ሰሙነ ሕማማት

ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን

ኣብ ሰሙን ሕማማት እንግበሮምን ዘይግበሮምን ነገራት



 ኣብ ሰሙን ሕማማት እንግበሮምን ዘይግበሮምን ነገራት

 ፩(1) - ካህናት መስቀል ኣይሕዙን ንሕና ውን መስቀል ኣይንሳለምን > እዚ ድማ ክብርን ሓይልን መስቀል ዝተገልጸ ጎይታ ድሕሪ ምስቃሉ ስለ ዝኾነ እዩ ። ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ዘለዋ መዓልታት ናይ ብሉይ ኪዳን ምሳሌታት እየን ። በዚ ጊዜ ድማ ናይ መስቀል ኣጎልጉሎት ኣይተጀመረን' ሞ መስቀል ኣይንሳለምን ። ብተወሳኺ ድማ ፡ -ንሳሓ -ፍትሓት -ቅዳሴ(ብጀካ ሓሙስ) -ስርየት -ጥምቀት -ስብሓታት ኣይወሃብን እዩ ። ኣብ ሕማማት ስርዓተ ጥምቀት ኮነ ስርዓተ ተክሊልን ካሊእ ምስጥራት ኣይፍጸምን እዩ። ኣብ ሕማማት ንዝሞተ ሰብ ፍትሓት ኣይግበረሉን እዩ። መዓስ ድኣ ይፍታሕ እንተ ኢልና ሰንበት ሆስኣና ቅድሚ ሕማማት ምእታዉ ናይ ኩሉ ስርዓተ ፍትሓት ይፍጸም፡ ንስሓ ወሲዱ ቆነና ዝተዋህበ ሰብ እንተ ሃሊዩ ውን በዚ ዕለት ፍትሓት ንኩሉ ይግበር ስለዚ ሰንበት ሆስኣና ከም ምካኑ መጠን ፍትሓት ውን ስለ ዝግበረልና ኩልና ቤተ ክርስቲያን ክንከይድ ይግባእ እዩ። ኣብ ሕማማት ንስሓ ኮነ ቆነና ኣይፍቀድን እዩ። ኣብ ሕማማት ካህናት መስቀል ክሕዙን ከሳልሙን ኣይግባእን፡ ምእመናን ውን መስቀል ክሳለሙ ብትእምርተ መስቀል ገጽና ከነማዕትብ ክንሰግድ ከለና ውን ብትእምርተ መስቀል እንዳ ገበርና ክንሰግድ ኣይግባእን እዩ። ኣብ ሕማማት ቅዳሴ ኣይቅደስን እዩ ብዘይካ ሓሙስ ጽግቦ ኣብዚ መዓልቲ ሓሙስ ቁርባን ዝቆርብ ሰብ ዓቢ በረከት ኣለዎ ዝከኣልኩም ሓሙስ ክትቆርቡ ጽቡቅ እዩ።

 ፪ (2)- ብምስዓም ሰላምታ ኣይንለዋወጥን > ናይዚ ምክንያት ድማ ይሁዳ ንጎይታና ብምስዓም ንኣይሁድ ኣሕሊፉ ስለ ዝሃቦ ፡እት ምስዓም ድማ ናይ ሰላም ዘይኮነ ናይ ክፍኣትን ተንኮለን መግለጺ ስለ ዝነበረ፡ ንሕና እውን ነቲ ዝነበረ ንምዝካር ካብቲ ናይ ጎይታ ስቃይን መከራን ንምስታፍ ኣይንሰዓዓምን ።

 ፫ (3)- በዚ ቅዱስ ሰሙን እዚ ዝንበቡ ቅዱሳን መጻሕፍትን ዝጽለዩ ጸሎታት ዝተፈልዩን ዝተመርጹን ክኾኑ ከለዉ፤ ንሳቶም ድማ፥ ውዳሰ ማርያም፡ ኣንቀጸ ብርሃን ፡ ይወድስዋን፡መዝሙር ዳዊት፡ ሕማማተ መስቀል ። ኣብ ሕማማት ክንጽልዮ ዝግበኣና ጸሎት " መዝሙር ዳዊት ፻፶ (150) ምስ መሓሊየ ናይ ሰንበት ፡ ውዳሴ ማርያም ምስ ኣንቀጸ ብርሃን ይወድስዋን ናይ ሰሙን ምሉእ ኣቅሚ ተሃሊና ከነብጽሕ ይግባእ፡ኣብ ቤተ ክርስሪያን ተኮይና ድማ ምስ ኣቦታት መዝሙር ዳዊትን ውዳሰ ማርያም ክዕድሉ ከለዉ ክንዕደል ክንሕግዞም ንክእል ኢና። ተወሳኪ ስለ ናይ ሕማማት ዝገልጽ መጽሓፍቲ ግብረ ሕማማት ከነንብብ ይከኣል። ኣብ ሕማማት ዘይንበቡ፥ ድርሳነ ማሕየዊ ፡ናይ ቅዱሳን፡ገድልታትን ፡ድርሳናትን ከምኡ 'ውን መልክዓ መልክዕ ወዘይመስሎ ኣይድገሙን ። ምክንያቱ በዚ ሰሙን ናይ በቴክርስቲያን ምሉእ ኣጎልጉሎት ብዛዕባ ናይ መድሃኔ ዓለም ክርስቶስ ሕማሙን መከርኡን ዝዝከረሉ ስለ ዝኾነ እዩ ።

 ፬ (4 )- ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካብ ጾም ፵፩ (40 ብዝበለጸ : ብጾም : ጸሎትን ስግደትን ንሕልፎ እምበር ፤ ድልየት ስጋ ዘጽግቡ መግብታትን ጓይላታትን ኣይንገብርን ። ክርስቶስ ምእንቲ ፍቅርና ሥግኡ ተወዲኡ ኣዕጽምቱ ክሳብ ዝርአ ዝተገርፈልና ጊዜ እዩ እሞ ፤ ፍቅሩ እንዳሓሰብና ብጾምን ሰግዳንን እንጸንዓሉ እዋን እዩ ። 

 ፭ (5) - ከምቲ እንፈልጦ ዝስገደለንን ዘይሰገደለን መዓልታት ድማ ፡ቀዳመ ሰንበት : ሚካኤል ፲፪ ( 12 ) ማርያም ፳፩( 21 ) በዓለ ወልዲ ፳፱ ( 29 ) እየን : ኣብ ሰሙነ ሕማማት ግን ዝኾነ ይኹን በዓል እንተኾነ ስግዳን ኣይቃረጽን እዩ። ሕማማት ካብ ኩለን በዓላት ዝበልጽ እዩ እሞ ኣብ ዓመት ውሽጢ ድማ ሓደ ጊዜ ዝመጺእ ሰሙን ብሙኻኑ ብስግደት ነኽብሮ ። 

 ፮ (6) - ናይ ሰሙነ ሕማማት ስርዓት ጾም ካብቶም ዝሓለፉ ናይ ጾም ፵፩ (40) ሰሙናት ቅሩብ ፍልይ ዝበለ እዩ : ክሳብ ከዋኽብቲ ሰማይ ዝመልኡ ፯(7 : 00 ናይ ምሸት ) ንጸውም : እቶም ዝኸኣሉ ግና ኣብ መበል 2ይ መዓልቲ መግቢ ይምገቡ : እዚ ማለት ድማ ሰኑይ እንተ ዘይጠዓሙ ሰሉስ ዝበልዑ ድማ ክሳብ ምሽት ሓሙስ ብምጻም ይምገቡ : ካብ ሓሙስ ድማ ክሳብ ቀዳም ለይቲ ( ትንሳኤ ) ኣኽፍሎት ብምግበር ( ምጥላቅ ) በዓል ትንሳኤ የኽብሩ ። ኣኽፍሎት /ወይ ምጥላቅ : ማለት ድማ ካብ ሓሙስ ምሸት ( ንዘይ ከኣሉ ድማ ካብ ዓርቢ ምሸት ) ክሳብ ቀዳም ለይቲ ( ትንሳኤ ) ብጾም ምጽናሕ ማለት ይኸውን ÷ ነዚ ዝጀመሩ ድማ እመቤትና ቅድስቲ ድንግል ማርያም : ቅዱስ ዮውሃንስን ቅዱስ ያእቆብን ” ጎይታና ክርስቶስ ካብ ሞት ክሳብ ዝትንስእ እኽሊ ኣይንጥዕምን ” ኢሎም ሰለ ዝጾሙ እዩ ። ኣብ ግዜ ጾም ከምኡ ውን ኣብ ሕማማት ካብ ስጋዊ ርክብ ክንክልከል ይግባእ እዚ ነቶም ሰብ ሓዳር እዩ። እቶም ሓዳር ዘይገበርና ግን ክሳብ ብሕጋዊ ቃልኪዳን ኣሲርና ነዓና ትመስል ወይ ነዓክን ዝመስል እንረክብ ካብ ዝሙት ካብ ስጋዊ ርክብ ኩሉ ግዜ ክንርሕቅ ይግባእ። ኣብ ሕማማት ብዙሕ ጸሎትን ብዙሕ ስግዳንን እንዳ ገበርና ፍቃድ ናይ ስጋና ንቀትለሉ ካብ ኣምላክና ምሕረት ንረክበሉ ካብ ደዊየ ስጋ ደዊየ ነብሲ ንፍወሰሉ ካብ እግዝኣብሔር ጸጋ ንረክበሉ ሰመያዊ ምስጥራት እንርእየሉ ሱባኤ እዩ ስለዚ ኩሉ ክጸውም ይግብኦ ብዘይካ ብከቢድ ሕማም ኣባት ነብሶም ዝፈቀደሎም ተዘይኮይኖም ኩሉ ክጸውም ይግባእ ኣብዚ ዘይጾመ ግን ልኽዕ ካብቶም ዝሰቀልዎ ኣይሁድ ኣይፍለን እዩ። 

 ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝንበቡ ቅ.መጻሕፍቲ፡ -ወንጌል በቢ መዓልቱ -መዝሙር ዳዊት 1. ሰኑይ፥ --ማቴ ፳፩፡ ፲፰- ፪(21፥18-2) -ማቴ ፳፩፡፲፪-፲፯ (21፥12-17) -ሉቃ፲፱፡፵፭ - ፵፮ (19፥45-46) -ማር ፲፩ -፲፯ (11፥17) መዝ.ዳዊት ካብ ምዕራፍ ፩ - ፴ (1-30) 2. ሰሉስ፥-ማቴ ፳፩ ፡፳፫- ፳፯ (21፥23-27) -ማር ፲፩፡፳፯- ፴ (11፥27-30) - ሉቃ ፳፡፩-፰ (20፥1-8) -መዝ. ዳውት ፴፩-፷ (31-60) 3. ረቡዕ፥ -ማቴ ፳፮ ፡ ፫-፲፮ ( 26፥3-16) -ማር ፲፬ ፡፩ -፲፩ (14፥1-11) - ሉቃ ፳፪ ፡ ፩-፮ (22፥1-6) -መዝ.ዳዊት ፷፩- ፺ (61-90) 4. ሓሙስ፥ -ማቴ ፳፮ - ፲፩-፵፮ (26፥11-46) -ማር ፲፬ ፡፲፪- ፶፪ (14፥12-52) -ሉቃ ፳፪፡፩- ፶፫(22፥1-53) -መዝ.ዳዊት ፺፩-፻፳ ( 91-120) 5. ዓርቢ፥ -ማቴ ፳፮፡፵፯- (26፥ 47)-ፍጻሜ፡ -ማቴ ፳፯፡፩- (27፥1)-ፍጻሜ -መዝ.ዳዊት ፻፳፩ -፻፶ ( 121-150) 

 ኣብ ሰሙን ሕማማት ዘሎ ዜማ -ሶኑይ ሰሉስ ረቡዕ ብግእዝ -ሓሙስ ብኣራራይ ፡ -ዓርብን ቅዳምን ብእዝል እዩ። @ ኣብ መዓልቲ ብዝተካእለ መጠን ናይ ሰዓት 7am፡9፡12፡3፡5pmዝበጽሕ ናይ ለከ ሃይልን ፵፩ (41)፡ቺርያላይሶንን ፵፩ (41) ስግዳን ክንሰግድ ይግበኣና። ኣብ ሕማማት ብኣቦታት ዝወሃበና ፲፪ (12) ኣቡነ ዘበሰማያት በሉ ክንበሃል ከለና ፲፪ (12) ግዜ ኣቡነ ዘበሰማያት ምስ በሰላም ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ፵፩ (41) ኪራላይሶን ክብሉና ከለዉ,,,,,፵፩ (41) ኪራላይሶን ድማ ንሰግድ ማለት እዩ።
 "ጾምናን ጸሎትናን ስግደትናን ናይ በረከት ናይ ሕድገት ኃጥያት ይግበረልና ፡ናብ ብርሃነ ትንሳኤኡ የብጽሓና ኣሜንንን 

ብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና  ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==



 ስብኃት ለእግዚኣብሔር ኣምላክነ

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና