዱስ እስቲፋኖስ ገባሬ ሠናይ ዲያቆን ጌሩ ቀዲሱ ንኹሎም ድሕሪ ምቁራቡ፣ ንናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕርገት ንምርኣይ ኣብቂዕዎም እዩ። ካብቲ እዋን እቲ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያና ሥርዓት ሰሪዓ፣ ካብተን ሸውዓተ ኣጽዋማት ከም ሓደ ጌራ፣ ዓቢ ናይ በረኸትን ምሥጢርን መግለጺ ዝኾነ ጾመ ፍልሰታ ትጸውም። ብጽኑዕ ንዝደልይዎን ኣኺሉን ተሪፉን ዝወሃብ ጸጋን በረከትን እግዚአብሔር ንምርካብ፣ ሓዋርያት ንዝረኣይዎ ዘደንቅ ምሥጢር ትንሣኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንምርኣይ፣ ካብ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት በረከት ንምስታፍ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ << ደቂቅየ። ደቀየ። >> ይብሎም ዝነበሩ ሓዋርያት ኣብነት ብምግባር ህጻናት፣ መንእሰያት፣ ኣረጋውያን ኣቦታት ኣዴታት ምምጻእ ጾመ ፍልሰታ ብተስፋ እንንዳተጸበዩ በብዓመቱ ብጾምን ጸሎትን ምህለላን ስግደትን የሕልፍዎ። ኣብዚ እዋን መዘከርታ ትንሣኤን ዕርገትን ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም (ጾመ ፍልሰታ) ብዙሓት ካብ ቤቶም ተፈሊዮም ብሱባኤ ተወሲኖም፣ ዓራቶም መንጸፎም ገዲፎም ኣብ መሬት ብምድቃስ፣ ጥረምረ ማይን ጥራሕ እንዳጠዓሙ ብጾምን ብጸሎት ብምትጋህ ብዓቢ ተጋድሎ ብምጻም በረኸት ይረኽቡ። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፣ ዕርገት ፍሉይ ምሥጢር ዝኾነሉ ብመሠረት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትንሣኤ ጊዚያውን ዘልዓለማዊን ብምባል ይፍለጥ። ጊዚያዊ ትንሣኤ ዝብሃል ናይ እግዚአብሔር ከኃሊነት ዝግለጸሉ ተኣምራታዊ ስራሕ ኰይኑ ኣብ ዝተወሰኑ ሰባት ዝፍጸም እሞ ዳግማይ ሞት ዘስዕብ እዩ። ንኣብነት ኤልያስ ዘተሥአ ወዲ'ታ መበለት 1ይነገ.17.8-24። ዓጽመ ኢልያስ ዘተሥኦ ሰብኣይ 2ይነገ. 13-21-21። ትንሣኤ ወለተ ኢያኢሮስን ማቴ. 9፣8-26። ኣብ ዕለተ ሥቅለት ካብ መቓብር ወጺኡ ኣብ ቅድስተ ከተማ ዝተረኣዩ ሙታን ማቴ.27፣52-53። ብናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎትን ኣማላድነትን ዝተንሥአት ጣቢታ ግ.ሓዋ.9፣36-41። ከሙኡ ከኣ ትንሣኤ ኣልኣዛር ምጥቃስ ይከኣል እዩ። ኣልኣዛር ድሕሪ ሙማቱ ኣብ መበል ራብዓይ መዓልቲ ከምዝተንሥአ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ጺሒፉ እዩ። << እዚ ምስ በለ ኣልኣዛር ንዓ ናብ ወጻኢ ውጻእ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። እቲ ምውት ብግኑዙ ኣእዳውን ኣእጋሩን ብእሱሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጒኑ ኸሎ ወጸ ። ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ በሎም። >> ዮሓ.11፣43-44። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከተንሥኦ ከሎ ንኽሪእዩ ኣብቲ ከባቢ መቓብር ዝነበሩ ኣይሁድ ድሕሪ ሙማቱ ኣብ መበል ራብዓይ መዓልቱ ምትሥኡ ብምርኣይ ተደኒቆም፣ ኣሓት ኣልኣዛር ብጣዕሚ ተሓጎሳ። ሞተ ኣልኣዛር ግና ጊዚያዊ እዩ ኔሩ ኣብዛ ምድሪ ክነብረሉ ዝተዋህቦ ዕድመ ምስ ወደኣ ዳግማይ ዓሪፉ እዩ። ንመጻኢ ትንሣኤ ዘጉባኤ ይጽበ። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ትንሣኤ ፍሉይ ናይ ክብርን ሕይወትን ትንሣኤ ክኸውን ከሎ ካልኣይ ሞት ዘየስዕብ እዩ። ትንሣኤ ዘጉባኤ'ውን ኣይጽበን እዩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ትንሣኤና ቦኽሪ ኮይኑ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ተንሢኡ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብናይ ወዳ ሥልጣን ፣ ከም ወዳ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልታ ትንሣኤ ዘጉባኤ ከይተጸበየት ብኽብሪ ዓሪጋ እያ። ከምዚ ዝበለ ትንሣኤ ብጀካ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካልኦት ቅዱሳን ወይ ነብያት ሓዋርያት ኣይረኸብዎን በዚ ምኽንያት ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ትንሣኤ ካብ ካልእ ፍሉይ ኰይኑ ንረኽቦ። እዚ ትንሣኤ ዘልዓለማዊ ዝዀነ ካብ ዳግማይ ሞት ነጻ ዝዀነ ትንሣኤ እዩ። ብዛዕባ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ መቓብር ምትንሥኣ ኣብ ነሓሰ 16 ዝንበብ መጽሓፈ ስንክሳር ከምዘረድኣና ኣቡኣ ዳዊት በገና እንዳደርደረ ፣ ዕዝራ'ውን ብመሰንቆ ፣ቅዱሳን መላእክት ፣ነብያትን ጻድቃንን እንዳመስገንዋ ብቡሩህ ደመና ናብ ሰማይ ዓሪጋ ኣብኡ'ውን ብኽብሪ ምስ ወዳ ኣላ። ኣብቲ ስፍራ ካልኣይ ሞት ወይ ሓዘን ስቕያትን ኣውያትን የለን። ራእ .21፣4-5። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕርገት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝተገልጸ ካብ ናይ ሄኖክን ኤልያስን ዕርገት ዝተፍለየ እዩ። ሄኖክ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኣብ ምድሪ ከሎ ንእግዚአብሔር ብእምነትን ጽቡቅ ምግባርን ስርሑን ደስ ስለዘበሎን ብኹሉ ስርሑ ቅዱስ ኰይኑ ስለዝተረኽበ ሞት ከይረኣየ ዓሪጉ። ንመጻኢ ግና ሞት ይጽበዩ እዩ ሞይቱ'ውን ትንሣኤ ዘጉባኤ ከድልዮ እዩ። <<ሄኖክ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ ብእምነት ገዓዘ ቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረ ተመስኪሩሉ ነበረ እሞ ኣምላኽ ስለ ዘግዐዞ ኣይተረኽበን >> እብ.11፣5። ነብየ እግዚአብሔር ኤልያስ ብእሳት ሠረገላ ናብ ሰማይ ዓሪጉ እዩ። << ኤልያስ ድማ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ዐረገ >> 2ይነገ. 2፣10። ነብየ ኤልያስ ዋላ ብእሳተ ሠረገላ ይዕረግ ንመጻኢ ሞት ይጽበዮ እዩ። ትንሣኤ ዘጉባኤ የድልዮ እዩ። ቅዱስ ያሬድ ኣብ ድርሰቱ ብዛዕባ ዕርገታ ከምዚ ብምባል ይገልጾ። <<ብቃላ ዝተኣመነት ብስርሓ ዝተመስገነት ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም መላእክት እንዳመስገንዋ ብመንፈሳዊ ደስታ ዓጂቦም ናብ ሰማይ ኣዕሪጎማ።>> ብምባል ኣረዲኡና እዩ። ናይ ኣቦታትና ተስፋ ዝተፈጸመላ ናይ ድኅነትና ምኽንያት ዝዀነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብረድኤታ ኣይትፈለየና። ብቓል ኪዳና ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይሓልወና። እግዚአብሔር ናይ ኣዲኡ ፍቕሪ ኣብ ልብና ውዳሴኣ ድማ ኣብ ልሳንና የሕድረልና ኣሜንንን።

ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክብር ኣሜንንን


Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና