ልደት ዮሓንስ መጥምቅ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
በዓለ ልደቱ ለዮሓንስ መጥምቅ ሰነ 30
ዝተጠንሰሉ ዕለት መስከረም 26 እዩ። በዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ካብ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ተላኢኹ ናብ ዘካርያስ ካህን መጸ። ካህን ዘካርያስ ብክህነት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘገልግል ብእግዚኣብሔር ዝተኣመነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብዘይ መንቅብ ዝመላለስ ሰብ ነበረ። ኤልሳቤጥ እትብሃል ከምኡ ብቕድስና እትመላለስ ሰበይቲ ነበረቶ።
ክልቲኦም ንኣምላኽ ዘኽብሩ ቅዱሳን ነበሩ። እንተኾነ ግን መኻናት ነበሩ። ውላድ ክህቦም ድኣ ናብ ኣምላኽ ልማኖን ጸሎትን የቕርቡ ነበሩ እምበር ውላድ ብምስኣኖም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ኣማሪሮም ኣይፈልጡን ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጸሎትን ብልማኖን ስለ ዝጸንዑ እቲ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ከበስሮም መጸ። ዮሓንስ ዝኣክል ዓቢ ውላድ ከም ዝወልዱ ኣበሰሮም።
ነዚ ብስራት ዝሰምዔ ካህን ዘካርያስ ኣብ እርጋኑ ፡ሰበይቱ እውን ኣብ ግዜ እርጋና ውላድ ምውላድ ክዉን ኮይኑ ስለ ዘይተሰምዖ ፡ምስቲ ንብስራቱ ዝተላእከ ቅዱስ መልኣኽ ተመላለሰ። እንተኾነ ግን ንኸበስሮ ስልጣን ዝተዋህበ ቅዱስ መልኣኽ ፡ናይ እግዚኣብሔር ቃል ኣብ እዋኑን ኣብ ግዜኡን ዝፍጸም ምዃኑ ድሕሪ ምግንዛብ ክሳዕ እቲ ቃል ኣምላኽ ተፈጺሙ ዝተዋህቦ ውላድ ብዓይኑ ክሳዕ ዝርኢ ዓባስ ኩን ኢሉ ቀጺዕዎ ከደ። ብኸምዚ ካኣ እዚ ዓቢ ኣቦ ብብስራት ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ካብዞም ክልተ ቅዱሳን ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ተጠንሰ።
ቅድስት ኤልሳቤጥ ንዮሓንስ ድሕሪ ምጥናሳ መልሱ ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ቅድስት ድንግል ማርያም ንብስራት መጸ። ነቲ ኣብ ቀራንዮ ንድሕነትና ዝተሰቕለ ክርስቶስ ኣምላኽና ብድንግልን ጠኒሳ ብድንግል ከም እትወልድ ካብ ኣምላኽ ዝተነግሮ ኣምላኻዊ ቃል ኣበሰራ። እግዚኣብሔር ንቅዱሳን ኣዴታት ኣብ እርግንኤን ውላድ ከም ዝህበን ከረድእ ከኣ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ ኣብ እርግንኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ ብምባል እቲ ሓይል ኣምላኽ ንቅድስት ኤልሳቤጥ ዝገበረላ ዓቢ ግብሪ ነዛ ቅድስት ኣደ ኣበሳራ።
እዚ ዝገበረ ኣምላኽ ንሳ እውን ብቕድስና ጠኒሳ ብድንግልና ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ከም ትወልድ ዝገብር ኣምላኽ ምዃኑ ኣሚና ኣሜን ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ እሞ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ ክትብል ነቲ ቅዱስ መልኣኽ መለሰትሉ።
ነቲ ዝኾነ ክትርኢ ንኤልሳቤጥ ዘመዳ ክትርኢ ናብ እንዳ ካህን ዘካርያስ ቤት ኣምርሔት፡ ንኤልሳቤጥ ኣትያ ሰላም በለታ። ኤልሳቤጥ ንኣደ ኣምላኽ ንቕድስት ድንግል ማርያም ምስ ረኣየት ሰላምታኣ ምስ ሰምዐት ንልባ መንፈስ ቅዱስ መልኣ ፡ገብርኤል መልኣኽ ንቅድስት ድንግል ማርያም ከም ዝመስገና እዛ ቅድስት ኣደ እውን ቃል ሰላምታ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ስም ሰምዔት ብዓውታ ኣመሰገነታ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ዘሎ ህጻን ብሓጎስ ተሰራሰረ ካኣ በለት።
ኣብዚ ሰዓት እዚ እዩ ካኣ እዚ ቅዱስ ኣቦ ጌና ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ናይ ሽድሽተ ወርሒ ጥንሲ ከሎ ፡ንኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኣምልኾ ስገደት ፡ነታ ኣብ ማህጸና ጸራቶ ዝነበረት ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ጸጋን ናይ ኣኽብሮትን ስግደት ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ኮይኑ ሰገደ። (ሉቃ1፡5-56)
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ከሎ ዝሓረዮ ቅዱስ ኣቦ፡ ዮሓንስ ወልደ ዘካርያስ ንኣምላኽ ንእግዚኣብሔር ምግልጋል ንስሙ ምግዛእ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ከሎ እዩ ጀሚርዎ። በዚ ዕለት እዚ ካኣ ቅዱስ ዮሓንስ ካብዞም ክቡራት ስድራቤት ተወልደ ። ነዚ ዝሰምዔ ኩሉ ካኣ ተሓጎሰ ንኣምላኽ ንእግዚኣብሔር ካኣ ኣዝዮም ኣመስገኑ።
ኣብ መዓልቲ ግዝረቱ ምስ ኣኸለ ከኣ ከምቲ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ዝነገሮ ዮሓንስ ኢሎም ሰመይዎ። ኣቐዲሙ ምስ ገብርኤል ብምምልላሱ ዝተቐጽዔ ካህን ዘካርያስ ከም ቃል ቅዱስ ገብርኤል እቲ ዕለት ምስ ተፈጸመ ካብቲ ዓባስ ኮይኑ ዝነብሮ ዝነበረ በዚ ዕለት እዚ ኣፉ ተኸፊቱ ስለ እቲ እግዚኣብሔር ዝገበረሎም ዓቢ ውዕለት ኣመስገነ።
ከምዚ ኢሉ እምበኣር ዮሓንስ ብመንፈስን ብቅድስናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓበየ። (ሉቃ1፡67-80) ክሳዕ እታ ስለ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰብከላን ናይ ንስሓ ጥምቀት ዘጥምቐላን ካኣ ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ። (ማቴ3፡1-17) ብኸምዚ ካኣ ንብዙሓት ካብ ክፉእ መገዶም ናብ ቅኑዕ መገዲ መለሶም። ኣብ መጨረሽታ ንኣምላኽና ንኢየሱስ ክርስቶስ ከጥምቕ በቕዔ።
ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት ኣምላኽ ብዝሃቦ ጸጋ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብን ዘገልግል ዝነበረ ናይ እምነት ሓርበኛ እዩ። ንጉስ ሄሮድስ ንሰበይቲ ሓዉ ከውስብ ኣብ ዝደለየሉ ግዜ ብትሪ ብኣምላኻዊ ቃል ዝተቛወመ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ። ብኸምዚ ከኣ እቲ ጨካን ንጉስ ሄሮድስ ነቲ ክፉእ ግብሩ ስለ ዝተቛወሞ ክሳዱ ብስሕለት ሴፍ ቆሪጹ ከም ዝመውት ገበሮ። ከምዚ ኢሉ ከኣ ስለ ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ሽግርን መከራን ፡መእሰርትን ኣብ መጨረሽታ ካኣ ክሳዕ ክሳድ ከም በጊዕ ኣድኒኑ ብምሃብ ክሳዕ ሞት እሙን ኮነ።
እምበኣር ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት ካብቶም ብቅድስና ሂወት እና ተመርሑ ብኹልንትንኦም ንኣምላኽ እና ኣገልገሉ ኣብ ግዜ እርግንኦም ዝተወልደ ዓቢይን ቅዱስን ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ።
ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኩሎም ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ስብሃት ለእግዚኣብሔር ኣምላክነ ወኣምላኸ ቅዱሳን ኣሜንንን

Comments
Post a Comment